Monday, September 3, 2012

ጸሎት 5ይክፋል


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ጸሎት
ብመንጽር ብሂል አበው፡ 5ይክፋል
ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ
1.  ናይ ለይቲ ጸሎት

v ሓደ ቅዱስ አበውነእምሮ ስለዘብርህ፡ ናይ ለይቲ ጸሎት እፈቱ።ይብሉ።

v ቅዱስ ለንጊኖስ፡ናይ ለይቲ ጸሎት ነእምሮ የንጽሆ።


v ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ከምዚ ይብሉኣእምሮኹም ስም ኣምላኽ ብምጽዋዕ እንተነቒሑ፡ ክዋግኡኹም ዝሓሰቡ ጸላእትኹም ክፈርኅኹም እዮም።

v ቅዱሳን ኣበው ከምዚ ይብሉ፡ንድያብሎስን ሠራዊቱን ዝዋጋእ፡ ብብኽያትን ምህለላን ለይቲ ለይቲ ነቒሑ፡ ረድኤት ዝልምን እዩ። መልሲ ድማ ብቕልጡፍ ይረክብ። ምኽንያቱ ናይ ለይቲ ጸሎቱ ንሓጢኣቱ መደምሰሲ፡ ብኽያቱ ድማ ንኣበሳኡ መስተስረዪ ይኾኖ።

v ቅዱስ ኣባ እንጦስ፡ብዝሐለፈ ሕይወትና ክነብር ጽቡቕ ኣይኮነን። ስለዚ ከምቶም ጀመርቲ ንዕዮ (ንሥራሕ) እቲ ዝደኸምናዮ ንጽቡቕና ምዃኑ ክስመዓና ኣለዎ። ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ክንብል ድማ ይግባእ፡ <<ኣብ  ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ>> (ፊሊጲ 313) ነቢይ ኤልያስ ዝበሎውን ክንርስዖ የብልናን፡ <<እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል እዩ>> (1 ነገ 171) መንገዲ ሓቀኛ ጥበብ መሪጽና ካብ ሃለና፡ ምቋምና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምዃኑ ከነስተውዕል ይግባእ።
Ø ከምኡውን፡ንግሆ ምስ ተንሣእና፡ ክሳዕ ምሸት ከይንጸንሕ ስለንኽእል ክንዳሎ ይግባእ። ብኣንጻሩ፡ ክንድቅስ ከሎናውን ንግሆ ክንበራበር ንኽእል ኢልና ንዳሎ። እዚ ከኣ ዕድሜና ብጀካ እቲ ዝፈጠረና ኣምላኽ ማንም ዝፈልጦ ስለዘይየለ፡ መዓልታዊ ሕይወትና ነስተኻኽል።
Ø ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሕማቕ ኣይንግበር። ንዓለም ኣይነፍቕር። ንሰባትውን ኣይነቐይም። ንሞት ንጽበ ዘለና ድማ ንመስል።

v ቅዱስ በኻምዮስ፡ወደየ፡ ኣብ ነፍስኻ ምልኪ ይኃሉኻ። ንነፍስኻ ክትመልካ እንተዘይከኣልካ፡ ኣብ መጻወድያ ድያብሎስ ክትወድቕ ኢኻ።
Ø አበው ክነግሩና ከለዉ ቅዱስ በኻምዮስ፡ ፍሕሶ ሰይጣንን ሰዓብቱን ይሰምዕን ይፈልጥን ነይሩ ሓደ እዋን ሰይጣንን ሰዓብቱን ከምዚ ክብል ይሰምዖዎ፡መዓልታዊ ኣብ ቅድሚ ሓደ ባሕታዊ እቐውም። ንሱ ግና ሕማቕ ሓሳብ ክዘርኣሉ ክቐርቦ ከሎኹ፡ ናብ ጸሎት ይቀዳደም። በቲ ሃልሃልታ ሓዊ ተቓጺለ ክሃድም እግደድ። ከምኡውን ካልእ ከምዚ ክብል ይሰምዖዎ፡እቲ ኣነ ዝዋግኦ፡ ነቲ ዝመኽሮ ኩሉ ስለዝሰምዓኒ ብጣዕሚ እየ ዝፈትዎ።ይብል።
ነዚ ኣመልኪቶም ቅዱስ በኻምዮስ ክመኽሩ ከለዉ ከምዚ ይብሉ፡ኣሕዋተየ፡ ኩሉ ሳዕ ንቑሓት ንኹን። ስም ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንተጸዋዕና፡ ዝኾነ ሰይጣን ክቃወመና ኣይደፍርን እዩ።

v ንኣባ ሳውኖስ ክዐርፉ ከለዉ ኣርድእቶም ከምዚ ሓተቶም።ኣቦና፡ እዚ ኩሉ ምስትውዓል እንታይ ስለዝገበርካ እዩ፤
መልሲ፡ብልበይ ንኣምላኸይ ዘቖጥዕ ነገር ስለዘይገደፍኩ እዩ።በሉዎ።

v ኣበው ካብ ዝተዝዛረብዎ፡ሓደ እዋን ብቓል ኣምላኽ እናተዘራረብና ከሎና፡ ምሳይ ዝነበሩ ኣሕዋት ከቢድ ድቃስ ደቀሱ። ርእሶምውን ክግልብጡ ኣይከኣሉን። ስራሕ ድያብሎስ ከምዝኾነ ፈሊጠ፡ ካልእ ዕላል ኣምጻእኩ። ብኡ ንብኡ፡ ተበራቢሮም ነቲ ቃል ክሰምዑ እዝኖም ጸለው። ብውሽጠይ ሓዚነ ከምዚ ድማ በልኩ፡እዚ ኩሉ ሰማያዊ ቃል ክንዘራረብ ድቃስ ንኣዒንትኹም ኣሰኒፉዎ ነበረ። ሕጂ ግና፡ ዘይጠቅም ዕላል ምስ ጀመርና ፍጹም ተበራበርኩም። ስለዚ ኣሕዋተየ፡ ሥራሕ ዲያብሎስ ካብ ፈለጥኩም ንነፍስኹም መርምሩ፡ ቃል ኣምላኽ ክንገር ከሎ ካብ ድቃስ ህደሙ።ንቕሓት ኩኑ።

2.    ዘወትር ጸሎት

v ሙሴ ጸሊም፡ዘወትር ጸሎት ንልቢ የብርሆ። ቀጻልነቱ ካብ ውሽጢ ልቢ ምጽራይ ማለት እዩ። ምስልካይ ግና ብሓጢኣት ምጽልማት እዩ።

v ሓደ አኅው ንኣባ በርሰኑፍዮስ ክሓቶ ከሎ፡ኣቦና፡ ዘወትር ጸሎት ከመይ እያ ንገሩኒ፤ ፍልጠት ወስኹኒ።  ቆኖና ክዋሃበኒ ይኽእልዶ፤
መልሲ፡ብኣምላኽ ተሓጐስ ዝሓወይ፡ ብኣምላኽ ተፈሳኅ ፍቱወይ፡ ደስ ይበልካ ምሳይ መዋርስቲ ዝኾንካ። ዘወትር ጸሎት ነቶም ምሉኣት፡ ንዓለም ምውታት ዝኾኑ፡ ቃንዛ ዓለም ዘሕለፉ ሰባት እዩ። ነዚ ዝፈለጡ እዮም ዘወትር ዝጽልዩ። ሎቱ ስብሓት፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ኩሉ ድማ ይመርሖምን ኣብ ድኻሞም ይድግፎም። <<ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ . . >> (ሮሜ 826)
ዘይትፈልጣ ከተማ ሮማ እንተሓበርኩኻ እንታይ ክዓብሰልካ እዩ፤ ቀጻልነት ጸሎት ኣብ ሕይወት ዝኾነ ሰብ ቆኖና እዩ። ንኣብነት ከምቲ ሰብ ምስ ጠመየ ዝበልዕ ከምኡ ድማ ቃል ኣምላኽ ከተንብብ ክትብህግ ከሎኻ ኣንብብ። ከምዚ እናበልካ ድማ ኣመስግን፡ ልዑል ኣምላኸይ ምሓረኒ ትብዓት ይኃሉኻ ኣይትጠራጠር። ውህበታት እግዚአብሔር ንድሕሪት ኣይመልስን እዩ። ኣይትሻቐል። ዘይምሻቓልካ ናብ ኣምላኽን ሀገረ ቅዱሳንን ቀረባ ክገብረካ እዩ። ንነፍስኻ ከምዘይትረብሕ እንተቖጸርካያ ድማ ነታ ዓባይ ከተማ ተዳሊኻ ኣሎኻ። ካብ ኩሉ እንተሞትካ፡ ምስ ኣምላኽ ሕብረት ትፈጥር። ካብ ልብኻ ቁጥዐ ከተጥፍእ ከሎኻ ምሉእ ጥዕና ትረክብ። በልዎ።


3.    ሽም ክርስቶስ ምጽዋዕ።
ይቕጽል….. ብሰላም የጽንሓና።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣ ወለወላዲቱ ድንግል፣ ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment