Wednesday, August 15, 2012

ጸሎት 4ይክፋል


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ጸሎት
ብመንጽር ብሂል አበው፡ 4ይክፋል
ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ

2.   ካብ ሓሳባት ነጻ ኮንካ ምጽላይ

v ኣባ ኣውቓርዮስ፡ “ ካብ ኩሉ ሓሳባት ሥጋዊ ነጻ ኮይኑ ዝጽሊ ዓቢ ሰብ እዩ። ካብኡ ዝዓቢ ድማ ብልብሰ ትሕትና ኩሉ ነገራቱ ዝፍጽም ሰብ እዩ።” 


v አበው፡ “ኣብ ጸሎትካ ፍርኃት እግዚአብሔር ተቐነት። ምኽንያቱ እንተዘይፈራኃካ፡ ነቲ ዝርኅርኃልካ ኣምላኽ  ከተቆጥዖ ኢኻ። ሽዑ ንጸሎትካ ጸሎት ከድልያ እዩ።” ይብሉ።

v ኣብ ጸሎት እዋን ፍርቒ ለይቲ አበው እናጸለዪ ከለው ሰረቕቲ ክዘምቱ መጹ፡ ሓደ ካብ አበው “ሕደጉዎም ስርሖም ይስርሑ ንሕና ድማ ስራሕና ንስራሕ።” በልዎም።

ኣብ እዋን ምስ ፈጣሪኦም እግዚአብሔር ዚዛረብሉ ስለ ዝኾነት  ንዝመጾም ዝኾነ ዕንቅፋት  ዕድል ከይሃቡ ፍሕሶ ጸላኢ ተቓዊሞም ጸሎቶም ይጽልዩ ነበሩ።

    v ካብ ገዳማውያን መንኰሳት ሓደ አበው ዛጋጠሞም ከምዚ እንዳበሉ የዕልሉና ።  እቲ ድምጺ፡ “ክሳዕ መዓስ፤ ከመይ ገይሩ፡ ብሰንኪ ሓንቲ ቃል እዚ ኹሉ ዝጠፍእ፤” ዝብል ነበረ። ባእሲ ኮይኑ ስለዝተሰመዓኒ ንኽዓርቖም ናብቲ ድምጺ ዝሰማዕኩሉ ማዕጾ ገጸይ ከይደ፡ ኣንኳሕኩሔ ምስ ኣተኹ፣ ብጄካ ሓደ ሰብ ካልእ ኣይረኸብኩን። ነቶም ኣቦ፡ “ኣቦና! ምስ መን ደኣ ክትበኣሱ ጸኒሕኩም፤” ኢለ ሓተትኩዎም። እቶም ኣቦ ድማ፡ “ምስዚ ክፉእ ሓሳባተይ ክበኣስ ጸኒሐ። ዓሰርተ ኣርባዕተ ዝኸውን መጻሕፍቲ ኣጽኒዐ እንዳንበብኩ፣ ንኸይቅጽል ምንባበይ  ክፉእ ሓሳብ መጸኒ። እናጸለኹ ድማ እቲ ሓሳብ ተመለሰኒ። ነቲ መጻሕፍቲ ምጽናዕ ድማ ኣቋረጽኩዎ። በዚ ድማ እየ ምስ ሓሳበይ ክበኣስ ዝጸናሕኩ።” በሉዎም።

ስለዚ ኣብ እዋን ጸሎትና ዝተፈላለየ ሥጋዊ ሓሳባት እንዳመጸአ ብአንቃዕዶ ኅልና ብንጹኅ ልቡና ከይንጽሊ ይዕንቅፈና ። ስለዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ቅዱሳን መልኣኽቲ ብፍርኃት እንዳንቀጥቀጡ ዝሰግድሉ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ደው ምባልና ተረዲና ሓሳባትናን ኣእምሮና ጠርኒፍና ሥጋዊ ድሌታት ኣርሒቅና ክንጽሊ ይግበኣና። ሽዑ ከኣ እዩ ዝያዳ ጸሎትና ዝሰምር።

3.   ጸሎት ብዘይምስልካይ ።

v ቅዱስ ኣበው ክዛረቡ፡ “ሽመቱ ረሲዑ ጽድቒ ዘቐደም፡ ዘንደልህጽ ሓዊ ሓጢኣት ዘኪሩ መለኮታዊ ክብሪ ዝመርጽ፡ ፍቓድ እቲ መስሓቲ ገዲፉ ፍቓድ ኣምላኽ ዝሓሪ፡ ደኺመ ከይበለ ብዘይምስልካይ፣  ካብ ሥጋዊ ሓሳባት ነጻ ኮይኑ ዝጽሊ፡ ብሓቂ ዓቢ ዓወት ክዕወት እዩ።”

v ሓደ ካብ ቅዱሳን ባሕታውያን፡ ቀጻሊ ብዘይምስልካይ ዝጽሊ፡ ብጀካ ጸሎት ካልእ ስራሕ ዘይሰርሕ ዝነበረ፡ ኣብ ዕራርቦ ጸሓይ እንጀራ ይወሃቦ ነበረ። ሓደ እዋን ሓደ ካብ ኣቦታት ምስ በጸሖ፡ ላኻ ሒዙ ክሰፊ ስለዝረኣዮ፡ ካብቲ ላኻ ወሲዱ ዘንቢል ክሰፊ ጀመረ። እቲ ግዜ ጸሎት ብሥራሕ ዓለም ተፋረቐ። ከምቲ ልማዱ እንጀራ እንተተጸበየ ክዋሃቦ ኣይከኣለን፡ ሓዘነ ድማ። ከምዚ ዝብል ድምጺ ድማ ሰመዐ፡ “ኩሉ ግዜ ምሳይ እንከሎኻ፡ ኣነ አናብረካ ነበርኩ፡ ካልእ ክትሠርሕ ምስ ጀመርካ ብኢድካ ካብ ዝሠራሕካዮ ሥራሕ ተመገብ!!!” ዝብል ነበረ። 

ቅድሚ ኩሉ ነገራትና ናይ እግዚአብሔር ነገር ከንቀድም ይግበኣና። ኣብቲ ድኻምና ከኣ ኣምላኽ ባዕሉ ኪድግፈና እዩ። 

4.   ፈውሲ ድኻም ጸሎት።

v ቅዱስ ዮሓንስ ሓጺር፡ “ከም ነጋዳይ መኽሰብ ዘናዲ፡ ክሳራኻን መኽሰብካን እንታይ ከም ዝወዓለ ምሸት ምሸት ኣብ ጸብጻብ ምስ ነፍስኻ እቶ። ኅልናኻ ብምጥርናፍ ኣብታ መዓልቲ ዝሠራሕካዮ ሥራሕ ኣመዛዝን። ውዕለት እግዚአብሔር ድማ ተመልከት። እንታይ ውህበት ከም ዝሃበካ ኣብታ መዓልቲ ክትርዳእ ፈትን። ብርሃን ድዩ፤ ሰላም ዝመልኦ መዓልቲ ድዩ፤ ንንስሐ እትበቅዕ ዕድመ ብምውሳኽ ድዩ፤ ኣቀማምጣ ናይ ጐቦታት ድዩ፤ ውሕልና ጽባቕ ሕብርታት ድዩ፤ ግብሪ ኣእዳው እግዚአብሔር ክትዕዘብ ብዝገደፈልካ ምልክት ድዩ፤ ብምንቅስቓስ ጸሓይ ድዩ፤ ብውሕልነት ኣጸራርባ ኣካላትካ ድዩ፤ ጥበብ ምንቅስቓስ ንፋሳት ድዩ፤ ፍረ ኦምን ተኽልን ብምውጻእ ድዩ፤ ካብ ኩሉ እከይ ነገራት ሪሒቕካ ብምዕቃብካ ደዩ፤ ኩሉ ሠናይ ዘበለ ብምሃብ ድዩ፤ እዚ ኩሉ ምስ ተስተንትን፡ ልብኻ ብምግራም፡ ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ፍቕሪ እግዚአብሔር ተረዲእካ ብሙውቕ ምስጋና ነቲ ኩሉ ዝገበረልካ ክተመስግኖ ክትጅምር ኢኻ። ስለዚ ውህበት ጸጋታት እግዚአብሔር ከይድነቕካ ዝሓለፍካዮ ከይኅሉ ንነፍስኻ ሕተታ። “ንኣምላኽ ብገለ ኣሕዚነዮ ከይከውን ኢልካ ንነፍስኻ መርምር። ፍቓድ ኣምላኽ ጥሒስካ፡ ገለ ዝገበርካ ኰይኑ እንተሰመዓካ፡ ኣብታ መዓልቲ ዝሃበካ ውህበታት ስለዘፍቕርኻ ከምዝኾነ ተረዲእካ ንምስጋና ተቐላጠፍ። ብስቡር ልቢ ድማ ምሕረት ለምን። በዚ መሠረት ብምንቅጥቃጥን ራዕድን ክትድቅስ ኢኻ።”

v ነዚ ኹሉ ዝገበረልና ዘዓለማዊ ኣቦና እግዚአብሔር ኣምላኽ ንብድል ምህላውና እናፈለጥና፡ ክንድቅስ ዘይግበኣና ንድቅስ። እቲ ዘሕዝን ከይተሰከፍና ምድቃስና እዩ።

v ንጸሎት ምስ ተንሣእካ ነቲ ዘጨንቐካ ሓሳባት ካባኻ ኣርሕቆ። ንኽብሪ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኣቕርቦ። ካብ ምንቅስቓሳት ኣካላትካ ተጠንቀቕ። ጸጋ የድልየኒ’ዩ ኢልካ እንተሐሲብካ፡ ድኻም ከይተሰመዓካ ተቐላጢፍካ ለምን። ኣምላኽ ትዕግስትኻ ርእዩ እቲ ጸጋኡ ኣብ ልዕሌኻ ኣብዚሑ ክህበካ እዩ። ብሠናይ ውህበታቱ ደስ እናበለካ፡ ንቕኑዕ ተግባር ኅልናኻ ኣዳሉ። ዓይነልቦናኻ ብርሃን መሊኡ ስም እግዚአብሔር ከተመስግን ክትነብር ኢኻ። እዚ ድማ ብዘይምስልካይ ክትጽሊ ከሎኻን ንጹኅ ልቢ ሒዝካን እዩ። ከምቲ ጥዑም ዕጣን ኣብ ንጹኅ ዘይኮነ መዕጠኒ ዘይቕመጥ ከምኡ ድማ ረድኤት ኣምላኽ ኣብ እከይ ዝሓስብ ኣይርአን እዩ።
5.   ናይ ለይቲ ጸሎት

ይቕጽል….. ብሰላም የጽንሓና።
(For those who do not have Geez, please visit this link) TSELOT PART FOUR
    ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣
    ወለወላዲቱ ድንግል፣
    ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment