Wednesday, September 19, 2012

ጸሎት 6ይክፋል


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።
ጸሎት
ብመንጽር ብኂል አበው፡ 6ክፋል
ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸል

3.   ስም ክርስቶስ ምጽዋዕ።(Click for PDF)

v ኣባ ድያርክስ፡ “ካብ ኩሉ ርስሓት ልቡ ክሓጽብ ዝደሊ ንጹኅ ዝኾነ ስም ቅዱስ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክጽውዕ ይግባእ። ከይሰልከየ ካብ ውሽጢ መዓሙቕ ልቡ ብፍቕሩ እናተቓጸለ ኣብ ዕረፍቲ ይኹን ስራሕ፡ ብቃል ይኹን ኣብ ሓሳብ ጸዊዑ፡ ካብ እከይ ሓሳብ ነጺኁ፡ ኩሉ ግዜ ንትእዛዛቱ ዝፍጽም ክኸውን ኣለዎ።”


v ማር ኤፍሬም፡ “ፍረ ሸለል ምባል ሕማቕ እዩ፡ ፍረ ጸሎት ግና ብዙሕ ጸጋታት ኣለዉ። እዚ ከኣ ኩሉ ሳዕ ንጸሎት ዝነቅሕ ሰብ፡ ስም ኣምላኽ ይጽውዕ። ስም ኣምላኽ ብምጽውዑ ከኣ እከይ ሥርሑ ይዕገት።”

v ቅዱስ በኻምዮስ፡ “ስም ኣምላኽ ካብ ምጽዋዕ ፍጹም ኣይተቋርጽ። ምኽንያቱ ከተቋርጽ ከሎኻ ክውሕጡኻ ዝደልዩ ኣጋንንቲ ስለዝላዐሉ።”

v ቅዱሳን አበው፡ “ብስም ኣምላኽ ዘወትር ምጽላይ ካብዚ ዚዓቢን ነዚ ዝመሳሰል ጸጋ የለን።”

v ቅዱስ ኣበው፡ “ዘወትር ስም ቅዱስ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸውዕ። ነዚኣ ክብል እዩ እቲ  ጥበበኛ ነጋዳይ ዘለዎ ሥጋዊ ድልየታት ሸይጡ ነታ ክብርቲ ዑንቝ ዝዓደገ። ናብ ቤቱ ምስ ወሰዳ ድማ ካብ መዓር ወለላ ከም ትጥዕም ዘስተማቐረ። ዕውት እዩ እቲ ነዛ ክብርቲ ዑንቝ ኣብ ውሽጢ ልቡ ዝዓቀበ። ኣብ ሃገር ቅድስት ድማ ክቡር ስፍራ ክዳለወሉ እዩ።”

v ቅዱስ መቓርዮስ ከምዚ ክብሉ ሓተቱዎ፡ “ኣቦና ብዝገብርኩዎ ኃጢኣት ፈሪሀ ኣለኹ፡ እንታይ ክገብር፤”
መልሲ፡ “ኃይልን ጽንዓትን ኣብ ተስፋ ሕይወት ኣብቲ ዘይውዳእ ምሕረት እግዚኣብሔር ብስም ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።” ከይሰልከኻ እግዚኦ መሓረኒ ክርስቶስ እንዳበልካ ጸሊ። ብስም ቅዱሳኑ ክምሕረካ ከኣ ብእንተ እግዝእትነ ማርያም፣ ቅዱስ ሚካኤል ፣ቅዱስ ገብርኤል…. ምጽላይካ ኣትቓርጽ።

v ንሓደ ኣቦ ዝሓተተ መንእሰይ፡ “ስም ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኣብ ልብይን ልሳነይን ክኸውን ምኽሪ ሃበኒ፤” መልሲ፡ “<<ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድኅን እዩ>> (ሮሜ 10፡10) ስለዚ ንልብኻ ኅድኣት ኣውጀሉ፡ ንጸሎት ዝነቃሕካን ትጉኅን ኩን፣ ምኽንያቱ ክርስትና ግብሪ ስለ ዝኾነ ሓጢያተኛ ምኻንካ ኣሚንካ ነብሰ ምትሓት ጌርካ እንተሰኒቅካያ። ስም ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ዘውትር ክትዝምር ኢኻ። ኅድኣት ልቢ ንኽትረክብ ኩሉ ግዜ ከይሰልከኻ ስም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብልሳንካ ጸውዕ።” እግዚኦ መሓረኒ ክርስቶስ ንዓይ ንሓጥእ ወድኻ እንዳበልካ።


v ከምኡ’ውን ካልእ መንእሰይ ዝሓተቶ፡ “ነዚ ዘጋጥመኒ ዘሎ ፈተና  ድያብሎስ ክምክቶ ምእንቲ እንታይ ክገብር ኣሎኒ ምኸሩኒ በሎም፤” መልሲ፡ “ስም ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝኾነ ይኹን ጸብኣ  ዲያብሎስ የጥፍእ እዩ። ካብ ምጽዋዑ ኣይተቓርጽ በሎዎ።”

v ሓደ እዋን ኣባ ቢመን ንቅዱስ መቓርዮስ ክበጽሕዎ ምስ ከዱ “ኣቦና፡ ሰብ ሕይወት ክረክብ እንታይ ክገብር ይግብኦ?” ቅዱስ ኣባ መቓርዮስ ክምልሱ ከለዉ፡ “ዘወትር መግብኻ መግቢ ሕይወት ዝኾነ ስም እቲ ቅዱስ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይምድካም ጸውዓዮ፣ ኣብ ኣፍካ ጥዑም እዩ። ኣብ ትንሓግካ መዓር ወለላ እዩ። ኩሉ ግዜ ምስ እትጽውዖ ነፍስኻ ትነጽኅ ሕይወት ድማ ትረክብ።”

v  ሓደ ቅዱስ ኣቦ ብምሳሌ ክዛረብ ከሎ፡ ክምዚ በሉ “ኣብ ሓደ ሃገር ሓንቲ ምልክዕቲ ሓፍቲ ዝነበረቶ ሓደ ሰብ ነበረ። ዓቢ በዓል ናይታ ከተማ ምስ ኮነ ድማ፡ እታ ሓፍቱ ናብቲ በዓል ዝበዓለሉ ክትከይድ ለመነቶ። ንሱ ግና ንበይና ክሰዳ ኣይፈተወን። እዚ ከኣ መንእሰያት እታ ከተማ ብሰንኪ ጽባቐኣ ክዕንቀፉ ኣይደለየን። ስለዚ ብኢዱ ጌሩ ሒዙ ናብቲ ከተማ ሒዙዋ ወረደ። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኢዳ ከይኃደገ የዛውራ ነበረ። ናይ ዓያሹ ሥራሕ ክትሠርሕ እንተደለየት እካ ብኢዳ ሒዝዋ ስለዝነበረ ገለ ክትገብር ኣይተኻእላን። ብጽባቐኣ ብዙሓት ይምነዩዋን ይደልዩዋን ነበሩ ግና ኣብ ኢድ ሓዋ ስለዝነበት ክገብሩዎ ዝኽእሉ ነገር ኣይነበረን። ንሳ’ውን ንመንእሰያት እቲ ከተማ ብሥጋዊ ፍትወት ትጥምቶም እንተነበረት ግና ኣብ ኢድ ኃዋ ስለዝነበረት ዝኾነ ክትገብር ኣይከኣለትን።

እዚ ምሳሌ እቶም ቅዱስ ኣበው ከምዚ ክብል ብምባል ይገልጽዎ፡<< ስም ጎይትና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እትጽውዕ ነፍሲ። ብምልክዕቲ ሓፍቲ ይምስልዋ፡ ኩሉ ግዜ ብኢዳ ሒዙዋ ዝነብር ከ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣታሊሎም ከጥፍእዋ ዝደለዩ ጸላእታ ኣብ ኢድ ኃዋ ስለዘላ ገለ ክገብሩዋ ኣይክእሉን እዮም። ንዓለምን ጽባቐኣን እንተዘምበለት’ውን ኣብ ኢድ ኃዋ ስለዘላ ንሓጢኣት ክሳዕ መወዳእታ ክትጥሕል ኣይትኽእልን እያ። እዚ ግን ንሳ’ውን ዘወትር በቲ መድኃኒ ዓለም ዝኾነ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ብሰላሙ ኣሚና ንቃሉ ተኣዚዛ፣ ብትግኃት ንኢዱ  ከየዝለቀት ብምሓዝ  እዩ። 

ስለዚ ስም ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣጽኒዕካ ምሓዝ ማዕረ ክንደይ ጽኑዕ መድኃኒ ከምዝኾነ፡ ድልዱል ዕርዲ ንነፍሲ ምዃኑ ፈሊጥና ኣሎና። ከይሰልከና ንነፍስና ሰረቕቲ ክሰርቅዎ ዘይከኣሎም ክቡር ኣቕሓ ማለት ስም ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንስነቕ። ከመይ ገይረ ክለብሶ ኢልካ እንተ ሓቲትካ፡ እቲ መልሲ፡ ካብ ኩሉ ክፉእ ነገር ኅደም፡ ኣይትጨነቕ፡ ሥጋኻ ብዝከኣለካ ብስግደት ኣድክማ፡ ንጾም ኣዚኻ ፍተዋ፣ ምግባር ትሩፋት ወስኸላ ። እዚ ኩሉ ትሕት ንኽትብል ይሕግዘካ። ሓቀኛ ንብዓት ትሕቲ ኩሉ ፍጥረት ክትከውን ትሕግዘካ። እዚ ኩሉ ምስተዋኅበካ፡ ንኣምላኽ እሙን ውላድ ትኸውን፣ ኣብዚ ምድራዊ ሕወትካ በረከት ጸጋታት እግዚአብሔርካ ይበዝኅልካ።

ኩሉ እትኽእል ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ጸጋ ካባኻን ናትካን እዩ'ሞ። ንሥጋና ብነፍስና ከነግዝኣ፣ ኣብ ድኻምና ደግፈና ስምካ ኩሉ ግዜ ክንጽውዓካ ብቁዓት ግበረና ።ምሕረትካ  ይብዝኃልና። እንዳበላን ስም ኣምላኽ እንዳጸውዓና ደገፍ ክንሓትት ንጅምር።   
 
v ቅዱስ ኣባ ኤልያስ ኣብ ዑና በዓቲ ክንብር ከሎ ሓደ ነገር ኣጓነፎ። << እዚ ቦታና ናትና እዩ ኢሎም ካብቲ ናይ ጸሎት በዓቱ ኣጋንንቲ ክውጽእዎ መጹ። ኣባ ኤልያስ ድማ፡ “ንስኹም ቦታ ዝበሃል የብልኩምን” ክብል መለሰሎም።>>  ደጊሞምውን ነቲ ቦታ ግልብጥብጥ ኣቢሎም፡ እንደገና “ካብዚ ቦታ ውጻእ” በልዎም። ብዙሕ ከይተገደሱ ነቲ ሒዙዎ ዝነበሩ ሥራሕ ምስፋይ ዘንቢል ቀጸሉ። ኣጋንንቲውን ተጻብእኦም ብምቅጻል ነቲ አባ ኤልያስ ሒዞሞ ዝነበሩ ዘንቢል ምስ ናውቱ ሕውስውስ ኣቢሎም ደርቢዮም፡ “ንስፍራና ግደፈልና” በሉዎም።  አባ ኤልያስ ዓቕሊ ገይሮም ዳግማይ ንብረቶም ጠርኒፎም ኣብ ዝነበሮዎ ተመሊሱ ኮፍ በሉ።

 ኣብ መወዳእትኡ “እዚ ናትና ስፍራ እዩ፡ ንስኻ ኣብዚ ክትቅመጥ ኣይግበኣካን እዩ” ኢሎም እቶም ኣጋንንቲ ንአባ ኤልያስ ብኢዱ ወጢጦም ንደገ ገጾም ክውጽእዎ ጀመሩ። ኣብ ኣፍ ደገ ምስ በጽሑ ብኣእዳዎም ጌሮም ብምምዕታብ ፣ “ኦ ጐይታይን ኣምላኸይን መድኃኒየይን ኢየሱስ ክርስቶስ ርድኣኒ” በሉ። ብኡ ንብኡ ድማ እቶም ዝጻብእዎም ዝነብሩ ኣጋንንቲ በኒኖም ጠፍኡ ።

አባ ኤልያስ ብኽያት መጺእዎም በኸዩ  ። ጽምጺ ኣምላኽ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ከምዚ ክብል ሓተቶም፡ “አባ ኤልያስ ንምንታይ ትበኪ አባ ኤልያስ ኣሎኻ፤” ። “ ጎይታይ ኣምላኸይ ከምዚ ገይሮም ንፍጡራትካ ክጻወቱልና ከለው ከመይ ዘይበኪ፤” ።  በልዎ ። ኣምላኽና ድማ “ ስመይ ብኣጋ ዘይጸዋዕካ ንስኻ ኢኻ፡ ምስ ጸዋዕካኒ’ዶ  ብቅልጡፍ ኣይረዳእኩኻን፤” በሎም።

በዚ ከኣ ስም ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ግዜ ጸገምና መከራን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ግዜን እዋንን ክንጽውዕ ይግባእ።

                          እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ ንዓይ ንኃጥእ ወድኻ!!! 

ኣብ  ግዜ ጸሎት ክንገብሮም ዝግባእ
1.     ምምስጋን 
ይቕጽል….. ብሰላም የጽንሓና።
                                                                                          ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣
                                                               ወለወላዲቱ ድንግል፣
                                                                ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment