Wednesday, May 9, 2012

ብሂል ኣበው፡ ቅዱስ ኣንጦንዮስ (1)


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

  1. በረከት ስራሕ ካብ ጭንቀት የናግፍ።  
 ቅዱስ ኣንጦንዮስ ናብራ ብሕትውና ኣብ ሳህራ ክጅመር ከሎ፡ ብዝሒ ሓሳባት ኣብ ኣእምርኦም የጨንቖም ነበረ። ንኣምላኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ ይልምን ነበረ፡ “ኦ ኣምላኸይ፡ ካብዚ ሓሳባት ክናገፍ ደልየ ግና ኣይከኣልኩን፡ እንታይ ክገብር፤ ከመይ ገይረ ከቋርጾ ይኽእል፤” ቅሩብ ካብቲ ናይ ጸሎት ቦትኦም ውጽእ ምስ በሉ ፡ ንዕኡ ዝመስል ሰብኣይ ረኣየ። ኮፍ ኢሉ ስርሑ ይሰርሕ ይትንስእ እሞ ናብ ጸሎቱ። ዳግማይ ናብ ስርሑ ይምለስ ተንሲኡ’ውን ይጽሊ። እዚ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንረድኤት ኣንጦንዮስ ዝተላእከ እዩ ነይሩ። ከምዚ ኢሉ’ውን ተዛረቦ “ከምዚ ግበር እሞ ካብ ሓሳባትካ ክትናገፍ ኢኻ”። ነዚ ምስ ሰመዐ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ዓቢ ሓጐስ ተሓጐሰ ከምኡ’ውን ገበረ። ካብቲ ዘጨንቖ ዝነበረ ሓሳባት ድማ ተናገፈ።

 

 2. ጥበብ እግዚኣብሔር ዘይምምርማር።
ቅዱስ ኣንጦንዮስ ንጥበብ እግዚኣብሔር እናኣስተንተነ ከሎ፡ ከምዚ ኢሉ ሕቶ ሓተተ “ንምንታይ’ዩ ገለ ሰብ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ዝመውት፡ ገለ ከኣ ዕድመ ጸጊቡ ዝመውት፤ ገለ ሃብታም ይኸውን እቲ ካልኣይ ከኣ ድኻ ዝኸውን፤ ንምንታይ እዮም ሓጥኣን ሃብታማት ዝኾኑ እቶም ቅዱሳን ድማ ዝደኽዩ፤” ። ከምዚ ዝብል ድምጺ ከኣ ሰምዐ፡ “እዚ ጥበብ እግዚኣብሔር እዩ፡ ምምርማሩ ከኣ ኣይጠቕመካን እዩ”

3. ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ እዩ። 
ሓደ እዋን እዩ ሓደ ኣቦ ንቅዱስ ኣንጦንዮስ ከምዚ ክብል ሓተቶ፡ "ንኣምላኽ ከስምሮ እንተኾይነ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፤" መልሲ ቅዱስ ኣንጦንዮስ፡ "ነቲ ዝብለካ ኣስተውዕለሉ። ናብ ዝኸድካ እንተኽድካ ንኣምላኽካ ኣብ ቅድሜኻ ግበሮ። ኣብ እትገብሮ ኩሉ ምርኩስካ ቃል ኣምላኽ ይኹን። ኣብ ኮፍ ዝበልካሉ ቀልጢፍካ ኣይትተንሥእ። ነዚአን ኣጽንዓየን ክትዕወት ኢኻ።"



4. ካብ ብዙሕ ምዝራብ ብዙሕ ምስማዕ።

ቅዱስ ብሞ ንቅዱስ እንጦንዮስ ክሓቶ ከሎ፡ንኽጸድቕ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፤ቅዱስ እንጦንዮስ ከኣብዝገበርካዮ ኣይትትሓበን ብዝሓለፈ ኣይትጣዓስ። ከብድኻን ልሳንካን ኣድብ(እሰር)

5. ትሕትና ንስነቓ።
ቅዱስ እንጦንዮስ፡ኩሉ ዓይነት ፈተና እቲ እከይ ረኣኹ ብሓዘን ተመሊአ ከምዚ በልኩመን እዩ ነዚ ፈተና ዝሓልፎብኡ ንብኡ ካብ ኣምላኸይ ድምጺ ሰማዕኩትሕትና ንዘለዎ ዝብል

(For those who do not have Geez, please check this link) BHIL ABEW: KIDUS ANTHONIOS (1)


በረከቶም ምስ ኩሉ ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላክ ኣበዊና!!! በቲ ዘይውዳእ ሰላሙ ሰላም ዝሃበና።

No comments:

Post a Comment