Monday, July 4, 2011

እግዚኣብሔር ምሳና ኣሎ

+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!! 

ዮሓ. 14፡18 “ኣነ ዘኽታማት ኬንኩም ክትተርፉ ኣይሓድገኩምን እየ” ይብለና ልዑል ፈጣሪ። ብሓቂ ክርስቶሳውያን እግዚኣብሔር ኣምላኽና በደልናን ኣበሳናን ከይተመልከተ በቲ ዘይውዳእ ምሕረቱ ጌሩ ናብ ‘ዛ ዕለት እዚኣን ናብ’ዛ ሰዓት ‘ዚኣን ኣብጺሑ ንንስሓ ትበቅዕ ዕድመ ወሲኹ ይንከባኸበና ኣሎ። ስሙ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። እዚ ሓይለ ቃል’ዚ ዓቢ ምዃኑ ሓይሊ ኣስኒቁ ኣብ ተስፋ ሰማያዊ ሃብቲ ክንጸንዕ ይመኽረና። ኣቦ ኣለና መን እዩ ዝጎድኣና! ሓደ ኮ የለን ብሓቂ። እዚ ግን ንሕና መእመናን ምፍላጥና ምስ እግዚኣብሔር ክንከይድ ይግባእ። መገዱን ቅንዕንኡን ኣርእዩና። እቲ ዝዓበየ ኸኣ ብቅዱሳን ኣእጋሩ ገይሩ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ክዞራን ክቅድሳን ከሎ ኣርኣያ ዝኾነና ኩሉ ገዲፉልና እዩ። ምኽንያቱ ኣብ 1 ጴጥ 2፡21 “ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፡ ኣርኣያውን ሓደገልኩም” ይብል ቅዱስ ቃሉ።

 ነቢይ ዳዊት ምስ ጉልያጥ ክገጥም ከሎ ኣብ ወንጭፉ እግዚኣብሔር ሒዙ እዩ ከይዱዎ። ጉልያጥ ግና ምስቲ ጉብዝንኡ ኣረኣእዩ ነቲ ዘይርአ ዘይጭበጥ እግዚኣብሔር ስለዘይየስተውዓለ “በትሪ ሒዝካ ትመጻኒስ ኣነ ከልቢ ድየ፤” ጉልያጥ ብጣዕሚ ብትርኢቱ ዘርዕደካ ሰብ እዩ ነይሩ። ዳዊት ከኣ ሓደ ንእሽቶይ ጓሳ እዩ ነይሩ። እግዚኣብሔር ግና ንኽልቲኦም ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሔር ዝሓረዮ ከኣ ብሓንቲ ናይ ወንጭፍ እምኒ ገይሩ ነቲ ገዚፍ ፍጥረት ኣብ ኢድ እቲ ንእሽቶ ድኹም ግን ብሓይሊ እግዚኣብሔር ዝመላለስ ዳዊት ኣሕሊፉ ሃቦ። (1 ሳሙ 17)። ግሓ. 18፡10 “ኣነ ምሳኻ ስለዝኾንኩ ድማ ኪጎድኣካን ኪጻብኣካን ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን”። ምስ እግዚኣብሔር ንጎዓዝ። ቃሉ ንመገብ ህይወና ነዛ ሓላፊት ዓለም’ዚኣ ኣይንሽጣ። ምኽንያቱ ንሕና ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ኢና ዝተወለድና። ህያዋን ክንከውን ምስቲ ህያው ዝኾነ ሓደ ኣምላኽ ንኹን። ኢሳ 41፡10 “ምሳኹም እየ እሞ ኣይትፍርሁ ኣነ ኣምላኽኩም እየ እሞ ኣይትሸበሩ፡ ከበርትዓኩም፡ ክረድኣኩም በታ ሓያል የማነይቲ ኢደይውን ክድግፈኩም እየ” ብሓቂ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምሳና ኣሎ።

 ፍርሂ እታ ናይ መጀመርያ ምንቅጥቃጥ ልቢ ኢያ። ፍርሂ ኣብ መጀመርያ ዝመጸት ፍርሂ ሰሪ ኩሉ ዝለዝኾነት። ፍርሂ እንተዘይብለና ኮይኑ ኣይንሕሱን፡ ሓውና ኣሕሊፍና ኣይንህብን፡ ኣብ እንጽልዮ ኣይንጠራጠርን። ምስጢሩን ጥበቡን ዝገለጸሎም ቀዳሞት ኣቦታትና ንየማነይቲ ኢድ እግዚኣብሔር መን ይብልዎ፤ ወልድ እግዚኣብሔር እዩ። ዮሓ 1፡1 “ቃል ብመጀምርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።” ይብለና። እዚ ሓይለ ቃል እዚ ሓይለ ልዑል ኣምላኽ ኣጽለለና ካብ ሞት ውን ኣውጸኣና። ስለዚ ኣብ መዝሙሩ ዳዊት መዝ 124፡1 “እግዚኣብሔር ምሳና እንተዘይነብርሲ እንታይ ምኾንና ኔርና እስራኤል ምላሽ ይሃብ”። ካብዛ ገጽ ምድሪ ምጠፋእና ነይርና። ግን እግዚኣብሔር ምሳና ኣሎ። ብሓይሉ ንንቀሳቐስ ብሓይሉ ነስተንፍስ ብሓይሉ ደቂስና ንትንስእ። ኣስዕብ ኣቢሉ ነቢይ ዳዊት መዝ 27፡10 “ኣቦይን ኣደይን እኳ እንተ ጠንጠኑኒ ንስኻ ኦ እግዚኣብሔር ትእርንበኒ ኢኻ”። ኩሉ ኣንጻርይ ክለዓል እቶም ዝፈትዎም ኣቦይን አደይ ‘ኳ እንተ ሓደጉኒ ንስኻ ኩሉ ሰናየይ ኢኻ ብሓቂ። ኣቦኣን ኣዲኣን ኣብ ዓዶም ገሊላ ሕፉራት ዝነበሩ (ወንጌል ሉቃ 8፡43-48) ነታ ብዙሕ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ጓሎም ገዲፎም ናብ ካልእ ከይዶም። ብሰንኪ ደም ምፍሳሳ ዘይበጸሑዎ ኣይነበረን። ዓለም ከም ንፈልጣ ከዳዕ እያ። እታ ትነብረላ ዝነበረት ገዛ ‘ኳ ኣሕዲጎም ግዳም ሓደር ኮይና ኩሉ ሰብ ፈንፊኑዋ። ጎይታናን መድሓኒናን ግን ከምኡ ኣይኮነን። ብፍቕሩ ደጊፉ ነታ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ ተንኪፋ ክሓዊ ኢላ ምእማና ይኹነልኪ “እምነትኪ ኣሕወየትኪ ኣላ” ሰላማ መለሰላ። ሕጂ ውን እግዚኣብሔር ኣምላኽና ምሳና ኣሎ። ማቴ 28፡20 “. . . እንሆ ኣነ ድማ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብቅዱስ ቃሉ የጸናንዓና። ብቅዱስ መንፈሱ ገይሩ ይደግፈና፡ ሓይሉ ኣይኽለኣና፡ ኩሉ ግዜ ነታ ሎሚ ኮይና ንርእያ ተስፋ ክሳዕ መወዳእታ ምሳና ጸኒዓ ትንበር። 

ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment