Saturday, August 18, 2012

ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን
ታሪኽ ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት
 ድስቲ ኣርሴማ ካብ ፈራህያነ እግዚኣብሔርን ብጾምን፡ ጸሎትን ተወሲኖም ብንጽህና ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ወገን ዝኾነ ኣቦኣ ቅዱስ ቴዎድሮስን ካብ ኣዲኣ ቅድስቲ ኣትናስያን ብመብጽዓ ኣብ ሃገረ ግብፂ ተወሊዳ። ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት ካብ ህጻንነታ ኣትሒዛ ብሉይን ሓድሽ ኪዳንን ተማሂራ ዝዓበየት ክትከዉን እንከላ ዝተማህረቶ ብግብሪ እናተርጎመት ከምኡ'ዉን እቲ ቃል እግዚኣብሔር ዝእዝዞ ነገራት እናፈጸመትን ኩሉ ግዜ ብጾምን፡ ጸሎትን ተወሲና ትጋደልን ንእግዚኣብሔር ተገልግልን ከምዝነበረት መጽሓፍ ገድላ ይገልጸልና።

በዚ ግዜ እዚ ድርጣድስ ዝበሃል ኣረማዊ ከሓዲ፡ ንጣዖት ዝስግድ፡ ኣብ ፀሓይ ዘምልኽን ንእግዚኣብሔር ዘይኣምንን ንክርስቲያናት ድማ ነቲ ኣነ ዘምልኾ ጣዖት ክትሰግዱ ኣለኩም እንዳበለ ዘሳቅዮም ዝነበረ ንጉሥ ኣብ ኣርመን (ኣርመንያ) ነጊሡ ነበረ።

ኣምላኽና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ <<ንኣታቶምን ንኣሕዛብን ምስክር ምእንቲ ክኸዉን ብኣይ ምኽንያት ምእንታይ ናብ መኳንንትንን ናብ ነገስታትን ክትወስዱ ኢኹም።>> (ማቴ 10:18) ዝበሎ ቃል ብምዝካር ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት (ኣብ 20 ዓመት ዕድሜኣ) ኣብ ሃይማኖታ ጸኒዓ እዚ ዓለምን ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወታት ኃላፊ ምዃኑ ኣሚናን ቃለ ወንገል ዘኪራን ናይዚ ከሓዲ ንጉሥ እከይ ግብሩ ብምስትውዓል ምእንቲ ስም ክርስቶስ ምስ ዝሳቀዩ ወገናት ከም መራሒት ብምዃን ስለ ክርስቶስ ኣምላኽ እናመስከረት ትነብር ነበረት።

እቶም ብዘይካ ንቅዱስን ምቅታልን ምስቃይን፡ ካልእ ሥራሕ ዘይብሎም ናይ ንጉሥ ደርጣድስ ወተሃደራት፡ ቅድስቲ ኣርሴማ ምእንተ ስመ ክርስቶስ ሰማዕት ክትከዉን ድልዉቲ ምህላዋ ምስ ፈለጡ ብመልክዕኣ፡ ግርማኣን ብትብዓት ዘለዎ ዘረባኣን ተገሪሞም እዚኣ ትመስል ጽብቕትን ግርምትን፡ ካብ ንስይፋ ናብ ንጉሥ ምዉሳድ ይሓሸና ኢሎም ምሳ ምስ ዝነብበራ ቅዱሳን ደናግል ናብቲ ንጉሥ ወሰዱዋ።

ንጉስ ድርጣድስ ድማ ነዛ ወተሃደራት ዘምጽኡሉ ቅድስትን ጻድቕን ሰማዕት ምስ ረኣያ፡ ብመልክዓን ግርማኣን ተማሪኹ ንዓለማዊ ሓጎሱን ሥጋዊ ድሌቱን ተመነያ፡ ኣብ ጣዖት ኣስጊዱ ንክምርዓዋ ድማ በሃገ። መርዓቱ ክትኾኖ ድማ ብዙሕ ለመና። ቅድስት ኣርሴማ ሰማዕት ግና ነቲ ንጉሥ ኣዚያ ነዓቀቶን ፈንፈነቶን።" ኣነ ናይቲ ሰማያዊ ንጉሥ ንዝኾነ ክርስቶስ መርዓት እየ። ናይ' ኃላፊ ዓለምን ጠፋኢ ናይ ዝኾነ ገንዘብን ሓጎስን ዝደሊን ዝምነይን ኣይኮንኩንብምባል መለሰትሉ።




ንጉስ ደርጣድስ ድማ ከምዚ ዝበለ መልሲ ካብ ቅድስቲ ኣርሴማ ብምስምዑ ብጣዕሚ ተቆጥዐ።ቅድስቲ ኣርሴማ ስለ ዝነዓቀቶ ድማ ኣዝዩ ተበሳጨወ፥ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ድማ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣናብስ ክፍንዉላ ኣዘዞም።(ዳኒ.616-22) እቶም ኣናብስ ንቅድስቲ ኣርሴማ ምስ ረኣዩዋ ኣብ እግራ ወዲቆም ሰገዱላን ለሓስዋን። ገጾም ናብቶም ወተሃደራት ብምቅናዕ ድማ ኣባረርዎም።(ዳን.62-4)እቲ ከሓዲ ንጉሥ ነዚ ምስ ረኣየ ካብ መጠን ንላዕሊ ተበሳጨወ። ኣብ ዕጽዉ ገዛ ብጥሜት ንኽሞታ ደማ ኣዘዘ። ልዑለ ብሕሪ እግዚኣብሔር ግና ነቲ ዕጹዉ ቤት ብርሃን ብምብራህ ዝበልዕኦ መግቢ ብመሶብ፡ ዝሰትይኦ ድማ ብጽዋዕ ጌሩ ካብ ሰማይ ኣዉሪዱ መገበን።


ካብቲ ዕጽዉ ቤት ኣዉጺኡ ድማ ናብ እቶን እሳት ደርበየን፡ ንሠለስተ ደቂቅ ዘድኃነ ኣምላኽ ድማ ካብ እቶን እሳት ኣድኃነን። (ዳን.3:23-26) ንጉሥ ድርጣድስ ኩሉ ፈቲኑ ምዃን ምስ ኣበዮ ንክስየፋ ኣዘዘ።
ቅድስቲ ኣርሴማ ንፍሲ ወከፍን ብሰይፊ ክስይፈን እንከሎ ኣኽሊል ዓመት ካብ ሰማይ ክወርደለን ከሎ ምስ ረኣየት ናታ ተራ በጺሑ ንክትስየፍ ብታህዋኽ ትጽበይ ነበረት። ካብ ምሒር ታሕጋስ ድማ እናጸለየት ነተን ዝስየፋ ዝነበራ ተጸናንዐን ነበረት።

ኣብ መወዳእታ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽንዓታን ተጋድሎን ርእዩ ቃል ኪዳን ኣተወላ። እቲ ከሓዲ ንጉስ ንኩለን ሰይፉ ምስ ወደኣ ናብ ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት ብምጥማት ብቁጥዓንዓኪ ከምተን መሓዙትኪ ደናግል ቀልጢፈ ኣይቀትለክን' ስቃይኪ ከብዝሖ'እናበለ መጀመርታ ክልቲኣን ኣዒንታ ኣውጺኡ ኣብ ኢዳ ኣትሓዛ ቀጺሉ ድማ ክልተ ኣጥባታ ቆሮጾ። ኩሉ ኣካላታ በብንእሽቶ እናቆረጸ ኣብ መወዳእታ መስከረም 29 ብሰይፊ ክሳዳ ቆረጻ።በዚ ድማ ሰማዕትነት ተቀበለት።

ቅድስት ኣርሴማ ሰማዕት እዚ ሕሳረ መከራ ምእንቲ ስመ ክርስቶስ ንርእሳ ኣሕሊፋ ዝሃበት ቅድስትን ብጽእትን ሰማዕት'ያ። ነቢየ እግዚኣብሔር ዳዊት ኣብ መዝሙሩ" '' ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ "/ ምስ ሕሩያነይ ኪዳን ኣተኹ ንዳዊት ባርያይ መሓልኩሉ'' ከም ዝበሎ ንቅድስቲ ኣርሴማ '' ብስመይ ኣሚንኪ ናይ' ዓለም ሓጐስን ተድላን ከየታለለኪ ክሳድኪ ንስይፊ ብምሃብኪ ናይ ሰማዕትነት ተጋዲሎ ፈጺምኪ ኢኺ እሞ፡ ስምኪ ዝጸዉዔ በዓልኪ ዘኽበረ፡ ዝክርኺ ዝገበረ፡ መጽሓፈ ገድሊኺ ዝሰምዐ፡ ዘስምዔ፡ ዝጸሓፈ፡ ዘጽሓፈ ወዱ ኮነ ጓሉ ብስምኪ ዝጸዉዔ፡ ክሳብ 12 ትዉልዲ ክምሕረልኪ እየ"ክብል ቃል ኪዳን ኣተወላ።

ኣዴና ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ዓመታ ክልተ ግዜ ብፉሉይ ትኽበርን ትዝከርን እዚ ድማ 29 መስከረም ብሰማዕትነት ዝዓረፈትሉ ከምኡ'ዉን 6 ታሕሳስ ቅዳሴ ቤታ እዩ።

በቲ ዝተዋህባ ዘለዓለማዊ ቃል ኪዳና ድማ ንዓና ደቃ ብሃይማኖት ክንጸንዕ ብህይወት ክንነብር ካብ ልዑል ፈጣሪና ምሕረት ከምእተዉህበና ኣሚንና ንምሕጸን። ጸሎታት በረከታት ምስ ኩላትና ይኹን!!! 

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment