Saturday, February 18, 2012

ናይ ቁርስና በረኸት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ ኣምላክ አሜን!

 ዘመነ ዮሓንስ ዓቢይ ጾም ዝጅምር ካብ የካቲት 12 – 2004 ዓ.ም (20-02-12) ኮይኑ በዓል ትንሣኤ ኣብ ዕለት ሚያዝያ 7- 2004 ዓ.ም (14-04-12) ይኸውን። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልና!
 ዐቢይ ጾም (ዘጾም ክርስቶስ) ካብ ለካቲት 21 ስጋብ ሚያዚያ 16። እዚ ጾም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምጥማቁ 40 መዓልትን ለይትን ዝጾሞ ጾም ብምዃኑ ዓቢይ ጾም ተባሂሉ። ንሕና'ውን   ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ብምዝካር ፣በረከት ንምርካብ ፣ ከምእ'ውን ብግብሪ ንዕዑ ብምምሳል ናይ ሥጋ ፈቃድና ንምግዛእ ንጾሞ።
ዐቢይ ጾም 55 መዓልታት ንጾሞ ጾም እዩ። ሸሞንተ ሳምንታት ከኣ ኣለዎ። ንሳቶም ከኣ፣-
1ይ  ሰሙነ ፣ ዘወረደ ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ምውራዱ
2ይ  ሰሙነ ፣ ቅድስት፣ ናይ ሰንበት ቅድስና
3ይ  ሰሙነ ፣ምኩራብ ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምኩራብ ምምሃሩ
4ይ ሰሙነ ፣ መፃጉ ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕሙማን ምፍዋሱ
5ይ ሰሙነ ፣ደብረዘይቲ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ እምባ ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ምምሃሩ
6ይ ሰሙነ ፣ ገብርሔር፣ ቅኑዕ ኣገልጋሊ ዋጋኡ ዘለዎ ምዃኑ
7ይ  ሰሙነ፣ ኒቆዲሞስ ፣  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኒቆዲሞስ ምዝርራቡ
8ይ ሰሙነ ፣ ሆሳእና ፣  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳተመስገነ ናብ ቤተ መቅድስ ምእታዉን ስለና ሕማማት ምቅባሉ ይዝከር።
 ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾሞ ብሰላም ብፍቅሪ ብትሕትና ጾምና ናብ በዓለ ትንሣኤኡ ብሰላም ክንበጽሕ ብለውሃቱን ምሕረቱ ይሓልወና። ኣሜን።

No comments:

Post a Comment