Monday, May 28, 2012

ብሂል ኣበው፡ ቅዱስ ኣንጦንዮስ (3)


9. ምሕረት እግዚኣብሔር ንለምን።
ሓደ ክርስቲያን ንቅዱስ ኣንጦንዮስ ክጽልየሉ ምስ ለመኖ፡ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ትቕብል ኣቢሉ፡ "ኣነ ኣይምሕረካ ኣምላኽ ኣይምሕረካ ባዕልኻ ተቐላጢፍካ እንተዘይለሚንካ።"



10. ብምሉእ ልብና ናብ እግዚኣብሔር ንቕረብ።
ሓደ ካብ ክርስቲያን ኣቦታት ዓለም መኒኑ ዘለዎ ሃብቲ ንድኻታት መቒሉ ንዕኡ ቁሩብ ኣተሪፉ ብድሕሪኡ ናብ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ይኸይድ። ቅዱስ ኣንጦንዮስ ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ንነፍሱ ዘትረፎ ይፈልጥ ስለዝነበረ፡ ሓደ ምኽሪ መኸሮ፡ ባሕታዊ ክትከውን እንተደኣ ደሊኻ ከምዚ ግበር፡ ስጋ ግዛእ እሞ ንኹሉ ኣካልካ በቲ ስጋ ሸፍኖ ብድሕሪኡ እንታይ ከምዘጋጠመካ መጺኻ ንገረኒ። እዚ ምስ ገበረ ስጋ ኣብ ዝባኑ ስለዝነበረ ኣኽላባትን፡ እንስሳ መሮርን ነቲ ስጋ ደልዮም ነኸሱዎ። ኩሉ ዝባኑ ከኣ ብቁስሊ መልአ። ናብ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ከይዱ ነቲ ዘጋጠሞ ኣርኣዮ። ቅዱስ ኣንጦንዮስ፡ “ዓለም ዝራሕረሑ ግና ፍቕሪ ገንዘብ ካብ ልቦም ዘይየውጽኡ ሰባት ምስ ሰይጣን ዝገብሩዎ ውግእ እዚ ሕጂ ዘጓነፈካ ኣካላዊ ጉድኣት ይበጽሖም።”

11. ካብቲ ዝፈጠረና ኣምላኽ ርህራሀ ንላመድ።
ኣብ ገዳም ኤልያስ (ግብጺ) ኣብ ሓጢኣት ዝወደቀ መነኮስ ካብ ገዳም ይሱጎግ። ምስ ተሶገ፡ ትኽ ኢሉ ናብቲ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ዝርከቦ ጐቦ ይድይብ። ንብዙሕ እዋን’ውን ምስኡ ይጸንሕ እሞ ናብታ ዝነበራ ገዳም ይምለስ። ምስ ረኣይዎ ከም ብሓድሽ ይሰጉዎ። እቲ መነኮሰ ኣቦ ተስፋ ከይቖረጸ ናብ  ቅዱስ ኣንጦንዮስ ተመሊሱ ከም ዝሰጐጉዎ ይሕብሮ። ቅዱስ ኣንጦንዮስ ከኣ ደብዳቤ ኣሰንዩ ናብቲ ገዳም ይመልሶ። ቅዱስ ኣንጦንዮስ ኣብታ ደብዳቤ ዘስፈሮ እንተሃልዩ፡ “እዛ መርከብ ብማዕበል ባሕሪ ተናዊጻ ኣካላታ ተሰባበረ፡ ግና ድሕሪ ብዙሕ ቃልሲ ናብ ገምገም ባሕሪ ክትበጽሕ ከኣለት። ንስኹም ግና ነዚ መኖኮሰ መንገዲ ጽድቂ ደልዩ እንተመጻኩም መሊስኩም ከተጥሕልዎ ትደልዩ ዘለኹም ትመስሉ።” ዝብል ቃል ነበረ። ነዚ ምስ ኣንበቡን ካብ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ምዃና ምስ ፈለጡን ተቀበልዎ።

12. ፍጹም ፍቕሪ ኣምላኽ ንፍርሂ የጥርእ።
ኣነ ኣብ ኣምላኽ ፍቕሪ እምበር ፍርሃት የብለይን። ምኽንያቱ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ እያ (1 ዮሓ 4፡18) ።

ካብ ብዙሕ ብውሑድ ናይ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ምኽሪ ነዚ ይመስል። መቐጸልታ ብሂል ኣበው ናይ ቅዱስ ኣርሳንዮስ ከነቕርበልኩም ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።


 (For those who do not have Geez, please visit this link) BHIL ABEW: KIDUS ANTHONIOS (3)

No comments:

Post a Comment