Wednesday, June 13, 2012

ትሕትና


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ትሕትና

ትሕትና ብመንጽር ብሂል አበው እንታይ ትመስል፤

ሓደ እዋን ሓደ ቅዱስ ኣቦ፡እታ ዝዓበየት ጸጋ እንታይ እያ፤ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ትዕቢት፡ ንብዙሓት መላእክት ካብ ሰማይ ስለዘውደቐቶም ካብተን ዝዓበያ ሓጢኣት ትቑጸር። ብኣንጻራ ድማ ሓቀኛ ትሕትና ዓባይ ውህበት ጸጋታት እግዚአብሔር ምዃና ንሰብ ካብ መዓሙቕ ሕስረት ናብቲ ዝለዓለ ሰማያዊ ክብሪ ክብ ተብሎ። ኣብ ቅዱስ ቃሉ፡ <<መንፈስ ድኻታት መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብጹኣን እዮም>> (ማቴ 53) ከምዝተባህለ ዘይሓልፍ ሰማያዊ ኣኽሊል ዝወርሱ እዞም ትሑታት እዮም።


ሓደ ኣቦ ከም ዝበሎ፡ ንክርስቲያን ብደገ ክርአ ዝኽእል መንነቱ ዝገልጽ፡ ማዕተቡ ወይ ጸይሩዎ ዘሎ መስቀል እዩ። እቲ ደጋዊ ዘይኮነ ብውሽጢ ዝስለሞ ወይ ዝጾሮ ሕላገት ድማ ትሕትና እዩ።

ከምኡውን አበው ከም ዝበሎ፡ትሕትና ናይ ህይወት ተኽሊ እያ። ካብ ፍረኣ ዝበልዕ ድማ ኣይመውትን እዩ

ትሕትና ብጸጋታት ዝሰብሐት መሬት ትመሰል፡ እንተ ጠፊአት ከኣ ናብ ህልቂት ትመርሕ።

ቅዱስ ኣጋሶን፡ኣኽሊል ሓደ መንኮስ ትሕትንኡ እዩ ይብሉ።

ኣባ ሙሴ ጸሊም ብዛዕባ ትሕትና ክዛረብ ከሎ፡ትሕትና ነፍሲ መሰረት ኩሉ ጸጋታት እያ። ትዕቢት ከኣ ሱር ኩሉ እከይ እያ

ብዛዕባ ትሕትና ሓደ መነኰስ ኣቦ ምስ ተሓቱ፡ትሕትና ኣምላኻዊ ህያብ እያ፡ መንገዳ ንሥጋ የድክም፡ ንነፍስኻ'ውን ሓጢኣተኛ ምዃና ተኣሚና ብምድላው፣ ድሕሪ ኩሉ ሰብ ንኽትሥራዕ ትሕግዘካ።ሓደ ትቕብል ኣቢሉ፡እሞ ከመይ ገይረ እየ ንነፍሰይ ድሕሪ ኹሉ ክሠርዓ ዝኽእል፤ እዞም ቅዱስ ኣቦ ከምዚ ክብሉ መለሱ፡ኣበር ሓውካ ዘይኮነ ኣበርካን ሓጢኣትካን ብምርኣይ፡ ኩሉ ግዜ ሓጢኣትካ ንኽድምሰሰልካ ናብ እግዚአብሔር ምልማን

ቅዱስ ባኹምዮስውንሓደ ሓወይ ክሓተኒ ከሎ፡ክንጥቐመሉ ንኽእል ተመኩሮ ንገረናምስ በለኒ፡ ከምዚ ክብል መለስኩሉ ካባይ ሓጥእ ተመኩሮታት ኣይጠቕመካን እዩ። ደስ ዘብል ነገር ግና ክነግረካ፡ ትሑት ልብን ንጽህና ነፍስን ዘለዎ ሰብ እንተረኸብካ እዚ ዓቢ እዩ። ምኽንያቱ ብኡ ኣቢልካ ነቲ ዘይረአ ኣምላኽ ትርእዮ። ካብ ክልቲኦም ኣየናይ ይበልጽ ኢልካ ግና ኣይትሕተት።

ቅዱስ ኣርሳንዮስ ከም ዝበሎ፡ ሓደ እዋን ሓደ መነኮሰ እናኣስተንተነ ከሎ ሓደ ቃል መጾ፡ንኺድ ግብሪ ደቂ ሰባት ከርእየካንደገ ምስ ወጸ ሓደ ሰብኣይ ዕንጨይቲ ቆሪጹ ክሰከሞ ምስ በለ ይኸብዶ። ነቲ ከቢዱ ዘሎ ሰኸም ክንዲ ዘጉድል መሊሱ ካልእ ዕንጨይቲ ይቖርጽ። ከምዚ እናገበረ ከኣ ነቲ ሰኸም መሊሱ የኽብዶ። እቲ አቦ ካብቲ ዝነበሮ ቅሩብ ምስ ተበገሰ፡ ካልእ ኣብ ልዕሊ ዒላ ጠጠው ዝበለ ሰብኣይ ረኣየ። እዚ ኸኣ ካብቲ ዒላ ማይ ይቀድሕ እቲ ሒዙዎ ዝነበረ ዕትሮ ቀዳድ ስለዝነበረ እቲ ማይ እንደገና ናብቲ ዒላ ይምለስ ነበረ። ካብኡ ምስ ከደ ከኣ ክልተ ፈረሰኛታት ዓንዲ ብኽልተ ጫፉ ዝተሰከሙ ረኣየ። እዞም ክልተ ፈረሰኛታት ብኣፍደገ ናይታ ከተማ ክኣትው ስለዝነበሮም እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከሕልፎ ኣበየ። ስለዚ ኣብ ኣፍደገ ናይታ ከተማ ሓደሩ። ብድሕሪኡ እቲ ድምጺ ከምዚ ክብል ባህርያት ናይቶም ሰባት ክገልጽ ጀመረ።እዞም ፈረሰኛታት ተሰከምቲ ቀንዴል ክርስቶስ እዮም ነይሮም። ሰኣን ትሕትንኦም ግና ናብ ዕረፍቲ ኣምላኾም ክኣትው ኣይከኣሉን። ዕንጨይቲ ዝቆርጽ ዝነበረ ድማ ኣብ ዓለም ብዙሕ ሓጢኣት ዝገብር ዝነበረ ሰብ እዩ። ኣብ ክንዲ ተናሲሑ ሓጢኣቱ ዝድምስስ መሊሱ ሓጢኣት ይውስኽ። እቲ መውዳእታ ኣብ ልዕሊ ዒላ ማይ ዝቀድሕ ዝነበረ ድማ ጽድቒ ብሓጢኣት ሰባት ዝሰርሕ ሰብ እዩ። ኩሉ ስርሑ ብስንኪ ዘይቅኑዕ ግበሩ ይጠፍእ። ስለዚ ሰብ ኣብ ዝሰርሖ ጥንቁቕ ክኸውን ይግባእ ምኽንያቱ ዕዮኡ ንድኻም ከይከውን።

ቅዱስ ባኹምዮስ፡ ኣብ ኩሉ ትሑት ኩን፡ ጥበብ እንተመለኣካውን ድሕሪ ኹሉ ተዛረብ፡ ምኽንያቱ ኣብ መወዳእታ ቅኑዕ መደምደምታ ክትገብረሉ ኢኻ

ቅዱስ ኣውራስዮስ፡ብሑቕ ኣብ ደንደስ ባሕሪ እንተተቀመጠ ንሓደ መዓልቲ ኣይጸንሕን። ኣብ ሓዊ ዝተሰንከተ ግና ከም እምኒ ኮፍ ይብል። ከምኡውን ኩሉ ሰብ ብፈሪሃ እግዚኣብሔር እንተዘይመሊኡን እንተዘይተሰንኪቱን ኣይጸንዕን።

ሓደ ካብ አበው ከምዚ በሉ ኣብ ፍሉጥ ቦታ ኣይትቀመጥ፡ ምስ ስሙይ ወይ ውሩይ ሰብ ኮፍ ኣይትበል” ።

ሓደ ካህን ከምዚ በሉ ንእሽቶ ብዕደመ ኣብ መንጐ ዓበይቲ ቃል ዝዛረብ ከምቲ ዝተቃጸለ እምኒ ናብ ቤት ሓው ዝድርቢ ይመስል

ኣብ ሓደ ጉባኤ ቅዱስ ኣባ ኣውቃረዮጥስ ተዛሪቡ ምስ ወደአ ሓደ ትቕብል ኣቢሉ፡ኣቦና ኣይትሓዙለይ እምበር ኣብ ቦታኹም እንተዝኸውን ፓትርያርክ ወይ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሓላፊ ምዀንኩ ነይረ። ናትኩም ግና  እንድዒ ፍሉይ እዩ ቅዱስ ኣባ ኣውቃረዮጥስ ርእሱ እናተገረመ ብምንቕናቕ ከምዚ ኢሉ  መለሰ፡  “ብሓቂ፡ ሓንሳብ እየ ተዛሪበ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ድማ ካልእ ኣይውስኽን።

ትሕትና ብኸመይ፤
ኣባ ሙሴ ጸሊም፡ኣብ ኩሉ ነገርን ስራሕን ንትሕትና ንተዓጠቃ

ኣባ ኣጋሶን፡በረከት ትሕትና ዓቢ እዩ፡ ምውዳቕ ዕቡይ ግና ዝዓበየ እዩ። ስለዚ ንትሕትና እንተለቢስኩማ ፍጹም ኣይክትወድቁን ኢኹም

ኣባ በኻምዮስ፡


  • መንገዲ ትሕትና ተኸተል፡ ምኽንያቱ ኣምላኽ ሰነፍ ዝኾነ ትሑት ኣይፈቱን እዩ። ዕቡይ ክወድቕ ከሎ ምውዳቁ ዘስካሕክሕ እዩ። ስለዚ ንጸላእትኻ ከተሕፍር ትዕቢት ግደፍ። ትሕትና ክትወሃበካ ለምን ጥንቁቕ ድማ ኩን።


  • ካብ ትዕቢት ልቢ ተጠንቀቕ ምኽንያቱ ሰሪ እከይ እያ።


  • ርእስኻ ኣትሕት ዓይንኻ ድማ ኣብ መሬት ይጠምት። ብውሽጢ መዓሙቕ ልብኻ ትሕትና ድለ፡ ኣብ ውሽጥኻ ንዘሎ ትዕቢት ቅተል።


  • ናብ ፈሪሃ እግዚአብሔር ተጸጋዕ፡ ኣብ ኩሉ ዘመን ህይወትካ ሕጉስ ክትከውን፡ መሠረት ሓጐስ ድማ ትሕትና ስለዝኾነት ትሑት ኩን። ኣምላኽ ንኽሕልወካን ሓይሊ ንኽህበካን ንትሕትና ልበሳ። ምኽንያቱ ኣዒንቱ ናብ ትሑታት ልቢ ስለዝጥምታ።


  • ምእዙዝ  ኩን፡  እግዚአብሔር  ዓይነ  ልቦናኻ  ከብርሃልካ፡  ፍልጠት  ክውስኸካ፡  ጥበብውን ክመልኣካ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ጽሑፍ፡ንትሑታት ብፍርዲ ኺመርሖም፡ ንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ”  (መዝ 259) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክትቀውም ትኽእል ኣብ ኩሉ ስራሕካ ድማ ሰላም ክህበካ እዩ።

ሓደ ካህን ኣቦ ከምዚ በሉ፡ትሕትና ዘይብሉ ሰብ ሰይጣን ንምንታይ ኢሉ ክመጾ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ክነብር እንተኾይኑ ብዘይትሕትናን ብዙሕ ድኻምን ጸሎትን ኣይርከብን። ከምቲ ምድሪ ብዘይመከላኸሊ ንታሕቲ ክትወድቕ ዘይትኽእል ትሑት ድማ ፍጹም ኣይወድቕን።

ትሕትና እንታይ እያ ምስተባህለ፡

ሕማቕ ንዝገበረካ ይቕረ ምባል፡ ኣብ ኩሉ ድማ ዘይምዝራብ

ሓደ አበው ካህን ከምዚ በሉ፡ናብ ምሕረት እትእቱ ማዕጾ ትሕትና እያ። ብዙሓት ኣቦታትናውን በዛ ማዕጾ ንመንግሥቲ ሰማያት ኣትዮም እዮም

ሓደ ኣቦ ብዛዕባ ፍጹምነት መነኰስ ምስ ተሓተ ከምዚ ክብል መለሰ፡ትሕትና ዘለዎ ሰብ ናብ ፍጹምነት ይበቅዕ

ሓደ ሓውና ንኣበ ነፍሱ ከምዚ ኢሉ ሓተቶ፡ዕረፍቲ ባሕታዊ እንታይ እዩ፤ መልሲ፡ትሕትና እዩ፡ ምኽንያቱ ብዘይ ትሕትና ዕረፍቲ የለን። ብመንጽር ትሕት ምባሉ ናብ ዝለዓለ ቅድስና ይበጽሕ።ቅጽል ኣቢሉ፡ቅድስና ብኸመይ ትርከብ፤መልሲ፡እታ ነፍሲ ድኽመታታ ፈሊጣ ምስ ተስተኻኽሎ ቅድስና ኣብ ይጅምር

ትሕትና ናብ መዓሙቕ ሲኦል እንተወረደት ናብ ሰማያት ክብ ክትብል እያ፡ ትዕቢት ግና ናብ ጥርዚ ሰማያት እንተበጽሐት ናብ ዲቕ ዝበለ ጸልማት ሲኦል ክትወርድ እያ።

ቅዱስ ኣውራንዮስ፡ኩሉ ግዜ ንነፍስኻ ትሕትና ዓድገላ፡ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዝርኣላ፡ ንቕሓት ጸሎት ኣዘውትረላ፡ መግቢ ሥጋ ኣውሕደላ

ቅድስት ቱዶራ፡ብዝሒ ጸሎት ወይ ጾም ከምቲ ትሕትና ትገብሮ ኣይገብራን እየን። ምኽንያቱ ሓደ ቅዱስ ኣቦ ኣጋንንቲ ዘውጽእ ዝነበረ ብምንታይ ኢኻ ተውጽኦም፡ ብጾም ድዩ፤ እቶም ኣጋንንቲ፡ፍጹም ኣይንበልዕን ኢናይብሉ። ብብዝሒ ምንቓሕ ኣብ ጸሎት ድዩ፤ድቃስ ዝበሃል የብልናንይብሉ። ንዓለም ራሕሪሕካ ብምግዳፍ ድዩ፤መንበሪና በረኻታትን በዓትታትንይብሉ። ብምንታይ ደኣ ትወጹ ምስ በሎም ከኣካብ ትሕትና ንላዕሊ ዘቖጥዓና የለን ኢሎም መለሱ። ስለዚ ትሕትና ንሓይሊ ኣጋንንቲ ተድክም እያ

ዕንጸይቲ (ጣውላ) ነሕድሕዱ  ከምቲ ዝኾነ ብዘይምስማር ዘይለግብ፡ ከምኡ ድማ ብዘይ ትሕትና ድሕነት ኣይትርከብን።

መንፈሳዊ ዕብየት ኣብ ውሽጢ ትሕትና ምስ ንዓቢ ዝበለጸ ዝግለጽ።

ማክሲሞስ፡ትሕትና ኣጽኒዑ ዝሓዘ ኩሉ ጸጋታት ኣጽኒዑ ዝሕዝ እዩ” ።

ማርቆስ ይስሓቅ፡ብዘይትሕትና ጎዕዞ ሓደ ምእመን ኣይፍጸምን። መጽሓፍ ናጽነቱ ብማሕተም መንፈስ ቅዱስ ኣይሓትምን። በዚ ማሕተም ዘይሕተም ድማ ግዙእ ስቓይን መከራን ይኸውን።

ንደለይቲ ጽድቒ ብሕሰምን መከራን ፈተናን ክሓለፉ ዝገደፈ እግዚአብሔር ድኽመታቶም ንኸለልዩ እዩ። ምኽንያቱ መከራ ንትሕትና ስለትወልድ፣ ከምኡውን  ምስባር ልቢ ካብ  ተፈጥራዊ ቃንዛ ስለዝመጽእ ወይ ድማ ብዘለፋ ሰባት ወይ ድኽነት፣ ሕማም ወይ ተጸባይ ብምዃን ስለዝርከብ እዩ። ካልእውን ኣብ ሓሳቦም ዝመጾም ሕማቕ ሓሳባት ድኻም ከም ዘለዎም ይፈልጡ ናብ እግዚአብሔር ክጽልዩ ይገብሮም። ስለዚ ሰብ ኩሉ ግዜ ንቑሕ ክኸውን ይግባእ። ፍጡር ምዃኑውን  ክዝክር ኣለዎ። ዝኾነ ፍጡር ድማ ካብቲ ዝፈጠሮ ሓገዝ የድልዮ። እቲ ወሃቢ ኩሉ፡ ንፍጡሩ እንታይ ከምዘድልዮ ይፈልጥ።

ንትሕትና ተፍቕር እንተደኣ ዀንካ ብመልክዕ ኣይትገድስ። ምኽንያቱ ብመልክዕ እንተተገዲስካ፡ ነቲ ናይ ትሕትና ውርደት ኣይክትጻወሮን ኢኻ። ንኽትዋረድውን  ኣይትመርጽን። ካባኻ ንዝተሓተ ኣይትእዘዝን ከምኡውን ነቲ ካባኻ ዝተሓተ ክትእዘዝ የሕንኸካ ንኣምላኽ ዝኣምን መልክዑ ከጸባብቕ ግዜ ኣየጥፍእን። ብኣተሓሳስብኡ   ድኹም ዝኾነ ሰብ ብመልክዑ ይግደስ። ግብሪ ጽድቒውን ኣይትረኽበሉን። ምስ ዝኾነ ጥቡቕ ፍቕሪ ኣይህልዎን። ንኽብረቱ ከይድፈር ዝጓየ ሰብ ነዛ ዓለም ግዙእ እዩ። ነዚ ኩሉ ትጸልኦ እንተዀንካ ካብ ግብሩ ተቖጠብ። ትሕትናን ምእዙዝነትን ብዘለፋ ይቖማ። ክብረትን መልክዕን ዝደሊ ሰብ ብዛዕባ ናይ ክልቲአን ሓቕነተን ኣይትሕተቶ። ደላዪ ንጽህና እንተደኣ ዀንካ ዕሽነት ኣይትፍቶ። ምኽንያቱ ነገር ዕሽነት ንንጽህነትካ ብጽኑዕ ክትቖጻጸራ ኣይተኽእለካን እያ። ትሕት ዝበለን ንኣምላኽ ዘፍቕርን ምስ ኣምላኹ ጽምዋ ይደሊ። ዓሻ ብዘይ ንጽህና ብሕት ኢሉ ምስ ኣምላኹ ክዘራረብ ኣይደልን። ትሕትና ሓቒ እያ። ንሓቂ ምፍላጥ ድማ ትሕትና ትውህበካ። ብውሽጡ ትሑት ዝኾነ ብሥግኡ ትሑት ይኸውን። ብግብሩ ክፉእ ዝኾነ ድማ ብልቡ ክፉእ ይኸውን። ብሥግኡ ጽንዓት ዘይብሉ ኣብ ሕልንኡ ድማ ጽንዓት የብሉን። ብሓሳቡ ዕሽነት ዝሓስብ ግብሩ ክፉእ ይኸውን። ግብሩ ክፉእ ዘበለ ድማ ኣብዛ ህይወት ምውት ይኸውን።

ንትሕትና ከነጥሪ ዝሕግዙና ቃላት፡

1. ሓዘን፡
ብሰላም የጽንሓና ይቕጽል……..

ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣ ወለወላዲቱ ድንግል፣ ወለመስቀሉ ክቡር።
(For those who do not have Geez, please visit this link) TIHTINA

5 comments:

  1. oh my dear amine keep it up egzabhere kiduse tsigu yhabeka bhaki dese zibel kiduse tsega

    ReplyDelete
  2. Amen nikulna, but my dear there are so many Likawnti Bete Kristian contributing in Kana Zegelila. Amlake kidusan Bmihretu YiteArekena.

    ReplyDelete
  3. ቃለ ሂወት የስምዓልና

    ReplyDelete
  4. አምላክ ጸግኡ የብዝሓልኩም and እዛ 1፡ ሓዘን ትብል ዘላ ብጣዕሚ ክሰምዓ ይደሊ እየ።

    ReplyDelete
    Replies
    1. https://kanazegelila.blogspot.com/2012/06/2.html

      Delete