Monday, May 21, 2012

ብሂል ኣበው፡ ቅዱስ ኣንጦንዮስ (2)




6. ተግሳጽ ንጽቡቕና እዩ።

ቅዱስ ኣንጦንዮስ ኣብ ዝርከበሉ ብዛዕባ ሓደ ኣቦ ጽቡቕ ተዛረቡ (ሞጐሱዎ)  ቅዱስ ኣንጦንዮስ ከኣ ተግሳጽ ክጻወር ይኽእል ብምባል ነቲ ባሕታዊ ኣቦ ገሰጾ። ካብቲ ዝፈርሖ ከይወጸ እቲ ባሕታዊ ኣቦ ነቲ ተግሳጽ ክጻወሮ ኣይከኣለን። ቅዱስ ኣንጦንዮስ፡ ብደገ ስልምቲ ከተማ ትመስል ብውሽጢ ግና ሰረቕቲ ዝዘመቱዋ ኢኻ




7. ይፈልጥ’የ ዘይምባል።
ቅዱሳን ኣቦታት ንቅዱስ ኣንጦንዮስ ክበጽሑ ኢሎም ኣብ ዝመጹሉ እዋን፡ ቅዱስ ኣንጦንዮስ  ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ይሓቶም ነበረ። መልሲ ምስ ዝምልሱ ድማ እታ መልሲ ኣይመለስካያን ይብሎም ነበረ። ኣብ መወዳእታ ንቅዱስ ዮሴፍ ምስቶም ኣቦታት ዝነበረ፡እዚ ሓይለ ቃል እንታይ እዩ ትርጉሙኢሉ ሓተቶ። ቅዱስ ዮሴፍ ከኣኣቦና ኣነ እንታይ ይፈልጥ ኢሉ መለሰ።ሓቂ መለስካ፡ ዮሴፍ እታ ቅንዕቲ መልስን ቅኑዕ መንገድን ረኺቡወን ኣሎ፡ ኣይፈለጥኩን ብምባሉ።




8. ምፍዳይ ሕነ ንእግዚኣብሔር ንግደፎ።
ኣሕዋት ንቅዱስ ኣንጦንዮስ ቃል ኣምላኽ ንገረና ኢሎም ሓተቱዎ። ንሱ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ተነብቡ እንተኾንኩም ንሱ ይኣኽለኩም በሎም። እወ ግና ካባኻ ክንማሃር ደሊና በሉዎ። ቅዱስ ኣንጦንዮስ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ጥቕሲ ኣውጺኡ የማናይ መትልሕካ ንዝጸፍዓካ እታ ካልአይቲ ምለሰሉ እቶም ኣሕዋት ኣቦና ነዝስ ክነተግብሮ ኣይንኽእልን ኢና እታ ካልኣይቲ መትልሕኩም ክትመልሱ እንተዘይከኣልኩም ነታ ቀዳመይቲ ጸፍዓት ተጸመሙዋ። ነዚኣውን ኣይንኽእላን ኢና በሉዎ። ነዚ ኩሉ ክተተግብሩዎ እንተዘይከኣልኩም ደኣ ጽፍዒት ብጽፍዒት ኣይትፍደዩ ነዚኣውን ኣይንኽእላን ኢና ኢሎም። ንተማሃራዩ ጸዊዑ መግቢ ግበረሎም ሓሚሞም እዮም ዘለውእዚ ኩሉ ከትገብሩን ክትጻወሩን ዘይትኽእሉ እንተኾይንኩም ኣነ እንታይ ክገብረልኩም፤ ጸሎት    የድልየኩም ኣሎ
ከም ተግባርና ዘይኮነ ከም ምሕረቱ ይግበረልና።
(For those who do not have Geez, please visit this link) BHIL ABEW: KIDUS ANTHONIOS (2)
ወስብሐት ለ እግዚኣብሔር።

No comments:

Post a Comment