Saturday, March 10, 2012

ቤት መቅደስ እግዚኣብሔር (3)



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን


ኢየሱስ ከኣ ተንሥእ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ በሎ። እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሓወየ ዓራቱ ኣልዕሉውን ከደ። ዮሓ.58-9
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልና!
ቁጽሪ 4 መፃጉዕ መጋቢት ፪/11 (2004) . (2012)
ናይዚ ሰሙን ጽሑፍ . ንጹህ ልብሲ (ክዳን ) ምኽዳን ትብል እያ። ሠናይ ንባብ

. ንጹህ ልብሲ (ክዳን ) ምኽዳን

  ቤተ መቅደስ ምዑዝ መኣዛ ዘለዎ ዕጣን ንእግዚአብሔር ዝቀርበሉ፣ ምእመናን ናይ ልቦም ምንዮት ናይ ከንፈሮም ፍረ ዝኾነ ጸሎቶም ዘቅርብሉ ናይ ሓዲስ ኪዳን በጊዕ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሥወኣሉ ንጹህ ቤተ ከብካብ (መርዓ) እዩ። ኣብዚ ቤት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ብነፍስን ሥጋን ዝፈርድ ናይ ጐይቶት ጐይታ ናይ ነገሥታት ንጉሥ እግዚአብሔር ኣሎ። ኣብ ቤት' ብነፍስን ብሥጋን ንጽህት ዝኾነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣላ። ቅዱሳን ኣለዉ።

  ስለዚ ንጸሎተ ቅዳሴ ንጸሎተ ኪዳን ንሰዓታት ጸሎት ናብ ቤተ መቅደስ ዝኸይድ ሰብ ነዚ ክርድኦን  ክሓስብን ይግብኦ። ንሰማያዊ ከብካብ ( መርዓ) ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ሰማይን ምድርን ደው ከምዝብልን ምስ ቅዱሳን ብኽብሪ ከምዝዕደም ሓሲቡ ልብሱ ንጹህ ብምግባር ምድላው ይግብኦ። ሰብ ከምቲ ጎረቤት ወይ ዓርኩ መቕርቡ ንመርዓ ምስ ዝጽዎዖ እንታይ ከምዝለብስ ብምሕሳብ ከምዝጭንነቅ ኩሉ፣ ናብቲ ዝዓበየ መርዓ ቅዳሴ ክቀርብ ከሎ ንዓይኒ ደስ ዘይብል ብዘየገድስ ተራ ልብሲ (ክዳን) ተኸዲኑ ዝኸይድ ኣሎ። ኣብ ቅድሚ ምድራዊ በዓል ሥልጣን ክቐርብ ከሎ ንልብሱ ሓጺቡ ኣጽርዩ ማዕርጉ ዝቐርብ ሰብ፣ ኣብ ቅድሚ ንጉሠ ሰማይ ወምድር እግዚአብሔር ክቐብር ከሎ ግና ግዲ ዘይብሉ ሸለልትነት ዘብዝሕ ሰብ ኣሎ፣ እዚ ግና ዝዓበየ ጌጋ እዩ።

  ኣቦና ያዕቆብ ኣብ ናይ ኣብኡ ላባ ቤት ንዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ድሕሪ ምንባሩ እግዚአብሔር ናብ ቤትኤል ተመሊሱ መሥዋእቲ ክሥውእ ምስኣዘዞ  ንኹሎም ቤተሰቡ ክዳኖም ክቅይሩ ኣዚዝዎም እዩ <<  ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ምስኡ ንዝነበሩ ኹሎምን ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጋኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፣ ጽረዩ ክዳውንትኹም'ውን ለውጡ። ንተንሥእ ናብ ቤትኤል ድማ ንደይብ ኣብኣ ከኣ ነቲ ብመዓልቲ ጸበባይ ዝሰምዓንን ኣብ ዝኸድክዎ መገዲ ምሳይ ዝነብረን ኣምላኽ መሰውኢ ኽገብር እየ በሎም።>> ዘፍ.352

  ስለዚ ናብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ኣብ ንኸደሉ እዋን ካብቲ ናብ ስራሕና ኮነ ዝተዓደምናዮ ምድራዊ መርዓ (ከብካብ) ንዳለዎ ንላዕሊ ተዳሊናን ጸሪናን ንጹህ ልብሲ ለቢስና ክንከይድ ይግበኣና። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ክብረ በዓላትን ኣብ ካልእ እዋንን ካብ ብዝሒ ምእመናን ዝተላዕለ ክዕፈን ይኽእል እዩ።  ኣብ ከምዚ ዝበል እዋን ንጹህ ልብሲ ዘይለስቡን ተዳልዮም ብዘይመጹ ሰባት ሽታ፣ ጸገም ይፍጠር እዩ። ምእመናን ሕልናኦም ኣኪቦም  ብኣንቃዕዶ ልቦና ክጽልዩ ኣይክእሉን። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ  ብሰማያዊ ክብሪን ኣምሳልን ዝተሸለመትን ዝመዓረገትን ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ነርስሓ እሞ ተሓተቲ ንኸውን። እዚ ከምዚ ከይከውን ካህን ምእመን ከይተባህለ ኩሉ ዓቅሙ ብዝፈቅዶ ተዳልዩ ብንጽህና  ክቐርብ ይግባእ።

1. ልብሲ ምዕጣቕ ወይ ብትእምርተ መስቀል ምኽን:

  ናብ ቤተ መቅደስ ክንከይድ ከለና ጻዕዳ ክዳን ክንክደን ይግባእ እዩ። ጻዕዳ ነጸላ፣ ጋቢ ተዓጢቅና ወይ ድማ ብትእምርተ መስቀል በዚ መልክዕ ተኸዲንና ናብ ቤተ መቅደስ በጺሕና ደው ኢልና እንሓስቦም ምሥጢራት ኣለዉ።

1.1 ንምንታይ ብትእምርተ መስቀል ንኽደን፤

  ናይ ክርስቶስ መከራ ንምሕሳብ። -ነጸላ ናብ የማንን ጸጋምን ብትእምርተ መስቀል ኣምሳል ይዕጸፍ። ኣብዚ እዋን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ዝተቐበሎም ጸዋትወ መከራን ኣብ ቀራንዮ ኣብ መልዕለተ መስቀል ምስቃሉ የዘኻኽረና። እዚ ዝተማሳቀለ ነጸላ ዝርኢ ኩሉ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መከራ መስቀል ምቕባሉ ይዝክር።
1.2 ንምንታይ ጻዕዳ ንለብስ -እቲ ንኽደኖ ነጸላ ጻዕዳ ምዃኑ ዝተፈላለየ ምኽንያት ኣለዎ። 


ካቡኡ ዝተወሰነ፣-


ዝጽበየና ሰማያዊ ክብሪ ንምሕሳብ:- 


ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብብዙሕ መከራ ተፈቲኖም ዝሓለፉ፣ ዳሕራይ ንኽብሪ ዝበቅዑ ቅዱሳን፣ ኣብ ሰማይ ናይ 
ክብርን ቅድስናን ምስክር ( መግለጺ) ጻዕዳ ክዳን ይወሃቦም ማለት ብርሃን ይለብሱ ፣ ብሓድነት ይዝምሩ። 
<< ነቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ከኣ ነፍሳት እቶም ስለ ቃል ኣምላኽን ስለቲ ዝነብሮም ምስክርን 
እተሓርዱ ኣብ ጥሕቲ መሰውኢ ርአኹ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ከኣ ቅዱስን ሓቐኛን ጎይታ ክሳብ መዓስ ኢኻ 
ዘይትፈርድ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለውኸ ክሳብ መዓስ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም እናበሉ ጠርዑ። ንነፍሲ 
ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህበቶም እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ 
ዝምልኡ ከኣ ገና ቕሩብ ኪዐርፉ ተባህለሎም።>> ራእ. 6-9-11

 <<  ሓደ እካ ኪቆጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርአኹ..…  >> ራእ.79  ብምባል ኣብ ሰማይ ብክብሪ ዝነብሩ ቅዱሳን ብርሃን ለቢሶም ብርሃን ተጎናጺፎም ከምዝረኣዮም ቅዱስ ዮሓንስ ገሊጹልና። ንሕና̕ውን ብሃይማኖት ምግባርን ጸኒዕና እንተሓሊፍና ኣብ ሰማይ እዚ ዓቢ ክብሪ ይጽበየና ነዚ ብምሕሳብ ጻዕዳ ክዳን ንኽደን።

  ካብዚ ብተወሳኺ ጻዕዳ ክዳን ክንክደን ከለና ብርሃን ዝለበሱ ቅዱሳን ምሳና ምህላዎም ኣብ ከባቢና'ውን ከምዝለዉ ብዛዕባና ስለና ከምዘማልዱ ንዝክር። እብ. 121

ቅዱሳን መልኣኽቲ ምሳና ምኻኖም ንምሕሳብ:-

  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሙስን መቃብርን ኣጥፊኡ ንሞት ሲዒሩ ድሕሪ ምትንሥኡ ንሥጋኡ ቅዱይ ቅብኢ ክቐብእዎ ናብ መቓብር ዝወረዳ ቅዱሳን ኣንስቲ፣ ቅዱሳን መልኣኽቲ ካብ በረድ ንላዕሊ ዝጻዕደወ ጻዕዳ ክዳን ተኸዲኖም ተገሊጾምለን እዮም።  <<  ወማርያምሰ ቆመት ኀበ መቃብር አፍኣ ወትበኪ፣ ወእንዘ ትበኪ ሐወጸት ውስተ መቃብር ወርእየት ክልኤተ መላእክተ በጸዓድው አልባስ፣ ወይነብሩ አሐዱ ትርአስ ወአሕዱ ትርጋፀ ኀበ ነበረ ሥጋሁ ለእግዚእ ኢየሱስ   ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ ኣብቲ ሥጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነብሮ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ መልኣኽ ሓደ ብትርኣስ ሓደ ከኣ ብትርጋጽ ረኣየት … >>  ዮሓ. 2011-12
ጻዕዳ ተኸዲንና ከነቀድስ ከለና ናይ ቅዱሳን መልኣኽቲ ረዲኤቶምን ሓለዋኦምን ካባና ከምዘይፍለ፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ጎንና ከምዝዀኑ ንዝክር።

ምስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዘለና ንሓስብ:-

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃነ መለኮቱ ኣብ ደብረ ታቦር ክገልጽ ከሎ ክዳኑ ከም በረድ ጻዕዳ ኮይኑ እዩ። << ወእምድኅረ ስሱ መዋእል ነሥኦም እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጴጥሮስ ወለያዕቆብ ወለይሐንስ እኁሁ፣ ወአዕረጎሙ ውስተ ደብር ነዋኀ እንተ ባሕቲቶሙ። ወተወለጠ አርአያሁ በቅድሜሆሙ፣ ወአብርሀ ገጹ ከመ ፀሐይ ወአልባሲሁኒ ኮነ ጸዐዳ ከመ በረድ   ድሕሪ ሽዹሽተ መዓልቲ ድማ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሓንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ትርኢቱ ተለወጠ፣ ገጹ ከም ጸሓይ ኣብርሄ ክዳኑ̕ውን ከም ብርሃን ጻዕደወ >> ማቴ. 171-2

  ኣብ ደብረ ታቦር ብርሃነ መለኮቱን ምሥጢረ መንግሥቱን ዝገለጸ ኣብ ቅድሚ ኣእማደ ሓዋርያት ገጹ ክልወጥ ደቂ መዛሙርቱ ክርእይዎ ዝፈቀደ ኣምላኽ ምሳና ከምዘሎ ብምሕሳብ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ጻዕዳ ክዳን ተኸዲንና ንቀውም፣ ንመላለስ።  ከሙኡ ከኣ ምሥጢረ ሥላሴ፣ ምሥጢረ ሥጋዌ ዝእመነላ፣ ዝንበበላ፣ ዝትርጎመላ፣ ኣማናዊት ደብረ ታቦር ቤተክርስቲያን ከምዝዀነት ብምሕሳብ ጻዕዳ ንኽደን።

. መባእ (ህያብ) ሒዝካ ምቅራብ።

ይቕጽል…….  ብሰላም የጽንሓና።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና። ወላዲተ አምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።
(For those who  do not have Geez try this link): BETE MEKDES EGZIABHER (3)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።






No comments:

Post a Comment