Monday, July 4, 2011

ትርጉም ጸሎተ ሃይማኖት


+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ጸሎተ ሃይማኖት ጸሎት) ብዝብል ስያመ እትፍለጥ ብትኅዝቶ ኮነ ብምሥጢር ኣዝያ ዓባይን ሓንቲ ካብተን ኣብ ምዕላደ ጸሎት ተቐሚረን ዘለዋ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዕለታዊ ጸሎትና ከም መቕድም(መእተዊ) ናይ ኵሉ ዓይነት ጸሎት እንደግመን እያ፣እቲ ስማ ከም ዚሕብሮ ጸሎተ ሃይማኖት መግለጺ መሠረተ እምነት ናይ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ሃይማኖት እያ።


ሠረታዊ ትምህርቲ ሃይማኖትና ኣብተን ብኃሙሽተ (5) ኣዕኑድ ዚምሰላ 5-አዕማደ ምሥጢር (ምሥጢረ ሥላሴ፣ ምሥጢረ ሥጋዌ፣ ምሥጢረ ቍርባን፣ ምሥጢረ ጥምቀት፣ ምሥጢረ ትንሣኤ ሙታን) እዩ ዚንገር። ኵሉ ዓይነት ትምህርትን ነገረ ሃይማኖትን ድማ ኣብ ውሽጠን ዚጠቓለልን ከም ጨንፈር ኣብ ጕንዲ ምስአን ዚተኣሳሰርን ብእአን ዝሕዘልን ብምዃኑ እዘን 5-አዕማደ ምሥጢር መምዘኒ ናይ ኵሉ ትምህርታት'የን። ጸሎተ ሃይማኖት እምበኣር ነዘን 5-አዕማደ ምሥጢር ብገላጽን ሕጽር ብዝበለን፣ ብመልክዕ ጸሎት ኣብ ውሽጣ ሓቚፋ መሠረተ እምነትናን ነገረ ሃይማኖትናን ስለ እተዘኻኽረና እያ ዓባይ ናይ ሃይማኖት መግለጺ ጸሎት ዝተባህለት። ጸሎት ጥራይ ዘይኮነት ዓሚቝ ምሥጢርን ሰፊሕ ትምህርትን ዝኃዘትውን እያ፣ናብ ዕምቈት ምሥጢራን ትኅዝቶኣን ምስእንመጽእ ኣብ 5-ክፍሊ ከፋፊልካ ምምልካት ይከኣል። እዚ ኸኣ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት "ነአምን" እናበሉ ቅዱሳን ኣቦታትና ክፍሊ ጌረሙሉ ከምዘለዉ ኣብዛ "ነአምን" እትብል ቃል መሠረት ብምግባር እዩ። 1."ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ አኃዜ ኵሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር…… " ዝብል ናይ መጀመርታ ክፍሊ ብዛዕባ ካብ 3-ሥላሴ ሓደ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣቦ ህላዌን እንታይነትን ደረጅኡ ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ዚገልጽ'ዩ።
2."ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስወልደ አብ ዋሕድ ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም….." ዝብል ካልኣይ ክፍሊ ከኣ ብዛዕባ ካብ 3-ሥላሴ ሓደ ዝኾነ እግዚአብሔር ወልድ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ህላዌን እንታይነትን፣ ማዕርነቱ ምስ ኣቦን ንድኅነት ደቂ አዳም ኪብል ዘርኣዮ ተኣዛዝነትን ዝተቐበሎ ፀዋተወ-መከራን ዚገልጽ ነቲ ሰፊሕ ትምህርተ ሥጋዌ ጸሚቑ ዘዘኻኽር ክፍሊ'ዩ።
3."ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ ዘሠረፀ እምአብ ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ ምስለ አብ ወወልድ…." ዝብል ሣልሳይ ክፍሊ ከኣ ብዛዕባ ህላዌን እንታይነትን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ዚገልጽ ኮይኑ ማዕርነቱ ምስ አብን ወልድን። ሕይወቶም ምዃኑን ሕፀፅ ከምዘይብሉ ዘረድእ ክፍሊ'ዩ።
4. "ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተክርስቲያን እንተ ላዕለ ኵሉ ጉባኤ ዘሐዋርያት…" ዝብል ራብዓይ ክፍሊ ከኣ ኣቦታትና ሓዋርያት ብዝሰበኽዋን ብጉባኤታቶም ብዝደንገግዋን ብሓንቲ ቅድስት ቤተክርስቲያን ነአምን ብምባል ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና በተን 7-ምሥጢራተ ቤተክርስቲያን ተመሪሕና ኵሉ ሥርዓት ቤተክርስቲያን ክንፍጽም ከምዘሎና ዘዘኻኽር ክፍሊ'ዩ።
5. "ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢአት ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን….." ዝብል ኃሙሻይን ናይ መወዳእታን ክፍሊ ነገረ ድኅነትናን ተስፋ ጽድቅናን ብምሥጢረ ጥምቀት ጀሚሩ ብምሥጢረ ትንሣኤ ሙታን ዚፍጸም ስለዝኾነ፣ ካብ ጥምቀት ክሳዕ ትንሣኤ ኣብ ሃይማኖት ተሠሪትና፣ ብፍቕሪ ተሓኒፅና፣ ተስፋ ሰኒቕና፣ ብጽንዓትን ብትዕግሥትን ብእምነት ክሳዕ መወዳእታ ክንጐዓዝ ከምዘሎና ዚምዕድ ክፍሊ' 1ይቆሮ 1313,ማቴ 2413ጸሎተ ሃይማኖት መዓስን ኣበይን ብመንን ተደርሰት ዝብል ሕቶታትን ካልኦትን ንምምላስ ናብ ታሪኽ ኣማጻጽኣ ጸሎተ- ሃይማኖት ምስ እንመጽእ ሰፊሕ ታሪኽ ዝሓቘፈት ኮይና ኢና እንረኽባ። ጸሎተ ሃይማኖት 325 ... ኣብ ጉባኤ ኒቅያ 318 ርቱዓነ ሃይማኖት ኣቦታት ከም ዝተድርሰት እዩ ታሪኽ ቤተክርስቲያንና ዚሕብረና። እንተኾነ "…ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ…" ካብ ዝብል ክሳዕ "….ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ።" ዚብል ጥራይ እዩ ዝነበረ። እቲ ዚቕጽል ክፍሊ ማለት "ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ ….." ካብ ዚብል ንደኃር ዘሎ ግና ኣብቲ ዝቐጸለ ካልኣይ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ማለት ጉባኤ ቍስጥንጥንያ 381 ... 150 ኤጲስቆጶሳት ከምዝተመልአ ታሪኽ ይውስኽ። ሕጽር ብዝበለ መልክዑ ኣብ ትንታነ ምስ እንኣቱ፣
1 ጉባኤ ኒቅያ 325 . ግእዝ፣ እዚ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን እቲ ናይ መጀመርታ (ቀዳማይ) ጉባኤ እዩ። እዚ ኪበሃል ከሎ ግና ምስቲ ብተመሳሳሊ ስም ቀዳማይ ጉባኤ ሐዋርያት እናተባህለ ዚንገር፣ ብምኽንያት ካብ ወገን አሕዛብ ክርስትና ዝተቐበሉ ወገናት ብኸመይ ንኃዞም፧ ዝብልን ኣብ ሞንጎ ካብ ወገን ኣይሁድን ወገን አሕዛብ ዝመጽኡ ኣባላት ቤተክርስቲያን ዝተላዕለ ምፍልላይ ንምዕራፍ ሐዋርያት ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ዘቃንዕዎ ጉባኤ ከደናግረና የብሉን። ብርግጽ ናይ ሐዋርያት ጉባኤ ኣብ ኢየሩሳሌም፣ ብጊዜ ዝቐደመ' እንተኾነ ምኽንያት መጋቢኢኦም ናይ ምኅደራ፣ ርድኢት ድኅረባይታ፣ ሜላ- ስብከትን ጕስነትን ዘጠቓልል ውሽጣዊ ጸገማት ብምንባሩ እምበር ናይ ክሕደት መናፍቕነት ኣብ ነገረ ሃይማኖት ዘይምዃኑ በቲ ሓደ ልዕሊዅሉ ኸኣ ገና ቤተክርስቲያን ካብ ስደትን መከራን ግፍዕን ከየዕረፈት ምሉእ ናጽነትን ርግኣትን ከይረኸበት ከላ ዝተቓንዐ ብምዃኑ ከም ዓለም-ለኻዊ ጉባኤ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ኣይተመዝገበን።
ጀማሪ ጉባኤ ምዃኑ ግና ቤተክርስቲያን'ውን ነቶም ካልኦት ጉባኤታት መበገሲ ዝገበረቶ ብምዃኑ ዚከሓድ ኣይኮነን። ጉባኤ ኒቅያ እምበኣር ቤተክርስቲያን ኵሉ እቲ ዝበጽሓ ስደትን መከራን ብዘመነ ሐዋርያት ጀሚሩ ክሳዕ 70 .. ብመስጋገሪ ዘመን 70-160 .. ኃሊፉ፥ ብዘመነ ሰማዕታት (160-313 ..) ምስ ተፈጸመ፥ ኵሎም እቶም ዓላውያን ገፋዕቲ ነገሥታት ከም በዓል ኔሮን ቄሣር፣ መክስምያኖስን ዲዮቅልጥያኖስን ኃሊፎም ብንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ወዲ ቅድስት እሌኒ ኣቢላ ምሉእ ናጽነትን ሰላምን ርግኣትን ረኺባ፥ ብናይ ባዕላ ሕግን ሥርዓትን እናተመርሐት ቤተክርስቲያና ሠሪሓ ናጻ ዝኾነ ስብከት ክትሰብኽ ካብ እትጅምር ዘካየደቶ ናይ መጀመርታ ዓለም-ለኻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ምዃኑ'ዩ።
ካብ መላእ ዓለም ብዝተዋጽኡ ኣመንቲ ዝተቓንዐ ንኹለን ሊቃነ-መናብርት ዘሳተፈ ንመናፍቓን'ውን ከይተረፈ ናጻ ኮይኖም ሓሳባቶም ከፍስሱ። ትምህርቶም ኬስምዑ ምሉእ ዕድል(መሰል) ዝሃበ (ብናይ ዘመንና ኣጋላልጻ ነጻ ፕረስን ዲሞክራስን ዝሰፈኖ) ዓቢይ ፈላሚ ጉባኤ ብምዃኑ' ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ከም ቀዳማይ ጉባኤ ተደንጊጉ እንረኽቦ። ንጉባኤ ኒቅያ ምኽንያት ዝኾነ ክሕደት(መናፍቕነት) ናይ ኣርዮስ እዩ ነይሩ። ኣርዮስ ናይ መንፈሳዊ ኣቦኡ(መምህሩ) ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት ትምህርትን እምነትን ኃዲጉ ናይቲ ቀዳማይ መናፍቕ ምዃኑ ዚንገረሉ ናይ ጳውሎስ ሳምሳጢ ትምህርቲ ኣራቒቑ ብኣዋጅ ኣፉ መሊኡ ኪሰብከሉ ምስ ጀመረ' ቤተክርስቲያን ጉዳዩ ብጉባኤ ኪርአ ዝወሰነት፣ናይ ኣርዮስ ክሕደት "ወልድ ፍጡር በመለኮቱ" ዝብል ኮይኑ ንምሥጢረ ሥላሴን ምሥጢረ ሥጋዌን ዘዘናብል ትምህርቲ' ነይሩ። ስለዚ ድማ ካብ ምሉእ ዓለም ኣብያተ-ክርስቲያናት ዝተኃርዩ 2340 ዝኾኑ ኤጲስቆጶሳት ካብ 21-ሚያዝያ ክሳዕ 21-መስከረም (ብዙኃን ማርያም) ኣብ ኒቅያ ብትእዛዝ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ተኣኻኸቡ። ካብዚኣቶም 318 ሊቃውንት "ከም ሓደ ልቢ መኻሪ፣ ከም ሓደ ቃል ተዛራቢ" ብምዃን ሓሳቦም ሓደ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ ንጉዳይ ኣርዮስ ኪምርምሩ ተገብረ። ቅድሚ ጉባኤ ምጅማሮም ካብ 21-መስከረም ክሳብ 9-ሕዳር፣ 7-ሱባኤ (7*7=49 መዓልታት) ሱባኤ ኣተዉ። 9 ኅዳር 325 ..ግእዝ ድማ ጉባኤ ተጀመረ። ኣርዮስ ሓሳቡን ትምህርቱን ኪገልጽ ነጻ መድረኽ ተዋህቦ፣ "ትቤ ጥበብ ፈጠረኒ አብ ከመ እኩን መቅድመ ኵሉ ተግባሩ፣" ምሳ. 822 ንዝብል ጥቕሲ ነጸላ ትርጉም ብምጥቃምን ትሕቲኡ ዘሎ ቅዱስ ጽሑፍ ብዘይምግንዛብን ምሳ 823-ፍጻ ጥበብ ዝተባህለ ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ቀዳማይ ፍጥረት ናይ እግዚአብሔር አብ እዩ። ንኻልኦት ፍጥረታት ኣብ ምፍጣር ግና ልኡኽ ኮይኑ ሓጊዝዎ'ዩ።" ብምባል ናይ ክሕደት ትምህርቱ ኣስምዐ። እቶም 318 ሊቃውንት ድማ ብኣቦ-መንበርነት እለእስክንድሮስን (ሊቀጳጳስ ዘእስክንድርያ መንበረ ማርቆስ) ኣፈ ጉባኤ ሊቀ-ዲያቆናት ቅዱስ ኣትናቴዎስን ንኣርዮስ ተኻራኺሮም ረትዕዎ። እንተኾነ ካብ ክሕደቱ ኪምለስ እኳ እንተለመንዎ ኣይምለስን ብምባል ስለዘቕበጸ ንእኡ ብውግዘት ፈልዮም ከምውፅኢት ናይቲ ጉባኤ ነተን ቀዳሞት 7- ዓንቀጻት ናይ ጸሎተ ሃይማኖት ኣርቀቑ። እዚ ኸኣ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ "ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ…."ካብ ዝብል ክሳዕ "ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ፣" ዝብል ክፍሊ ምዃኑ'ዩ። ብተወሳኺ'ውን 318 ሊቃውንት ርቱዓነ ሃይማኖት ኣብዚ ጉባኤ' ጸሎተ ሃይማኖት ንምእመናን ከም ዘርቀቑ፣ ግሩም ቅዳሴ ንኻህናት፣ ሕንፃ መነኮሳት ንመነኮሳት ዚርከቦ ድርሰታትን መጻሕፍትን ካልኦት ሥርዓተ-ቀኖናን ሠሪዖም እዮም። 2 ጉባኤ ቍስጥንጥንያ 381 ..ግእዝ እዚ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ናይ ቤተክርስቲያን ኮይኑ ምኽንያት ናይ' ጉባኤ' ናይ መቅደንዮስ ግጉይ ትምህርቲ እዩ ነይሩ፣ መቅደንዮስ መንፈቀ ኣርዮስ ኮይኑ "መንፈስ ቅዱስ ሕፁፅ እዩ። ማለት ምስ አብን ወልድን ማዕረ ኣይኮነን።"ዝብል ሕጂ'ውን ንምሥጢረ ሥላሴ ዝትንክፍ ናይ ክሕደት ትምህርቲ እዩ ኣቐልቂሉ። በዚ ምኽንያት ድማ ሕጂ'ውን 150 ኤጲስቆጶሳት ካብ ኣርባዕቲአን ሊቃነ መናብርት፣ (መንበረ ያዕቆብ ዘኢየሩሳሌም፣ መንበረ ጴጥሮስ ዘሮም፣ መንበረ ዮሐንስ ዘኣንጾኪያ፣ መንበረ ማርቆስ ዘእስክንድርያ) ተጋቢኦም ብባሕቲ፪ የካቲት ንጉዳዩ ብጉባኤ ተመልከትዎ። ንመቅደንዮስ ረቲዖም ብውግዘት ድኅሪ ምፍላይ ድማ ማዕርነት እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ምስ እግዚአብሔር አብን እግዚአብሔር ወልድን ብምርግጋጽ "ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ….." ንዝብል ዓንቀጽ ኣብ ርእስ' ዝነበረ 318 ሊቃውንት ዘስፈርዎ ድርሰት ጸሎተ ሃይማኖት ወሰኹ። ከምኡ'ውን ንብድኅሪ ሕጂ ካብ ዚመጽእ መናፍቕነት ንምጥንቃቕ ተወሰኽቲ 4-ዓንቀጻት ብምርቃቕ ብጠቕላላ ኣብዚ ጉባኤ' 5-ዓንቀጻት ኣርቂቖም ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ንዝተጀመረት ጸሎተ ሃይማኖት ናይ መወዳእታ መልክዓ ብምትኃዝ "ለዓለመ ዓለም" ዛዘምዋ። ስለዚ ጸሎተ ሃይማኖት እምበኣር ብኸምዚ ዝበለ ሰፊሕ ታሪኽ፣ ሱታፌ ናይ ብዙኃን ሊቃውንት፣ ዓሚቝ` ምውካስ ትርጓሜ ቅዱሳት ጽሑፋትን ኃያል ክትዕን ልዕሊ ዅሉ ከኣ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ሥምረት(ኅብረት) ጐይታን 1 ጴጥ.120, ማቴ.1820 ዝተረኽበት ውፅኢት ናይዘን ክልተ ቀዳሞት ጉባኤታት እያ። ስለዚ እያ ድማ ዓሚቝ ምሥጢር ብምኃዝ መግለጺ ሃይማኖት ክርስትና ክትከውን ዝበቕዐት። ጸሎተ ሃይማኖት ኣብ ውሽጣ 12-ዓንቀጻት ዚኃዘት እያ። ጸሎተ ሃይማኖት ኂዛቶ ዘላ ምሥጢርን ትምህርትን ኣዝዩ ዓሚቝ ብምዃኑ ንሊቃውንት ኣቦታት ኣስፊሖምን ኣብሪሆምን ኪጽሕፉልና ብስም እግዚአብሔር እናተማኅፀንና ብዓቕምና ግና ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ኣብ እምነትና ጽንዓት፣ ኣብ ኣፍልጦና ዕምቈት፣ ኣብ ጸሎትና ድማ ርድኢት(መንፈስ) እንተ ዘርኣትልና ከምዚ ክንብል ፈቲንና።  


ምንጪ ፣-መጽሐፈ ጸሎት መጽሔት ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ሰንበል

1 comment:

  1. naybahaki almlak tsegu yebzahalkum nay edme agelglotkum ab amde semay yetshafelkum ......naybahki abi zikone megbi hiwet megibkumna misgana yekunkum amen!!!

    ReplyDelete