Sunday, July 8, 2012

ናዛዚተ ኵሎሙ እኩያን እለ ይተመኀፀኑ ኅቤሃ (2)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
<< ናዛዚተ ኵሎሙ እኩያን እለ ይተመኀፀኑ ኅቤሃ።  ናብኣ ዝምሕጸኑ ኩሎም ሓጥኣን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጠበቅኦምን ናዛዚቶምን እያ።

ካብ ዝሓለፍ ዝቀጸለ …

ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም << ወሥሉጥ ስምኪ በኅበ እግዚአብሔር ። ስምኪ ኣብ ቅድሚ እግዚ አብሔር ብምምላድ ስርሑ ስሉጥ እዩ። >> ኢሉ እዩ። እዚ'ውን ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ብተግባር ተራእዩ እዩ። ዮሓ. 2፣1-11። ታሪኹ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።


ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መጀመርታ ተኣምር ኣብ ዝገብረሉ ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ምስኡ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ደቀ መዛሙርቱ ተረኺቦም እዮም። ምኽንያቱ ኣደ ጸዊዕካ ወዲ ፣ወዲ ጸዊዕካ ኣደ ስለዘይግደፍ፣ ከምኡ ከኣ ደቂ መዛሙርቲ ጸዊዕካ መምህር ምግዳፍ ስለዘይከኣል ኩሎም ናብ መርዓ ተጸዊዖም። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኩሉ ኩሉ ግዜ ኣላ።  ናቱ ስም ኣብ ዝጽወዓሉ ኩሉ ናታ ስም'ውን ይጽዋዕ እዩ። ምሥጢረ ድኅነት ተጀሚሩ ስጋብ ዝፍጸም ኣይተፈለየትን። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወሊዳ ዘዕበየት ፣ ሓዚና ዝተሰደት ፣ ኣብ ግዜ ኣስተምህርኡ ዘይተፈለየቶ ፣ ኣብ ግዜ ስቅለቱውን ካብ እግረ መስቀሉ ዝተረኽበት ብምዃና ንዓኣ ካብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ፣ ንጐይታና ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምፍላይ ኣይከኣልን። ስለዚ እዩ ወንጌላዊ << ኣደ ኢየሱስ’ውን ኣብኡ ነበረት።>> ዮሓ.2።  ክብል ዝተዛረበ።

መርዓ ዝገበሩ ሰባት ጸገም ኣጋጢምዎም ። ይኣክል እዩ ኢሎም ዘዳልውዎ ወይኒ ተወዲኡ። እቶም ወይኒ ዝቀድሑ ዝነብሩ ሰባት ብጣዕሚ ተጨንቁ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እዞም ሰባት ወይኒ ምስተወደኦም ምስ ረኣየት እሶም ከይነገርዋ ሽግሮም ፈሊጣ፣ በዓል ውራይ ከይሓፍሩ ከይሕመዩ ሓዚና ፣ ኣደ ስለዝኾነት ንወዳ << ወይንኬ አልቦሙ -ወይኒ እምበር ተወዲእዎም >> ኢላቶ። እሱ'ውን << ኣንቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ ኣለኒ። ገና ግዜይ ኣይበጽሔን።>> ኢልዋ። እዚ ቃል ናይ ዘይምቅባል ወይ ናይ እምቢታ ዘይኮነ ናይ ምቅባል ቃል ወይ ዘረባ እዩ። ምኽንያቱ ብናይ እስራኤል ባህሊ << ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ። ምሳኺ እንታይ ኣሎኒ?። ምሳኹም እንታይ ኣሎኒ?።>>  ዝብሉ ኣበሃህላ ናይ ምቅባልን ናይ ኣክብሮትን ፍቕርን ቃል እዩ። ምሥጢሩ ከኣ ኣደይ ግበርለይ ኢልኪ እንተለሚኪኒ ኩሉ ክገብረልኪ እየ ኣይከውንን እዩ ኣይብለክን እየ። ምሳኺ እንታይ ባእሲ ክርክር ኣሎኒ ድዩ? ማለቱ እዩ። እዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዘለዎ ፍቕርን ኣኽብሮትን ዘርእይ እዩ።

እታ መበለት ሰበይቲ ወዳ ምስ ሞተ ነቲ ተኽብሮን ትምግቦን ዝነበረት ነብየ እግዚአብሔር ኤልያስ << ኣንታ ናይ እግዚአብሔር  ሰብ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ ሓጥያተይ ክትዝክር ወደይውን ክትቀትል ዘመጻእካኒ በለቶ። >> 1ይ ነገ,17፣17-24። ኢላቶ እያ። ኣብዚ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ ዝብል ኣበሃህላ ፣ኣኽብሮት ዘይገልጽ ኔሩ እንተዝኸውን << ናይ እግዚአብሔር ሰብ፣>> ኣይምበለቶን ኔራ። እሱ'ውን ንወዳ ብጸሎት ካብ ሞት ኣተሢኡላ እዩ። ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ጌርጌሴኖስ ሃገር ኣብ ዝመጻሉ እዋን << ኣጋንንቲ ዝሓደሮም ክልተ ሰባት ካብ መቃብር ወጺኦም ተጓነፍዎ። ንሳቶም ሓደ እኳ በታ መገዲ እቲኣ ምሕላፍ ክሳብ ዝስእን ኣዝዮም  ክፋኣት ነበሩ። እንሆ ከኣ ኢየሱስ ወዲ እግዚአብሔር ምሳኻ እንታይ ኣሎና፣ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትቀትለናዶ ናብዚ መጻእካ እናበሉ ጨርሑ።>> ማቴ.8፣28-31። ስለዚ እዚ ናይ ኣኽብሮ ቃል እዩ።

ስለምንታይ ግዜይ ኣይበጽሐን ኢልዋ እንተ ኢልና ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት እዮም።

  1. መጀመርታ እቲ ወይኒ ጨሪሹ ብምልኡ ኣይተወድአን ኔሩ። ምኽንያቱ በቲ ቅሩብ ዘሎ ኣበርኪትዎ ኔሩ እንተዝኸውን ነቲ ዝነበር ኣበርኪትዎ እምበር እንታይ ሓድሽ ነገር ተጌሩ ኢሎም ንተኣምሩ ኣይመድነቅዎን ኔሮም። ስለዚ እቲ ወይኒ ጨሪሹ ስጋብ ዝወዳእ ተጸቢዩ። ጊዜይ ኣይበጽሐን ማለቱ << እቲ ወይኒ ፈጺሙ ኣይተወድኤን ተኣምራተይ ዝገብረሉ ግዜ ኣይኣኸለን ማለቱ እዩ።>>
  2. ይሁዳ ወጺኡ ስለዝነበረ ተመሊሱ ስጋብ ዝመጽእ ክጽበዮ ማለቱ እዩ። እሱ ኣብ ዘይብሉ ተኣምራት ጌሩ ኔሩ እንተዝኸውን << ካብ ተኣምራቱ ስለዝፈለየኒ ኣነ ከኣ ኣትሒዘ ንሞት ኣሕሊፈ ሂበዮ።>>  ብምባል ንሓጥያቱ ምኽንያት ምስ ረኸበ ኔሩ።
  3. ካልእ ከኣ << ጌዜይ ገና ኣይበጽሔን።>> ክብል ከሎ ንግዚኡ ነቲ ወይኒ እንተኾነ ቀንዲ ምሥጢሩ ግና ወይኒ ደመይ ንበጃ ዓለም ዝፈሰሉ ግዜ፣  ወይኒ ደመይ ኣብ መልዕልተ መስቀል ዝወሃበሉ ግዜይ ገና ኣይበጽሐን ማለቱ እዩ።

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ኣደነት ስርሓ ናይ ምምላድ ስርሓ ድሕሪ ምፍጻማ ተጨኒቆም ዝነበሩ ኣገልገልቲ ተመሊሳ << ንሱ ዝብለኩም ኩሉ ግበሩ ።>> ኢላቶም።  ኣቡኡ ከኣ ከም ሥርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሽዱሽተ ኣጋንእ እምኒ ተተኺሉ ነበረ፣ እቲ ኣጋንእ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዜግብእ እዩ።  ጊዜኡ ምስ በጽሐ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናቱ ተኣምራት ንምግላጽን ንምፍጻምን << ነቶም ኣጋንእ ማይ ክመልእዎም ኣዚዙ።>> እቶም ኣገልገልቲ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ገበሩ። ነቲ ማይ ከኣ ብተኣምራቱ ናይ ወይኒ ለዊጥዎ። እዚ ዝኾነ ብናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት እዩ።

 ሓደ ደራሲ ከምዝበሎ << እምዘ ከምዝ ፍጡነ ረድኣት እንዘ ኢትሰአል እፎ ሀለዋ እንዘ ትሰአል ። > ከይተለመነት ንረድኤት ማዕረ ክንድዚ ካብ ፈጠነት ንዝለመና ድኣ ደስ ከተብሎ ከተሐግሶ ከመይ ትተግህ ትኸውን።>> ካልእ'ውን << ዓባየ ኮነት ላዕለ ነዳያን ምሕረታ ለማርያም እንዘ ዓዲ ሀለወት ውስተ ስደተ ዓለም ባሕቱ ሚመጠን ትፈድፍድ እንዘ ትነግሥ ውስተ ሰማይ፣> < ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ርህራሄ ምሕረት ገና ኣብዚ ዓለም ከላ ንዝተሽገሩ ኩሉ ከምዚ ዝኣክል ዓቢ ካብ ነበረ ሎሚ ኣብ ሰማይ ነጊሣ ጭንቀትና ኩሉ ኣጸቢቃ  ኣብ ትርእየሉ እዋን ንዓና ንምርዳእ ምፍጣን ኣዝዩ ይብርትዕ እምበር።>> ኢሉ እዩ።

ስለዚ ብውሽጢ በአፍአ ብነፍስ ብሥጋ ይቅረ ክብለልና ምእንቲ ሓጥያትና ክገድፈልና ከስተሥርየልና ለምልንልና እንዳበልና ንምሕጸና።      

    ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረትን ሳህልን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና!
(For those who do not have Geez, please visit this link) NAZAZITE KULOMU EKUYAN ELE YITEMHTSENU HBEHA (2)
                                                        ወስብሓት ለእግዚአብሔር
                                                        ወለወላዲቱ ድንግል
                                                        ወለመስቀሉ ክቡር!

No comments:

Post a Comment