Saturday, March 10, 2012

ጸሎት


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
   “ኣዒንቲ እግዚኣብሔርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሔር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ” (1 ጴጥ 3፡12)
ጸሎት፡ ትርጉሙ ምስ ኣልፋን ኦሜጋን ዘራኽበና መሳልል እዩ። ምስ ኣምላኽና ዘራኽበና ካብ ኮነ እንጽልዮ ጸሎት ከመይ እዩ፤ ኣብ ዝተሸገርናሉ ጥራይ ዲና ንጽሊ ወይስ ምስ ረሃወና፤ ነቶም ዝሕልዉና መላእክት ‘ከ እንታይ ንምግቦም ኣለና፤

  ንኣብነት ዛንታ ናይ ሓንቲ መንእሰይ ንርአ። እዛ መንእሰይ’ዚአ ኩሉ ጌዜ ከይቋረጸት ትጽሊ ነበረት፡ ሓደ ኣጋጣሚ ምስ ኣጓነፋ ግና ጸሎት ኣቋርጸት። ጸሎታ ዘቋረጸትሉ ምኽንያት ንኣደ ወላዲታ ዝነበራ ዕዙዝ ፍቕሪ ብሰንኪ ሕማም ንምንታይ ኣምላኽ ንዓባየይ ወሲዱዋ ኢላ ስለዝተቆጠዐት እዩ። በዚ መሰረት ምስ እግዚኣብሔር ዝነበራ ጥቡቅ ዝምድና በተኸቶ። እዛ መንእሰይ ግና ጻድቅ ኢዮብ ዝበሎ ዝዘንገዐት ትመስል “እግዚኣብሔር ሀበ እግዚኣብሔር ድማ ወሰደ” ( ኢዮብ 1፡21) ። ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ዝደለዮ የጥፍኦ ንዝደልዮ ኸኣ ብህይወት የንብሮ። ቀጺሉ’ውን ጐይታ ኩሉ ዓለም “ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቑመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፤” (ወ. ማቴዎስ 6፡27) ። ሓደ’ኳ የለን!

  እዚ ገና ኣብ ውሽጣ ከም ቁስሊ ዝኾነ ናይ ኣደ ወላዲታ ከይተረሰዐ ከሎ፡ እታ ትፈትዋ ወላዲታ ብሕማም ምስ ተጠቅዐት እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሰንበዳ ሕልሚ ሞት ናይ ዓባያ ኣብ ገጽ ወላዲታ ክትርእዮ ኣይከኣለትን። ብጀካ ሓደ ኣምላኽ ካልእ ሞዕቕቢ ስለዘየለ ኸኣ ገዲፋቶ ዝነበረት ጸሎት ብስቡር ልቢ “ተጋጊየ ኢየ” ኢላ ናብ ኣምላኽ ተንበርኪኻ ክትጽሊ ጀመረት። መሓሪ ኣምላኽ ስለዝኾነ ከኣ ነታ ትፈትዋ ኣላዲታ ኣሕወየላ።

  “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም” (ማቴ 10፡38) ከምዝበለ ብሓቂ ነቲ እንጽልዮ “ብፍቓድካ ደኣ እምበር ከም ፍቓድና ኣይኹነልና” ንበሎ። ነቲ ኣምላኽ ደስ ዘብሎ መንገዲ ብትዕግስቲ ከም ንርኢ ኣይእግመናን እዩ። ምኽንያቱ “ኣምላኽ ምሳና ካብ ኮነኸ መን እዩ ዝቃወመና” (ሮሜ 8፡31) ስለዝብል ቅዱስ ቃሉ። ማንም የለን ብሓቂ! ንሕና ዝደለናዮ ጥራይ ዘይኮነ ንሱ ዝፈቐዶ እዩ እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ።

  እስራኤላውያን መንገዲ 4 መዓልቲ 40 ዓመት ብሰንኪ ትሪ ልቦም ተጓዘዎ። ንሕና ድማ ካብ ትሪ ልቢ ነጻ ኮይና ምስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዘለና ርክብር ነደልድሎ። ነዚ ኣምልኪቱ ነቢይ ዳዊት “እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ናባኻ ዎ ኣምላኽ ትናፍቕ ኣላ። (መዝ 42፡1) ኢልና ናብ ልዑል ፈጣሪና እናሻዕ ንቅረቦ። ኣብ ቅዱስ ወንጌሉ ከም ዝበለና “ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኩሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ፡ ኩሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ” (ወ. ሉቃስ 21፡36) ። ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ሱባኤ ብትጉህ መንፈስ እንጽልዮ ጸሎት የብዛሓልና፡ ንምትግባር ፍቓዱ በቲ ዘይውዳእ ምሕረቱ ይሓልወና ቅዱስ መንፈሱ ጌሩ’ውን ይደግፈና። (PDF) TSELOT

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment