Friday, May 4, 2012

ቅዱስ ኣባ ሄሮዳ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።


ግንቦት 25 ቅዱስ ኣባ ሄሮዳ ኣኽሊል ሰማእትነት ዝተቀበለሉ ዕለት እዩ። እዚ ቅዱስ ኣቦ ካብ ስብስጣ ትበሃል ከተማ ኮይኑ ካብ ህጻንነቱ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዝነብሮ ቅዱስ ኣቦ እዩ።


 ብዘመን  ከሓዲ ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ  ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ወገናት ናይ ስደት ኣብ ዝኾነሉ  እዋን ዝነብር ዝነበረ እዩ። ሓደ እዋን ኣብ መደቀሲኡ ውዕለት እግዚኣብሔር እናሰተንተነ ከሎ “እዛ እንነብረላ ዓለም ሓላፊት እያ። ቃል ክርስቶስ ከኣ “ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ” (ማቴ 16፡24) ኢሉ ይመህረና፡ ስለዚ ኣነ ንክርስቶስ ኣምላኸይ ህይወተይ ክህቦ ኣለኒ” እናበለ ከሎ፡ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ተገልጸሉ። ከምዚ’ውን በሎ “ሰላም ንዓኻ ይኹን ኦ ቅዱስ ኣባ ሄሮዳ! ሎሚ ክርስቶስ ምሳኻ ኣሎ እሞ ኣይትፍራህ፡ ኣኽሊል ሰማእትነት ከኣ ኣዳሊዩልካ ኣሎ፡ ዘልኣለማዊ ህይወት ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ተዳልዩልካ ኣሎ። ኣነ ሊቀ መላእክት ሚካኤል እየ። ኣብ ኩሉ መከራኻ ከኣ ክረድኣካን ከጸናንዓካን እየ።” ። ብኡ ንብኡ ከኣ ሰላም ኢሉዎ ንሰማይ ተሰወረ። ቅዱስ ኣባ ሄሮዳ ካብታ ከተማ ንምዕራብ ገጹ ውጽእ ኢሉ ንምብራቕ ጠሚቱ ክጽሊ ጀመረ። “ኦ መሓሪ ኣቦ ዘልኣለም ፈጣሪ ኩሉ ዓለም፡ ኦ ንጉሰይን ኣምላኸይን መድኃንየይን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ክብሪ፡ ምስጋና፡ ውዳሴ፡ ኣምልኾ ንዓኻ ይኹን። ኣብ ድኻመይ ሓይሊ ሃበኒ” ። እዚ ኢሉ ጸሎቱ ምስ ወደአ ብኡ ንብኡ ናብ መጋባእያ ኣትዩ ብዓቢይ ድምጺ “ኣነ ክርስቲያን እየ” ኢሉ መስከረ። 
ኣብዚ እዋን’ዚ ክርስቲያን ንጣዖታት እንተዘይሰጊድኩምን እንተዘይኣገልጊልኩምን እናተባህሉ መከራ ዝጸግቡሉ ዝነበሩ ግዜ እዩ ነይሩ። እቲ በዓል ስልጣን ከምዚ ኢሉ ሓተቶ፡ “ካበየናይ ሃገር ኢኻ፤”“እንታዋይ ኢኻ”“መን ‘ከ ትበሃል፤” ኣባ ሄሮዳ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ “ኣነ ካብ ከተማ ሰባስቲያ፡ ወረዳ በሃንጻ እየ። ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ከኣ ወተሃደር ኮይነ ንንጉስ ኣገልጊለ”። ሉቕያኖስ ደጊሙ  “ንኣፖሎን ኣርጥሚስን ኣማልኽትና መስዋእቲ ከተቕርበሎም ኣለካ። ከምቲ ኣነ ዝበልኩኻ እንተ ገበርካ ንዓኻ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ መዓርግካ ከምዝውሰኽ፡ ካብ ኩሎም ወተሃደራተይ’ውን ከኽብረካን እኹል ገንዘብ ክህበካን እየ።” ኢሉ ከስድዖ ፈተነ። ቅዱስ ኣባ ሄሮዳ ግና ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ “ናይ ዓያሹ ዘረባ ተዛረብካ፡ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል “እቲ ንእግዚኣብሔር እምንቶኡ ዚገብሮ፡ ናብቶም  ዕቡያትን ናብ ሓሶት ዜግልሱን ዘየብል ሰብ ብጹእ እዩ” (መዝ 40፡4)ብኣምላኽ ሰማይን ምድርን መስዋእቲ ንዘይጠቅም ጣኦት ኣየቅርብን እየ። ተስፋይ ከኣ ኣብ ኣምላኸይ እዩ”። ብኡ ንብኡ ከኣ ሉቕያኖስ ተቖጠዐ ንኸሳቕይዎን ክቕጥቅጥዎን ከኣ ንወተሃደራቱ ኣዘዘ። ብስልኪ ዝተሰርሐ መግረፊ ገይሮም ቀጥቀጡዎ፡ ከምኡ’ውን ጭካኔ ብዝመልኦ ኣሻዂ ገረብ ደሙ ከም ማይ ክሳዕ ዝውሕዝ ኣሳቀይዎ። ቅዱስ ሄሮዳ ግና ነዚ ኹሉ ስቃይ ኣይገደሶን፡ ምኽንያቱ ኣብ ልቡ ኣምላኽ ሰማይ ስለዝነበረ። ቅዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ወሪዱ ነስግኡ ተንከዮ’ሞ ኩሉ ኣቍሳሉ ሓወየ። ነዚ ዝረኣዩ ህዝቢ ኩሎም ብሽም ክርስቶስ ኣመኑ ንኣምላኽ ከኣ ኣመስገኑ። 500 ሰባት ዝኣኽሉ ኣሚኖም ኣኽሊል ሰማእትነት ከኣ ተቀቢሎም። ሉቕያኖስ ኩሉ ዓይነት ስቓይ ፈቲኑ ምስ ደኸመ ብሰይፍ ርእሱ ንኽቖረጹዎ ኣዘዘ። “ሰላም ንዓኻ ይኹን ሄሮዳ! ኣነ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ እየ፡ ኣይትሸበር፡ ኣኽሊል ሰማእትነት ምስቶም ቅዱሳን ኣብ ሰማያት ተነቢሩልካ ኣሎ። ብእምነት ስምካ ዝጸወዐ: ጸበልካ ዝገበረ ብስምካ ንድኻታት ዝመጽወተ: መጽሓፍ ገድለኻ ዝጸሓፈ፡ ዝሰምዐን ዘንበበን: ኣብ መጽሓፍ ህይወት ክጽሕፎ እየ። ጥሪቱ ክባረኻ፡ ደቁ’ውን ኣብ ቤቱ ኣይክስእኑን እዮም፡ ኣብ ዝሰርሖ ስራሕ ኩሉ ሰይጣን ኣይክትንክፎን እዩ። ናይ ዕዳ ደብዳቤኡ’ውን ክድምስሰሉ እየ። ስምካ ንዝጸወዐ ከኣ ኩሉ ካብ ስቃዩ ከናግፎ እየ። በዓልካ ዘብዓለ ሐጢኣቱ ክኃድገሉ እየ። ሰላም ንዓኻ ይኹን”። ከምዚ ኢሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ኪዳን ኣተወሉ። ቅዱስ ኣባ ሄሮዳ ከኣ ዓቢ ሓጐስ ተሓጐሰ። ብኡ ንብኡ ከኣ ክሳዱ ቆረጹዎ። ኣኽሊል ሰማእትነት ተቐበለ፡ ድሕሪ 7 ኣዋርሕ ቤተሰቡ መጺኦም ሬስኡ ወሲዶም ናብ ሰባሰቲያ ወሲዶም ንዕኡ ኢሎም ዝሰርሑዎ መቃብር ቀበሩዎ። ብዙሕ ተኣምራትን ምልክታትን ኣብቲ ዝተቀብረሉ ተራእየ፡ ብዙሓት ሕሙማት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት መጺኦም ከም ዝሓወዩ’ውን ይፍለጥ። በረኸት ኣባ ሄሮዳ ምስ ኩልና ይኹን።  

ይትባረክ ኣምላክ ኣበዊነ።

ምንጪ፡ ስንክሳር ግንቦት 25
(For those who do not have Geez, please check on this link) KIDUS ABA HIRODA
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment