Tuesday, July 24, 2012

ጸሎት 2ይ ክፋል


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ጸሎት
ብመንጽር ብሂል አበው፡ 2ይ ክፋል
ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ
1.     መቕድም ጸሎት

ቅዱስ ኣባ እንጦንዮስ ከምዚ በለ፡ “ቅድሚ ዝኾነ ነገር ብዘይምስልካይ ክትጽሊ ይግባእ። ብዝወረደካ ኩሉ ድማ ንኣምላኽ ኣመስግን” ።
2.   ቅድሚ ናይ ሓባር ጸሎት ንበይንኻ ጸሊ።


ንኣባ መቓርዮስ ሰባት፡ “ከመይ ገይርና ክንጽሊ፤” ኢሎም ምስ ሓተቱዎ፡ ከምዚ ክብል መለሰ፡ “ኣእዳውና ዘርጊሕና ንኣምላኽ ከምዚ ንበሎ፡ ኦ ልዑል ኣምላኽና፡ ንስኻ ዝበልካዮ ሠናይ ነገር ሃበና፡ ኣብ ጸበባና ብረድኤትካ ብጽሓና። መሓሪ ኣምላኽ ስለዝኾነ፡ ካባና ንላዕሊ እንታይ ከምዝጠቕመና ይፈልጥ እዩ።”
ሊቐ ጳጳሳት ኣባ ሰራብዮን ንኽምንኩስ ዝመጾ ኩሉ ከምዚ እናበለ ይምዕዶ ነበረ፡ “ክትጽሊ ከሎኻ፡ ኦ ንጉሠይን ኣምላኸይን ፍቓድካ ክገብር ምርሓኒ በል”።
ዮሓንስ ሓጺር፡ “ንጸሎት ክትቐውም ከሎኻ፡ ቅድሚ ዝኾነ ነገር፡ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ሓያል ኣምላኽ፡ ሰማይን ምድርን ብስብሐትካ ምሉኣት እየን” በል። ብድሕሪኡ፡ “ኣብ ሓድሽ ኪዳንካ ዘዳለኻዮ ክብሪ ኣብቅዓኒ፡ ኣብ ምጽኣትካ ተሰካሚ ዕዳ ከይከውን ሐልወኒ። ኦ ኣምላኸይ፡ ክፈልጠካ ኃግዘኒ፡ ኣብ ውሽጢ ፍቕርኻ ክነብር ድማ ሃበኒ። ብድሕሪዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ደቂ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት ጸሊ።
3.   ንኽትጽሊ ተቐላጠፍ።

ቅዱስ ኣባ ኣንጦንዮስ፡ “ጸሎት ክበሃል ከሎ ኣይተመኽኒ፡ ቀልጢፍካ ኣብቲ ናይ ጸሎት ቦታ ተረኸብ። ኣብኡ ድማ ኣይትዛረብ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ምኻድካ ንቁምነገር ምዃኑ ኣስተውዕል።   (ማለት፡ ብዛዕባ ዓላማዊ ነገራት ክትዛተ ኢልካ ወይ ንሰባት ክትረክብ ኢልካ ኣይትኺድ)” ።
ቅዱስ በረሰነፍዮስ ክሕተት ከሎ፡ “ሓደ ሰብ ክጽልየሉ ሓቲቱኒ። ክጽልየሉ’ዶ ወይስ እንታይ፤” መልሲ፡ “ዝኾነ ጸልየለይ ኢሉ ዝሓተተካ ክትጽልየሉ  ኣብ ጸሎትካ ክትዝክሮ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ፡ <<ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተኣመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩም’ውን ጸልዩ>> (ያዕ 5፡16) ኢሉ ይምህረና።”
4.   ካብ ጸሎት ዝርከብ ረድኤት።

ሓደ ተማሃራይ ንቅዱስ ኣባ መቓርዮስ መጺኡ፡ “ኣቦይ ንሓደ ስራሕ ክልእከኒ ከሎ፡ ኣብ ዝሙት ከይወድቕ ይፈርህ ኣለኹ።” እቲ ቅዱስ ኣቦ ድማ፡ “እዚ ፈተና ከጋጥመካ ከሎ ከምዚ በል፡ ኦ ኣምላኽ ብጸሎት ኣቦታተይ ርድኣኒ፡ ክረድኣካ ድማ እዩ።” ። ሓደ እዋን ሓንቲ ድንግል ኣብ ውሽጢ ቤታ ምስ ዓጸወቶ ከምቲ ዝተባህሎ ብዓቢ ድምጺ፡ “ኦ ኣምላኽ ኣቦታተይ ርድኣኒ” ምስ በለ፡ ብኡ ንብኡ ኣብ ማእከል ከተማ ተራእየ።   
ቅዱስ ማርቆስ ግብጻዊ ካብታ ዝጽልየላ ስፍራ ከይወጸ ን30 ዓመት ዝጸነሕ ቅዱስ ኣቦ እዩ። መነኰሳን ዝኣሊ ሓደ ቀሲስ ድማ ነበረ። በዚ ነገር እዚ ዘይቀስን ሰይጣን ኣብ ሓጢኣት ፍርዲ ምእንቲ ከውድቖ ንቅዱስ ኣባ ማርቆስ ናይ ኣእምሮ ሕሙም ንኽጽልየሉ ኣዳለወ። እቲ ሕሙም ምስ ኣባ ማርቆስ ከሎ፡ “እቲ ዝኣልየካ ቀሲስ ብሓጢኣት ዝረሰሐ እዩ። ስለዚ ናባኻ ክኣቱ ኣይትፍቀደሉ።” ይብሎ። ቅዱስ ኣባ ማርቆስ ድማ፡ “ዝወደይ ሰባት ንርስሓት ኣብ ደገ ክጉሕፉ ከለው፡ ንስኻ ግና ናብ ቤተይ ሒዝካለይ መጻእካ። ቃል ኣምላኽስ <<ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ>> (ማቴ 7፡1) ይብል። ስለዚ እቲ ቀሲስ ሓጢኣተኛ ዋላ’ኳ እንተኾነ፡ ኣምላኽ ከድኅኖ እዩ። ምኽንያቱ <<እግዚኣብሔር ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፡ እንተ ተዐንፈ እኳ ፈጺሙ ኣይኪወድቕን እዩ>> (መዝ 37፡24) ። ከምኡ’ውን <<ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተኣመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩም’ውን ጸልዩ>> (ያዕ 5፡16) ይብል እቲ ቅዱስ።” ኢሉ ኣብ ጸሎት ተጸምደ። ኣብቲ ሰብኣይ ሓዲሩ ዝነበረ ሰይጣን ድማ ብሕፍረት ወጸ።
እቲ ቀሲስ ከም ልማዱ ምስ መጸ፡ ቅዱስ ኣባ ማርቆስ ብፍሕሹው ገጽ ተቐቢሉ ሰዓሞ። ክጽሊ ከሎ ድማ ሓደ ራእይ ረኣየ። እቲ ቀሲስ ቅዱስ ቁርባን ንኽወስድ ክዳሎ ከሎ፡ ቅዱስ ኣባ ማርቆስ ካብ ሰማይ መልኣኽ እግዚኣብሔር ነቲ ቀሲስ ብኢዱ ክትንክፎ ከሎ ረኣየ። እቲ ቀሲስ ድማ ናብ ድሙቕ ቀንዴል ተለወጠ። በዚ ድማ ተገረመ። “ንምንታይ ትግረም፤ ንጉሥስ ዓለም ንኣገልገልቱ ብረሳሕ ክዳን ክቖሙ ከምዘይፈቅድ፣ ንጉሥ ሰማይ ደኣ ንኣገልገልቱ ኣኽሊል ዓወት ክጭብጦም ኣይፈቅድን’ዶ፤” ።
ሓደ እዋን ኣብ ገዳም መግቢ ዘዳሉ ኣገልጋሊ፡ መግቢ ምስ ኣዳለወ ንደገ ክወጽእ ስለዝደለየ ክሳብ ዝምለስ ንሓደ መንእሰይ ሓልዎ ኢሉ ይኸይድ። እቲ መንእሰይ ጨና ናይቲ መግቢ ክጻወር ስለዘይከኣለ፡ ክበልዕ ወሰነ። እቲ ኣገልጋሊ ግና ክበልዕ ምስ ጸንሖ፡ ተቖጢዑ ደፈኦ። ምስ ደፈኦ ድማ ብርእሱ ካብቲ ኮፈ ኢሉሉ ዝነበረ ስለዝወደቐ ብኡ ንብኡ ትንፋሱ ይመውት። ነዚ ምስ ረኣየ ብፍርሒ ዝገብሮ ጨነቖ። ካብቲ ዝነበሮ ኣልዒሉ ኣብ ዓራት ኣቐሚጡ ናብቲ ኣበመኔት ከይዱ ነቲ ዘጋጠሞ ገለጸሉ። እቲ ኣበመኔት ድማ፡ “ኣጆካ ኣይትፍራኅ፡ ሰብ ከይረኣየካ ነቲ መንእሰይ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣቐሚጥካዮ ኪድ” በሎ። ሰባት ናይ ፍርቂ ለይቲ ጸሎት ከይኣተው ከለው፡ ሓደ ቀሲስ ጸሎቱ ኣዕሪጉ ክወጽእ ከሎ እቲ መንእሰይ ብድሕሪኡ ወጸ።
5.   ገድሊ ጸሎት

ቅዱስ ኣጋቶን ሰባት ክሓቱዎ ከለው፡ “ዝዓበየት ጸጋ ኣብ ገድሊ እንታይ እያ፤” በሉዎ። ንሱ ድማ፡ “ኩሉ ግዜ ናብ እግዚአብሔር ክትጽሊ ምስ እትደሊ እዩ እቲ ዝዓበየ ገድሊ። ምኽንያቱ ዝኾነ ሰብ ክጽሊ ምስ ዝደሊ ሰይጣን ክዕንቅጾ ይመጽእ። ኃይሊ ኣጋንንቲ ዘድክም መሳርሒ ስለዝኾነ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምጽላይ ንሰይጣን ሓደገኛ ምዃኑ ሰይጣን ኣይቀስንን። ሰብ ኣብ ጸሎት ዝደኽሞ ድኻም፡ ኣብ መወዳእታ፡ ሰማያዊ ዕረፍቲ ክሓፍሰሉ እዩ። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ክሳዕ መወዳእታ ትንፋስ ኣብ ጸሎት ክጋደል ይግብኦ።”
“ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድኻምኩም ንገሩ፡ ንሱ ድማ ዕረፍቲ ክህበኩም እዩ” ።
ሓደ ቅዱስ ኣቦ ከም ዝበሎ፡ ሕይወቱ ንእግዚአብሔር ዝወፈየ ሰብ፡ ብርቱዕ ኲናት ኣንጻር ሰይጣን ኣለዎ። እዚ ከኣ ምስልካይን ተስፋ ምቑራጽን ክጋደለለን ዝግብኦ እየን። ነዚ ምስ ከኣለ ካብ ትዕቢት ሰይጣን ክጥንቀቕ ይግባእ። ከምዚ ድማ ይበል፡ <<እግዚአብሔር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፡ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚአብሔር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፡ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።>> (መዝ 127፡1) ከምኡ ድማ፡ <<ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም>> (ያዕ 4፡6) ዝብል ቃል የስተንትኖ።
ንኣበ ነፍሱ ዝሓተተ መንእሰይ፡ “ድቃስ እንተ ጸቐጠኒ፡ ወይ ሰዓታት ጸሎት እንተሓለፈኒ፡ ብዘይምጽላየይ ነፍሰይ ብሓዘን እንተተሳቐየት፡ እንታይ ክገብር ይኽእል፤” መልሲ፡ “ክሳዕ ምብራቕ ጸሓይ ዋላ እንተደቀስካ፡ ምስ ተንሣእካ፡ ማዕጾ ቤትካ ዕጾ ጸሎትካ ጸሊ፡ ቆኖና ድማ ፈጽም። ምኽንያቱ ነቢይ ዳዊት፡ <<መዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲውን ናትካ እያ>> (መዝ 74፡16) <<በታ ዝጸዋዕኩላ መዓልቲ መለስካለይ>> (መዝ 138፡3) ። ስለዝብል።
መቓርዮስ ዓቢ ድማ ከምዚ ይብል፡ “ዘውትር ዝጽሊ ሰብ ዝበለጸ ጸጋ ይቕበል። እዚ ግና ብብዙሕ ድኻምን ገድልን ስለዝርከብ፡ ካብቲ እከይ ክጥንቀቕ ይግባእ። ምኽንያቱ ጸላኢ ሰናያት ብኸቢድ ድቓስ ክቃወሞ እዩ። ከምኡ’ውን ብትኽስን ምስልካይን ተስፋ ምቑራጽን ብዙሕ ዘይጠቅም ሓሳባትን ገይሩ ካብ ጸሎቱ ከተዓናቕፎ እዩ። ስለዚ ኣንጻር እቶም ኣብ ጸሎቱ ዝቓውምዎን ካብ ኣምላኽ ከርሕቕዎ ዝደልዩን ክጋደል ኣለዎ። ነቲ ክፉእ ሓሳብ ክሰጉግ ካብ ኣምላኽ ረድኤትን ምስትውዓልን ይለምን” ።
+ “ናይ ነፍስ ጸሎት እንተዘይብልካ ኮይኑ፡ ናይ ሥጋ ጸሎት ክትጽሊ ተጋደል። ሽዑ ናይ ነፍሲ ጸሎት ክዋሀበካ እዩ። ናይ ነፍስ ትሕትና እንተዘይብልካ ኮይኑ፡ ናይ ሥጋ ትሕትና ክህልወካ ተጋደል። ሽዑ ናይ ነፍስ ትሕትና ክዋሀበካ እዩ። ምኽንያቱ <<ዝለመነ ኹሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ>> (ማቴ 7፡7) ተባሂሉ እዩ።
6.   ምስ ክርስቶስ ምንባር።

ሓደ መንእሰይ ንኣበነፍሱ፡ “ልበይ ንሓጢኣት’ዶ ክሐድጋ፤”
መልሲ፡ “ኣይፋል።”።
“ንገሃነም እሳት፤” “ኣይፋል። ኣብ ኢድ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ደኣ ግደፋ። ኣብኡ ድማ ተማዕቖብ። ምኽንያቱ ድያብሎስ ንነፍስኻ ናብ ጸልማት ክድርብያ፡ ካብ ኣምላኽ’ውን ክፈልየካ ስለዝደሊ።
 ሕቶ፡ “ልብና ምስ  ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ከመይ ገይራ ክትዕቖብ ትኽእል፤” ።
 መልሲ፡ “ብብሕትውና ምስ እግዚአብሔርን ዓለማዊ ነገራት ዘይምሕሳብን፡ ሥጋ ምድካምን”። 
ቅዱስ በኻምዮስ፡ “ንኣምላኽ ኣብዚ ወይ ኣብቲ ክርእዮ እየ ኢልካ ፍሉይ ቦታ ኣይትመድበሉ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ኣብዝኾነ ቦታ ህሉው እዩ። እቲ ቅዱስ ቃል፡ <<ሰማይን ምድርን ዝመልእዶ ኣነ ኣይኰንኩን፡ ይብል እግዚአብሔር።>> (ኤርምያስ 23፡24) ። ካባኻ ዝዓበየ ነገር ኣይትሕሰብ፡ ምኽንያቱ <<ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዐደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብ . . . >> (ሮሜ 12፡3) ይብል። ቅድስናኻ ዓቅብ፡ <<ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳን ኩኑ>> (1 ጴጥ 1፡16) ስለዝብል። እቲ ሽፍታ (ጥጦስ ወይ ፈያታዊ ዘየማን) ከመይ ንገነት ከምዝኣተወ ተመልከት (ሉቃ 23፡43) ። ይሁዳ ከመይ ዝበለ ኣገልግሎት ተዓዲሉ ከሎ፡ ብገዛእ ርእሱ ንነፍሱ ክሓንቕ ደለየ (ግ.ሓ. 1፡16-17) ። ነታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዝነበሩዋ ማርያም መግደላዊት ካብ ባሕሪ ሓጢኣት ናብ ድንግል ዘሰጋገራ ጣዕሳ ርአ። (ሉቃ 7፡38) ወይ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ንሄዋን ከም ዘስሓታ ተዓዘብ ። (ዘፍ 3፡5-7) ። ወይ ኤልያስ ንሰማይ ከመይ ኢሉ ዓረገ። (2 ነገ. 2፡11)። ወይ መላእክት ሰማይ ከመይ ገይሮም ናብ ኩነኔ ከም ዝተደርቡዩ ፍለጥ። ስለዚ ሕተት ክዋሃበካ እዩ። ንኣምላኽ ጸውዓዮ ክትረኽቦ ኢኻ።”
ቅዱስ ዮናስ፡ “ኣብዛ ዓለም ብጀካ ኣምላኽን ኣነን ካልእ የለን ዝበለ ኣይመውትን እዩ” ።
ቅዱስ ሞስቲፎስ፡ “ሰብ ናብ እግዚኣብሔር ምስ ዝቐርብ፡ ሓጥእ ምዃኑ ይግለጸሉ። ምኽንያቱ ነቢይ ኢሳይያስ ንእግዚአብሔር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ምስ ረኣየ፡ ንነፍሱ፡ ብርኽሰት ከምዝመልአት ረኣየ” (ኢሳ. 6፡1-5) ።
ሓደ ቅዱስ ኣቦ ከምዝበልዎ፡ “ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ዝኾነ ሰብ ንብጻዩ ክጎድኦ ዘይክእል፡ ከምኡ’ውን <<ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ>> (ያዕ 4፡8) ፡ ከም ዝበለ፡ ንኣምላኽ እንተቐረብናዮ ጸላኢ ሠናያት ብዝኾነ ክጎደኣና ኣይክእልን እዩ። ካብ ኣምላኽ ዓሊና ግና ኣብ ዓለማዊ ድልየታትና እንተኸድና፡ መፍቶት ድያብሎስ ኮይና ኣብ ጭቃ ሓጢኣት ንድርበ” ። 
ንጸሎት ምድላው።

1.     ኅልናን ሓሳባትናን ምጥርናፍ። (ኣብ ጸሎት ምንቃሕ)

ይቕጽል….. ብሰላም የጽንሓና።

 (For those who do not have Geez, please visit this link) TSELOT KALAY KIFAL
ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣
ወለወላዲቱ ድንግል፣
ወለመስቀሉ ክቡር።




No comments:

Post a Comment