Saturday, March 17, 2012

ቅድስቲ ሳራ


በስመ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

 ሚያዝያ 25 ኣብዚ ዕለት ሳራን ክልተ ደቃን ኣኽሊል ሰማዕትነት ዝተቀበሉሉ እዩ። እዛ ቅድስት ኣደ በዓልቤታ ሶቅራጥስ ዝስሙ ሓለቃ ንጉሥ ዲዮቅልጥያኖስ እዩ ነይሩ። ሶቅራጥስ ንጉሥ  መከራ ከየብዝሓሉ  ብምፍራሕ ካብቲ እምነተ ክርስትና ሪሒቑ ወጺኡ ነበረ ። ቅድስቲ ሳራ ግና ነቲ ሒዛቶ ዝነበረት እምነተ ክርስትና  ክሳዕ መወዳእታ ክትሓድጎ ብብዙሕ መገዲ ዋላ እንተፈተነ፣ ካብ እምነተ ክርስትናኣ ግና  ከውጸኣ ዝከኣል ኮይኑ ኣይረኸቦን።

ቅድስቲ ሳራ  ካብቲ ዝኸሓደ ሰብኣያ ከኣ ክልተ ደቂ ወሊዳ ነበረት ። ክልቲኦም ከኣ ኣወዳት ነበሩ ። ሕቶ ጥምቀት ከኣ ዓቀበት ኮና። እዚ ከኣ ካብቲ ኣረሜን ዝኾነ ንጉሥን እቲ ዝኸድዐ ሰብኣያን ስለዝፈረሐትን እዩ ነይሩ። ፍቕራ ጽኑዕ ኣብ ከውሒ ክርስቶስ ስለዝተሰረተ ስለዝኾነ ግድነት ከምተጥምቆም ኣመነት። እዚ ኸኣ ንክልተ ደቃን ክልተ ኣገልገልታን ኣብ መርከብ ገይራ ኣንፈታ ናብ ኣሌክሳንደርያ ኣምርሐት። ንኹሉ መጻኢ ወለዶታት ከኣ ዓቢ ትምህርቲ ዝኸውን እምነት እዛ ቅድስት ኣደ ምእንቲ ክገልጽ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ንማዕበል ባሕሪ ኣናወጸ። በዚ ምኽንያት ከኣ ነፍሳት ተሸበራ ኩሉ ናብ ኣምላኹ ከኣ ጸሎቱ ከዕርግ ጀመረ። እዛ ቅድስት ኣደ ሳራ፣ ነቶም ክልተ ደቃ ገና ኣብቲ ዝጥመቅሉ ቦታ ከይበጽሑ ውሉድነት እግዚአብሔር ክስእኖ ኢላ ። ብዛዕባ ድኅነቶም ኣዝያ ትጭነቅ ነበረት። ብባሕሪ ንድሕነቶም ኢላ ዝተበገሰቶ መገዲ ከይኩለፋ ምእንቲ ፣ ከምኡ’ውን እቲ ቃለ ቅዱስ ወንጌል  “ዝኣመነን ዝተጠምቀን ክድሕን ፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ክኹነን እዩ” (ማር 16፡16)። ዝብል፣ ኣብ ኣእምሮኣ ይመላለሳ ስለዝነበረ ናብ እግዚአብሔር ጸሎታ ኣዕረገት። ሽዑ ብበሊሕ መላጸ ጌራ ነየማነይቲ ጡባ ጠቢሓ ብደማ ብትእምርተ መስቀል ኣብ ግንባሮም፡ ኣፍልቦም፡ ክልተ ከብዶም፡ ዝባኖም ኣመልኪታ ብስመ  ሥላሴ ሰለስተ ጊዜ ኣብቲ ባሕሪ ኣጥለቐቶም። ድሕሪ’ዚ ፍጹም ሰላም ኣብ ባሕሪ ሰፈነ። ኣብቲ ዝሓሰበቶ ቦታ ኣሌክሳንድርያ ከኣ ብሰላም በጸሐት።

 ኣብቲ እዋን’ቲ ፓትርያርክ ዝነበሩ ኣባ ጴጥሮስ ነቲ ናይ ጥምቐት ሥርዓት ክፍጸመሎም ወሰደቶም። ኣብቲ እዋን ካልኦት ምእማናን ደቂ እታ ከተማ ይጥምቑ ብምንባሮም ንደቂ ሳራ ከጥምቕ ከሎ እቲ ማይ ናብ ፍጹም በረድ ይልወጥ ነበረ። ካልእ ህጻን ከጥምቅ ከሎ ግና እቲ ማይ ናብ ንቡር ይምለስ። እዞም ቅዱስ ኣቦ ንደቂ ሳራ ኣብ መወዳእታ ኣጽኒሑ ነቶም ህጻናት ኣጥመቐ። ነቶም ብደም ወላዲቶም ዝተጠመቑ ህጻናት ሥርዓት ጥምቐት ክፍጸመሎም ሰለስተ ግዜ ምስ ፈተነ ወላዲቶም ክትጽዋዕ ኣዘዘ። ሳራ ከኣ ነቲ ዘጋጠመ ኩሉ ዘርዚራ ነገረቶም። ሓጥያታ ክስረየላ’ውን ለመነት። እቲ ምንታይ’ሲ ከምዚ ዓይነት ነገር ብምግባራ ተጣዕሰት። ኣባ ጴጥሮስ ግና “ኣጆኺ’ዛ ጓለይ ክርስቶስ ጐይታ ኩሉ ዓለም ባዕሉ እዩ ኣጠሚቑዎም።” ቅብኣ ቅዱስ ብምቅባእ ከኣ ሥርዓት ጥምቐት ምስ ተፈጸመሎም ናብ ዓዳ ክትምለስ ወሰነት። እቲ ከሓዲ በዓል ቤታ ግና ከይኣተወት ብምፍርራሕ ንምንታይ ናብ ኣልክስድርያ ከም ዝኸደት ክትነግሮ ኣትሪሩ ሓተታ ብሕቶውን ዓቅላ ኣጸበበላ። እዚ ከይኣኽሎ ንንጉሥ ብምሕሳብ ኣሕሊፉ ሃባ። እቲ ከሓዲ ንጉሥ ከኣ ክትገብር ናብ ኣለክሳንድርያ ከምዝኸደት ክትነግሮ ሓተታ። ከምኡ’ውን ምስቶም ክርስቲያን ዝበሃሉ ክትምንዝሪ ድኺ ኬድኪ ኡሉ’ውን ከሰሳ። እዛ ቅድስት ኣደ ግና “ክርስቲያን ኣይንምንዝርን ኢና፡ ነቲ ዝፈጠረና ኣምላኽ ገዲፍና ንዘይሰምዑን ዘይርእዩን ጣኦት ኣይነምልኽን ኢና፡ ካልእ ዝኾነ ይኹን ኣይክውስኸልካን እየ ዝገበርካዮ ግበር” ኢላ ብትብዓት መለሰት። እቲ ንጉስ ግና እንታይ ከም ዘጋጠማ ኣብ ኣሌክሳንድርያ ክፈልጥ ደጋጊሙ ሓተታ ንሳ ግና ኣይመለሰትሉን። ነቶም ወተሃደራቱ ክልተ ኣእዳዋ ንድሕሪት ኣሲሮም ክልተ ደቃ ኣብ ከብዳ ጠምጢሞም ብሓዊ ከቃጽልዎም ኢሉ ኣዘዘ። በዚ መሰረት ከኣ ቅድስት ሳራን ክልተ ደቃን ናይ ሰማዕትነት ኣኽሊል ተቀቢሎም። 

ጸሎትን በረኸትን ቅድስት ሳራ ምስ ኩልና ይኹን። ኣሜን 


(For those who does n't have Geez, please check this PDF link)KIDIST SARA
ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር!

No comments:

Post a Comment