Sunday, February 19, 2012

ናይ ቁርስና በረኸት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!


    ብዛዕባ  ጾም  ናይ  ቅዱሳን  ኣቦታት ትምህርቲ

ኣብ እዋን ጾም ሓደ ክርስቲያን ጾሙ ክሠምረሉ ጽቡቅ ተግባር ክፍጽምን ክትግብርን ይግብኦ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ካብ ሰባት ምስጋና ወይ ድማ ካልእ ሙገሳ ነገራት ደልዩ ዝጸውም ካብ ኮነ ግና ጾሙ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተቀባልነት ዘይብሎ ጾም ይኸውን። ምኽንያቱ ዓስቡ ካብ ሰብ ዝደሊ ስለዝኾነ።
ዝኾነ ጽቡቅ ስራሕ ኮነ ተግባር ንገብሮ ንኣምላኽና እግዚአብሔር ካብ ዘለና ፍቕሪ ዝተበገሰ እንተዘይኮይኑ ንእግዚአብሔር ከንሐጎሶ ኣይንኽእልን ኢና።

 ሓደ ሰብ ዋላ እኳ ሙሉእ ናይ ህይወት ዘመኑ ብትርሕምት ሥጋኡ ንነፍሱ ኣግዚኡ፣  ህይወት ምምራሕ ዘለዎ እንተኾነ ኣብዚ ዓቢይ ጾም ግና ካብ ቅድም ብዝበለጸ ሓጥያቱ ንካህን ተናዚዙ፣ ንድኻታት ብምምጽዋት ብኣግባብ ክጸውም ይግብኦ። ኣብዚ ኣርብዓ መዓልቲ ውሽጢ ዓመት ሙሉእ ዝሰራሕናዮ ሓጥያትና ክእለየልና ይኽእል እዩ። ( ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቒ

ንመንፈሳዊ  ህይወትና ዘይኮነ ንሥጋዊ ህይወትና ምጥንቃቅና ብጣዕሚ ዝገርም እዩ። ንሕና ንገዛእ ርእስና ዝተጠንቀቅና መሲሉና ባህ ወይ ደስታ ይፈጥሩልና እዮም ዝበልናዮም መግቢን መስተን ኣብዚሕና ንበልዕን ንስቲን። …  ኮይኑ ግና ኣብ መጨረሻ ሕማምን ስቃይን ይዀኑና። ናይ ሥጋ ድሌትን ፍትወትን ዝነዓቁ ብጾምን ብጸሎትን ከሙኡ ብትሕርምት ህይወት መንፈሳዊ ህይወቶም ዝመርሑ ቅዱሳን ግና ሥጋኦምን ነፍሶም ሕዋያን ጌሮም ብጥዕና ይነብሩ። ብሓጎስን ተድላን ዝነብር ዝነበረ ሰውነትና ድሕሪ ዕረፍተ ሞቱ ካብ ውሽጡ ዝወጽእ ሕማቅ ሽታ ዝተላዕለ ኣብ ልዕሊኡ ቅዱይ ቅብኢ ሽቶ ንለኽዮ ኮይኑ ግና ናይ ቅዱሳን ሰውነት ህይወት ከለዉ ዋላ ምስ ዓረፉ ሥጋኦም ጥዑም መኣዛ ይምንጩ። እዚ ብጣዕሚ ዘደንቅ እዩ። ንሕና ሥጋና ክንሃንጽ ክንብል ንገዛእ ርእስና ከንጥፍእ ከለና። ንሶም ግና ሥጋኦም ንነፍሶም ኣግዚኦም ብጾምን ጸሎትን ንገዛእ ርእሶም ካብ ድሌታት ሥጋ ተጊኦም ብምንባሮም ንሥጋኦም የኽብርዎ። ናይ ነፍሶም መኣዛ ስለዝሓለዉ ከኣ በዚ ምኽንያት ሥጋኦም ጥዑም መኣዛ ይህልዎ።

 ነፍስና ንጽሕንኣ እንድሕር ዘይሓለወት ንንጽሕንኣ ንኽትስእኖ ኣዝዩ ቀሊል እዩ። ብዘይ ጾም ናይ ነፍሲ ንጽህና ክሕለው ኣይከኣልን እዩ። ሥጋና ንነፍስና ምእዛዝን ምግታእን ኣይትኽእልን እያ። ኣእምሮና  ምድራዊ ነገር ስለዝእዝዘና ጸሎትና ዝሰመረ ኣይከውንን። ሥጋና ንነፍስና ኣብ ፍርሓት ተእትዋ። ኣብ እእምሮና ክፋእ ሓሳባት ብምምጻእ ሕልናና የርስሖ።  ስለዚ  ከኣ ናይ እግዚአብሔር ጸጋ ካባና ትርሕቅ፣ ትውሰድ ካብዚ ዝተላዕለ ብግልጺ ጸላኢ ሰናያት ዲያብሎስ ናብ ዝፈቀዶ ሓጥያት ይመርሓና።
 ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ድሕሪ ምጻሙ። ጸላኢ ሰናያት ዲያብሎስ ናቡኡ ቀሪቡ ጠምዩ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብመግቢ ፈቲንዎ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጸላኢና ዲያብሎስ ከመይ ጌርና ከም እንስዕሮ ከኣ ብናቱ ጾም ኣሚሂሩና።

እዚ ከኣ ሓደ ሙኩር ዓላማይ መምህር   ዝርአ ሜላ እዩ ንተመሃሮኡ ንጸላኢ   ከመይ ጌርካ ክምትስዕሮን ኣብ ልዕሊኡ ዓወት ከምትረክብ ከምህሮም ምስ ዝደሊ ምስቲ ጸላኢ ኣብ ኩናት ይገጥም። ሓቐኛ ብዝኾነ ኩናትውን ከመይ ጌርና ንጸላኢና ምስዓር ከም ዝከኣል ንጸላኢ ብተግባር ብምስዓር ንተመሃሮኡ የምህሮም።
ኣብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም̕ውን ዝኾነ እዚ እዩ። ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጸላኢ ሰናያት ሰይጣን ናብኡ ከቅርቦ ከምዝጥመየ ገሊጹ። ናቡኡ ምስ ኣቅረቦ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ፍሉይ ዝኾነ ጥበቡ ብመጀመርታ፣ ካልኣይን፣ ሳልሳይን ኩናት ኣብ መሬት ኣወዲቑ ሲዒርዎ። (ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቒ)

   ቀዳማይ፣- ንስስዐ፣- ብትዕግሥቲ።
   ካልኣይ፣- ንፍቅረ ንዋይ፣- ገንዘብ ብምጽላእ  
   ሳልሳይ፣- ትዕቢት፣- ብትሕትና ሲዒርዋ። ማቴ.44

 እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ንዓና ሕቶ ይሓተና ወደየ እንዳጾምካ ዲኻ? ጾምካ ብሥራሕ ተጊቢርካ ኣርእየኒ። ንድኻ ሪእኻ እንተኾንካ ራህርሃሉ። ፈታዊኻ ከቢሩ እንተኾይኑ ቅንኣት ኣይሰመዓካ። ኣፍካ ጥራሕ ኣይጹም ዓይንኻ እዝንኻ፣ እግርኻ፣ ኣእዳውካ፣ ኩሉ ናይ ሰውነት ህዋሳትካ ክፋእ ካብ ምስራሕ ኮነ ምሕሳብ ይጹሙ።

 ኣእዳውካ ካብ ስስዐ ይጹሙ። ኣእጋርካ ካብ ሓጥያት ምስራሕ ምፍጣን ይጹሙ። ዓይንኻ ናይ ሓጥያት ነገራት ኮነ ስርሓት ካብ ምርኣይ ይጹሙ። ኣእዛንካ ካብ ከንቱ ዝኾኑ ነገራት ሓሜት ካብ ምስማዕ ይጹሙ። ኣንደበትካ ካብ ስንፍና ዘረባን ዘይግባእ ነቀፊታን ዋዛን ፈዛዛን ምዝራብ ይጹሙ። ንሓውና እንዳሓመኻ ካብ ዓሳን ተዋጽኦ እንስሳ ጥሉላት መግቢ ምኽልካልካ እንታይ ይጠቅመካ? ይብለና ኣሎ ኣማላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ።

 ህዝበ ክርስቲያን ንሕና̕ እንታይ እዩ መልስና? ነብስና ኩላትና ንመርምርን ንፈትሽን ነቲ ዝጎደለና ክንምልእ ነቲ ዘለና ጽቡቅ ተግባራት ከነጽንዕ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይሓግዘና
ኣብ እዋን ጾምና ንእግዚአብሔር ደስ ዘብል ተግባራት ስራሕ ጽድቂ ክንሰርሕ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብምሕረቱን ለውሃቱን ይደግፈና። ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

         ወስብሓት ለእግዚአብሔር
         ወለወላዲቱ ድንግል
         ወለመስቀሉ ክቡር!

No comments:

Post a Comment