Monday, May 30, 2011

ትዕግስቲ


+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ብዓለም ዝተጨነቀ ናብ ኣበ ነብሱ ዝኸደ መንእሰይ ተስፋ ክመዝቆረጸ ገለጸሉ። ኣበ ነብሱ ከኣ ሓንቲ ዓባይ ዛንታ አስተምሃሮ። ንሳ ኸኣ፡
ሓደ ኣቦ ንወዱ ዓቅሉ ኪፍትን ምስ ደለየ ናብ ሓንቲ ግራት እሾኽ ዝመለአት ወሰዶ። እዚ እሾኽ ኣብዛ ግራት ዘሎ ኩሉ ኣጽርዮ ኢሉዎ ከደ። እቲ ዉሉድ ከኣ ሓራይ ኢሉ ክጅምር ምስ ደለየ ስፍሓት እቲ ግራት ምስ ዝርኢ ትሰፋ ቆሪጹ ድቃስ ከኣ ወሰዶ። ኣቡኡ ምስ መጸ ደቂሱ ረኸቦ። “እንታይ ደኣ ዘይጀመርካ፤” ምስ በሎ፡ “ኣቦ ስፍሓት እቲ ግራት ምስዝርኢ ተሰፋ ይቆርጽ ኣለኹ” በሎ። እቶም ኣቦ ከኣ “በቲ ኣብ መርገጽ እግርኻ ዘሎ ጀመር በብቅሩብ ከኣ ክትውድኦ ኢኻ” በሎ። ብርግጽ ከኣ እቲ ዝተሓስበ ትምህርቲ ተረዲኡዎ ከደ።

ኣሕዋተይ ደቂ ቅድስተ ቅድሳን ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝተወለድኩም ክርስቶሳውያን እዚ ትምህርቲ ንዓና’ውን ዝምልከት እዩ። ዓለም ኩሉ ግዜ እሾኽ እያ። ከምቲ ኣርኣያናን መምህርናን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ “ከምቲ ኣነ ካብ ዓለም ዘይኮነኩ ንሳቶም ካብ ዓለም ኣይኮኑን እሞ ዓለም ጸለኣቶም።” (ዮሓ 1614)  ። ስለዚ ዓለምና እታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ትኹን። ናፍቆት ሰማያዊ ህይወት ይሃሉወና።    

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።

 ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment