Saturday, June 2, 2012

ጾመ ሓዋርያት


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
በዓለ ጰራቅሊጦስ
መንፈስ ቅዱስ ወረደ ላዕለ ሓዋርያት ተመሲሎ በነደ እሳት
ምስባክ
ዐርገ ውስተ ዓርያም ፄዊወከ ፄዋ
ወወሀብከ ጸጋከ ለእጓለ እምሕያው
እስመ ይክህዱ ከመ ይኅድሩ
መዝ.67፣18 (68፣18)
ወንጌል ዮሓ.141-22 ..21-14 ኤፌ.41-17 1ይዮሓ.21-18
ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ

ጾመ ሓዋርያት
ብሩኽ ምጅማር ጾም ይግበረልና!

ካብ 27 ግንቦት ሰኑይ ጀሚሩ ክሣብ 5ሓምለ ይፍጸም
Apostles Fast – Monday, JUNE-4 -JULY 12

ጾመ ሓዋርያት
ጾም መንፈሳዊ በረከት ዘውህብ ክርስቲያናዊ ተግባር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘረድኣና ጾም ማለት ንዝተወሰነ እዋን ወይ ግዜ ካብ መግብን መስተን ተፈሊኻ መንፈሳዊ ተግባራት ምፍጻም ማለት እዩ። ኢሳ.416 ጾም ማለት ካብ ጥሉላት መግብን ካብ ዘስክር መስተን ምኽልካል ከምዝኾነ የምህረና። ዳኒ.102-3


ጾም በጥንተ ፍጥረት ኣይትብላዕ ተባሂሉ ናይ ሕጊ ምሕላው ምልክት ኮይኑ ንደቂ ሰባት ካብ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ጀሚሩ ምስ ሃይማኖት ዝተተሓሓዘ ሥርዓት ስለዝኾነ ሃይማኖት ኣብ ዘለዎ ኩሉ ጾም ኣሎ። ይኹን እምበር ጾም ንዝተወሰን እዋን ካብ እኽልን ማይን ምኽልካል ጥራሕ ዘይኮነ ንሰውነትና ካብ ዘብህጉን፣ ሪእኻውን ንክትግብሮም ዝደፋፉካ ሥጋዊ ነገር ኩሉ ምግዳፍ ብሓፈሻ ፈቃደ ሥጋ ካብ ምፍጻም ምሕላው ማለት እዩ።

ቅዱሳንውን ንጾም ኣብ ህይወቶም ሓደ ክፍሊ ጊሮም ይጥቀምሉ ከምዝነብሩ ቅዱስ መጽሓፍ የረድኣና እዩ። ዘዳ.99-12እስራኤል ዘሥጋ ብዝተፈላለይ ምኽንያት ይጾሙ ከምዝነብሩ ንኽጸሙ'ውን ይእዘዙ ከምዝነብሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረኽቦ ኢና። ዘሌ.1629-31 ዘካ.8-19 ኢሳ.931 ጾሞም'ውን ብውልቂ ወይ ብማኅበር ይፍጽሙ ኔሮም። 2ሳሙ.12-22። መሳ.20-26


ጾም ብቅዱሳን መጽሓፍቲ ዝተመዝገበ መንፈሳዊ ተግባር ምዃ ጥራሕ ዘይኮነ ዝህቦ ጥቅምን በረኸትን ተገሊጹ እዩ። ሰብ ካብ እንስሳዊ ጠባይን ባህርይን ልምዲ ኣውጺኣ ንቅዱሳን መልኣኽቲ ተምስሎ፣ ናይ ነፍሲ ሕጊ ጸኒዑ ብኹለንተንኡ ንእግዚ አብሔር ከገልግል ካብ ዝሕግዝዎ ምግባራት ሓደ እዩ። እቲ ጸዋማይ ናይ ጥምየት ጉድኣት ተረዲኡ ንዝተሸገሩ ክርህርህን ክሓስብን ምእንቲ ጾም ኣስተውዓሊ ልቦና ይፈጥረሉ። ጾም ናይ ትሕትና ምንጪ እዩ። መዝ.6910 ስለዚ ጾም ትሑት ይገብረና። ነህ.14 ጾም ናብ ሓዘን ዘብጽሕ ስለዝኾነ ንንስሓ ዘንቃቅሕ መንፈሳዊ ሓይሊ ኣለዎ። 1ይሳሙ.76 ጾም ናብ ረዲኤት እግዚአብሔር ዘቅርብን ንኣጋንንቲ ዘርሕቅ እዩ። ማቴ.17 ሚኪ.21 ስለዝኾነ ፈቃደ እግዚአብሔር ንሓተሉ። ዘጻ.34-28 ብሓፈሽኡ ጾም ስራሕ ትሩፋት ንኸነብዝሕ የበርትዓና።

ጥንተ ታሪኽ ጾመ ሓዋርያት
ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብኣዋጅ ንኽንጸሞም ዝኣዘዘትና ኣጽማዋት ሸውዓተ እዮም። ካብዚኦም ሓደ ዝኾነ ጾመ ሓዋርያት ኣብ ዓዓመቱ ጽባሕ በዓለ ሓምሳ ሰኑይ መዓልቲ ይኣቱ። መዓልታት ጾመ ሓዋርያት ከም ዓቢይ ጾም መእተዊ ከም ኩነታቱ ዝለዋወጡ እንተኾኑ ብሓፈሽኡ ካብ 15-49 መዓልታት ልዕል ክብልን ክወርድን ይኽእል እዩ። ጾመ ሓዋርያት ኣብ በዓለ ዕረፍቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኽበረሉ ዕለት ሓምለ ሓሙሽተ ዝፈጸም ጾም እዩ።

ጾመ ሓዋርያት ጥንተ ነገሩ ከመይ እዩ እንተኢልና ናይ መጥምቀ መሎኮት ቅዱስ ዮሓንስ ደቂ መዝሙርቲ ብዝሕ ግዜ ይጾሙ ኔሮም እሞ ናብ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቀሪቦም << ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም ደቂ መዛሙርትኻ ግና ኣይጸሙን ኢሎም ናብኡ መጹ። ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በሎም ነዕሩኽ መርዓዊኸ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳብ ዘሎ ከመይ ኢሎም ኪጉህዩ ይኾነሎም፣ መርዓዊ ካባታቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ ሽዑ ከኣ ይጾሙ። >> ማቴ.914 ብምባል ብዝመለሰሎም መሰረት ሓዋርያት ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምዕራጉ ኣብ መበል ዓሰርተ መዓልቲ ጸጋ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ምስተቀበሉ ንጽባሕታ ዝጸምዎ ዓቢ ጾም እዩ።

ሊቅ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቂ << ናይ ቤተክርስቲያን ናይ ልደት መዓልቲ>> ኢሉ ብዝሰየማ ዕለት በዓለ ጵራቅሊጦስ (ጴንጠቆስጤ) ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቀበሉ። .ሓዋ.2 ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ከም ዝኣዘዞም ናብ ኩሉ ዓለም ተበቲኖም ንዓለም ብወንጌል ከምመቅርዋ ቅድሚ ምብጋሶም ናይ መጀመርያ ስርሖም ዝገበርዎ ምጻም ኔሩ። ማቴ.28

ናይ ጾመ ሓዋርያት ካልኦት ኣስማት
ጾመ ሓዋርያት ካልኦት ኣስማትውን ኣለውዎ። ጾም ሰኔ እውን ይበሃል እዩ። ጾመ ሰኔ ዝብል ስያሜ ዝረኸበ ጾመ ዝውዕለሉ ብዙሕ እዋን ኣብ ወርሐ ሰኔ ብምዃ እዩ። ብተወሳኺ ጾመ ሓዋርያት በጥንተ ዘመን ናይ ኲናት ዝኸዱ ሰራዊት ናብ ዓውደ ኩናት ንኽኸዱ ኣብ ዝዳለውሉ እዋንን ወይ ብዝተመልሱ ሰራዊት ዝተጋገየ ይቅረ በለልና ብምባል ንፈጣሪኦም እንዳመስገኑ መግቦቱን ሓለዉኡን ናይ እግዚአብሔር እንዳደነቁን ይጾሙ ስለዝነብረ እዩ << ናይ ሰራዊት ጾም >> ዝብል ስያሜ ተዋሂብዎ ኔሩ።

በረከተ ጾመ ሓዋርያት
ኣብ መቅድም ከም ዝረኣናዮ ናይ ጾም ጥቅሙን በረከቱን ብዙሕ እዩ። ቅዱስ ያሬድ << ንጹም ጾመ ወናፍቅር ቢጸነ። ጾም ንጹም ንሓውና ንፍተው>> ከምዝበለ ጾም ፍቅርን ርህራሄን ሰላምን በረከት የውህብ። ጾመ ሓዋርያት ቀዳሞት ኣቦታትና ሥርዓት ሰሪዖም ብዝኣዘዙና መሰረት ዕድሜኦም ልዕሊ ሸውዓተ ዓመት ዝኾኑ ምእመናን ኩሎም ክጾምዎ ዝግባእ ናይ በረከት ጾም እዩ።

ሓዋርያዊት ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብፍኖተ (ኣሰር) ሓዋርያት ናይ ከም ትስዕብን ከምትኸይድን ሓደ ምልክት ካብ ዝኾኑ ነገራት ጾመ ሓዋርያት ምጻም እዩ። ሓዋርያት ብዝተሓደሰ ሰውነት ( ብሓድሽ ሰውነት) ዝጾምዎ ጾም ከምዝኾነ ምእመናን ብሓጥያት ዝኣረገ ሰውነትና ነሐድሰሉ ናይ በረከት ጾም እዩ። ማቴ.916 ጾም እሱ ካብ ዝህቦ ጥቅሚ ካልእ ጾመ ሓዋርያት ምጻም በረከት ሓዋርያትን ጸጋ ሓዋርያትን ንቅበለሉ ብምዃኑ ንጾሞ።

ብሓፈሻኡ ጾመ ሓዋርያት ምስ ካልኦት ኣጽዋማት ሓቢሩ ክጽወም ዝግብኦ ናይ ኣዋጅ ጾም እዩ። ይኹን እምበር ናይ ካህናት ጾም ብዝብል ምኽንያት ንቀሳውስት ዝተደንገገ ብምምሳል ዘይጾምዎ ኣለዉ። ከምዚ ዝበል ኣተሓሳስባ ካብ መንፈስዊ በረከት ዘርሕቅን ካብ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ረዲኤት ዝፈልይ (መብል) ብልዒ ብምፍታው ምኽንያት ዝመጽእ ሓጢኣት ዝመርሕ ስንፍናን ድኻምን እዩ።

ጾመ ሓዋርያት ንጾሞ ሓዋርያት ጾይሞም ንዓለም ዝሰዓርሉ ብምዃኑ ንሕና'ውን ንዓለም ንስዕረሉ ሓይሊ ክህበና ንቅዱሳን ሓዋርያት ዝተለመነ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ተለመነና እንዳበልና ንምምሕጻን እዩ።
ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያንና ናይ ካህናት ናይ ምእመናን ተባሂሉ ብማዕርገ ክህነት ዝተፈለየ ኣጽዋም የለን። ብሥርዓተ ቤተክርክስቲያን መጽሓፍቲ'ውን ናይ ምእመናን ካህናት ጾም ብምባል ኣጽዋማት ተፈልዮም ኣይተቀመጡን። ጾመ ሓዋርያት፣ ሊቀ ነብያት ሙሴ ሕገ ኦሪት ክሰርሕ ምእንቲ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕገ ወንጌል ክሰርዕ ምእንቲ ከምዝጾሙ ኩሎም ሓዋርያት'ውን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምቅባሎም ንኣስተምህሮ ወንጌል ቅድሚ ምብጋሶም ዝጾምዎ ጾም ስለዝኾነ እዩ። ምእመናን'ውን ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብነት ጌርና ክንጾሞ ዝግበኣና ጾም እዩ።

ጾም ጼምና በረከተ ሓዋርያት ምእንቲ ክሓድረና ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ሳህልን ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ረደኤትን በረከትን ኣይፈለየና።

(For those who do not Geez, please visit this link) BEALE MENFES KIDUSIN TSOME HAWARYATIN

ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለወስቀሉ ክቡር።

1 comment:

  1. I like the posted Picture. I wonder from where your source is.!

    ReplyDelete