Wednesday, October 24, 2012

ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን፣ (ካልኣይ ክፋል)



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን፣ (ካልኣይ ክፋል)
  ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ.
2.   ታሪኽ
     እስከ መነነቶ ሜልኮል ቅድመ ታቦተ ሕግ ከመ ዘፈነ፣
ንጉሠ እስራኤል ኪያኪ ዘጸገየ ስነ፣ 
     ቅድመ ገጸ ሥዕልኪ ድንግል እዘፍን አነ፣
  ዘይሜንን ተአምረኪ ወስብሐተኪ ቁርባነ፣
  በአፈ መላእክት ወሰብእ ለይኩን ምኑነ፡፡ 

Thursday, October 18, 2012

ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን (ቀዳማይ ክፋል)



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!



ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን፣

(Click for PDF)እዚ ድርሰት ኣብ ዝኾነ ግዜ ዝጽለ ክኸውን ከሎ ብፍላይ ኩነታት ኣብ ቤተክርስቲያና  ኣገልግሎት ዝውዕል ካብ መስከረም 26 ስጋብ ሕዳር 5 ዘሎ ናይ  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝክረሉ ናይ ስደት ዘመን እዩ።  ኣብዚ እዋን በብሰሙኑ ሰንበት ለይቲ ብሙሉእ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ግብጺ ምስዳዶም እንዳተዝክረ ዝግበር ጸሎት እዩ።

Friday, October 5, 2012

ዮሴፍ ወማርያም ህጻኑ ወሴሎሜ፣በዛቲ ዕለት ሖሩ ብኄረ ግብፅ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ዮሴፍ ወማርያም ህጻኑ ወሴሎሜ፣በዛቲ ዕለት ሖሩ ብኄረ ግብፅ።


      (Click For PDF) ኣብ ሃገርና መስከረም 25 ዘመነ ክረምቲ ሓሊፉ መስከረም 26 ዘመነ ጽጌ ይጅምር። ጽጌ ማለት ዕምበባ ማለት ክኸውን ከሎ ዘመኔ ጽጌ  ማለት ናይ ዕንበባ ዘመን ማለት እዩ። ዘመኑ ዕንበባ ዝዕንብበሉ መሬት ብዕንበባ ትምዕርገሉ እዩ።

       እዚ እዋን ብቅድስቲ ቤተክርስቲያና ናይ ፍቓድ ጾም ተባሂሉ ይጽዋዕ ። ካብቶም 7 ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ወጻኢ ኮይኑ፣ ምእመናን ንበረከት ብፍቓዶም ዝጾምዎ ጾም ማለት እዩ።  ብዙሓት ምእመናን'ውን በረከት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንምርካብ ብጾምን ጸሎትን እዮም ዘሕልፍዎ ።