Sunday, July 1, 2012

ትሕትና 3ይ ክፋል


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ትሕትና
ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ 3 ክፋል

በደልካ ናብ ካልእ ዘይምድርባይ

ምሕረት እግዚአብሔር ክትጾረካ ሓጢኣት ሓውኻ ስተር።
ኮፍ ኢልካ ንሓውኻ ካብ ምጽላም ተጠንቀቕ። ምኽንያቱ ኩሉ ጽድቕኻ ከም ደበና ክበንን እዩ። ቂም ዘለዋ ጸሎት ከምቲ ኣብ ከውሒ ዝዘራእኻዮ ዘርኢ እዩ።
 ኑዕ ሥነ-ምግባር


ኣባ ማር ይስሓቅ፡  “ከምታ የማነይቲ ኢድ እግዚአብሔር ትድግፈካ ዘላ ንዝደኸሙ ደግፍ፡ ብመንፈስ ንኣሽቱ ንዝኾኑ ድማ ተስፋ ሃብ
ምሕረት ኣብ ጸሎትካ ምእንቲ ክትረክብ ነቶም ዝሓዘኑ ብልብኻ ኣጸናንዓዮም።
እግዚአብሔር ምእንቲ ክዋጋኣልካ ነቲ ኃይሊ ዘይብሉ ደግፎ። ንሓው ዝጭክነሉ እግዚአብሔር በረከቱ የጉድለሉ እዩ። ንሓው ዝጸረፈ ኣምላኽ ይንዕቆን የዋርዶን።
ንኹሉ ምኽባር

ኣባ ማር ይስሓቅ፡ንኹሉ ዘኽብር ካብ ልዑለ እግዚአብሔር ብዘይርአ በረኸትን ረድኤትን ይኸብር።
ትሩፋትካ ብሕቡእ ምግባር

ኣባ ማር ይስሓቅ፡ብሥዉር ዝግበር ጽድቂ  እግዚአብሔር ከምዝቕበሎ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡እንተተወቒስና እቲ ድኻም ናትና ድኻም እዩ። ነፍሱ ዝወቕስ ሕስርቲ ነፍሲ ገይሩ ዝቖጽራ ብፍቓድ ኣምላኽ ዝመላለስ ዘሎ ቅኑዕ ሰብ እዩ።”    
እቲ ዝኸፍአ በደል ሓደ ሰብ ንነፍሱ ባዕሉ ጥበበኛ ምዃኑ ከእምና ከሎ እዩ
ነፍሱ ዝኽሕድ ሓጥያተኛ ምዃና ዝኣምን ሰላም ይርከብ
ንሓደ ቅዱስ ኣቦ ሓደ አኃው ኣቦና ናብ ሓደ ቦታ ከይደ ኣብኡ ክነብር ደልየ እሞ እንታይ ክገብር ትመኽሩኒ፤ ኢሉ ሓተቶ። መልሲ እዞም ቅዱስ ኣቦ፡ኣብቲ እትኸዶ ስፍራ ስሙይ ከይትኸውን ተጠንቀቕ። ኣሕዋትካ ዝገበሩዎ ግበር እምበር ካብኦም ጸብለል ክትብል ኣይትፈትን። ትሕትና ዘለዎ ሕይወት ኩሉ ግዜ ዕረፍቲ ክህበካ እዩ። ኩሉ ግዜ ምስቶም ኣሕዋትካ ተመሳሰል። ምስኦም ክትኣቱ ክትወጽእ ሰባት ንዓኻ ብፍሉይ ኣይንክእዱኻን ወይ ኣይክነቕፉኻን እዮም።ኢሎም መኸሩዎ።

ሓደ እዋን ሓንቲ ኣደ ኣብ ኣፍ ልባ መንሽሮ ዝነበራ ብዛዕባ ቅዱስ ለንጊኖስ ምስ ሰምዐት ናብኡ ከይዳ ካብቲ ሕማማ ክትሓዊ ሐለነት። ብዛዕብኡ እና ሓተተት ከላ ንቅዱስ ለንጊኖስ ረኸበቶ። ብኣካል ስለዘይትፈልጦ ዝነበረት፡ ቅዱስ ለንጊኖስ ኣበይ ከምዝርከብ ሓተተቶ። መልሲ ቅዱስ ለንጊኖስካብቲ ሓሳዊ እንታይ ኢኺ ደሊኺ፤ እታ ኣደ፡ሕማቕ ሕማም ስለዘለኒ በታ ንጽህቲ ጸሎቱ በረኸት ክወስድ ካብቲ ሕማመይ ከሕውየኒ መጺአ።በለቶ። ቅዱስ ለንጊኖስ፡ናብቲ ሓሳዊ ኣምሰሉ ሰብኣይ ከይትኸዲ፡ እቲ ዘሕምመኪ እሞ ኣርእይኒበላ። እታ ኣደ ከኣ ንብዙሕ ዘመናት ዘሳቕያ ዝነበረ ክፋል ናይ ኣካላ ኣመልከተትሉ። ብትእምርተ መስቀል ኣመልኪቱ፡ብሰላም ኪዲ ጓለይ ሰማያዊ ኣምላኽ ከሕውየኪ እዩ፡ ለንጊኖስ ግና ብዝኾነ ይኹን ኣይክጠቕመክን እዩበላ። ብቓል እቲ ቅዱስ ኣቦ ኣሚና ብኡ ንብኡ ድማ ካብቲ ኣሰቃቒ ሕማም መንሽሮ ሓወየት። እታ ኣደ እቲ ዘጋጠማ ኩሉ ንህዝቢ እታ ከተማ ምስ ኣዕለለቶም እቲ ዘጓነፋ ቅዱስ ኣቦ ምስ ሓበረቶም ለንጊኖስ ምዃኑ ፈለጡ። በረኸት ቅዱስ ለንጊኖስ ምስ ኩልና ይኹን። ኣሜን!

ቅዱስ ሶልያኖስ ዝነብረሉ ዝነበረ ገዳም ሓደ ዕሽው ዝበለ ዚምስል ዝነበረ መነኰሰ ነበረ። እዚ ኣቦ  መነኰሳት አበው ክርእዩም ከሎ ኣዝዩ ይስሕቕ ነበረ። በዚ ከኣ ኩሉ ሰብ ሸለል ይብሎ ነበረ። ሓደ እዋን ሰለስተ ባሕታውያን ኣቦታት ናብቲ ገዳም ምስ መጹ ንቅዱስ ሶልያኖስ ምስ በጽሕዎ ንኹሎም ኣብታ ገዳም ዝነበሩ ኣቦታት ክርእዩ ለመኑዎ። ቅዱስ ሶልያኖስ ድማ ሓደ ካብቶም ኣገልገልቲ ኣቦታት ናብ ኩሎም ኣብ ዘለውዎ ክፍሊ ከብጽሖም ነገሮ። ናብቲ ብዕሽነቱ ሰብ ሸለል ዝበሎ ኣቦ ከየኾርዮም ከይትወስዶም ኢሉ መዓዶ።ሕራይኢሉ፡ ነቶም በጻሕቲ ኣቦታት መርሖም። እቶም ኣቦታት ከኣ ናብ ኩሎም ኣቦታት ክወስዶም ነቲ ኣገልጋሊ ኣቦ ሓደራ በሉዎ። ከምቲ ዝተባኅሎ ገይሩ ከኣ ናብ ቅዱስ ሶልያኖስ መለሶም። እቶም ኣቦታት፡ኩሎም ኣቦታት ዝራእናዮም ኣይመስለናንኢሎሞ። ቅዱስ ሶልያኖስ፡ ንኸረጋግጽ፡ኣይየብጻሕካዮም ዲኻ፤እቶም ኣገልጋሊ ኣቦ፡ኣቦና ከምቲ ዝበልካኒ ገይረበሎ። እቶም ሰለስቶ ኣቦታት ድማ ክኸዱ ከለው ንቅዱስ ሶልያኖስ፡ነቲ ዝገብርካልና ብልቢ ነመስግነካ፡ ግና ገለ ካብ ኣቦታት ዘይራእናዮም ከይህልውእናበሉ ከዱ። እዚ ዘረባ ንቅዱስ ሶልያኖስ ብዙሕ ኣሕሰቦ። በትሩ ኣልዒሉ ድማ ናብቲ ብዕሽነት ዘምስል ኣቦ ማዕጾ ከይኳሕኮሐ ኣተወ። ኣብ መንጎ ክልተ ዘንቢል ድማ ኮፍ ኢሉ ረኸቦ። ሓደ ብየማኑ እቲ ካልኣይ ድማ ብጸጋሙ ነበረ። ንቅዱስ ሶልያኖስ ምስ ረኣዮ ድማ ከም ልማዱ ክስሕቕ ጀመረ።ሕጂ እዚ ዕሽነካ ግደፎ። ከመይ ኣለኻ፤ኢሉ ከኣ ሓተቶ። ካልኣይ ጊዜ ሰሓቑ ቀጸለ። ኣባ ሶልያኖስ፡ብጀካ ቀዳምን ሰንበትን ካብ በዓተይ ከምዘይወጽእ ትፈልጥ ኢኻ። ሎሚ ግና ብትእዛዝ ጐይታይን መድኃኒየይን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ሰሙን ክበጻሓካ መጻኹ።እቲ ኣቦ ድማ በቲ ዝበሎ ተኪዙ፡ኣቦና ንዓይ ክትበጽሑ ዝመጻእኩም ኣነ መን ኰይነ። መሪር ብኽያት እናበኸየ ድማ ብፍቕሪ ክርስቶስ ይቕረ በሉለይበሎም። ቀጺሉ ድማ ከመይ ከም ዘሎ ሕይወቱ ክነግሮ ጀመረ።ሕማቕ ሓሳብ ኣእምሮይ ከመጻኒ ከሎ ካብዚ ኣብ ቅድመይ ንዘሎ ጸጸር ወሲደ ሓንቲ ኣብ ጸጋመይ ንዘላ ዘንቢል ይቕምጣ። ጸቡቕ ሓሳብ እንተሓሲበ ድማ ናብታ ኣብ የማነይ ዘላ ዘንቢል የንብራ። ኣብ መወዳእታ ምስ ፈቐድኩወን፡ እተን ብየማን ዘለዋ ጸጸር እንተ በዝሓ መግበይ ይወስድ፡ ብጸጋም እንተ በዝሐ ድማ ከይበላዕኩ ይውዕልኢሉ ንቅዱስ ሶልያኖስ ነገሮም።ንነፍሰይ ሕማቕ ሓሳብ ምስ ትሓስብ ከምዚ ኢለ ድማ የዋርዳ፡ እዚ ኩሉ ሕማቕ እናገበርኪ ክትበልዒ፤ነዚ ዝሰምዐ ቅዱስ ሶልያኖስ ገሪሙዎም ከምዚ ድማ በሉ፡እዞም ሎሚ ዝመጹ ኣቦታት ናይ ብሓቒ ቅዱሳን ኣቦታት እዮም። ናይዚ ቅዱስ ኣቦ በረኸት ክንካፈል ድማ ገይሮምና በረኸት እዞም ቅዱሳን ኣቦታት ምስ ኩልና ይኹን። ኣሜን!
ናእዳ ሰባት

ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡ክትንኣድ ምስ ትደሊ ናይ ምፍላጥ ዓቕምኻ ይጠፍእ
 “ንሓጺን ምምራት ከምዝበልዖ ናእዳ ሰባት ንንጹኅ ልቢ የጥፍኦ። ከምቲ ሓረግ ንተኽሊ ዝቐትላ ብዙሕ ናእዳ መንፈሳዊ ዕብየት ይቐትል።
ሓንቲ ካብ ቅዱሳን ኣደ ከምዚ በለት፡ከምቲ ሽምዓ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ትመክኽ ከምኡ ድማ ነፍሲ ሰባት ኣብ ቅድሚ ናእዳ ኃይላ ይደክም
ንሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ እንተነኣድካዮ ናብ ጸላእቱ ብኢድካ ትወስዶ
ቅዱስ እንጦንዮስ ንሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ምስ ነኣዱዎ፡ ዘለፋ ይኽእል ኢሉ ሕማቕ ተዛረቦ። እቲ ኣቦ ነቲ ዘረባ ክጻወሮ ኣይከኣለን ነቲ ናእዳ ግና ደስ ኢሉዎ ምስ ረኣዮ ከምዚ በሎ፡ንስኻ ከምታ ስልምቲ ከተማ ብደገኣ ዘግየጸት ብውሽጣ ግና ዝተዘምተት ኢኻ
ኣባ ዮናስ፡ኣቦታት ኮፍ ኢሎም እናኣገልገሎም ከሎ ይንእድዎ ነበሩ። ንሱ ግና ኣይምልሰሎምን ነበረ። ሓደ ካብ ኣቦታት ድማእናተዛረቡኻ ንምንታይ ዘይትምልሰሎም፤ ኣባ ዮናስ ድማ፡እንተመሊሰሎም ንናእዳ ዝቕበል ከይመስሎም
ናይ ትዕቢት ሓሳባት

ብሂል ሓደ ኣቦ፡ዝኾነ መንፈሳዊ ኵናት እንተዘይተዋጋእና፡ ትሑታት ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ኃያላን ድኻምና ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ ነቲ መንፈሳዊ ኵናት ካባና ኣልዓሎ። ብትዕቢት እንተተዋጠርና ግና ምሕረቱ ካባና የልዕል እሞ ናብ ጥፍኣት ነምርሕ።
ሓደ ቅዱስ ኣቦ፡ብልብኻ ካብዚ ወይ ካብቲ ይሓይሽ ወይ ይፈልጥ ኣይትበል። ንጸጋ እግዚአብሔር ክትቕበል ትሕት በል። ብትዕቢት ምእንቲ ከይትመውት እቲ ዝሰራሕካዮ ከኣ ከም ትኪ ከይጠፍእ ተጠንቀቕ። ከምቲ ዝተባህለእቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ” (1 ቆሮ 1012)
ሓደ እዋን ሓደ መነኮስ ኣብታ ናይ ጸሎት ክፍሉ ንብዙሕ ግዜ ተዓጸወ። ብዙሕ ሓሳባት ክመጾ ጀመረ። ናብ ሓደ ቅዱስ ኣቦ ከይዱ ምኽሪ ሓተተ። እቲ ምኽሪ፡ድኅነት ነፍስኻ ትደሊ እንተዀንካ ካብ ሰይጣናዊ ትዕቢት ህደም። ነፍስኻ ኣሕስር። ነቲ ኣባኻ ንዘሎ ትዕቢት ክትቀትሎ ኢኻ። ዝኾነ ከገልግለካ ኣይትድለ። ባዕልኻ ስራሕ፡ ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ክትረክብ ኢኻ። ነቲ ናይ ኣፍደጌኻ ማዕጾ ዘይኮነ ክትዓጹ ዘለካ ልሳንካ ኢኻ ክትቆጻጸር ዝግበኣካ።

ሓደ እዋን ኣቦና ቅዱስ መቓርዮስ ኣብቲ ናይ በዓቱ ከሎ ብትዕቢታዊ ሓሳብ ይሳቐ ነበረ። ካብቲ ዝጽልየሉ ዝነበረ ስፍራ ናብ ከተማ ሮሜ ዝጠቕም ነገር እንተገበረ ኢሉ ካብቲ ዝመላለሶ ዝነበረ ሓሳብ ክናገፍ ምእንቲ ወጸ። እቲ ሓሳብ ግና ኣይሓደጎን። ናብታ በዓቱ ከይዱ ኣብ ኣፍደገ ኮፍ በለ። እግሩ ድማ ንወጻኢ ገይሩ፡እንተኺእልኩም ካብዚ ክፍሊ እዚ ኣውጽኡኒ፡ ኣነ ግና ካብዚ ስፍራ ዕረፍተይ ኣይክወጽእን እየ።ከምዚ እናበለ ኸኣ መሰየ። ሕጂውን ካብቲ እከይ ሓሳባት ኣይተገላገለን። መመሊሱ ደኣ እናበርተዖ ከደ። ዘንቢል ሓመድ መሊኡ ተሰኪሙዋ ናብ በረኻ ወፈረ። ኣብቲ በረኻ ድማ ቅዱስ ፍስጦስ ተራኸቡ፡ኣቦና እንታይ ደኣ ተሰኪምኩም፤ ክሕግዘኩም ሃቡኒ፤በሎም። ቅዱስ መቓርዮስ ግና፡ኣይፋልካን ዝወደይ፡ እቲ ዘሳቕየኒ ዘሎ እየ ከሳቕዮ ዝኸይድ ዘለኹ። ዕረፍቲ ክረክብ ከለኹ እዩ ዘሳቕየኒ ዘሎበሎ። ንነዊሕ ምስ ተጓዕዙ ድማ ካብቲ እከይ ሓሳባት ተናገፉ። ንስም ኣምላኽ እናኣመስገኑ ድማ ናብታ ናይ ጸሎት በዓቶም ተመልሱ።
ሰለስተ መነኰሳን ናብ በረኻ ከይድና ናይ ኣምላኽ ሰብ ክንረክብ ኢና ኢሎም ተማኺሮም ወጹ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሓደ በዓቲ ርእዮም ኣብ ኣፍደገ ምስ በጽሑ፡ ነፍሲ ካብ ሥግኣ ወጺኣ ናብ ምዕራብ እናተጓዕዘት ረኣዩ። እናሓዘኑን እና ተከዙን ድማ ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ ኣምላኽ ቅዱሳን፡ እዚስ ከመይ ኢሉ ይኸውን። ኣብዚ በረኻ' ዝነብር ሰብሲ ነፍሱ ንምዕራብ እትኸይድስ ከመይ ኢሉ ይኸውን፤ከምዚ ዝብል ድምጺ ድማ ሰምዑ፡እዚ ሰብ 40 ዓመት ኣብዛ በዓቲ ይነብር ነበረ። ግና ብሓሳቡ ግና ከማይ ዝበለ ኃያል ሰብ ኣብዚ በረኻ ዝነብር የለን ይብል ነበረ። በዚ ምኽንያት እዩ ነፍሱ ናብ ምዕራብ ትውሰድ ዘላ።እቶም ኣቦታት፡ብሓቂ ትዕቢት ንኹሉ ድኻምና ከንቱ ትገብሮኢሎም ንኣምላኽ እና ኣመስገኑ ተመልሱ።
 
ምንጪ፡ (ትርጉም ካብ ዓረበኛ ልሳን ቡስታን ኣልሩህባን )

 (For those who do not have Geez, please visit this link) TIHTINA (3)
                                                   ወስብሐት ለእግዚኣብሔር፣
                                                    ወለወላዲቱ ድንግል፣   
                                                    ወለመስቀሉ ክቡር።

1 comment:

  1. የዲየብሎስን ውጊያዎች ለማሸነፍ የትህትና ውጤቱ ምንድርን ነው?
    1. ትሑት ሰው ምን ጊዜም ቢሆን የእርሱን ድካም ስለሚያውቅና የእግዚአበሔርን እርዳታ ስለሚሻ የእግዚአብሔር ኃይል በእሱ ላይ ያድራል፡፡ በክንዱ ሳይመካ በእግዚአብሔር እርዳታ ስለተመካም ያሸንፋል፡፡
    2. ትሑት ሰው ከጥቃቅኗ ኃጢአት ሳይቀር እራሱን ይጠብቃል፡፡ እንዳይወድቅ ስለሚፈራ ከሚፈታተኑት ነገሮች ሁሉ ይሸሻል፡፡ ማንኛውንም ነገር አንደ ቀላል ስለማይቆጥር ራሱን ወጥመድ ላይ አይጥልም፡፡ በዚህ ትህትና ባጎናጸፈው ጥንቃቄ ዲያብሎስን ያሸንፋል
    3. ትሑት ሰው የገጠሙትን ውጊያዎችም ይሁን ድካሙን ስለማይደብቅና መፍትሄ ስለሚያገኝላቸው ያሸንፋል፡፡
    4. ትሑት ሰው ለትንሷ ኃጢአት ሳይቀር ይጸልያል፡፡ በዚህም ለሚገጥመው ውጊያ ሁሉ እግዚአብሔርን ስለሚጠራና ስለሚይዝ ያሸንፋል፡፡
    5. ትሕትና በራሱ ርኩሳን መናፍስት ሊሸከሙት የማይችሉት መልካም ምግባር በመሆኑ ይሸሻሉ፡፡

    የዲያብሎስ ውጊያዎች ከሚል የአቡነ ሺኖዳ 3ኛ መጽሐፍ የተወሰደ፡፡
    ደ.ጀ

    ReplyDelete