Wednesday, December 14, 2011

“እምብዛ ጻድቕ ወይ እምብዛ ለባም ኣይትኹን” መክ 7፡16


በሰመ ኣብ ወወልድወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ!!!

ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድዉልዳን ብመንፈስ ቅዱስ መንፈሳውያን ዝተሰመኹም፡ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ፈጸምረቲ ዝኾንኩም፡ ኣፍቀርቲ ቅድስት ቅዱሳን ኣዴና ድንግልማርያም ናይ ሓደራ ደቃ ብሰናይ ፍቃድ እግዚኣብሔር ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ወርቃዊ ቃል ክንመሃር ክንፍትን ኢና። ከመይ! እምብዛጻድቕ ወይ እምብዛ ለባም ኣይትኹን ብነጸላ ትርጉም ክንወስዶ እንተ ፈቲና ብርግጽ ናብ ጌጋ ርድኢት ክንኣቱ ኢና። እቲ ምንታይ’ሲቅዱስ ሓዋርያ ጻውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ናብ ሰብዐ ቆሮንጦስ 2 ቆሮ 3፡6 “ፊደል ይቀትል መንፈስ ህይወትይህብ” ኢሉ ይግስጸና። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከሎና ነቲ ህያው ዝኾነ ትርጉም ክንበልዕ ይግባእ። ንጉስ ሰሎሞን ነዚ ቅዱስቃል ክጽሕፍ እንከሎ ንጽድቕን ጥበብን ተቃዊሙ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፤ ካብ ዘይበጻሕካዮን ዘይኾንካዮን ንላዕሊ ኢየ ኢልካኣይትመካሕ ክብለና ደልዩ፡ ጽድቕን ጥበብን ደረጃ እንዳ ሓለኻ እየን ዝብጸሓ እውን ይውሰኾ።


ንኣብነት፦ ኣርኣያ ኩሉ ዓለምጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰማይ ዝዝፋኑ ገዲፉ ኣብ መንጎና ተረኺቡ ብቅዱሳን ኣእጋሩ ንምድሪ ክቕድሳን ክዞራን፡ ብቅዱስደሙ ከንጽሃ ከሎ ሓደ ዓቢ ትምህርቲ ብግብሪ ኣርእዩና እዩ ንሱ ኸኣ ትሕትና እዩ። ኣብ ፊሊጲ 2፡6-11 “ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽከነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን” ቀጺሉ’ውን “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ ሰብ’ውን መሰለ፡ ብንብረቱኸም ሰብ ኮይኑ ተረኽበ። ርእሱ ክሳዕ ሞት ኣትሓተ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ”። ስሙ ንዘለኣለም ይኽበር ይመስገን።ከምዚ ዝበለ ትሕትና ብሓቂ የለን። ኣብዚ ቅዱስ ቃል ብዙሕ ምስጢራት ንረክብ። ሓደ ካብኡ ምስጢረ ስላሴ ኮይኑ እግዚኣብሔር ኣብእግዚኣብሔር ወልድ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ሓደ ስልጣን ሓደ ህላወ ሓደ መለኮት አለዎም ኢልና ኣሚንና ሓድነትን ሰለስትነትንይገልጸልና። ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን ይብለና። ብሓቂ ነቲ ቅዱስ ፍቕሩ ይገልጸልና። ስለዘፍቐረና ካብሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ማእስር ሞት፡ ካብቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ደብዳቤና ክድምስስ መጺኡ ኣብ መንጎና ተረኺቡ ህይወት ሂቡና።ኣቦና ኣዳም ዝሰኣና ወሉድነት ብጥምቀት መስረተልና። ትሕትና ከኣ እታ ዓባይ ትምህርቲ ኮይና ኩልና ውልድነት እግዚኣብሔር ዝረኸብናብትሕትና ክንቅነት ከምዘለና ይምዕደና። 

ሓደ ሓደ ሰባት ስርሖም ከይመስከረሎምብኣፎም ወይ ብትምኒቶም ጥራይ ጻድቃን ወይ ጠቢባን ንክኾኑ ይሓስቡ።


ወላዲት ኣምላክ ቅድሚ ንጎይታምውላዳ ገረድ ጎይታ ክትከውን እያ ትምነ ነይራ። እዚ ኸኣ ገረዱ ዘይኮነት ወላዲት ኣምላኽ ክትከውን ኣብቀዓ። እዚ ከኣ ትሕቲ፡ንጽህቲ ብሕሊና ንጽህቲ ብስጋ፡ ንጽህቲ ብነፍስ ስለዝኾነት። 

ኣብያተ ክርስቲያናትና ወይገዳማትና ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ዝስርሓሉ ምኽንያት ካብ ብዙሕ ውሑድ ብዘይ ጻዕሪ ጻማ የለን፡ ካልእ ከኣ ካብ ታሕቲ እንተዘይጀሚርካንላዕሊ ከምዘይብጻሕ ምርዳእ። ኣብ ምሳሌ 30፡12 “ርኽሰቱ ዘይተሓጽበ ኣነ ንጹህ እየ ዚብል ወለዶ ኣሎ” ኢሉ ተመሲሉ። እዚ ኸኣዝገበርካዮ ዘይብልካ ንጽህና ምህቃን ማለት እዩ። ስለዚ ከይተሃወኽካ ኩሉ ቀስ ብቀስ ይብጻሕ እዩ። ብርሃናት ዓለም ሓዋርያ ጳውሎስከምዝበሎ “ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ጌሩ ደኣ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዝግባእኣዕዚዙ ከይሓስብሲ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ በቲ ዝተዋህበኒ ጸጋ እምዕድ ኣለኹ” ሮሜ 12፡3። እምብዛ ጻድቕ ምዃን ማለትካብ ዝሰራሕካዮ ናይ ጽድቒ ስራሕ ንላዕሊ ከምዝሰራሕካ ምሕሳብን ካብ ዓቕምኻን ንላዕሊ ንዝኾኑ ነገራት ምምናይ ማለት እዩ። ብናይቤተ ክርስትያንና ትምህርቲ መሰረት ዓሰርተ ናይ ቅድስና ደረጃታት ኣለው። እዚኣቶም ድማ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ጸማዌ፡ ልባዌ፡ ኣንብእ፡ጣእሙ ዝማሬ፡ ኩነኔ፡ ፍቅር፡ ሁሰት፡ ንጻሬ፡ ተመስጦን ከዊነ እሳትን እዮም። ጌና ኣብዞም መዓርጋት እዚኣቶም ከይበጻሐ ኣብ ላዕሊንዘሎ ናይ ፍጹማን መዓርግ እንተተመንዩ ንገዛእ ርእሱ እምብዛ ጻድቕ ጌሩ ማለት እዩ። እዚ ድማ ዘይብሉ ስለዝተመነየ ኣይጠቕሞንእዩ። ምኽንያቱ እምብዛ ጠቢብ ምዃን ማለት ካብቲ እትፈልጦ ንላዕሊ ከምእትፈልጥ ኳንካ ምሕሳብ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ክኾኖ ካብዝግባእ ንላዕሊ ክኸውን ዝብል እንተኾይኑ ሽግር ይገጥሞ እዩ፡ ማለት “እንቁርዖብ ክንዲ ሓርማዝ ክኸውን እየ ኢላ ብዙሕ ማይ ሰትያተተኪሳ” ክምዝብሃል፡ ዘይተማሃርሮ ከምዝተማህሮ ዘይፈለጦ ከምዝፈልጦ ኾይኑ እንተተሰሚዕዎ ግቡእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብዙሕ ጥበብኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ብዙሕ ጓሂ ኣሎ፡ እቲ ፍልጠት ዘብዝሕ ስቓይ የብዝሕ” ተባሂሉ ከምዝተነግረ ሓሳብ ብምውራድን ብምድያብን እዩዝደክም። መክ 1፡18።

ስለዚ ሓዋርያ ከምዝተዛረቦንገዛእ ርእስኻ ብምግታእ ከም ዓቕምኻ ምንባር ይግባእ። ሓደ እኳ ርእሱ ኣይጠብር። ገለ ካባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ምእንቲክኸውን ዓሻ ይኹን። 1ይ ቆሮ 3፡18 ብምባል እምብዛ ጥበበኛ እየ ካብ ምባል ርእስኻ ኣትሒትካ ኣይፈልጥን እየ ምባል ዝሓሸ ምዃኑኣስተምሂሩና እዩ።


ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነንብቦእግዚኣብሔር ጸጋኡ ዘብዝሓሎም ብዙሓት ቅዱሳን በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ተመኪሖም “ንሕና ሓያላት ኢና” ኣይበሉን። ንገዛእ ርእሶም ደኣኣዋረዱ እምበር በቲ ዘለዎም ነገርስ ኣይተዓበዩን። እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ዝኾነ ኣብርሃም ንኣጋእዝተ ዓለም ስላሴ ኣብገዝኡ ንምእንጋድ በቕዐ ጻድቕ ከነሱ “ኣነ ሐመድን ሓምኹሽትን እየ” ኢሉ። ዘፍ 18፡27። እቲ ነብይን ንጉስን ዝኾነ ቅዱስ ዳዊትውን ሳኦል የሳጉጎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ንንጉስ ሳኦል ከምዚ ኡሉ ተዛሪብዎ። “ናይ እስራኤል ንጉስ (ሳኦል)ደድሕሪ መን እዩ መጺኡ ዘሎ፤ ንመንከ ኢኻ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ፤ ንምዉት ከልቢ ንሓደ ቁንጪ፤ 1 ሳሙ 24፡15። እዚ ጻድቕ ሰብ’ዚገዛእ ርእሱ ብትሕትና ከመይ ጌሩ ከምዘዋረደ እዩ ዘርእየና። ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ምዕራፍ “ኣነ ሓሰኻ እምበር ሰብ ኣይኮንኩን”ክብል ተዛሪቡ’ዩ። መዝ 22፡6 ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ንዓይ ቁላዕ ንዘመስል” ተራእየኒ 1 ቆሮ 15፡8 “ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮምሓጥኣን ክብል እዩ ንገዛእ ርእሱ ዘትሓተ 1 ጢሞ 1፡16። 

ኣብርሃም’ውን “ዓሌታት ኩላምድሪ ድማ ብኣኻ ክባረኹ እዮም” ተባሂሉ ብእግዚኣብሔር ተጸዊዑ ከሎ ንነፍሱ ከም ሐመድን ሓሙኹሽቲ ደኣ ቆጸራ’እምበር ንገዛእ ርእሱስኣየጽደቐን። ዘፍ 12፡3። ቅዱስ ዳዊት’ውን ዋላ’ኳ እግዚኣብሔር “ከም ልበይ ዝኾነ ወዲ እሴይ ረከብኩ” ኢሉ ከም ዝመረጾ እንተፈለጠንነብሱ ከም ጻድቕ ኣይቖረራን 1 ሳሙ13፡14። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብኢየሱስ ክጽዋዕ ከሎ “ምሩጽ ኣቕሓ” ከምዝተባህለ ይፍለጥ  እዩ። ግ.ሓ 9፡15 ኮይኑ ግና ሓጢኣተኛ ምዃኑ ተዛረበ’ምበር ንነብሱስ ከምጻድቕ ኣይቆጸራን። 

ስለዚ እምበኣር ካብዚ እንርድኦገዛእ ርእስኻ ምትሓት ደኣ እምበር ምልዓል ከምዘይግባእ እዩ ዘረድኣና። ሰለዝኾነውን ጠቢቡ “እምበዛ ጻድቕ እምብዛ’ውን በዓል ጸጋአይትኹን” ክብል ተዛሪቡ እዩ። ጎይታናውን ኣይኮነንዶ ብዘይገበርናዮስ ብዝገበርናዮውን እንተኾነ ክይንምካሕ “ዝተኣዘዝክምዎ ኩሉምስ ገበርኩም ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና እቲ ክንገብሮ ዝግባኣና ኢና ዝገበርና በሉ” ኢሉና’ዩ። ሉቃ 17፡10። ጠቢቡ ነዚ ዝተዛረበ፡ሰብ ብዘይ ልክዕ ገዛእ ርእሱ ንኽየጽድቕ እዩ። ነዚ’ዩ ኸኣ “ጻድቕ ብጽድቁ ዚጠፍእ ኣሎ ረሲእ ድማ ብግበሪ እከዩ መዓልትታቱ ዘንዉሕኣሎ ነዚ ኹሉ ብመዓልትታት ከንቱነተይ ረኣኹዎ” ዝበሎ። መክ 7፡15 “ጻድቕ ብጽድቁ ዝጠፍእ ኣሎ” ማለቱ ብዝገበሮ ሒደት ናይ ጽድቂስራሕ ምስ ተመክሐ ክምዝጠፍእ ከረድኣና ከሎ እዩ፡ “ረሲእ’ውን ብኽፍኣቱ ነዊሕ ዘመን ክነብር ከሎ” ማለት ነቲ ሓጥእ ዋላ’ኳ ነዊሕዘመን እንተሃቦ ኣብ ክንዲ በደሉ ተመልኪቱ ንስሓ ዝኣቱ ምስ ክፍኣቱ ክነብር መሪጹ ማለት እዩ። ስለዚ ህዝበ ክርስቲያን ጽድቅናብሕቡእ እምበር ብኣፍና ኣይኹን፡ ጥበብ እንተደለና ከኣ ናብቲ ጥበበኛ ተሞርኪስና ኣብ ትሕቲ ምሕረቱ ክነብር ትሕትና ክንዕጠቕ ይግበኣናእዩ እሞ ኩሉ ምስጋና ንእግዚኣብሔር ሂብና ብሰላም ክነብር ፍቓዱ ክንመልእ ብቅዱስ መንፈሱ ይሓግዘና። ወላዲት ኣመላክ ብቅድሚትንድሕሪትን ኮበኪባ ንዓስቢ ሰማያት ተብቕዓና።

ወሰብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድነግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment