Thursday, September 27, 2012

«ወንሰግድ ውስተ መካን ኀበ ቆመ እግዚእነ» መዝ ፻፴፩፥፯/132፡7


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።

እንቋዕ ናብ ብርሃን መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና!

መስቀል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ
«ወንሰግድ ውስተ መካን ኀበ ቆመ እግዚእነ» መዝ ፻፴፩፥፯/132፡7


መስቀል


Click for PDF ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ካብ ተኽብሮም ትሽዓተ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኡሳን በዓላት ሓደ ኣብ መስከረም 17 ዝኽበር በዓል መስቀል እዩ። መስቀል ናይ ሰላምናን ድኅነትናን ቅድስናን ምልክት፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ከድኅን፣ ናይ   ዘለዓለም ሕይወት ንኽህበና መሥዋእት ዝኸፈለሉ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝፈሰሰሉ መንበር ክኸውን ከሎ፣ ንኣምላኽና ንርእየሉ መስትያት እዩ።


እዚ መዓልቲ ቅድሚ 300 ዓመታት ጠፊኡ ዝነበረ ቅዱስ መስቀል ብፍቓድ እግዚአብሔር ብመገዲ ቅድስት እሌኒ ምርካቡ ንዝክረሉ በዚውን ንሕጎሰሉን ንፍሥኅሉ ዕለት እዩ።

ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ጳውሎስ ጸጋ እግዚአብሔር በዚሑሉ ብሥራት ወንጌል ኣብ ኩሉ ዓለም ንኽስማዕ ዝገብሮ ጻዕሪ ዓሰርተ ኣርባዕተ መልእኽታት ከምዝጸሓፈ  መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና።

እቲ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ካብ ክሕደት ናብ እምነት ዘውጸኣና ቃል  ሕይወት ካብ ዝበጽሖም ቀዳሞት ክርስቲያን ሰብ ገላትያ ይርከብዎም። ገላትያ ኣብዛ ሎሚ ቱርኪ ተባሂላ እትፍለጥ ሃገር እያ እትርከብ፣ ኣብቲ ኣውራጃ ናይ ጲስድያ ኣንጾኪያ ኢቆንያን ልስጥራን ደርቤን ዝበሃላ ክፍልታት ኔረን።


ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ናይ ቃል   ሕይወት ዝኾነ ወንጌል መንግሥተ ሰማያት ነዘን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዝርከባ ሃገራትን ህዝብን ከምዘምሃረን ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ገላትያ ዝነብሩ ክርስቲያን ኣነባብሮም ክንርኢ ከለና ነቲ ክቡር ቃል ወንጌል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሰምዑ ሕይወቶም ተቀይሩ ኔሩ። እዚ ከኣ ሕይወቶም ናይ ጽድቂ መስርሕ ጊሮም ብጽድቂ ተሰሊሞም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድኅነት ዓለም ዝተቐበሎ መከራ መስቀል እናሓሰቡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍቓድ ይፍጽሙ ኔሮም። ጸኒሖም ግና ብናይ ቢጽ ሓሳውያን ኣይሁድ ምኽሪ ናብ ዘይጠቅም ግጉይ መገዲ ከይዶም ናብ መገዲ ፈቃደ ሥጋ ከዘንብሉ ጀሚሮም እቲ ናይ ሥጋ ስራሕ ከኣ ከምቲ ኣብ ገላትያ ተጻሒፉ ንረኽቦ << እቲ ግብሪ ሥጋ ግሁድ እዩ፣ንሱ ከኣ ምንዝር፣ ርኽሰት፣ ዕብዳን፣ ኣምላኾ ጣኦት፣ ጥንቁላ፣ ጽልኢ፣ ባእሲ፣ ቅንኢ፣ቁጥዓ፣ ሻራ፣ ምፍልላይ፣ ዝርግርግ፣ ቅንኣት፣ ቅትለት፣ ስኽራን፣ ጓይላ፣ ከምዚ ዝመሰለ ካልእውን እዩ። >> ገላ.519-21   ምእንቲ እዚ  እዩ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ብመንፈስ ጀሚሮም ናብ ክፋእ ግብሪ ዝተመልሱ ክነቅፎም ንርኢ። ብመልእኽቱ ከኣ ናብ ንስሓ ሕይወት ይዕድሞም ነብሶም ክምርምሩ ምእንቲ << ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ ቀደም  ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ ቅድሚ  ኣዕንቲኹም ከም ስቁል ኮይኑ ተስኢሉ ነበረ፣ ንሓቒ ከይትእዘዙ  ድኣ መን ዓዘመኩም ካባኻትኩም እዚ ጥራይ ክፈልጥ እደሊ ኣለኹ >> ኢልዎም እዩ። ገላ.31-2

ሎሚ'ውን መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልና ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ከነንብብ ከለና ኩልና ንመሃረሉን ንግሰጸሉም ትምህርቲ የዘኻኽረና። ንምዃኑ ንሕናኸ ህዝበ ክርስቲያን ንኸይንእዘዝ ኣይተዓዘምናን' ንኸውንናብ ንስሓ ከይምለስ ሓጥያትና ከይንኣምን ኣዒንትና ፈዚዘን ምስትወዓልና ሪሒቁ ነቲ ክቡር መስቀል ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ክሳድና ኣንጠልጢልና ናይ ፈጣሪና ውዕለት ረሲዕና ብፍትወት ዓለም ብትዕቢትን ብፍቅረ ንዋይ ንጎዓዝ ኣለና። ናይ እግዚአብሔር ነገር ረሲዕና ዋኒን ሥጋና ጥራይ ንገብር ኣለና። ግና ክሳብ መዓስ ኢና ብኽልተ ሓሳብ ክንሕንክስ? በዚ መገዲ እዚከ ከኣ ስጋብ መዓስ ኢና  ክንጉዓዝ፣ ናብ ልብና ክንምለስ ካብቲ ግጉይ መገዲ ክንምለስ ዝግበኣና እዋን ሕጂ እዩ።

ሎሚ ኣብ ዓለምና ከም ንርእዩ ዘለና ናይ ንክብር መስቀል ክብሪ ከይሃቡ ከም መጋየጺ ኣብ ክሳዶምን ብምእሳር፣ ኣብ ኣእዛኖም ብምስቋር  ኣብ ደርፍን ኣብ ዘየድሊ ምርኢታት ንርእዮ ኣለና። እዚ ከኣ ሓጥያት ንፍጻሞም ከይኣክል ንዕዖም ተሰናኺሎም ንካልኦት ምኽንያት መሰናኸሊ ክኾኑ ንርኢ ኣለና። ንሕና' ነዚ ክንርኢ ከለና እንታይ ኢና ንብል? ፋሽን ኢልና' ንስዕቦም? ወይስ ናብ መገዲ የማን ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ክመልሶም ንጽልየሎም? ህዝበ እግዚአብሔር ንዓለም ክንመስላ ኣይግበኣን ምኽንያቱ ዓለምን ፍትወታን ኩሉ ሓላፊ ስለዝኾነ።

መስቀል ኃይልና እዩ፣
መስቀል ካብ ናይ ቤተክርስቲያንና ንዋየ ቅዱሳት ሓደ ብምዃኑ። ብመስቀል ሥልጣነ ክህነት ዘለዎም ኣቦታት ሒዞም ይባርኹሉ፣ ዲያቆናት ኣብ ግዜ ናይ ማኅበር ጸሎት   መስቀል ሒዞም ጸሎት ይገብሩ። ምእመናን ኣብ ክሳድና ንኣስሮ፣ ምስ ቅዱሳት ስእልታት ብኽብሪ ሰቒልና ንጥቀመሉ ነዚ ብኽብሪ ክትሓዝ ዝግብኦ   ካብ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወኅበና ንኣጋንንቲ ንስሥዕረሉ መንፈሳዊ መሳርሒ ስለዝኾነ ብኽብሪ ክንሕዞ ይግባአና። ነቶም ከም መጋየጺ ዝጥቐምሉ ብዛዕባ ክብሪ መስቀል ክንነግሮም ከነረድኦምን ይግብኣና።
መስቀል ሰንደቅ ዕላማን እዩ፣
ነዚ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክቡር ደሙ ዘፍሰሰሉ መስቀል ኣብ ክሳድና ክንኣስርን ክንሕዝን ከለና ብኽብሪ እንተኾይኑ ካብቲ ሰይጣን ዝገብሮ ፈተናታትን ክፉኣት ካብ ዝወርውሩና መናውራታት ንድኅነሉ መንፈሳዊ መሳርሒና እዩ። ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፣ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት፣ወይድኅኑ ፍቁራኒከ << ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቅ ዕላማ ሃብካዮም፣ ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፣ ብየማነይትኻ ኣድሕን እሞ ስምዓና።>>    ተባሂሉ ናይ ዝተነግረ ቃል ትንቢት ተጠቀምቲ ከኣ ንኸውን። መዝ. 5940 (6040)

መስቀል መድኃኒትናን መመኪሕናን እዩ፣
መስቀል ጸላኢና ዝተሰዓረሉ ንሕና ከኣ ናይ ቀደም ክብርና ዝረኸብናሉ  ብምዃኑ መመኪሕና እዩ ንብል። ቅዱስ ጳውሎስ  <<  በቲ መስቀል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ብእኡ ንዓይ እተሰቅለት ኣነውን ንዓለም እተሰቀልኩ እንተ ዘይኮይኑስ ትምክሕቲ ዘበልስ ካባይ ይርሓቅ >> ገላ. 614 ከምዝበሎ። ንሕና ክርስቲያን ነዚ ብምርዳእ ከምዚ ንብል << ጸጋ ነሣእነ ወሕይወተ ረከብነ በኃይለ መስቀሉ ለኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኪያከ እግዚኦ ነአኩት ወንሴብሓከ እግዚአብሔር  >> ጸጋ ረኺብና ሕይወት'ውን  ተቀቢልና ብኃይሊ መስቀሉ  ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተረኽበ ጸጋ ተቀቢልና ንዓኻ ጎይታና ነመስግን ከምኡ'ውን ንውድሰካ እግዚአብሔር >>

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልቦንኣ ተሳኢሉ ንነገረ መስቀል ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክትሓስብ ትነብር ዝነበረት፣ ኣደ' ዓቢ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ንግስቲ እሌኒ ነቲ ኣይሁድ ብኽፍኣት ቀቢሮም ካብ ዝነብረሉ ክቡር መስቀል ንምርካብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ክንሓስብ ከለና ነቲ ምልክት ዝኾነ መስቀል ንምርካብ ዝገበረቶ ጻዕሪን መሥዋእትነት የዘክረና። እምበኣር ንበዓል መስቀል ክንዝክር ከለና ኩሉ ግዜ ክንሓስቦ ዝግባእ ቁምነገር እንተሎ ነገረ መስቀል ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምዝካር ብፍቅሪ እግዚአብሔርን ብፍቕሪ ቢጽን ብለውሃትን ትሕትናን ምንባር እዩ።

ብዛዕባ ቅዱስ መስቀል እዚኦም ኣብነት ጠቂስና እምበር ናይ ነገር መስቀል ትምህርቲ ኣብዚ ዝውሰን ኣይኮነን። ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ናይ ዘመን ኣቆጻጽራ ካብ መስከረም 17-25 ዘሎ ግዜ ዘመነ መስቀል ይብሃል። ኣብዚ ግዜ ነገረ መስቀል ይንገር፣ መዝሙረ መስቀል ይዝመር። ምእመናን ኣብዚ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ብምርካብ ነገረ መስቀል ክንሰምዕን ንእግዚአብሔር ብመዝሙር ከነመስግን ይግባእ።

ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ በረከት መስቀሉ ይዓድለና። ኣማላድነት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፣ ተራዳኢነት ቅዱሳን መልኣኽቲ በረከተ ጻድቃን ሰማእታት ኣይፈለየና። አሜን።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።


ምስባክ

ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፣ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት፣ወይድኅኑ ፍቁራኒከ
< ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቅ ዕላማ ሃብካዮም፣ ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፣ ብየማነይትኻ ኣድሕን እሞ ስምዓና።> መዝ. 594 (604)
ወንጌል. ነግህ ማቴ.8-16  ቅዳሴ ዮሓ.1925-28 .ሓዋ.5-26-33 ያዕ.3-11 1ይጢሞ፣59-16
ቅዳሴ ዮሓንስ አፈወርቒ




ብትእምርተ መስቀል ከነማዕትብ ከለና ንረኽቦ በረኸት

v ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ዘለዎ ፍቅሪ ምእንታና ዝተቀበሎ ሞት ንዝክር። በዚ ከኣ ሃይማኖትና ንምስክር።

v ናይ   ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደቁ ምዃ ብግልጺ ንእውጅ። ብናይ ክርስቶስ መስቀል ከኣ ኣብ ቅድሚ  ሰባት ኣይንሓፍርን። ብእኡ ንኸብር ብእኡ ንምካሕ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃ ብእኡ ምእማንናን ናቱ ግዙኣት ምዃ ንገልጽ። ብኽቡር ደሙ ስለዝዓደገና።

v ከነማዕትብ ከለና ስመ እግዚአብሔር ንጽውዕ እዚ ከኣ << በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ >> ንብል ስለዚ ኣብ ዘማዕተብናሉ ቁጽሪ ስጋብ ዘልዓለም ሓደ አምላኽ ብዝኾኑ ብቅድሥት ሥላሴ ምእማንና ንገልጽ። እዚ ከኣ ብዘይ ምቁራጽ ናይ አብ ናይ ወልድ ናይ መንፈስ ቅዱስ ውሉዳት ምዃ ኩሉ ግዜ ንኽንሓስብ ይገብረና።

v ከነማዕትብ ከለና ብሥጋ ዝተገበረልና ካሕሳ ምእማንና ንምስክር። እዚ ከኣ ኣእዳውና ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ካብ ጸጋም ናብ የማን ብምውሳድ ነማዕትብ። በዚ ከኣ ወልድ እግዚአብሔር ካብ ሰማያት ምውራዱን ንደቂ ሰባት ካብ ጸጋም ናብ የማን ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ምስጋሩን ንዝክር ፣በዚ'ውን ኣብ ልቦናና ዝስምዑና መንፈሳዊ ስምዒታት ብጣዕሚ ብዙሓት እዮም።

v ከነማዕትብ ከለና ምስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለና ሕብረት ብፍቕሪ ንምስክር << ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ..>> ገላ.219-20 << ንዕኡ ኃይሊ ትንሣኤኡን ሕብረት መከርኡን ምእንቲ ኽፈልጥ>> ፊሊ.310 ዝበሎ ናይ ሓዋርያ ቃል ንዝክር።

v ብትእምርተ መስቀል ከነማዕብ ከለና መስቀል ናይ ድኅነት ምልክት ስለዝኾነ፣  ናይ  እግዚአብሔር ኃይሊ ኣብ ውሽጥና ይመልእ። ጸላኢና'ውን ካብ ጥቃና ኣጸቢቁ ይርሕቕ << እክህደከ ሰይጣን >>ብምባል ጻላኢና ሰይጣን ንኽሕድ ፣ብዝተሰዓረሉን ብዘይፈትዎን ክቡር መስቀል ብምልዓል ነማዕትብ።

ስለዚ ኣብ ዝኾነ እዋን ምንቅስቃስና ናይ መጀመሪ ኮነ መፈጸሚ ንጸሎት ኣብ ዝቆምናሉ እዋን ከምእ'ውን ዘፍርሑ ነገራት ኣብ ዝረኣናሉ ኮነ ዝሰማዕናሉ ቁጽሪ ብትእምርተ መስቀል ነማዕትብ ብኡኡ ከኣ ኃይሊ ንረክብ።

መስቀል ኃይልነ መስቀል ጽንዕነ መስቀል ቤዛነ መስቀል መድሃኒተ ነፍስነ ወእለ ኣመነ በይለ መስቀሉ ድህነ።

No comments:

Post a Comment