Sunday, February 26, 2012

ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር (1)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ናይ ቤተ መቕደስ ትርጉም

ቤተ መቅደስ ዝብል ሓረግ ናይ ክልተ ቃላት ኮይኑ    ቤት፣-ማለት  መሕድሪ ፣መንበሪ፣ ስራሕ ዝስርሓሉ  ጉባኤ ማኅበር ( ቤተ እስራኤል ቤተ ክርስቲያን ከምዝበሃል) ማለት ኪኸወን ከሎ፣ መቅደስ - ማለት ድማ መቀደሲ ፣መመስገኒ፣ መሥዋእተ ጸሎት መቅረቢ ማለት እዩ።

ስለዚ ቤተመቅደስ ዝብል ሓረግ ሓደ ቤተ እግዚአብሔር ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ፣ ናይ ቅዱስ ስሙ መጸውዒ መቅደስ ኦሪት መቅደሰ ወንጌል፣ ቤተ ክርስቲያም ማለት እዩ።
ካልኣይ ማኅበረ እግዚአብሔር ጉባኤ ምእመናን ዝብል ትርጋሜ ክህልዎ ከሎ ክርስቲያን ንገዛእ ርእሶም ማኅደረ እግዚአብሔር ወይ ከኣ ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ ምዃኖም ይገልጸልና

ኣብ ላዕሊ ከምዝረኣናዮ ናይ ቤተመቅደስ ትርጉሙ ግልጺ ንኽንገብሮ ብሠለስተ መገዲ ከፊልና ክንሪኦ ኢና።

.ናይ ክርስቲያን ሓድነት ( ጉባኤ ምእመናን) ቤተመቅደስ ይብሃል።- ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  << ክልተ ወይ ሠለስተ  ዀይኖም ብስመይ ኣብ  እተኣከቡሉ ኣነ ከኣ ኣብ ማእከሎም  እየ። >>  ማቴ.18-20 ብዝበሎ መሠረት ንሕና ምእመንና ክርስቲያን ክልተ ሠለስተ ኮይንና ስሙ እንዳጸዋዕና እንተተኣኪብና ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣብ መንጎና ተረኺቡ ጉባኤና ብጸጋኡ ይባርኸና። ስለዚ ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ ዝኾነ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ( ጉባኤ ምእመናን ) ቤተ መቅደስ ተባሂሉ ይጽዋዕ።


2 .ክርስቲያን  (ሓደ ምእመን) ቤተመቅደስ ይብሃል። ብርሃናት ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ  መልእኽቱ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ (ቤተመቅደስ) ምዃና ክገልጽ ከሎ      1ይቆረ. 3-16 <<ቤተ  መቅደስ ኣምላኽ ምኻንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ሓደ እኳ ነታ ቤተመቅደስ ኣምላኽ እንተኣማሰነ ኣምላኽ ከማስኖ እዩ። ቤተመቅደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ። እዛ ቤተመቅደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም። >> ይብለና።
ከምእውን ኣብ    1ይቆረ.6-19<< ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ ሥጋኹም ቤተመቅደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምኻኑ ናይ ርእስኹም̕ውን ከም ዘይኰንኩም̕ ኣይትፈልጡን ኢኹም ስለዚ ብሥጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብሩዎ። >>  ስለዚ ሓደ ምእመን ሰውነቱ ናይ እግዚአብሔር ብምዃኑ፣ ነፍሲ ወከፍ ምእመንና ናይ እግዚአብሔር ቤተመቅደስ ይበሃል።

3. ህንጻ ቤተመቅደስ ቤተመቅደስ ይብሃል። እግዚአብሔር ዝምለኸሉ ቅዱስ ስሙ ዝጸውዓሉ መሥዋእተ ወንጌል ዝሥወኣሉ
ክርስትያን ዝእከብሉ ቤተ መቅደስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ቤተመቅደስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ምስጋና ቦታ ስለዝኾነ እዩ። ኣብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ህንጻ ቤተመቅደስ ናይ ቅዱስ ስሙ መጸውዒ ምኻኑ ተገሊጹ ንረኽቦ ኢና። << ሕጂ ከኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ ኣእዛነይ̕ውን ጽን ክብላ እየን። ሕጂ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይስ ንዘልዓለም ኣብኣ ኪኸውን ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብኣ ኪኾና ሓርየያን ቀዲሰያን ኣለኹ። >>  2ይዜና.መዋ.715   ብምባል ህንጻ ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ንምእመናኑ ዝባርኸላን ዝቅድሰላን ጸጋኡ ዝዕድለላ ምዃኑ ይነግረና።

ኣብዛ ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ፣ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቅዱሳን መልኣኽቲ ቅዱሳን ሓዋርያት፣ጻድቃን ሰማእታት ዝርከቡላ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሕረቱን ጸጋኡን ንምእመናኑ ዝዕድለላ ቅድስቲ ቦታ እያ።

1. ናብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ክንኣቱ ከለና ዝገብሩ ምድላዋት

ጠቢቡ ሰለሙን << ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሓሉ። >> መክ.5-1 ከምዝብለና ናብ ቤተ መቅደስ ክኸይድ ዝብገስ ምእመን ንእግሩ ምሕላው ማለት እግረ ሥጋኡ ካብ ዘይግባእ ቦታ እግረ ሕሊናኡ ካብ ሓጥያትን በድልን ምሕላው ይግባእ መዓስ፧ ብኸመይ ናብ ቤተመቅደስ (ቅድመ እግዚአብሔር) ምእታው ከምዘለዎ ፈሊጥና ክንዳሎ ይግባእ።

ናብ ቤተ መቅደስ ቅድሚ ምእታውና ኣቀዲሞና ክንገብሮም ዝግብኣና ምድላዋት ከም እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቃድ ካብ ዝቅጽል ጽሑፍና ክንርእዮም ኢና።
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚ አብሔር ጥበቡን ምስትውዓሉን ይግለጸለና።

.ናይ ልቡና ምድላዋት።

ይቕጽል…….  ብሰላም የጽንሓና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment