Monday, June 4, 2012

ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ብሂል አበው፡
ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ

ታሪኽ ህይወት ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ፡

ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ካብ ዓበይቲ ፍላስፋታት ዓባይ ሮማ ዝነበረ እዩ። ወላዲ ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ካብቶም ንጉስ ሮማ ኣብሊጹ ዝፈትዎም ሓለፍቲ እዩ ዝነበረ። ንጉስ ታውደሰዮስ፡ ንደቁ ዝምህረሉ ቋንቋ ላቲንን ግሪኽን ዝመልኽ ብጥበቡ ዝተመስከረሉ፡ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎ ፍላስፋ ይደሊ ነበረ። ኣብ መላእ ዓባይ ሮማ ድማ ከም ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ክርከብ ኣይከኣለን። ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ስለዝነበረ፡ ንጉስ ፈተዎ። ኣብ ምሉእ ንግስነት ንቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ብጀካ ዝኽብሮ ዝቃወሞ ኣይነበረን። ብዙሓት ዝእዘዙዎ ገላው’ውን ነበሩዎ።


ሓደ እዋን እዩ ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ፡ ክሓስብ ጀመረ፡ “እዚ ኩሉ ከም ድቃስ መፈጸምታ ኣለዎ። ሃብታም ዘበለ ነቲ ኩሉ ዝረኽቦ ክብርን ሃብትን ከም ሕልሚ እዩ ዝበንን። ስለዚ ዘይልወጥ ነገር የለን። ካብዚ ድማ ንወዲ ሰብ ዝጠቕሞ የለን” ። ነፍሱ ንዓለም ፈንፊና፡ ንኣምላኽ ኩሉ ግዜ ከምዚ ኢሉ ይልምን ነበረ፡ “ኦ ኣምላኸይ ከመይ ገይረ ከም ዝድኅን ኣፍልጠኒ” ድምጺ ኣምላኽ መጺኡ ድማ ከምዚ በሎ፡ “ኣርሳንዮስ ካብ ሰብ ህደም ሽዑ ክትድኅን ኢኻ”። ብኡ ንብኡ ዘለዎ ኩሉ ሓዲጉ ጉዕዞኡ ጀመረ። ናብ እስንክድርያ ትኸይድ መርከብ ምስ ረኸበ ድማ ኣብኣ ተሰቒሉ ንእስክንድርያ መጸ። ካብ እስክንድርያ ናብ እስቂጥ ቅዱስ ኣባ መቓርዮስ ዘለዎ ገዳም በጽሐ። ቅዱስ ኣባ መቓርዮስ ድማ ካብቲ ገዳም ውጽእ ዝበለት ስፍራ ጸሎት ሰደዶ። እዚ ከኣ ህዱእ ስለዝነበረ እዩ። ሒደት መዓልታት ምስ ገበረ ቅዱስ ኣባ መቓርዮስ ዐረፈ። ዓቢ ገድሊ ድማ ተጋደሉ፡ ብዙሓት ብጽኑዕ ተጋድልኡ ዝሰምዑ ካብ ቆስጠንጢንያ ንኽምንክሱ ይመጹ ነበሩ። ታሪኽ ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ በዘን ክልተ ወይ ሰለስተ መስመር ዝሕጸር ኣይኮነን ግና ካብ ብዙሕ ብውሑድ ብድኹም ዓቕምና እዚ ይመስል። ቐጺልና ድማ ካብቲ ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ዘይውዳእ መዓር ጥበቦም ንኽንካፈል ንዕድም። ጸሎቶምን በረከቶምን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።  


1. ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ክነብር ንጸውዓዮ።
ቅዱስ ኣርሳንዮስ ከምዚ በሉ “ኣምላኽ እንተ ጸዋዕናዮ ይመጻና፡ ካብ ፍቓዱ እንተዘይወጻእና ኣብ ውሽጥና ይነብር”። 

2. ንነፍስና ህድኣት ንኣውጀላ።
ቅዱስ አቡነ ኣርሳንዮስ ንበይኑ ምስ ኮነ ናብ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ጸለየ። ኦ ጎይታ  “እንታይ ክገብር ኣሎኒ ድኅነት ንኽረክብ”። ከምዚ ዝብል ድምጺ’ውን  ካብ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መጾ፡ “ኣርሳንዮስ ህድም ንነፍስኻ ህድኣት ኣውጀላ ኣይትሸበር ምኽንያቱ ካብ ሓጢኣት  ኢኻ ትሃድም ዘለኻ”።


3. ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። (ዮሓ 15፡5) ።
ጸላኢ ሠናያት ሰይጣን ንቅዱስ ኣርሳንዮስ ክፍትኖ ካብ ጽቡቅ ግብሩ ከሰናኽሎ ምስ ቀረበ። ድምጺ ናይ ቅዱስ ኣርሳንዮስ ከምዚ ክብል ተሰምዐ፡ “ኦ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኻ ሠናይ ፍረ ኣየፍረኹን እሞ ንበይነይ ኣይትግደፈኒ። ብሠናይካን ፍቕርኻን ከም ብሓድሽ ክጅምር ኃይልኻ ሃበኒ። ኣብርትዓኒ” ኢሎም ድምጾም ኣስምዑ። ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ነቲ ዝመጽኦም ፈተና የህድኣሎም ነበረ።

4. ፈላጥ እየ ዘይምባል።
ሓደ እዋን ኣባ ኣርሳንዮስ ንሓደ ኣረጋዊ ግብጻዊ  መነኰስ ብዛዕባ ዝነበሮም ሓሳባት ክሓትዎ ዝተዓዘበ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም “ኣባ ኣርሳንዮስ ንስኹም ፈላጥ ጽርእን ላቲንን እንክነስኹም ነዚ ሓረስታይ ከመይ ኢልኩም ብዛዕባ ሓሳባትኩም ማዕዳ ትሓትዎ፤” በሎም። ንሶም ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ “ኣነ ዝተማሃርኩ ጽርእን ላቲንን እዩ፡ ፍልጠት ናይዚ ሓረስታይ ግን ፊደል እኮ ኣይቆጸርኩን” በልዎ።

5. ባሕታዊ ምዃን።
ቴዎፍሎስ መቃቢ ምስ ሓደ ካብ ዳያኑኡ ናብ ቅዱስ ኣርሳንዮስ ክበጽሑ መጹ። ቃል ኣስምዓና ኢሎም ለመኑዎ። አባ ኣርሳንዮስ ድማ ድሕሪ ቅሩብ ዝን ምባሉ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ “ነቲ ዝብለኩም ጽቡቕ ገይርኩም ተጽንዕዎ‘ዶ፤” በልዎም። እቶም ክልተ ሰባት ከኣ በቲ ሓሳብ ተሰማምዑ “እወ” በሉ። እቲ ቅዱስ ኣቦ፡ “ኣርሳንዮስ ዝብል ምስ እትሰምዑ ኣይትቕረቡ” በሎም።


6. ድልየታትና ክንገትእ ይግባእ።
ሓደ ቃል ካብ ቅዱስ ኣርሳንዮስ ክሰምዕ ንዝሓተተ ሓደ ኣቦ፡ “ውሽጣዊ ስራሕካ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ክኸውን ብዘለካ ኃይሊ ነቲ ደጋዊ ድልየታትካ ንኸተወግዶ ተጋደል” በሎ።

7. ብመዓር ዝተለኽየ ዕረ ናይ’ቲ እኩይ።
ሓሳባተይ የጨንቐኒ ኣሎ ኢሉ ሓደ ሓውና ንቅዱስ ኣርሳንዮስ ይዛረቦ፡ እቲ ሓሳብ “መስኪናይ ጾም ክትጸውም ስራሕ ክትሰርሕ እንተዘይክኢልካስ ንሕሙማት ብጽሓዮም። ምኽንያቱ ምብጻሕካ ፍቕሪ እያ።” ዝብል እዩ ነይሩ። ፍሕሶ ሰይጣን ዝተረደአ እዚ ቅዱስ ኣቦ ከምዚ በሎ፡ “ብላዕ፡ ስተ፡ ደቅስ ሰራሕ’ውን ኣይትስራሕ። ካብቲ ናይ ጸሎት ስፍራኻ ግና ኣይትውጻእ።” ። እዚ ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ኣብታ ናይ ጸሎት ስፍራ እንተተጸብዩ ሓደ መነኰስ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ከምለስ ስለዝኽእል እዩ።
ይቕጽል 
(For those who do not have Geez, please visit this link) KIDUS ABA ARSANIOS
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር

3 comments:

  1. Bereket nay kedus abona ayfeleyena// AMLAK TSEGEU YEBZHALKUM

    ReplyDelete
  2. ኣሜን ቃለ ሕይወት የስምዓላን

    ReplyDelete