Tuesday, November 6, 2012

ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን (3) መወዳእታ ክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን፣
  ናይ መወዳእታ ክፋል 


ምሥጢር

 (Click for PDF)ኣብዚ ኣርእስቲ ንርእዮ ኣብ ብሉይን ሓዲሽ ኪዳንን ዝተነግረ እንዳማሳሣጠረ፣ ብብዙሕ ምሳሌን ትንቢትን ዝንገር ዝነበረ ናይ ኣምላኽ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላድ ትንቢት ምስ ፍጻሜኡ እንዳዛመደ ዝነግር እዩ።

1 ዘብኪ ተባረኩ ወተቀደሱ አሕዛብ
ትእምርተ ግዝረቱ ወዘርዑ ለአብርሃም አብ
ጽጌ ድንግልናኪ በግዕ ለቤዛ ይስሐቅ ውሁብ
ማርያም ዕፀ ሳቤቅ ወምሥራቅ ዘያዕቆብ
ወላዲቱ ለሥርግው (ለሥግው) ኮከብ።
<< ኣህዛብ ብኣኺ ዝዝተባረኹ ናይ ኣብርሃም ናይ ግዝረቱን ዘርኡን ምልክት ንስኺ ኢኺ። ናይ ድንግልናኺ ጽጌ በግዕ (በጊዕ) ንቤዛ ይስሓቅ ተዋህበ። ኦ ማርያም ዕጼ ሳቤቅ ወላዲቱ ለሥርግው( ኮኾብ ዝወልድኪ) ወምስራቅ ዘያዕቆብ ንስኺ ኢኺ።>>


 እግዚአብሔር ንኣብርሃም ካብ ሃገሩን ወገኑን ተፈልዩ ንሱ ናብ ዘርእዮ ሃገር ክኸይድ ምስ ኣዘዞ። << በዘርዕከ ይትባረኩ ኩሎም አሕዛበ ምድር። ዓሌታት ኩላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም። >> ዘፍ.12-3። ኢሉ ቃልኪዳን  ኣትዩሉ። ካብ ኣህዛብ ዝፍለየሉ ንእግዚአብሔር ዘምልኽ ምዃኑ ዝፍለጠሉ ምልክት ግዝረት ከኣ ሂብዎ። ከምዚ ክብል << ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም በሎ ንስኻ ከኣ ኪዳነይ ክትሕሉ ኢኻ ፣ ንስኻን ብድሕሪኻንውን ዘርእኻ ካብ ወለዶኦም  ትሕልው። ኣብ መንጎይን መንጎኻን ብድሕሪኻ ድማ ኣብ ዘርእኻ ዘሎ እሞ ንስኻትኩም እትሕልውዎ ኪዳን እዚ እዩ፣ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዘበለ ኩሉ ይገዘር።. >> ዘፍ.17፣-9-11። << ኣህዛብ ኩሎም ብኣኻ ክባረኹ እዮም። ዝብል ተስፋ ብይስሓቅ ኣይተፈጸመን። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ደቂሰባት ዝነበረ ርግማን (መርገም) ብይስሓቅ ክውገድን ክድምሰስን ስለዘይክእል፣ ብይስሓቅ መሥዋእቲ ዓለም ክትድኅን ስለዘይትክእል እዩ። ነዚ እዩ ከኣ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዛ ዓለም መጺኡ በጃ ኮይኑ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኣብ ቀራንዮ ዝሞተልና ። ስለዚ እቲ ብዘርእኻ ኩሎም ኣህዛብ ክባረኹ እዮም ተባሂሉ ንኣብርሃም ዝተነግሮ ናይ ተስፋ ቃል ዝተፈጸመ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብድንግልና ተወሊዱ ሰብ ምስ ኮነ እዩ። ኣምላኽ ክዋሃዶ ዝኽእል ንጹህ ሥጋን ነፍስን ሒዛ ዝተረኽበት ንኣብርሃም ዝተነግሮ ተስፋ፣  ፍጻሜ ዝረኸበ ብኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እዩ። 

ንኣብርሃም ዝተዋህበ ግዝረት ናይ ጥምቀት ምሳሌ እዩ። ኣብቲ እዋን ዝኣመነን ዘይኣመነን ዝፍለይ ብግዝረት ከምዝነበረ ኩሉ ሎሚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝበ እግዚአብሔርን ኣህዛብን መፍለይ ምልክት ጥምቀት እዩ። ካብ ኣህዛብ ዝፈልየናን ደቂ እግዚአሔርን ወረስቱ መንግሥቱ ዝገብረናን፣ ጥምቀት ተጠመቑ ዝበለናን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ስለ ዝተወልደ  እዩ።
 ነዚ እዩ  << ዘብኪ ተባረኩ ወተቀደሱ አህዛብ  ትእምርተ ግዝረቱ ወዘርዓ ለአብርሃም አብ>> ዝበሎ  ደራሲ አባ ጽጌ ድንግል ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም እዩ። እብ.2-16። ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወለደት
ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም'ውን ካብ ዘርኢ ኣብርሃም ምዃና ወንጌላዊ ማቴዎስ ኣብ ምዕራፍ ሓደ ብዝግባእ ኣረዲኡና እዩ። ንኣብርሃም ዝተዋህቦ ተስፋ ብጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በጃነት ኣማናዊ ምዃኑ የረድኣና።

 ጽጌ ድንግልናኪ በግዕ ለቤዛ ይስሐቅ ወሁብ ማርያም ፅፀ ሳቤቅ ወምስራቅ ዘያዕቆብ  ወላዲቱ ለሥርግው ኮከብ

      ይስሓቅ ንመሥዋእቲ ኣብ ዝቀረበሉ እዋን ካብ ሞት ዘድኃነቶ በጊዕ ካብዚ መጺኡ ከይተባህለ ኣብ ድኅሪት ቀርኑ ብዕፀ ሳቤቅ (ሓረግ) ተታሒዙ ተረኺቡ እዩ። ዘፍ.22-13። ኣብርሃም ነቲ በጊዕ ሠዊኡ ንዝተኣስረ ይስሓቅ ፈቲሕዎ። ይስሓቅ ናይ ዓለም ምሳሌ ክኸውን ከሎ እቲ በጊዕ ከኣ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ። እቲ በጊዕ እተታሕዘሉ ዕፀ ሳቤቅ (ሓረግ) ድማ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምሳሌ እዩ። እቲ በጊዕ ኣብ ዕፀ ሳቤቅ (ሓረግ) ተታሒዙ ከምዝተረኽበ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እዩ። እቲ በጊዕ ቤዛ ኮይኑ ንይስሓቅ ካብ ሞት ከምዘድኃኖ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ስለ ናይዛ ዓለም ሓጥያት ሞይቱ ነዛ ዓለም በጃ ኮይንዋ እዩ። ዮሓ.3፣16-17።  
 ደራሲ ናይ ምሳሌ ምፍጻሙ ድሕሪ ምርዳእ << ወምሥራቅ ዘያዕቆብ >> ይብል። በለዓም << ኮኮብ ይሠርቅ እም ያዕቆብ ወየአትት ኃጢአተ እም እስራኤል። ካብ ያዕቆብ ኮኾብ ይወጽእ ንሓጥያትውን ካብ እስራኤል ከጥፍእ እዩ።>> ኢሉ ትንቢት ከም ዝተዛረበሉ ኮኾብ ዝወለደት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምዃና ዘረድእ እዩ። ዘሁ.24-17። ኢሳ.27፣9። 59፣20። ሮሜ.11፣26።     

2. «ሰመዩኪ ነቢያት እለርእዩ ኅቡአተ፣
ገነተ ጽጌ ዕፁተ ወልኅተ ምሥራቅ ኅትምተ፣
እግዚአብሔር ወሀበ እንዘ ይብል ለቤተ ዳዊት ትእምርተ
ከመ ትፀንሲ ድንግል ወትወልዲ ሕይወተ
ኢሳይያስኒ ነገረ ክሡተ፡፡»

ትርጉም
<< ንምሥጢርኪ ዝረኣዩ ነብያት ዝተዓጸወት ናይ ምብራቕ  ደገ (ማዕጾ) ዝተኃትመት ገነት እንዳበሉ ጸዊዖሙኺ። እግዚአብሔር ንቤተ ዳዊት ድንግል ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ከምትወልድ ብነብዩ  ኢሳይያስ ኣቢሉ ብግልጺ ነጊርዎ። >>
ነቲ ርሑቅ ኣቅሪቦም ንዝመጽእ ዝኸውን ብትንቢት መነጽር ኣቅሪቦም ዝረኣዩ ሥውር ምሥጢር ዝተገልጸሎም ነብያት << ገነተ ጽጌ ዕፁተ ወልኅተ ምሥራቅ ኅትምተ። ዝተሓትመት ምንጪ ዝተዓጽወት ናይ ምብራቕ  ደገ (ማዕጾ)  >> እንዳበሉ ጸዊዖሙኺ።
ሰሎሞን ኣብ መኃልየ << ኣቲ ሓፍተይ መርዓተየ እተሸጐረ ገነት፣ ዕጽው ዔላ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ።።>> መኃ.4፣12። ይብላ። በዚ ከኣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም

ሀ. ዝተዓጽወ (ዝተሸጐረ) ገነት

ለ. ዕጽው ዔላ ሕቱም ዓይኒ ማይ ።  ተመሲላ፣ ንምንታይ?


ሀ. ዝተዓጽወ (ዝተሸጐረ) ገነት

 ኣብ ውሽጣ ኣታኽልቲ ክህሉ ከሎ ግና ናብታ ቦታ ክበጽሕ ዝኽእል ግና የለን ተዓጽያ እያ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብንጽህናን ብድንግናን ዘልዓለማዊ ንጽህትን ድንግልን ስለዝኾነት፣ ካብኣ ዝተወልደ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ።
ናይ ኣታኽልቲ ቦታ ዘርኢ ከይተዘርኦ ወይ ከኣ ከይተተኽለን ምክንኻን ከይተገብሮን ክፈሪ ኣይክእልን እዩ። እዚኣ ገነት ዋላ ሓደ ዘይኣተዋ ዝተዓጽወት ክትክውን ከላ ተኽሊ ግና ኣለዋ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብድንግልናን ብንጽህናን ዝጸንዐት ስለዝኾነት እንበለ ዘርእ ንይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ወሊዳቶ እያ።

ለ. ዕጽው ዔላ ሕቱም ዓይኒ ማይ

ዓይኒ ዒላ ዝተሓትመ ኪኸወን ከሎ ግና ማይ ኣለዎ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብድንግልና ዝጸንዐት ክትከወን ከላ፣ ኣደ ኰይና ከኣ ንይታን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ወሊዳ እያ። ሕዝቅኤል << ወርኢኩ ኅኃተ በምስራቅ፣ ኅቱም በዐቢይ መንክር ማኅተም አልቦ ዘቦአ ዘእንበለ እግዚእ ኃያላን ቦአ ውስቴታ ወወጽአ…..፣  ናብ ምብራቕ እትርኢ ወጻኢት ደገ መቕደስ መለሰኒ፣ ዕጽውቲ
ከኣ እያ። እግዚአብሔር ድማ በለኒ ፣ እዛ ደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን ኣይተከፈት ሰብውን ኣይእተዋ። እግዚአብሔር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር።  ሕዝ.44፣-1-3።

እግዚአብሔር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ፣ ምባሉ። ካብ ሰለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ካብኣ ተጸኒሱ ተወሊዱ እዩ።
 ነብየ እግዚአብሔር ሕዝቅኤል ዝረኣዮ ትንቢት ብንባብ ትርጉሙ ተወሲዱ ቤተመቅደስ እዩ ከይብኃል ቤተ መቅደስ ዝስራሕ ሕዝቢ ኣምልኾት ክፍጽመሉ ስለዝኾነ ድኅሪ ምስርሑ ንምንታይ ይዕጾ። << ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ ቤተመቅድስ ይግበሩለይ ፣>> ከምዝብለ ዘጻ.25-8።

ባዕሉ ነብየ ህዝቅኤልውን ብዛዕባ ቤተመቅደስ ኣብ ዝተዛረበሉ ቦታ << መሥዋእቲ ምሕራር ወይስ መሥዋእቲ ምስጋና ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ከቕርብ ከሎ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ይኽፈተሉ >> ሕዝ.46፣12።  ሰሎሞንን ሕዝቅኤልን ፡፡ ብትንቢትን ተምሳሌት ዝተዛረቡላ ወላዲተ ኣምላኽ ድንግል ማርያም ምዃናን ድሕሪ ምዝካሮም፣ ነብያት ጥራሕ ዘይኮኑ እግዚአብሔር'ውን ምልክት ምኃቡ ከምዚ ክብል ይገልጾ። << እግዚአብሔር ወሀበ እንዘ ይብል ለቤተ ዳዊት ትእምርተ ከመ ትፀንሲ ድንግል ወትወልዲ ሕይወተ ኢሳይያስኒ ነገረ ክሡተ።>>  ነብዩ ኢሳይያስ << ስለዚ እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፣ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ከኣ ክትወልድ እያ፣  ስሙ'ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።>> ኢሳ.7።.13-14  ብማለት እግዚአብሔር ንሰብ ይቅረ ኢሉ፣ ንዝሃቦ ተስፋ ናይ ምፍጻሙ ምልክት ብድንግልና ምውላድ ምዃኑ ተዛሪቡ። መልአከ እግዚአብሔር ንጓሶት ናይ ይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ብሥራት ድኅሪ ምንጋሩ ከይዶም ከምዝረኽብዎ ምስ ለኣኾም << ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፣….. >> ኔሩ ዝበሎም። ሉቃ.2፣12። ሰብአ ሰገልውን << ነቲ ህጻን ምስ ኣዲኡ ማርያም ረእዮሞ። >>ማቴ.2፣11። ናይ ድኅነትና ምልክት፣ ይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብድንግልና ምውላዱን ንዓለም ምግላጹን እዩ።
ንሕና'ውን ከም ሰብአ ሰገል ሓቐና ክርስቶስ ንረኽቦ ምስ ኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እዩ። ናይ ሓቐኛ ሃይማኖት ምልክት'ውን ስለዝኾነት ። ንይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብድንግልና ወሊዳ ፣ ኣብ ስደቱ፣ ኣብ መዋዕለ ትምህርቱ ፣ ኣብ ሥቅለቱ ፣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንሓዋርያት ክዕድል ከሎ ኣብ ኩሉ ምስኡ ኔራ፣ ፈጺማ'ውን ኣይተፈለየቶን። ስለዚ ንሕና'ውን ረቂቅ ምሥጢር ርእዮም ነብያት ብዝተፈላለየ ስያሜ ከምዘመስገንዋ ከነመስግና ይግበኣና። በዚ ከኣ ንሕና ኢና ንጥቀም ። እሳ እሞ ኩሉ ግዜ ዝተመስገነት እያ።  
3. አርምሞትኪ ማርያም ኃለፈ እምአንክሮ 
እስከ ንሬኢ ሕዝብኪ ለተአምርኪ ግብሮ
ገነትኪ ትፅጊ ሰላመ ወተፋቅሮ
ዕለ ያማስኑ ለዓፀደ ወይንነ ወፍሮ
 
ቈናጽለ ንዑሳነ አፍጥኒ አሥግሮ።


ትርጉም

<< ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣርሞሞኺ ካብ ኣድንቆት (ምድናቅ) ንላዕሊ እዩ፣ ብምድናቅ ዘይፍጸም ኮነ። ነታኽልቲ ወይኒ ዘበላሽዋ ወኻሩ ነተን ኰራኵር ወኻሩ ንምሓዝ ፍጠኒ።>>

ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ  << ወትወዲዩ ለኩሉ ውስተ ልባ፣ ነዚ ኩሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት። >> ሉቃ.2፣51። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣርምሞ ብጣዕሚ ዘድንቅ ምዃኑ ገሊጹ'ዩ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ማንም ፍጡር ዘይሰምዖ ብሥራተ መልኣኽ ዝሰምዔት፣ ንማንም ዘይተገበረ ብድንግልና ፀኒሳ ምውላዳ ዝተዓደለት፣ ንማህጸና ዓለም ጌሩ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልቲ ክምስገነላ፣ ናይ መላእኽቲ ቅዳሴ እንዳሰሞዐት፣ ንፈጣሪኣ ዝወለደት ካብ ኩሉ ፍጥረት ሰብን ካብ ሱራፌኤልን ኩሩቤልን ዝበልጽ ክብርን ጸጋን ዝተዓደለት ኮይና ከላ፣ እሳ ግና ኣብዚ ዓለም ክትነበር ከላ ኩሉ ነገር ኣብ ልባ ካብ ምግባር እንተዘይኮይኑ እዚ ረኣኹ እዚ ሰማዕኩ ኣይበለትን። ሄዋን ዕጸ በለስ ምብላዕን ጸጋኣ ክትስእን ዝገበራ ንዓዓን ንኣዳምን ዝተነግረ ምሥጢር ኣውጺኣ ንዲያብሎስ ብምንጋራ እያ። ኣዴን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ግን ኩሉ ነገር ኣብ ልባ መዝገብ ጌራ ብምሓዛ ዝተመስገነት ኮይና። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም መዝገበ ምሥጢር ናይ ኣምላኽና እያ።

ካብ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝተመሃርናዮ ኣርምሞ እዩ። ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጲላጦስን ሊቃነ ካህናትን ካበይ ኢኻ መጺእካ?  መን'ኻ? ትምህርትኻስ እንታይ እዩ? ኢሎም ክሓትዎ ከለዉ። ትም እዩ ዝበለ እምበር ዋላ ሓንቲ ኣይመለሰሎም። ክንሠቅለካ ሥልጣን ኣለና ምስ በልዎ እዩ ጥራሕ ዝመለሰሎም። ንሕና'ውን ካብ ኣቦና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝረኣናዮ ኣብነት ክንዝክርን ክንርእን ኣብ ልብና ቀሪጽና ኩሉ ግዜ ክንመሃረሎም ይግበኣና። ዮሓ.19፣9። ማቴ.27፣14።

ደራሲ ኣባ ጽጌድንግል ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣርምሞ ድሕሪ ምድናቁ ጠቢበ ሰሎሞን << አሥግሩ ለነ ቈናጽለ ንዑሳን እለያማሰኑ ዓጸደ ወይንነ ፣ ነታኽልቲ ወይኒ ዘበላሽዋ ወኻሩ ነተን ኰራኵር ወኻሩ ኣጻዊድኩም ሓዙልና። መኃ.2፣15።>>.  ከምዝበለ ናይ ወይኒ ቦታ ዝተባህለ ናይ ሕጊ መሓለዊ ልብና ከበላሹዎ ናብዝን ናብትን ዝብሉ ብወኻሩ ዝተመሰሉ መናፍቃንን ኣጓንንትን ከተዐግሰልናን ከተጥፈኣልናን ናብኣ ክንጽልይ ከም ዝግበኣና ድኅሪ ምግላጽ።
«ትመስል እምኪ ማርያም ዕለተ ሣልስተ ወራብዕተ ዘወለደት ጽጌ ወፀሐየ ዓለም ብርህተ ካዕበ ትመስል ሳብእተ ዕለተ እስመ ፈረየት ኪያኪ ተአምረ ግዕዛን ሰንበተ ላዕለ በሰማይ ወምድር ዘኮንኪ ዕረፍተ፡፡»

<< ኦ ማርያም ኣዴኺ (ሃና) ጽጌያት ዝተፈጥሩሉ ሳልሳይ መዓልቲ ጸሓይ ዝተፈጥረትሉ ራብዓይ መዓልቲ (ረቡዕ) ከሙኡ ከኣ እግዚ አብሔር ስርሑ ዝፈጸመላን ዘዕረፈላን ሻብዓይቲ መዓልቲ ትምሰል። ምኽንያቱ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘለዉ ኩሎም ዕረፍቲ ዝኾንኪዮም ንዓኺ ወሊዶም።>>      

እግዚአብሔር ኣብ ዕለት ሰሉስ ( ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ) ንዕጽዋት ፈጢሩ። ዘፍ.1-1-13 እዚኦም ዕጽዋት ጽጌያት ( ዕንበባታት) ካብ ጽጌያት ድማ ፍረ ይርከብ። ቅድስት ሃና ጽጌያት ብዝተፈጠርሉ ዕለት ሰሉስ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ድማ ብጽጌ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ካብ ጽጌ ዝተረኽበ ፍረ መሲልዎም። ኣብ ራብዓይቲ መዓልቲ ( ብዕለት ረቡዕ ጸሓይን ወርሕን ከዋክብትን ፈጠረ። ንቅድስት ሃና ብዕለት ረቡዕ ክምስላ፣ ከሎ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብጸሓይ መሲልዋ። ብሻብዓይቲ መዓልቲ (ሰንበት) ንኩሉ ሰብ ኩሉ ዕረፍቲ ክኸውንን ንኣብነትን እግዚአብሔር ካብ ኩሉ ሥርሑ ኣዕሪፉ ተባሂሉ ። ኣብዚ ዕለት ሰብ ኩሉ ካብ ሥጋዊ ድኻምን ላዕልን ታሕትን ዓሪፉ ንፈጣሪኡ እንዳመስገነ ይውዕል። ብኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኩሉ ሰብ ካብ መከራ ሥጋን ነፍስን ዓሪፉ ተግባረ ነፍሲ እንዳሰርሐ ንፈጣሪኡ <<ወሠርዓ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ።፣ ሰንበት ንደቂ ሰባት ዕረፍቲ ሰሪዕዋ።>> እንዳበለ ከመስግን ይውዕል።   

4. «
በላዕሌኪ ወበዮርዳኖስ ወበታቦር ሥልሰ ጊዜያተ
ዘአልቦ ተውሳከ ወአልቦ ሕፀተ
ለውሉደ ሰብእ ያርኢ ዘሥላሴሁ ገጻተ
ጽጌኪ ድንግል ተአምሪሁ ከሠተ
ወበጸዳሉ አብርሀ ጽልመተ»

ትርጉም

<< ኣባኺን ኣብ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስን ደብረታቦርን  ናይ ሰለስተነት (ምሥጢረ ሥላሴ) ሰለስተ ኣካል  ምዃኖም ንሰባት ገሊጹ ኣረዲኡ። ኦ ድንግል ጽጌኺ ተኣምራቱ ገሊጹ፣ ብብርሃኑ ንጸልማት ኣርሓቆ።>>

እግዚአብሔር ሓደነቱን ሠለስትነቱን ብግልጺ ዘርኣየና ኣብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስን ደብረታቦርን እዩ።

ሀ. መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ ገብርኤል ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከበስራ ከሎ ከምዚ ኢልዋ << «መንፈሰ እግዚአብሔር ቅዱስ ይመጽእ ላዕሌኪ ወኃይለ ልዑል ይጼልለኪ፡፡» መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ኪወርደኪ  እዩ ሓይሊ ልዑልውን ከጽልለኪ እዩ።>> ሉቃ.1-35።
መንፈስ እግዚአብሔር ኢሉ ንእግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ። ናይ ልዑል ኅይሊ ኢሉ ንእግዚአብሔር ወልድ ፣ ልዑል ኢሉ ንእግዚአብሔር አብ ብምጥቃስ ሠለስትነት ኣረዲኡ።

ለ. ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ << ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተጠምቀ ብኡብኡ ካብ ማይ ወጸ እንሆ ከኣ ሰማያት ተኸፍተ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ፣ እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ መጸ። >> ኢሉ። ማቴ.3፣16-17። ወልድ ክጥመቅ ከሎ፣ አብ ኣብ ደመና ኮይኑ ወደይ እንዳበለ ክምስክር መንፈስ ቅዱስ ድማ ብኣምሳል ርግቢ ክወርድ ብሓደ ግዜ ብሓንሳብ ተራእዮም እዮም። ሓደ እሱ እዩ ብዝተፈላለየ ስም ተጸዊዑ ከይብሉ ብሓደ ግዜ ሰለስቲኦም ብናይ ገዛእ ርእሶም መግለጺ ወልድ ብተዋህዶ ሥጋ ፣አብ ብደመና፣ መንፈስ ቅዱስ ብርግቢ ተገሊጾም።

ሐ. ኣብ ደብረ ታቦር እግዚአብሔር አብ ብደመና ኮይኑ << እንሆ ድማ ካብቲ ደመና ዝፈትዎ ወደይ ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ ንዑኡ ስሞዖዎ። ዝብል ድምጺ መጸ >> ብምባል ተዛሪቡ እዩ። ማቴ.17፣1-9።

5. «ዕፀ ደንጐላ ዘቆላ ወአኮ ዘደደክ
ዘጸገይኪ ጽጌ በማዕከለ አይሁድ አስዋክ
ተአምረ ድኂን ማርያም ዘልማድኪ ምሒክ
መሐክኒ ለምእመንኪ እምፃዕረ ኩነኔ ድሩክ
ተአምኖትየ ብኪ ኢይኩን በበክ፡፡»

<< ኣብ ማእከል እሾኽ ዝኾኑ ኣይሁድ ዘለኺ ናይ ደጋ ዘይኮንኪ ናይ ቆላ ዕንባባ ሹሻን ማርያም ብኣኺ ምእማናአይ ከንቱ ከይኮነኒ ኣነ ምእመንኪ (ብኣኺ ዝተኣመንኩ) ካብ ክፉእ ኣድኅንኒ ንስኺ ምሕረት ልማድኪ ስለዝኾነ። >>

ኣብ መኃልየ መጽሓፈ ሰሎሞን << ወከመ ጽጌ ደንጎላት በማዕከለ አሥዋክ ከማሁ አንቲኒ እንተ ኅቤየ በማዕከለ አዋልድ ። ከም ኣብ ማእከል እሾኽ ዝበቘለት ዕንባባ ሹሻን እያ ።>> ይብል። መኃ.2፣2።

ናይ ቆላ ሹሻን ዋላ እሾኽ እንተኸበብዋ ካብ ምፍራይን ምዕንባብን ንድሕሪት ኣይትብልን እያ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም'ውን ብዙሕ ተኣምራት እንዳረኣዩ ዘይኣምኑ ኩሉ ግዜ ምልክት ዝደልዩ ምግባር ክፋእ ዝኾኑ ኣይሁድ ኣብ መንጎም ኮይና ብሃይማኖት ምዕንባብን ፍረ ትሩፋት ካብ ምሥራሕ ኣይከልከላን። ደራሲ አባ ጽጌ ድንግል'ውን  ናይ ሰሎሞን ናይ ትንቢት ቃል ምፍጻሙ ከረድእ ከሎ ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ መንጎ ኣይሁድ ንፍረ ንክርስቶስ ወሊዳ ብምባል ይገልጾ። ናይ'ዚ ትንቢት ፍጻሜ ድሕሪ ምርድኡ «መሐክኒ ለምዕመንኪ እምፃዕረ ኩነኔ ድሩክ ተአምኖትየ ብኪ ኢይኩን በበክ» ይብል። እዚ ማለት << ብኣኺ ኣደነትን ቃልኪዳንን ንኣምን ኩልና ካብ ክፉእ ፍርዲ ኣድኅንና፣ ብኣኺ ምእማነይ ንዓኺ ተስፋ ምግባረይ ንኸንቱ ኣይኮነን እኳ።>> ብምባል ጸሎቱ የቅርብ።   

ስጋብ ሕጂ  ካብ ብዙሕ ብውሑዱ ዝረኣናዮ እዩ። ናይ ማኅሌተ ጽጌ ድርሰት ብጣዕሚ ብምሥጢርን ብኃይለ ቃል ዝተዓጀበ ፍሉይን ጣዕሙ ከኣ ዘይጽገብ ብምዃኑ ኩሉ ግዜ ከንብቦን ክንጽልዮን ይግበኣና።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር እዚ ናቱ ዝኾነ ጸጋ ኩላትና ናብኡ ቀሪብና ክንፈልጦን ማኅሌተ ጽጌ ብምጽላይን ማኅሌት ብምቋም  ምሕረቱ በዚሑልና ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በረከትን ረዴአትን ንኽንረክብ የብቐዓና።
ነዚ ከኣ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብበረከታን ረዲአታን ኣይትፈለየና።

                                                                                             ወስብሓት ለእግዚ አብሔር
                                                                                             ወለወላዲቱ ድንግል
                                                                                             ወለመስቀሉ ክቡር!

2 comments:

  1. ድካምህን አደንቃለሁ፡፡እኛንም አንብበን ለመጠቀም ያብቃን፡፡ የእናታችን እመቤታችን ረድኤት በረከት ለሁላችን ይሁን!!!

    ReplyDelete
    Replies
    1. Amen.... Melkam yetsom gize yihunln....... Lebrhane Lidetu Beselam Yadresen.

      Delete