Thursday, August 30, 2012

ጻድቅ ኣቦና አቡነ ተክለሃይማኖት


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
እንቋዕ ናብ ናይ ጻድቅ ኣቦና አቡነ ተክለሃይማኖት ዓመታዊ ክብረ በዓል ብሰላም ኣብጸሓና!
ጻድቅ ኣቦና አቡነ ተክለሃይማኖት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ።
ሰላም ለዝክረ ስምከ ዘጥንተ ፊደሉ መስቀል
ስም ክቡር ወስም ልዑል
ተክለሃይማኖት ማቴዎስ በዓለ ቀዳማይ ወንጌል
ከመ እወድስከ መጠነ አውሥኦተ እክል
ማእሠረ ልሳንየ ትፍታሕ ማርያም ድንግል።

Wednesday, August 22, 2012

<< ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የዐጽብ ለኩሉ>>


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን ።



እንቋዕ ናብ በዓለ ዕርገታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሰላም ኣብጸሓና!

ምስባክ

ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል
እግዚኣብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወከ
ወይረድኣ እግዚኣብሔር ፍጽመ። መዝ. ፵፭፡፬-፭/46፡4-5
ሮሜ. 8፡31-ፍጻሜ። 2ይ ዮሓ. 1፡1-7። ግ.ሓዋ. 1፡12-15 ወንጌል ማቴ. 26፡26-31። 


<< ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የሐጽብ ለኩሉ>>

Monday, August 20, 2012

< አሐደ ለከ ወአሐደ ለሙሴ ወአሐደ ለኤልያስ ንግበር ማኅደረ> ማቴ. 17፡4(፲፮፡፬)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
በዓለ ደብረ ታቦር 13 ነሓሰ 2004 . (19-08-2012)


<< ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጴጥሮስን ንያቆብን ንዮሓንስን ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ከም ጸሓይ ኣብርኄ ክዳኑ'ውን ከም ብርሃን ጻዕደወ። እንሆ ኸኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እንዳተዛራረቡ ተራእይዎም። ጴጥሮስ መሊሱ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ኾንካስ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ሓደ ንዓኻ፣ ሓደ ንሙሴ፣ ሓደውን ንኤልያስ፣ ገና ክዛረብ ከሎ እንሆ ብሩኅ ደበና ኣጎልበቦም። እንሆ ከኣ ካብቲ ደመና ዝፈትዎ ወደይ ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ ንእኡ ስሞዕዎ፣ ዝብል ድምጺ መጸ። ደቂ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግምባሮም ተድፍኡ ብዙሕ ድማ ፈርሑ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም ተንሥኡ ኣይትፍርሑውን በሎም። ንላዕሊ ገጾም ቁሊሕ እንተ በሉ፣ ብዘይ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን። >> ማቴ. 17፡1-8

ምሥጢረ ደብረታቦር

< አሐደ ለከ ወአሐደ ለሙሴ ወአሐደ ለኤልያስ ንግበር ማኅደረ>
ቅዱስ ጴጥሮስ
ማቴ. 17፡1-8
<<  ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጴጥሮስን ንያቆብን ንዮሓንስን ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ከም ጸሓይ ኣብርኄ ክዳኑ'ውን ከም ብርሃን ጻዕደወ። እንሆ ኸኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እንዳተዛራረቡ ተራእይዎም። ጴጥሮስ  

Saturday, August 18, 2012

ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን
ታሪኽ ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት
 ድስቲ ኣርሴማ ካብ ፈራህያነ እግዚኣብሔርን ብጾምን፡ ጸሎትን ተወሲኖም ብንጽህና ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ወገን ዝኾነ ኣቦኣ ቅዱስ ቴዎድሮስን ካብ ኣዲኣ ቅድስቲ ኣትናስያን ብመብጽዓ ኣብ ሃገረ ግብፂ ተወሊዳ። ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት ካብ ህጻንነታ ኣትሒዛ ብሉይን ሓድሽ ኪዳንን ተማሂራ ዝዓበየት ክትከዉን እንከላ ዝተማህረቶ ብግብሪ እናተርጎመት ከምኡ'ዉን እቲ ቃል እግዚኣብሔር ዝእዝዞ ነገራት እናፈጸመትን ኩሉ ግዜ ብጾምን፡ ጸሎትን ተወሲና ትጋደልን ንእግዚኣብሔር ተገልግልን ከምዝነበረት መጽሓፍ ገድላ ይገልጸልና።

በዚ ግዜ እዚ ድርጣድስ ዝበሃል ኣረማዊ ከሓዲ፡ ንጣዖት ዝስግድ፡ ኣብ ፀሓይ ዘምልኽን ንእግዚኣብሔር ዘይኣምንን ንክርስቲያናት ድማ ነቲ ኣነ ዘምልኾ ጣዖት ክትሰግዱ ኣለኩም እንዳበለ ዘሳቅዮም ዝነበረ ንጉሥ ኣብ ኣርመን (ኣርመንያ) ነጊሡ ነበረ።

ኣምላኽና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ <<ንኣታቶምን ንኣሕዛብን ምስክር ምእንቲ ክኸዉን ብኣይ ምኽንያት ምእንታይ ናብ መኳንንትንን ናብ ነገስታትን ክትወስዱ ኢኹም።>> (ማቴ 10:18) ዝበሎ ቃል ብምዝካር ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት (ኣብ 20 ዓመት ዕድሜኣ) ኣብ ሃይማኖታ ጸኒዓ እዚ ዓለምን ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወታት ኃላፊ ምዃኑ ኣሚናን ቃለ ወንገል ዘኪራን ናይዚ ከሓዲ ንጉሥ እከይ ግብሩ ብምስትውዓል ምእንቲ ስም ክርስቶስ ምስ ዝሳቀዩ ወገናት ከም መራሒት ብምዃን ስለ ክርስቶስ ኣምላኽ እናመስከረት ትነብር ነበረት።

እቶም ብዘይካ ንቅዱስን ምቅታልን ምስቃይን፡ ካልእ ሥራሕ ዘይብሎም ናይ ንጉሥ ደርጣድስ ወተሃደራት፡ ቅድስቲ ኣርሴማ ምእንተ ስመ ክርስቶስ ሰማዕት ክትከዉን ድልዉቲ ምህላዋ ምስ ፈለጡ ብመልክዕኣ፡ ግርማኣን ብትብዓት ዘለዎ ዘረባኣን ተገሪሞም እዚኣ ትመስል ጽብቕትን ግርምትን፡ ካብ ንስይፋ ናብ ንጉሥ ምዉሳድ ይሓሸና ኢሎም ምሳ ምስ ዝነብበራ ቅዱሳን ደናግል ናብቲ ንጉሥ ወሰዱዋ።

ንጉስ ድርጣድስ ድማ ነዛ ወተሃደራት ዘምጽኡሉ ቅድስትን ጻድቕን ሰማዕት ምስ ረኣያ፡ ብመልክዓን ግርማኣን ተማሪኹ ንዓለማዊ ሓጎሱን ሥጋዊ ድሌቱን ተመነያ፡ ኣብ ጣዖት ኣስጊዱ ንክምርዓዋ ድማ በሃገ። መርዓቱ ክትኾኖ ድማ ብዙሕ ለመና። ቅድስት ኣርሴማ ሰማዕት ግና ነቲ ንጉሥ ኣዚያ ነዓቀቶን ፈንፈነቶን።" ኣነ ናይቲ ሰማያዊ ንጉሥ ንዝኾነ ክርስቶስ መርዓት እየ። ናይ' ኃላፊ ዓለምን ጠፋኢ ናይ ዝኾነ ገንዘብን ሓጎስን ዝደሊን ዝምነይን ኣይኮንኩንብምባል መለሰትሉ።




ንጉስ ደርጣድስ ድማ ከምዚ ዝበለ መልሲ ካብ ቅድስቲ ኣርሴማ ብምስምዑ ብጣዕሚ ተቆጥዐ።ቅድስቲ ኣርሴማ ስለ ዝነዓቀቶ ድማ ኣዝዩ ተበሳጨወ፥ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ድማ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣናብስ ክፍንዉላ ኣዘዞም።(ዳኒ.616-22) እቶም ኣናብስ ንቅድስቲ ኣርሴማ ምስ ረኣዩዋ ኣብ እግራ ወዲቆም ሰገዱላን ለሓስዋን። ገጾም ናብቶም ወተሃደራት ብምቅናዕ ድማ ኣባረርዎም።(ዳን.62-4)እቲ ከሓዲ ንጉሥ ነዚ ምስ ረኣየ ካብ መጠን ንላዕሊ ተበሳጨወ። ኣብ ዕጽዉ ገዛ ብጥሜት ንኽሞታ ደማ ኣዘዘ። ልዑለ ብሕሪ እግዚኣብሔር ግና ነቲ ዕጹዉ ቤት ብርሃን ብምብራህ ዝበልዕኦ መግቢ ብመሶብ፡ ዝሰትይኦ ድማ ብጽዋዕ ጌሩ ካብ ሰማይ ኣዉሪዱ መገበን።