Monday, March 19, 2012

ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር (4)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

<< ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።>> ማቴ.24፣44።

ቁጽሪ 5 ደብረዘይቲ መጋቢት ፱/18  (2004) ዓ.ም (2012)
ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር ክንኣቱ ከለና ክንገብሮም ዘለና ምድላዋት ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ

ሐ. መባእ (ህያብ) ሒዝካ ምቅራብ።

  ናብ ቤተ መቅደስ ክንከይድ ከለና ጥራሕ ኢድና ዘይኮና መባእ ሒዝና ክንከይድ ይግበኣና። መባእ ሒዝካ ክንቀርብ ከምዝግበኣና ዝኣዘዘና ሕጊ ዝሰርሓልና እግዚአብሔር እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ንእስራኤላውያን ናብ ቤተ መቅደስ ክቀርቡ ከለዉ መባእ ወይ ድማ ህያብ ሒዞም ክቀርቡ ከምዝግብኦም ተኣዚዞም ነበሩ። <<  እግዚአብሔር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ ንደቒ እስራኤል መባእ ኪህቡኒ ተዛረቦም። እቲ መባአይ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብልቡ ኺህብ ዝፈተወ ውሰዱ። እታ ኻባታቶም እትወስድዎ መባእ ድማ እዚ እዩ። ወርቅን ብርሩን ኣስራዝን ሰማያዊ ሕብሪ ቀይሕን ጽሩይ ቀይሕን ጻዕዳ ፈትልን፣ ጸጉሪ ጤል ድማ እተቖርጸ ቑራብቲ፣ ደዓውልን ቁራብቲ፣ ትሃስን ዕጨይቲ ሽጢምን፣ ዘይቲ ንቐንዲል ቀመማት ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይቲ፣ ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ድማ ኣእማን ዕንቁን ንኤፎድን ንሳንቃ ኣብ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን ……>> ዘጻ.25፣1።

  ኣብ ሓዲሽ ኪዳን̕ውን መባእ ሒዝካ ናብ ቤተ መቅደስ ምቅራብ ከምዝግባእ በዚ መልክዕ ተሓቢሩ እዩ።  <<  ወእምከምኬ ታበውእ መባእከ ውስተ ምሥዋዕ ወበህየ ተዘከርከ ከምቦ እኁከ ዘተኀየሰከ ። ኅድግ ህየ መባእከ ውስተ ምሥዋዕ፣ ወሑር ቅድመ ተኳነን ምስለ እኁከ ወእምዝ ገዚአከ አብእ መባእከ ። እምበኣር መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ ሓውኻ ሓዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሓሰብካ። ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ ኪድ ቅድም ምስቲ ሓውኻ ተዐረቕ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። >> ማቴ. 5፣-23-24።  ኣብዚ ምዕራፍ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘምሃሮ ብዛዕባ ዕርቒ እንተኾነ ኣብ ውሽጡ ግና መባእ ምቅራብ፣ ሽምዓ፣ ዕጣን ጥዋፍ ዘቢብ መጋረጃ፣ ጽላል …   ሒዝና ምቅራብ ከምዝግባእ ተገሊጹ እዩ።

በዚ መሰረት መንፈሳዊ ሰብ ናብ ቤተመቅደስ ክኸይድ ከሎ <<  ኢትቁም ዕራቅከ ቅድመ እግዚአብሔር ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ጥራይ ኢድካ ኣይትቕረብ >> ከምዝተባህለ ሓሲቡ ዓቅሙ ከምዝፈቀዶ ንእግዚአብሔር መባእ ምቅራብ ይግብኦ እዩ።

ቅዱስ ዳዊት <<  ካብ ኢድካ ዝተቀበልናዮ መሊስና ሃብናካ።>>   ከምዝበለ ካብ እግዚአብሔር ዝረኸብናዮ ንእግዚአብሔር መባእ ጌርና ምቅራብ በረከት ምርካብ ማለት እዩ።

ኣቦና ኣብርሃም ኣብ ቅድሚ መልከጼዴቅ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደምን ሥጋን ኣብነት ዝኾነ ህብስትን ወይንን ኣቐቢልዎ እዩ። ኣብርሃም ድማ ካብ ኩሉ ኣስራት ንመልከጺደቅ ሂብዎ እዩ። ዘፍ.14፣17። ሎሚ̕ውን ካህናት ከም ናይ መልከጼድቅ ሥርዓት ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ወልደ እግዚአብሔር ከቐብሉ ከለዉ ፣ ምእመናን ድማ ከም ኣብርሃም ኣስራት ቡኩራት ንቤተክርስቲያን የቅርቡ። ናብ ኣበው እንዳወረደ ዝመጻና ካብ እግዚአብሔር ዝተኣዘዘ ስለዝኾነ እዩ ። ስለዚ ነዚ ክንሓስብ ከለና ብኣጋጣሚ ወይ ድማ ሃንደበት ፣ሰብ ክገብር ርእዩ ዘይኮነ ትእዛዝ ምዃኑ ሓሲቡ ናብ ቤተመቅደስ ዝቐርብ ሰብ ብዝተኻእሎ መጠን ግቡእ ዝኾነ መባእ ሒዙ ምቅራብ ይግብኦ።


መ. ብትእምእርተ መስቀል ኣማዕቲቡ ኣፍደገ ቤተመቅደስ ( ደገ ሰላም ) ምስላም።

ምምዕታብ

 ኣፍደገ ቤተመቅደስ ምስ በጻሕና ኣቀዲምና ብኣምሳል ትእምርተ መስቀል ነማዕትብ ። እዚ ከኣ መንፈሳዊ ትርጉም ኣለዎ።

1.ናይ ምምዕታብ መንፈሳዊ ትርጉም።

ኣእዳውና ብትእምርተ መስቀል ድሕሪ ምምስቃልና ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ (ካብ ግንባርና ናብ ደረትና) ንወርድ፣ እዚ ከኣ ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ ሰማያት ምውራዱ ዘመልክት እዩ። ብምቅጻል̕ውን ኣእዳውና ናብ ጸጋማይን መንኮንባ ንወስድ እሞ መሊስና ናብ የማናይ መንኮብና ነምጽኦ።
ካብ ሰማየ ሰማያት ብፍሉይ ኣካሉ ብተወላድነቱ ክብሩ ዝወረደ ቃለ እግዚአብሔር፣ ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ጸገም (ናብ ሲኦል) ብኣካለ ነፍሲ ከምዝወረደ ንነፍሳት ናብ የማን (ናብ ገነት) ከምዘሳገረና ንምምልካት እዩ። ብሓፈሻኡ ብምሥጢረ ሥጋዌ ዝተፈጸመልና ናይ ድኅነት ሥራሕ ንምስክር። በቲ ሓደ ከኣ ካብ ጸጋም ናብ የማን ምለሰና ማለት እዩ።

ሀ. ከማዕትብ ከለና ንዝክሮም ምሥጢራት

ኣጻብዕትና ብትእምርተ መስቀል ኣመሳቂልና ከነማዕትብ ከለና ብኅሊና ንዝክሮምን ነመላልሶም ፣ ልቦናና ዝሓስቦም ዝተፈለላዩ ምሥጢራት ኣለዉ። ዝተወሰኑ ካብኦም ምስ እንርኢ።

1. ከነማዕትብ ከለና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ድኅነትና ኢሉ ኣብ ልዕሊ መስቀል ከምዝሞተልና ንምስክር።

ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ዘምሃሮ ምዕራፉ  <<አምጣነ ትበልዕዎ ለዝንቱ ኅብስት ወትሰትይዎ ለዝንቱ ጽዋዕ ሞቶ ለእግዚእነ ትዜንዎ እስከ አመ ይመጽእ -። ማለት እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን ክሳዕ ጐይታ ዝመጽእ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም። >>   1ይቆረ.11-26። ክርስቲያን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ስጋብ ዝመጽእ ሞቱን ሕማሙን በብግዚኡ በብሰዓቱ ምሕሳብን ምዝካርን ይግብኦ። ሞት ኢየሱስ ክርስቶስ ንዛረቦ ኣብ እዋን ቁርባን    ሥጋ ወደሙ ወልደ ክርስቶስ ክንቅበል ከለና   ከምቲ ብትእምተ መስቀል ኣማዕቲብና ኣብ ቅድሚ ፊት ቤተ መቅደስ ምሥዋእ  ጥራሕ ክኸወን የብሉን ካብዚ ወጻኢ̕ውን ኣብ ጉዕዞና፣ ኣብ እዋን ኣብ መግቢ ኣብ እዋን ሥራሕ ወዘተ….. ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ከማዕትብ ይግባእ። እዚ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኣብ ቀራንዮ (ጎልጎታ) ከምዝሞተልና ንምምስካር እዩ።


2. ከማዕትብ ከለና እግዚአብሔር ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ንሓስብ ።


ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ትምህርቱ << ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኽ በጃ ኼሕልፍ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን >> ዮሓ.15፣13። ብምባል ሰውነቱ ንኻልእ በጃ ጌሩ ንሕማም ንሞት ኣሕሊፉ ምሃቡ ካብዚ ንላዕሊ ዝዓቢ ፍቕሪ ከምዘየለ ተዛሪቡ እዩ። ሓቀኛ ፍቕሪ ፣ ፍጹም ፍቕሪ ስጋብ ሞት የብጽሕ እዩ። እዚ ፍጹም ፍቕሪ ዝረኣናዩ ዝፈለጥናዮን ከኣ ብወልደ እግዚአብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ሞት እዩ። እሱ ስለና ኣብ ልዕሊ መስቀል ተሰቂሉ ሞይቱልና እዩ። ናብ ባህርይ ኣብኡ እግዚአብሔር አብ̕ውን ንወዱ ንሞት ኣሕሊፉ ብምሃቡ ፍቕሩ ገሊጹልና እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ብዛዕባ እዚ ክገልጽ ከሎ << እግዚአብሔር በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኹሉ ናይ ዘልዓለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። >> ዮሓ. 316

እግዚአብሔር ንወዱ በጃ ዓለም ጌሩ ምሃቡ ብእኡ ዝኣመነ ኩሉ ከይጉዳእ ብሞት ናይ ወዱ ናይ ዘልዓለም ህይወት ክረክብ ምእንቲ ሊእኽዎ። ንወዱ ዝኣመነሉ << ተኀድገ ለኪ ኃጢአተኪ፣ ተኀድገ ለከ ኃጢአተከ ። ሓጢያትካ ተሰርዩልካ፣ ሓጢያትኪ ተሰሪዩልኪ። >> ንኽብል ሊእኽዎ ኢሉና። ከነማዕትብ ከለና ንሓስቦ ነዚ ናይ እግዚአብሔር ፍቕሪ እዩ። እግዚአብሔር ስጋብ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ምማቱ ማዕረ ክንደይ ከምዝፈተወና ዝገልጽ እዩ።


3. ከነማዕትብ ከለና ናይ ሓጥያት ዓስቢ ሞት ምዃኑ ንዝክር።


ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለና ቅድሚ ኣብ መስቀል ምስቃሉ ደቂ ሰባት ብዝበደልናዩ በደል ምኽንያት ሞይትና ነበርና ። ሞት ጽላሉ ኣጽሊሉልናን ረጊጹና ይነብር ኔሩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝተሰቕለ ንሞትና ብሞቱ ከጥፍኣልና፣ እሱ ኣብ ክንዳና በጃ ኮይኑ ክመውት እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ << ንሕና ኩላትና ኸኣ ነቲ ናይ ሥጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና ቀደም ብትምኒት ሥጋን ምሳታቶም ንነብር ነበርና ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቑጥዓ ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቐረና ዓባይ ፍቕሩ ንዓና ብበደልና ምውታት ከሎናስ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና። ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም ምስኡውን ኣተንሥኣና።  > ኤፌ.2፣5። ብምባል ይነግረና። ስለዚ ከነማዕትብ ከለና ካብ ክፋእ ትምኒት ዝጸነስ ሓጥያት ዓስቡ ሞት ምዃኑ ንዝክር። ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕና ብዝበደልናዮ በደል ሞት ዝተፈርደና ንሱ ናትና ሞት ሞይቱ። ኣብ መስቀል ተሰቂሉ። ኣድሒኑና። ካብ ጸልማት ሓጥያት ናብ ብርሃን ነጻነት ኣሚጺኡና እንዳበልና ውዕለቱ ንዝክር።


4. ከነማዕትብ ከለና መስቀል ኃይልና ምዃኑ ንሓስብ።


ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ <<  ቃል መስቀል ነቶም ዝጥፍኡ ዕሽነት እዩ። ንዓና ንንድኅን ግና ኃይሊ እግዚአብሔር እዩ።>> 1ይቆረ.118 ቅዱስ ኣትናቴዎስ <<  አስተኀፈረ ኃጢአት በዲበ ምድር ወአብጠለ ሞተ በውስተ ሲኦል ወሰዐረ መርገመ በዲበ ዕፅ መስቀል ወነሠተ ሙስና በውስተ መቃብር ንሓጥያት ኣብ ምድሪ የሕፊርዎ። ንሞት̕ውን ኣብ ሲኦል፣ ንመርገም ኣብ ልዕሊ መስቀል ኣጥፊእዎ። >> ኢሉ እዩ።  መስቀል ሞት ዝተሳዕረሉ ስለዝኾነ ከነማዕትብ ከለና ብመስቀሉ ጸጋ ምሃቡ፣ ንሞት ሲዒሩ ምትንሥኡ ንዝክር። ሎሚ̕ውን ብኃይሊ መስቀል ንዝመጻና ና ጸላኢ ሰናያት ፈተና ንስዕሮ ብመስቀሉ በረከትን ኃይልን ንምላእ።


5. ከነማዕትብ ከለና ጸላኢና ( ዲያብሎስ ንኣጋንንቲ) ነሕፍሮም።


<<  ብመስቀሉውን   ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ (ንዲያብሎስ ብመስቀሉ ሲዒሩ)   ንኽልቲኦም ብሓደ ሥጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ ንዓኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፣ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም። >>  ኢፌ.2፣16።  (ንዲያብሎስ ብመስቀል ሲዒሩ)    ንዲያብሎስ << ጽልኢ>> ዝበሎ ብግብሩ ክጽውዖ ከሎ እዩ። ዲያብሎስ ዝተሳዕረ ብመስቀል እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ፅጸ መስቀል ተሰቒሉ ንዲያብሎስ ብኣውታረ ንፋስ ብእሳት ሰንሰለት ሒዙ ኣሲሩ ሰቂልዎ። ብመስቀል ኣምሳል ከነማዕትብ ከለና ናይ ድኅነትና ምልክት ስለዝኾነ ሓፊሩን ፈሪሑን ይርሕቐና።


6. ከነማዕትብ ከለና ስለና ዝተሰቅለልና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናቱ ተኸተልቲ ወገናት ምዃን ንምስክር።


ብኣምሳለ ትምእርተ መስቀል ከነማዕትብ ከለና፣ ንመስቀሉ ኣብ ክሳድና ክንኣስሮ ከለና፣ ኣብ ልብስና ኣብ ቤትና ኣብ ካልእን ጌርና ክንርአ ከለና፣ ንኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእማንና ንምስክር። ዝርእዩና ኩሉ ከኣ በቲ ዝተሰቕለ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ንኣምን ይርድኡ። ኣብዚ ድማ << ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝተኣመነኒ ኹሉ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ።>> ማቴ.10፣30። ኣብ ቅድሚ እዛ ዓለም ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝመሰከረለይ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦይ ወደይ ፈታዊየይ ክብሎ̕የ ዝተባህለ ቃልኪዳን ተጠቐምቲ ንኸውን። ኣይሁድ ብኽፍኣት ኣብ ቀራንዮ (ጎልጎታ)ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝሰቀልዎ፣ ዝሞተ ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቲ ንሞት ሲዒሩ ዝተሥአ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰዓብቲ (ተኸተልቲ) ምዃና ኣብ ኣደባባይ መስኪርና በረከት ንረክብ።



ኣፍ ደገ ቤተ መቅደስ (ደገ ሰላም) ምስላም

  
ይቕጽል…….  ብሰላም የጽንሓና።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና። ወላዲተ አምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና። 

(For those who do not have Geez, please check this link) BETE MEKDES EGZIABHER (4)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር። 
ወለወላዲቱ ድንግል። 
ወለመስቀሉ ክቡር!




No comments:

Post a Comment