Monday, July 4, 2011

ጾም


+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ጾም ካብ ማይን መግብን ንዝተወሰነ ግዜ ምጽናሕ ወይ ምውዓል ወይ ምውዓልን ምሕዳር ማለት እዩ። ጽቡቕ! ኩልና ውሉድነት ረኺብና ማለት ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስን ምንጻህ ማይን ተጠሚቅና ንብል። ምስጢረ ጥምቀት ነዚ ምስጢር ጽቡቕ ገይራ ትገልጾ እያ። ሕጂ ግን ብዛዕባ ጾም እየ ክዛረብ ደልየ። ጾም ሎሚ ድዩ ተፈጢሩ፤ ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንሰብ ማለት ንኣቦና አዳም ካብታ ፍረ ህይወት ከይትበልዕ ኢሉ ኣዚዙዎ። እታ መጀመርያ ጾም እዚኣ እያ። ስለዚ ዶግማ ኣይቅየርን እንተ ኾይኑ ደኣ ሎሚ ዚመጻእካ ወዲ ሰብ ጾም ኣይጾውምን እየ፡ ክሓምም እየ፡ ስጋ እንተዘይበሊዐ ክመውት እየ ኢለካ ንነፍስኻ ተጨንቃስ ንምንታይ። እዚ ነገር መሰረት ቅዱስ ቃል እግዚኣብሔር ምዃኑ ነስተውዕለሉ።

ህዝቢ እስራኤል ንኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ-በዳ ክጓዓዙ ከለው እንታይ ይበልዑ ነበሩ፤ እግዚኣብሔር ካብ ቁጥዓ ምሕረት ዝፈቱ ኣምላኽ ጠሚና ምስ በሉ ማና ሂቡዎም። ማና ካብ ሰማይ ይወርዶም ነበረ። ተመስገን ከይብሉ ስጋ ሃበና ኢሎም ኣምሪሮም ከኣ በኸዩ (ኦሪት ዘሁልቅ 10)። ስጋ ክንሃርፍ ከለና ስጋ እንታይ ስለዘለዎ እዩ ክንድዚ ንሃረፎ፤ እዞም ከም ስጋ ዘገልግሉና በጊዕን ተለበጊዕንሲ እንታይ እዮም ዝበልዑ። ሳዕሪ’ኮ እዮም ዝበልዑ። ጸባ ጸገብ ዝበሃል ሰብ ንምንታይ እዩ፤ ግርም’ኳ እዩ ዝብለካ። ጸባ ጸገብ ዘይኮነስ ስጋ ጸገብ ኮይኑ ሕጂ ሓቀይ። ንህዝቢ እስራኤል ካብ ስጋ ክበልዑ ምስ ኣፍቀደሎም ኩራ እግዚኣብሔር ከም ዝወረዶም እዩ ኣብ ዘሑ 10፡33 ዝነግረና “እቲ ስጋ ገና ኣብ ኩርምቶም ከሎ ኸይሔኽዎ ኸኣ ኩራ እግዚኣብሔር ኣብቶም ህዝቢ ነደደ፡ እግዚኣብሔር ነቶም ህዝቢ ኣዝዩ ብዝበርትዔ መቕዘፍቲ ወቕዖም”። ሓንቲ ሓፍትና ኣብ ዘሰክፍ ግዝፊ ምስ በጸሐት ናብ ሓኪም ትኸይድ እሞ፡ እቲ ሓኪም ከኣ ካብ መግቢ ክትሕረም (ክትክልከል) ትእዘዝ። ወዮ ጓልያት ምግቢ ትበሃል ትገድፎ። ንምንታይ እንተ ኢልና፡ ቅርጻ ከይበላሾ። ብቀደሙስ ጹሚ ዶ ኣይተባህለትን። ብጣዕሚ ዘገርም እዩ። ኣምላኽ ዝብለካ ገዲፍካስ ሓኪም ዝበለካ ትሰምዕ እዝንስ ከመይ ዓይነት እዚ ተዋሂባትና፤ ጥልላት ዘይምብላዕ ኣይቀትል ኣየሕምም። እቲ ዝገደደ ሕማም ባዕላትና ነምጽኦ እዩ። እቲ ዝዓበየ ከኣ መንፈሳዊ ሕማም እዩ። ነፍስካ ክትጸውም ከላ ነፍስኻ ንስጋኻ ትቆጻጸራ። ንጸሎት ንቁሕ ትኸውን። ትሕትና ይህልወካ ማለት ትዕቢት ናይ ጉብዝናኻ ይደክም። ካብቲ ዘገርም ግን መብዛሕትኡ ኣብ ምሕቃቅ መግቢ ዝነጥፉ ኣካላትና ዕረፍቲ ምርካቡ እዩ። ጾም ነፍስን ስጋን ሓቢሮም መንፈሳዊ ስራሕ ዝሰርሑሉ ግዜ እዩ። ኢድካ ኣልዒልካ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ክትጽሊ ከለኻ ንፍስን ስጋን ተሓባቢሮም ዝሰርሑሉ እዋን እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ብምሉእ ስጋኻን ነፍስኻን ልብኻን ሓሳብካን ኢኻ ንዓለማዊ ድልየታት ትጾመሉ። ምኽንያቱ ዓለም ሓላፊት እያ።

ፍቕሩ ዝሃበካ እግዚኣብሔር ፍቕርኻ ሂብካ ናብ ሬድኤቱ ተማዕዱ። ስለዚ በረኸት ጾመ ሓዋርያት ኣይፈለየና ክርስቶሳውያን ኣእዳውና ኣልዒልና ናብ ልዑልን ልዑለ ባህሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንለምኖ። ካብ ሓንቲ ሰዓት ናብ ክልተ፡ ክልተ ኢልና ከኣ ሰለስተ፡ ከምኡ ኢልና ናብቲ መንፈስ ቅዱስ ኣዲልዩልና ዘሎ ጸጋ ንብጻሕ።

(ትርጉም ካብ መጽሓፍ H.H Pope Shenouda III, Spiritual Fasting)

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment