Thursday, October 18, 2012

ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን (ቀዳማይ ክፋል)



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!



ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን፣

(Click for PDF)እዚ ድርሰት ኣብ ዝኾነ ግዜ ዝጽለ ክኸውን ከሎ ብፍላይ ኩነታት ኣብ ቤተክርስቲያና  ኣገልግሎት ዝውዕል ካብ መስከረም 26 ስጋብ ሕዳር 5 ዘሎ ናይ  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝክረሉ ናይ ስደት ዘመን እዩ።  ኣብዚ እዋን በብሰሙኑ ሰንበት ለይቲ ብሙሉእ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ግብጺ ምስዳዶም እንዳተዝክረ ዝግበር ጸሎት እዩ።


ኣብ ሃገርና ወርሓ መስከረምን ጥቅምትን ናይ ኣበባ ዕንበባ (ዘመነ ጽጌ)  ወርሓት እዮም። እዚ እዋን ኣኽራናት ብዕንበባ ዝምዕርግሉ ንዓይንኻ  ዝማርኹሉ እዋን እዩ።  ኣብዚ ዘመን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ << ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ ንዕንባባት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ፡ ምስ ናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ኩሉ ኽብሩ ከም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ እብለኩም ኣለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ጌሩ ዝኸድኖ ካብ ኮነ ደኣ ኣቱም ጉዱላት እምነት ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፤ እምበኣርከ እንታይ ንበልዕ እንታይ ንሰቲ እንታይ ንኽደን ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንዓኻትኩም እዚ ኹሉ ከም ዘድልየኩም ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።>> ማቴ.6፣-28-33።  ብምባል ዝተዛረቦ ቃል ብምዝካር ክንጭነቕ ዝግበኣና መንግስተ ሰማያት ንምእታው እምበር ኣብዚ ዓለም  ብዘለዉ ነገራት ከምዘይኮነ ንዕንበባ መሮር ዘማዕረገ ኣምላኽ ብኣርኣያኡን ኣምሳሊኡን ዝፈጠረና፣ ንዓና ንናብራ ዘድልዩና መግብን ክዳንን ከምዘይከልኣና ንዝክረሉ እዋን እዩ።  

ቅዱስ ዳዊት << ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ ሰብእሰ ከመ ሳዕር መዋዕሊኁ ወከመ ጽጌ ገዳም ከማኁ ይፈሪ፣ “ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ ፣ ሰብሲ መዓልትታቱ  ከም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕንበባ መሮር ይዕንብብ፣ ንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሓልፍ እሞ ከቶ ኣይትርከብን እያ>> መዝ.102 (103)፣14-16። ኢሉ ከምዝተዛረቦ ናይ ሰብ ሕይወት ብሳዕሪ ይምሰል።  ሳዕሪ ምስ ዓበየ ይዕንብብ ድኅሪኡ ነቒጹ  ምስ ረገፈ እቲ ርጋፉ ብንፋስ ይውሰድ ዝነበረሉ ቦታ እኳ ስጋብ ዝጥፍእ ይኸውን። ሰብ ድሕሪ ምዕባዩ ብሕማም ብጸሓይ ይነቕጽ ብሞተ ንፋስ ከኣ ይወሰድ። ድሕሪኡ ናብ መቓብር ምስ ወረደ ዝነበሮ ቦታ ይርሳዕ። ስለዚ ዘመኔ ጽጌ ሰብ ዘመኑ ከም ዕንባባ ቀልጢፉ ዝረግፍ ምዃኑ ብምሕሳብ፣ እዚ ዘመን ከይኃለፎ ንእግዚአብሔር ደስ ዘብል ጽቡቅ ግብሪ ብመንፈሳዊ ሕይወቱ ኮነ ሥጋዊ እንዳገበረ ትንሣኤ ኅሊና ዝትንሥኣሉ እዋን እዩ።  


ቅዱስ ያሬድ ንዘመነ ጽጌ ኣብ ዝድረሶ ድጓ እዚ ናይ ሰብ ሕይወት ሓጺር ብምዃኑ ነዚ ሓጺር እዋን ዝተፈጥረ ሰብ ኣብዚ ዓለም ክፉእ ሥራሕ  ክሰርሕ ከምዘይብሉን ኩሉ ግዜ በተዘክሮ ሞት ንኽነብር ዘረድእ እዩ።

ኣብ ዘመነ ጽጌ ቅዱስ ያሬድ ካብ ዝደረሶ ድጓ ብተወሳኺ ኣብ መበል 14ሚእቲ ክፍል ዘመን ካብ ዝነበሩ ቅዱስን አበው አባ ጽጌ ድንግል ምስዚ ዘመን ዝተኅኅዝ ድርሰት ደሪሱ እዩ። እዚ ድርሰት ብመልክዕ ግጥሚ ዝተደረሰ ኮይኑ ኣብ ሓሙሽተ መስመር ተኸፊሉ ብዝኁ ከኣ ስጋብ 150 ይኸውን። እዚ ድርሰት << ማኅሌተ ጽጌ>> ብምባል ዝፍለጥ እዩ።  ፍረ ካብ ዕንበባ ዕንበባ ካብ ፍረ ከምዝርከብ ኩሉ ማኅሌተጽጌ'ውን ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ወዳ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕንበባን ፍረን እንዳመሰለ ዘረድእ ድርሰት  እዩ። ንዓዓ ብዕንበባ ክምስል ከሎ ንወዳ ብፍረ፣ ንዓዓ ብፍረ ክምስል ከሎ ንወዳ ድማ ብዕንበባ እንዳመሰለ ይዛረብ።

 ነብዩ ኢሳይያስ << ትወጽእ በትር እምሥርወ እሴይ ወየዓርግ ጽጌ እምጉንዱ። ካብቲ ኽሩት ጒንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ። ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኽፈሪ እዩ ። >> ኢሳ.11፡1። ካብ ዘርኢ እሰይ ትርከብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብበትሪ ክምስላ ከሎ፣ ካብኣ ዝተረኽበ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብጽጌ እንዳመሰለ ብትንቢት ተዛሪቡ እዩ። አባ ጽጌ ድንንግል'ውን ድርሰቱ ካብዚ ኣንጻር ብምቅማር ኣብ ነፍሲ ወከፍ መልክዕ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብጽጌን ብፍረን እንዳመስለ ናይ እግዚአብሔር ድንቒ ሥራሕ ብምሥጢር፣ ብታሪኽ፣ ብጸሎትን ብዝኣመሰሉን መልክዕ ድንቅን ፍሉይን ምዕርጉን ብዝኾነ ኩነታት ኣውኂዱ ደሪስዎ እዩ።

ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጣዕማን ፍቕራን ምስጋናኣን ኣዝዮም ዝናፍቁን ዝበዝኃሎምን ቅዱስ ኤፍሬምን ኣባ ህርያቆስን ውድሴኣን ቅዳሴን ከምዝተገለጸሎም፣ ንፍቕራ ኣዝዩ ዝብኅግ ዝነበረ አባ ጽጌ ድንግል'ውን ነዚ ማኅሌተ ጽጌ ንኽደርስ ኣብቒዓቶ'ያ። ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ ማኅሌተ ጽጌ ብመልክዕ ኣደራርሳ ሥርዓት ዝተደርሰ ክኸወን ከሎ ነዚ ንምርኣይ ንኽጥዕም በዞም ዝስዕቡ ክፍልታት ከፋፊልና ብምቅራብ ከም እግዚአብሔር ፍቓድ ክንርእዮ ኢና።  

                                           1 ጸሎት

 
ጸሎት ክንብል ከለና ብዝተፈለየ መልክዕ ጸሎቱነቱ ንምርኣይ እምበር ሙሉእ ድርሰቱ ጸሎት እዩ። ካልኦትውን ከምኡ ታሪኽ፣ ተግሳጽ፣ ምሥጢር ተባኂሎም ምኽፋሎም ብዝበዝሐን ብዝጎልሐን ንምግላጽ እዩ እምበር ኩሉ ኣብ ኩሉ ኣሎ። ብምቅጻል ብጸሎቱነቶም ጎሊሖም ዘረኣዩ ውሽጢ ዝተወሰኑ ንርአ።
አንብርኒ ማርያም ውስተ ልብኪ ከመ ኅልቀት፣ 
ወከመ ማዕተብ ፁርኒ በመዝራዕትኪ ልዕልት፣ 
በእንተ ርስሐትየሰ ኢትመንንኒ ንግሥት፣ 
እስመ ወሀብኩ ንብረትየ ለፍቅርኪ ሞት፣ 
ዘአሠገርዎሙ ለሰማዕት በጽጌሁ ሕይወት፡፡

ጠቢበ ሰለሞን << ከም ማኅተም ኣብ ልብኻ ከም ማኅተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ >> መኃ.8-6። ይብል። እዚ ከኣ ናይ ምእመናን ናይ ክርስቶስን ሓድነት ዝገልጽ እዩ። << አንብርኒ ማርያም ውስተ ልብኪ ከመ ኅልቀት፣ ወከመ ማዕተብ ፁርኒ በመዝራዕትኪ ልዕልት፣>> ማለት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከም ማኅተም ኣብ ልብኺ ኣንብርኒ ብምባል ብኣደነትኪ ብኣማላድነትኪ ኣይትርስዕኒ ድኅሪ ምባሉ << በእንተ ርስሐትየሰ ኢትመንንኒ ንግሥት>> ይብል። እዚ ማለት ኣይትርስዕኒ ኣብ ልብኺ ኣንብርኒ ኢለ ዝልምነኪ ጽቡቕ ምግባር ስለዝኃለወኒ ኣይኮነን።  ብምኽንያት ኽፋእ ተግባረይ ብኃጢኣተይን ሸለል ኣይትበልኒ፣ ንዓይ ንሓጥእ ወድኺ ኣይትርስዕኒ፣ ብምባል ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብርኅሩኅ ልባ <<መሐር ወልድየ ወተዘከር ኪዳንየ።>> እንዳበለት ከተማልደና ክትልምነልና ዘዘኻኽር ጸሎት እዩ።


ሶበ አተቦ ለማይ በቅዳሴኪ እንዘ ይጼሊ፣ 
ረሰዮ ኅብስተ ጽጌ ሃይማኖት ሳሙኤል ዘሐቅለ ዋሊ፣ 
ምሕረተ ወፍትሐ ለተአምርኪ እኀሊ፣ 
ሥረዪ ኃጢአትየ ወዕፀብየ አቅልሊ፣ 
እስመ ገቢረ ማርያም ትክሊ፡፡

አባ ሳሙኤል ዘዋልድባ ቅዳሴ ማርያም እንዳደገሙ ማይ ብተኣምራተ እግዚአብሔር ኅብስት ይኾነሎም ኔሩ። በዚ ተኣምር ድኅሪ ምድናቖም << ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኩሉ ምግባር ትኽእሊ ኢኺ። ኃጢኣተይ ኣስተስርይለይ።>> ይብሉ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴ.17-20። << ብሓቒ እብለኩም ኣለኹ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም ነዚ ኸረን ድማ ካብዚ ናብቲ ኣልግስ ትብልዎ ንሱ ኸኣ የልግስ ዚሰኣነኩምውን የለን።  >> ብምባል ዝኣመነ ዝሰኣኖ ነገር ከምዘየለ ተዛሪቡ እዩ።

 ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ << ክትጸንሲ ኢኺ፣ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ…>> ኢሉ ብሥራት ምስ ነገራ፣ እዚ ነገር ከመይ ጌሩ ይዀነለይ፣ ኢላ ምስ ሓተቶቶ << እስመ አልቦ ነገር ለእግዚአብሔር። ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የለን።>> ምስ በላ ብፍጹም እምነት << ይኩነኒ በከመ ትበለኒ ከም ቃልካ ይኹነለይ ። >> ብምባል ዝተቐበለቶ።



እዚ ከኣ ቅድስት ኤልሣቤጥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ << እቲ ካብ እግዚአብሔር እተነግርላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ እታ ዝኣመነት ብጽዕት እያ።>> ሉቃ.1፡4። ንዝአመኑ ኩሉ ዝከኣል ካብ ኮነ፣ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝምኅጸን ኩሉ፣ ንኣምላኽና ዝወለደት መትኅተ ፈጣሪ መልዕልተ ፍጡራን፣ ካብ ፈጣሪ ንታሕቲ ካብ ፍጡራን ንላዕሊ ስለዝኾነት ንዓዓ ከኣ ዝሰኣና ነገር የለን። ነዚ እዩ ከኣ ንዓኺ ዝሰኣነኪ ነገር የለን ኃጢኣተይ ኣስተሥርይለይ፣ ዝኸበደኒ ኩሉ ኣቅልልለይ ብምባል ዝለመነ።  
ተአምርኪ ማርያም ተሰብከ በኦሪት፣ 
አመ ተሰነዓውኪ ጳጦስ ምስለ መለኮት፣
ዘርእየኪ ሙሴ ሊቀ ነቢያት 
ጸልልኒ በአዕፁቅኪ ሐመልማላዊት ዕፀት 
ሦከ ኃጢአትየ ያውዒ ጽጌኪ እሳት፡፡ 
ኣዴና ቅድስተ ቅዱስን ድንግል ማርያም፣ << ሃልሃልታ ሓዊ ምስ ሓመልማል ተዋሂዱ ሙሴ ኣብ ድብረ ኮሬብ ምስ ረኣየኪ ተኣምርኪ ተሰብከ ተነግረ። ምሳሌኺ ብሓመልማልን ብእሳትን ኣምሳል ዝተራእየ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጽጌ ወድኺ ኃጢኣተይ ክድምስሰለይ ከጥፍኣለይ ምእንቲ ኣብ ጽላልኪ ኣውዕልኒ። >>

ሙሴ ኣብ ምድረ ሚድያን ኣብ ስደት ኣብ ዝነብረሉ እዋን ናይ ሓሙኡ የትሮ ኣባጊዕ ይጓሲ ኣብ ዝነብረሉ እዋን ከሎ ኣብ እምባ ሆሬብ ሓደ ድንቂ ራእይ ረኣየ። ቁጥቛጥ ከይተቓጸለት ረኣየ። ዘጻ፣3-3። እዚ ምሥጢር ናይ ተዋህዶ ምሳሌያዊ ራእይ እዩ። ሓመልማል ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱስን ድንግል ማርያም  ምሳሌ ክኸውን ከሎ፣ ሓዊ ድማ ናይ መለኰት ምሳሌ እዩ። ናይ'ቲ ሓመልማሉ ርጥበት ነቲ ሓዊ ዘይምጥፉኡ ኣምላክ ሰብ ክኸውን ከሎ ካብ መለኰት ትሕት ከምዘይበለ ዝገልጽ ምሳሌ እዩ። ሓዊ ድማ ንሓመልማል ዘይምቕጻሉ መለኰት ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱስን ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ኣብ ዝተዋህደሉ ጊዜ  ጸዋሪተ መለኰት ምዃናን ከምዘጸንዐትን ከምዘየቓጸላ ንኸረድእ እዩ። ቅዱሳን መልኣኽቲ ብረዓድን ፍርሕን ምንቅጥቃጥን ዝሰግድሉ ኣምላኽ ንሳ ግና ኣብ ማኅጸና ጼራቶ።

ደራሲ አባ ጽጌ ድንግል እመቤታችን ንክርስቶስ ናይ ምውላዳ ተኣምር ንሳ ኣደ ኣምላኽ ምዃና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝንገር ዝነበረ ምዃኑ ድኅሪ ምዝካሩ ጸሎቱ «ጸልልኒ በአዕፁቅኪ ሐመልማላዊት ዕፀት ሦከ ኃጢአትየ ያውዒ ጽጌኪ እሳት» ብምባል የቕርብ። እዚ ማለት << ምስ ሓመልማል ተዋሂዱ ዝተረኣየ እሳት ጽጌ (ወድኺ ክርስቶስ) ኃጢኣተይ ከሥተሥርየለይ ምእንቲ ኣባኺ ሓመልማል ኣጸግዕኒ>> ማለቱ እዩ። 

ቅዱስ ዳዊት  <<ከም ፍሡሐን ኵሎም እለ ይነብሩ ውስቴትኪ ። ኣባኺ ዝነብሩ ኵሎም ደስ ክብሎም እዩ። …..>>መዝ.86 (87)፣7። ኢሉ ከምዝነግረና።  ኣብ ጽላል ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣደነትን ኣማላድነትን ዝነብር ኩሉ፣ ካብ ወዳ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ሥርየተ ኃጢያት ረኺቦም፣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ በዚኂሎም ሕጉሳት ክይኖም ከምዝነብሩ ዝተነግረ ትንቢት ምፍጻሙ ዘረድእ እዩ።
2.        2 ታሪኽ
2.1 
እስከ መነነቶ ሜልኮል ቅድመ ታቦተ ሕግ ከመ ዘፈነ፣
ንጉሠ እስራኤል ኪያኪ ዘጸገየ ስነ፣ 
     ቅድመ ገጸ ሥዕልኪ ድንግል እዘፍን አነ፣
  ዘይሜንን ተአምረኪ ወስብሐተኪ ቁርባነ፣
  በአፈ መላእክት ወሰብእ ለይኩን ምኑነ፡፡
ይቕጽል….. ብሰላም የጽንሓና።
                                                                    ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣                                                  
                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል፣
 ወለመስቀሉ ክቡር።




 

2 comments:

  1. ሰላም ንዓኹም ይኹን ብክርስቶስ ኣሕዋተይ። ከመይ ትኾኑ ኣለኹም፡ ብጸጋ ኣምላኽ ዝጎደለ ኩሉ ምሉእ ምዃኑ ይኣምን እየ። ብምቕጻል ነዛ ጽሑፍ ምስ ኣንበብኩዋ ብጣዕሚ ደስኢሉኒ ከምኡ'ውን ኣደይ ማርያም ክሳብ ኪንደይ ፈቃርን ኣደ ሽጉራት ምዃና ኣስተንቲነ ኣሚነ ምስዚልምና ዝደልዮ ነገር ኪረኪብ ከም ዝኽእል፥መድሃኒኣለም ክርስቶስ ሰማዕ ኣዲኡ ከምዝኾነ'ውን መርሚረ ኽፈልጥን ከም ዘለኒ ንኣምላኽ ጸግኡ ከብዝሓለይ ኣትሪረ ይምሕጸኖ። ነቶም ነዚ ጽሑፍ ዘበርከትኩም ኣሕዋት ድማ ጸጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምሳኹም ይኹን። መድሃኒኣለም ይባርኽኩም።

    ReplyDelete
  2. Egzeabher xegu yebhzhalkum yehwat

    ReplyDelete