Tuesday, July 3, 2012

ናዛዚተ ኵሎሙ እኩያን እለ ይተመኀፀኑ ኅቤሃ (1)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

<< ናዛዚተ ኵሎሙ እኩያን እለ ይተመኀፀኑ ኅቤሃ።  ናብኣ ዝምሕጸኑ ኩሎም ሓጥኣን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጠበቅኦም ናዛዚቶምን እያ።>>


ኣብ ናይ ዘወትር ጸሎትና  አቡነ ዘበሰማያት ምስ በልና ኣብ በሰላም ቅዱስ ገብርኤል  ኣብ መጨረሻ ፣ ሰአሊ ወጸልዩ ምሕረት ኀበፍቁር ወልድኪ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ይሥረይ ለነ ኃጣውኢነ ። ካብ ዝተፈተወ ወድኺ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረትን ይቅሬታ ክህበና ሓጥያትና ከስተስርየልና ለምልንና።  ንብል ምኽንያቱ፣-
ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝተዋህባ ናይ ምምላድ ጸጋ ካብ ኩሉ ዝበለጸ ጸጋ ስለዝኾነ  << ኦ ድንግል ከሃሊት ሰአሊ በእንቲአነ ። ለዋህ ድንግል ኦ ብዛዕባና ለምልንና። ጸጋኡን ክብሩን ክህበና ለምልንና >> ብማለት ዘወትር ንምሕጸና።  ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጸሎታ ኣብ ቅድሚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ኣዝዩ ዝዓብየ ክብርን ተቀባልነት እዩ ዘለዎ። እሳ ለሚና ልመንኣ ዘይተሰመዓትሉ ግዜ ኣይነበረን። እዚ ዘይከኣል ነገር እዩ። ምኽንያቱ ወዳ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባሕርየ ትስብእት ካብኣ ወሲዱ ሰብ ኮይኑ እዩ። ምስኣ ጽኑዕ ዝኾነ ቃልኪዳን ስለዝኣተወ ኩሉ ዝለመነቶ ከምዝገብረላን ከምዝፍጽመላን << አማንየ>> ኢሉ ብገዛእ ርእሱ ስለዝመሓለላ። ቅዱስ ቴዎፍሎስ ዘእስክንድርያ << ብሥጋዊ ምሥጢር ካብኣ ዝተቀበሉ ኩሉ ክኽሕሳ ምእንቲ ዝለመነቶ ኩሉ ክህባ ስለዝፈቱ ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ብቅድስቲ ኣዲኡ ድንግል ማርያም ክልመን ብጣዕሚ እዩ ደስ ዝብሎ። >> ዝበለ ነዚ እዩ።

ቅዱስ ዳዊት ኣብዚ ዓለም ዝኸበሩ ኣህዛብ እኳ ኣምሃ ሒዞም ገጸ ምሕረት ደልዮም ኣብ ቅድሚኣ ከምዝምህለሉ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል << ወለገጽኪ ይተመሐለሉ ኵሎሙ አሕዛብ ብሉዓነ ምድር። ንገጽኪ ንምርኣይ ናይዛ ዓለም ዝተፈልጡ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኺ ክምህለሉ እዮም። መዝ.44(45)፣12። ደቂ ሰባት ካብ ወድኺ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረትን ይቅሬታን ለምልንልና እንዳበሉ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሚኼ ይምህለሉ። ምእመናን ደቃ ውዳሴኣ ንምስማዕ ገጻ ንምርኣይ ይናፍቑ። ኩላትና ብኣማላድነታ ምሕረት ንረክብ። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንዝልምና ኩሉ ረዲኤታ ኣይትነግፎን እያ።  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም << ናዛዚተ ኵሎሙ እኩያን እለ ይተመኀፀኑ ኅቤሃ። ናብኣ ዝምሕጸኑ ኩሎም ሓጥኣን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጠበቅኦም ናዛዚቶምን እያ። >> ምኽንያቱ ቅዱስ መልኣኽ ገብርኤል ከምዝበሎ << ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞጎስ (ክብሪ ተሰማዕነት ምምላድን ምትዕራቅን) ረኺብኪ ኢኺ። ሉቃ.1-30።  ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ከምዝተገልጸ ፈተውቲ እግዚአብሔር ስለ ህዝቦም ናብ እግዚአብሔር ለሚኖም (ኣማሊዶም) ሕቶኦም መልሲ ረኺቡ ኩሎም ተጠቂሞም እዮም። ንህዝቦ ምስ እግዚአብሔር ኣተዓሪቆሞምን ምሕረት ኣውሂቦሞም እዮም። ዘፍ.18። ዘጻ.33፣11-20። 2ይሳሙ.24፣17-25። ዘፍ.20፣1-8።ማቴ.8፣5-8። ወዘተ…..።

ቅዱሳን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞጎስ ዝረኸቡ ስለዝኾኑ በብዘመናቱ ብጸሎቶምን ብትምህርቶምን ንህዝቢ ሓጊዞም እዮም። ንኣብነት ሓዋርያት ንምእመናን ብጸሎቶም ረዲኦም ፣ ካብ ሕማሞም ፈዊሶሞም ካብ ጸብእ ኣጋንንቲ ኣላቂቆሞም እዮም። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጸሎት ካብ ነብያት ካብ ሓዋርያት ካብ ኩሎም ቅዱሳን ይበልጽ እዩ። ኣማላድነታ ካብ ኣማልድነቶም ኣጸቢቁ ይበልጽ። እዚ ስለዝኾነ ከኣ << ሰአሊ ወጸልዪ ለነ >> እንዳበልና ንልምናን ንምሕጸናን። ካብ ኩሎም ቅዱሳን ዝበለጸ ሞገስን ጸጋን ዝተዋህባ ክብራ ልዕልናኣ ኣማላድነታ ዝለዓለ ስለዘኾነ።

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኹሉ እመ ምሕረት ( ኣደ ምሕረት) ፣ ንግሥተ ሣህል ( ናይ ምሕረት ንግሥቲ)፣ ተባሂላ ትጽዋዕ። ናታ ረዲኤት ደልዮም ዝልምኑ ሓጥኣን ርህራኄኣ ሙሉእ እዩ። ርኅርኅተ ህሊና ስለዝኾነት። ኩሉ ብኣማላድነታ  ምሕረት ፣ፈውስ ስለዝረክብ << ቤተ ፈውስ ዘኩሎም ድውያን።>> ትብሃል።  ዘወትር ንደቂ ሰባት ድኅነት ትተግህ ኣደ እያ።  ሓደ ቅዱስ ኣቦ ከምዚ ኢሎም << በታሕተ ወልድኪ መኑ ውእቱ ዘከማኪ ይሔሊ ብእንተ ትዝምደ እጓለ እመሕያው ።>>  ኣደ ምሕረት ቅድስቲ ኣዴና ትሕቲ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንስኺ እካ ኢኺ ብዛዕባ ድኅነትና ኣዚኺ ዝተጋህኪ። ።>> ናብኣ ዝተጸገዐ ኩሉ ከም ትሕግዝ ጥርጥር ዘይብሉ ሓቒ እዩ። እቲ ርኅሩኅ ልቦናኣ ልመና ቅድሚ ምቅራብና ናይ ድኅነትና ነገር የዳሉ እምበር ስጋብ ዝልመን ኣይጽበይን እዩ። ኣብ መከራን ጭንቅን ጸገምን ዘሎ ሰብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ረዲኤታ ኩሉ ግዜ ኣሎ፣ ኣይድንጉይን እዩ። << ርኅርኅት ልቡና ፣ ባሕረ ምሕረት ።>> ንብላ ነዚ እዩ።   
 ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም << ወሥሉጥ ስምኪ በኅበ እግዚአብሔር ። ስምኪ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብምምላድ ስርሑ ስሉጥ እዩ። >> ኢሉ እዩ። እዚውን ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ብተግባር ተራእዩ እዩ። ዮሓ. 2፣1-11። ታሪኹ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መጀመርታ ተኣምር ኣብ ዝገብረሉ ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ምስኡ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ደቀ መዛሙርቱ ተረኺቦም እዮም። 
   
ይቅጽል………………….. ብሰላም የጽንሓና!

ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረትን ሳህልን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና!
(For those who do not have Geez, please visit this link) NAZAZITE KULOMU EKUYAN ELE YITMAHTSENU HBEHA(1)
                                                   ወስብሓት ለእግዚአብሔር
                                                   ወለወላዲቱ ድንግል
                                                   ወለመስቀሉ ክቡር!

2 comments:

  1. የእመቤታችን የኪዳን ልጆች ለሆንን ለኛ የምልጃዋ የጸሎቷ ረድኤት በረከት የይደድረሰነን! ለአገራችንና ለሕዝበ ክርስትያኑ ሁሉም ይሁን!!!

    ReplyDelete