Wednesday, May 23, 2012

ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃል ቀርን


ምስባክ
<< ዐርገ እግዚአብሔር ብይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን
ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ። እግዚአብሔር ብደሃይ መለከት ዓረገ፣ ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ ዘምሩ፣
ምስጋና ንጉስና ዘምሩ ዘምሩ።  መዝ.፵፮፡፭ (47:5)
ሮሜ.10-1   1ይጴጥ. 3-15   .ሓዋ.1-1-12   ወንጌል .ሉቃ.2445

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

<< ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ  ወእግዚእነ በቃል ቀርን። >> መዝ.46-5


ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ለይቲ ለይቲ ዝሓድረሉ ሓሙስ መዓልቲ  ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ንኣይሁድ ኣህሊፉ ዝሃበላ ቦታ ቅዱሳን ሓዋርያት ብዛዕባ ነገረ ምጽአት ሓቲቶም ዝተረድኡላ ካብ ሙታን ተሢኡ ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ ዝዓረገላ እምባ ( ጎቦ) ደብረ ዘይቲ እያ። ጐይታና መድኃኒና  ኢየሱስ ክርስቶስ ካብዛ ቦታ እዚኣ እዩ ዓሪጉ።

ኣቐዲሙ ቅዱስ ዳዊት ከምዝተዛረቦ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቱ እንዳረኣይዎ ናብ ሰማይ ዓሪጉ። << ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ ብቃለ ቀርን >> ከምዝብል መዝ. 465
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓቒ ከምዝዓረገ ናይ ቤተክርስቲያን ሊቅ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቒ ከረድእ ከሎ ንሕማም ዝሰማምዖ ግዙፍ ሥጋ ተዋሂዱ ከሎ ቅድሚ ሥቅለቱ ኣቀዲሙ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዝኸደ፣ ሎሚ ንንፋስ ከፊሉ ክዓርግ ክንርእዮ ከለና ዋላሓደ ኣይጠራጠር ምስ ግዙፍ ሥጋኡ ከየተለወጠ እዩ ዓሪጉ። ሃይ.አበው ዘዮሓንስ አፈወርቒ ክፍሊ 13 ቁጽሪ 15

አንቃዕድዎተ ዐይን

ወዘንተ እንዘ ይብሎሙ ተለዐለ ወነሥአቶ ደመና ወዐርገ ሰማየ እንዘ እሙንቱ ይኔጽሩ ኅቤሁ ወተሠወረ እምአዕይንቲሆም። ዮሓ.1-9

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ዝወጻኹ ብርሕቀት ( ብምርሓቅ) እምበር ብርቀት  ( ረቂቅ ብምዃን) ኣይኮነን። እዚ ማለት ኣቀዲሙ ዝተዋህዶ ሥጋ ኣርቂቁ ግዝፍነቱ ኣጥፊኡ ዘይኮነ ምስ መለኮቶ ተዋሂዱ ሓደ ግዙፍ ሥጋ ግዝፍነቱ ከይገደፈ ካብ ዓይኒ ብምርሓቕ ልዕል ልዕል ብምባል ናብ ሰማይ ብምውጻእ እዩ።

ብትምህርቱ ዝተጸናንዑ ብተኣምራቱ ዝተማረኹ፣ ሓዳሮም ወለዶም ሃብቶም ሥልጣኖም ዝገደፉ ሓዋርያት ንሰለስተ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ሓቢሩ ምስኦም ዝጸን ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሥጋ ክፍለዮም ከሎ ብናፍቆት ተታሒዞም ናብ ሰማይ ክወጽእ ከሎ ኣቶኪሮም ይርእይዎ ነበሩ። ዘርኣዮም ፍቕሪ ሑሩ ወመሃሩ ብምባል ዝኣዘዞም ኣገልግሎት ከመይ ከምዝወጽእዎ እንዳሓሰቡ ኣቶኪሮም ረኣይዎ።


ዕርገተ ልቦና

ክንጽልይ ኮነ ክንዛረብ፣ ክንጸውም ከለና ኮነ ክንምገብ ክንሰርሕ ከለና ኮነ ከነዕርፍ ናይ ኣምላኽና ውዕለታ ብምዝካር ብምሕሳብ ኣብ ውሽጢ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ንኽንደይ ዝኣኽል ደቂቅ ዕርገት ልቦና ንዓርግ። ንምሰጥ?

ሓዋርያት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣካለ ሥጋ ሓቢሩ እንዳሃለወ ዝኣዘዞም ትእዛዝ ንምፍጻም ስጋብ ሕይወት መፈጸምታ ተኣሚኖም ሓደራ ዝተዋህቦም ብተግባር ኩሉ ፈጾሞም እዮም፣ ንሕና ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ዘለና ምእመናን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ከምዝተወልደ፣ ናብ ግብጺ ምስዳዱ ናይ ደቂ መዛሙርቱ እግሪ ብምሕጻብ ትሕትና ብምርኣይ ዝሃበና ሓደራ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ስለና ኢሉ መከራ ተቀቢሉ ዘርኣየና ፍቕሩ ንኣልኣዛር ካብ ሙታን ብምትንሣእ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሥልጣን ካብ ሙታን ብምትንሣእ ተስፋ ነገረ ትንሣኤ እንዳዘከርና ብሓሳብና እዳዓረግና ልብና ልዕል እንዳበልና ክርስቲያናዊ ምግባራት ምስ ሃይማኖት ኣተሓባቢርና ብምሓዝ ክንሕልዎ ይግባእ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብዕርገቱ ዕርገተ ልቦና ይሃበና። በረከትን ኣማላድነትን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

(For those who do not have Geez, please visit this link) BEALE ERGET

ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።


No comments:

Post a Comment