Friday, November 23, 2012

ጸሎት 8ይክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።
ጸሎት
ብመንጽር ብኂል አበው፡ 8ክፋል

6.   ምንባዕ (ምብካይ)

(Click for PDF)ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡ ብዝከኣለና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተደፊእና ምሕረቱ ብንዓት ንለምን። ምኽንያቱ እቶም ዝበኽዩ ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም ስለዝብል።

ቅዱስ መቓርዮስ፡ ዝናብ ምስ ሃረመ፡ ምድሪ ፍሪኣ ትህብ። ደቂ ሰባት ድማ በዚ ደስ እናበሎም ይሕጐሱ። ከምኡ’ውን ንብዓት ዓይኒ ንልቢ የረሕሶ፡ ፍሪኡ ሰናይ መንፈሳዊ ፍረ ኮይኑ፡ ነፍስን ስጋን ደስታ ዝረኽቡሉ ድማ እዩ። ስለዚ ጽባሕ ብዘይጠቅም ኩሉ ኣካልና ከይነደደ ከሎ ሎሚ ንብዓት ዓይንና ኣይንብቀቕ። ከምዚ ምስ በለ መሪር ብኽያት በኸየ እቲ ዝሰምዖ ዝነበረ ህዝቢ ድማ ምስኡ በኸየ። ነቲ ቅዱስ ኣቦ ኣብ ጸሎቱ ንኽዝክሮም ድማ ተማሕጸኑዎ። 


ቅዱሳን ኣበው፡ “ቅድሚ ዓይንናን ኩሉ ኣካልናን ብሓዊ ምንዳዱ፡ ኣብ ዓለም ከሎና ብንብዓት ልብና ክንሓጽብ እዩ ዝግበኣና።”

ንሓደ ቅዱስ ኣቦ ዝሓተተ መንእሰይ፡ “ከመይ ገይረ እየ ክነብዕ ዝኽእል፤” መልሲ፡ “ሓጢኣትናን ክፉእ ምግባርናን ዝጽበየና ዘሎ ሞትን ክንዝክር እንተክኢልና ክንበኪ ንኽእል ኢና።”

ቅሳን ኣበው፡ “ከምቲ ጽላሎትና ኣብ ዝኸድናዮ ምሳና ዝኸይድ፡ ከምኡ’ውን <<ኣነ ብእህህታ ሰልክየ፡ ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶ>> (መዝ 6፡6) ዝበለ፡ ኣብ ዝኸድናዮ ንብዓት ምሳና ክህሉ ኣለዎ።
ቅዱሳን ኣበው፡ “ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምንባብ ዘይዘውትር ብዘይንብዓት ዝጽሊ ሰብ፡ ዝጠዓስ ልቢ ክህልዎ ኣይክእልን።”

ቅዱስ ማርቆስ ይስሓቕ፡ “እናነብዐ ዝጽሊ ሰብ፡ ንንጉስ ገጽ ንገጽ ረኺቡ፡ ዓቢ ህያብ ዝሃቦ ዘሎ ይመስል።” 
“ድሕነት ምእንቲ ክረክብ እንታይ ክገብር፤” ኢሉ ንሓደ ቅዱስ ኣቦ ዝሓተተ መንእሰይ፡ “ቀጻሊ ክትበኪ ይግበኣካ።” ኢሉ መለሰሉ። 


ሓደ ባሕታዊ ኣቦ ሓጢኣቱ ዘኪሩ ቀጻሊ ይበኪ ነበረ። ክበኪ ከሎ ድማ ጎረቤቱ ይሰምዖ ነበረ። እቲ ባሕታዊ ኣቦ ምብካይ ክኣብዮ ከሎ፡ “ኣንታ መታለሊ ንምንታይ ዘይትበኪ፤ ንምንታይ’ከ ዘይተልቅስ፤ ብፍታውካ እንተዘይነባዕካ፡ ከይፈተኻ ክትበኪ ኢኻ” እናበለ ንነፍሱ የዋርዳ ነበረ። ጽኑዕ ገመድ ገይሩ ንኽበኪ ንነፍሱ ይሀርማ ነበረ። እቲ ጎረቤቱ ተገሪሙ እዚ ስቓይ ቅኑዕ ምዃኑ ንኽግለጸሉ ንኣምላኽ ለመነ። ኣብ መንጐ ቅዱሳን ሰማእታት ደው ኢሉ ድማ ተገልጸሉ። “ምእንቲ ክርስቶስ ነፍሱ ዘዋርድ እዚ እዩ ዓስቡ” ዝብል ድምጺ ድማ ሰመዐ። 

ማርቆስ ኤፍፌም፡ “ኣብ ሰማያዊ ህይወት መድሃኒት ብገንዘብ ክሽየጥ ኣየፍቀድን እዩ። ዋግኡ ብደቂ ሰባት ኣይትመንን እዩ። ካብ ዘገርም ግን ንኹሉ ሰብ ብንብዓት ዝወሃብ እዩ። 

ቅዱስ ለንጊኖስ፡ “ንብዓት ንሰባት ጥምቀት ብዘይሓጢኣት ማለት እዩ።”

ኣርድእት ቅዱስ ለንጊኖስ፡ ኣብ ጸሎቱን ትምህርቱን ፍሉይ ትሕትና ነበሮ ይብሉ ንቅዱስ ለንጊኖስ። ሓደ እዋን ተማሃራዩ፡ “ሰብ እናበኸየ ንኣምላኽ ከገልግል ሕጊ ድዩ፤” መልሲ፡ “እወ ዝወደይ፡ ሕጊ እዩ። ግና  ንብኽያት ኣይኮነን ተፈጢሩ። እናበኸየ ክሕጐስን ክፍሳህን ንኣምላኹ ልቡ ኣንጺሁ፡ ከም መላእክት ሓጢኣት ከይሰረሐ ከገልግል እዩ። ካብ ሓጢኣት ንኽነጽህ እዩ ዝበክን ዝጉህን። ሓጢኣት እንተዘይነብር ነይሩ ምብካይ ኣይመድለየን።”

ህይወቱ ኣብ ጀርዲን ምክንኻን ዘሕልፎ ዝነበረ ሓደ መንእሰይ ነበረ። ንኽድሕን ብዙሕ ዝጋደል ዝነበረ ሓደ ጎረቤት ድማ ነበሮ። ሓደ እዋን እቲ ጀርዲነር፡ ናብ ሓደ ቦታ ክበጽሕ ምስ ደለየ፡ “በጃኻ ዝሓወይ ኣብዚ ቀረባ በጺሐ ክሳብ ዝምለስ፡ ነዚ ጀርዲነይ ሓልወለይ፤” ይብሎ። እቲ ጎረቤት ድማ፡ “ዓቕመይ ብዝፈቐዶ ከይተሃከኹ ክሕልወልካ እየ” ኢሉ ኣፋነዎ። እቲ ጥንቁቕ መንእሰይ ንነፍሱ ከምዚ ኢሉ መኸራ፡ “ሎሚ እየ ንጀርዲነይ ብብሕትውና ዝከናኸኖ። ቆኖና ሰሪዑ ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ከይደኸመ ይሰግድን ይምህለልን ይበክን ነበረ። ከምዚ እናበለ ድማ ቅድስት ሰንበት ኣርከበቶ። ንምሸቱ እቲ ካልኣዩ ምስ ተመልሰ፡ ጀርዲኑ ቅንፍዝ ክጻወቱሉ ከምዝወዓሉ ተመልከተ። እናጎሃየ ድማ ከምዚ በለ፡ “ኣምላኽ ምሕረቱ የብዝሓልካ ዝሓወይ። እንተስ ንጀርዲነይሲ ዝተረፎ የብሉን ቃዲሩ (ተበላሽዩ)” በሎ። ትቅብል ኣቢሉ እቲ ጎረቤቱ፡ “ይርደኣኒ፡ ግና ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ፡ ካልኣይ ግዜ ድማ ክልምልም እዩ”። “ንኺድ በል ማይ ነስቲዮ” ። “ደሓን ንስኻ ንግሆ ኣስቲዮ፡ ኣነ ድማ ምሽት ከስትዮ እየ።” ከምዚ ክብል መለሰሉ፡ “ዝሓወይ፡ ኣምላኽ እንተዘይረዲኡናስ ነዛ ዓመት እዚኣ ማይ ኣይክህልወናን እዩ” ። ትቕብል ኣቢሉ እቲ ካልኣዩ፡ “ብሓቂ፡ ዓይኒ ማያት ናይ ጀርዲን እንተነጺፉስ ድሕነት ኣይክህልወናን እዩ።” ነዚ ክብል ከሎ ድማ ዓይኒ ማያት ናይ ንብዓት ማለቱ እዩ። እቲ ንህይወቱ ድሕነት ዝኣወጀላ ጥንቁቕ መንእሰይ፡ እዋን ሞቱ ምስ ቀረበ፡ ነቲ ጀርዲነር ጎረቤቱ፡ “ዝኾነ ብሕማመይ ከይፈልጥ ስተረኒ። ንሎሚ ከኣ ምሳይ ጽናሕ። እንተዐሪፈ ከኣ፡ ንሬሳይ ኣብ በረኻ ደርቢዮ። ገለ መዐንገሊ ዝጠመዩ ኣሞራን ኣራዊትን እንተኾንኩ። ክቕበር ኣይግበኣንን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ብዙሕ ሓጢኣት ስለዝሰራሕኩ።” እና በኸየ እቲ ጀርዲነር ድማ “ሕራይ” በሎ። እቲ ዝናዘዝ ዝነበረ ድማ፡ “ቃል ኪዳን እተወለይ ነቲ ኩሉ  ዝበልኩኻ ገለ ከይየትረፍካ ክትፍጽመለይ፡ ኣነ ድማ ንሰናይካ ሓደ ነገር ክገብር እየ” ። ከምቲ ዝተባህሎ ድማ ገበረ። ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ እቲ ዝገሸ መንእሰይ ነቲ ጀርዲነር ተራእዮ፡ ከምዚ ድማ በሎ፡ “ከምቲ ንዓይ ኣምላኽ ዝመሓረኒ፡ ንዓኻ ምሕረቱ የብዝሓልካ። ሬሳይ ብዘይምቕባሩ ድሒነ። ኣምላኽ ድማ ከምዚ በለኒ፡ በቲ ዘርኣኻዮ ትሕትና ምስ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ኲንካ ኣለኻ በለኒ። ምሕረት ድማ ለሚነልካ ኣለኹ። ግና ነዚ ሒዝካዮ ዘሎኻ ጀርዲን ገዲፍካ ነቲ ካልኣይ ጀርዲንካ ሓልዎ። ምሳኻ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ብዙሕ ነቢዐ ነቲ ዝጽበየና ዝነበረ እሳት ከኣ ከም ዝጠፍእ ገበርኩዎ። ስለዚ ነቲ ዝሓሸ ተኸናኸኖ እምበር ኣብ ዘይየርብሕ ግዜኻ ኣይተጥፍእ።”  
   
ክልተ ኣሕዋት ቆኖንኦም ክፍጽሙ ከለው፡ ማለት ኣብ ጸሎት ክቖሙ ከለው፡ እቲ ሓደ ብክቱር ብኽያት ከንብቦ ዝግባእ መዝሙር ይርስዕ ነበረ። እቲ ካልኣዩ፡ “ኣብ ግዜ ጸሎት ንምንታይ ዘይትነቅሕ፤ ኢሉ ይዛረቦ ነበረ። እዚ ከኣ ድቃስ’ዶ ኾን ይስዕሮ ኣሎ፡ ኢሉ ኣብ ዝሓስበሉ ዝነበረ እዩ ዝሓተቶ። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ኣይኮነን። ከምልስ ከሎ፡ “ፍቑር ሓወይ፡ ጸልየለይ፡ ንጸሎት ክቐውም ከሎኹ፡ አብ ቅድሚ እቲ ፈራዲ ከም ዝቖውም ዘለኹ ኮይኑ ይረኣየኒ። ሃለዋተይ ድማ የጥፍእ። ምቛመይ ናይ ገበነኛ እዩ፡ ኩሉ ነፍሰይ ክርእያ ከሎ ከምዚ ክብለኒ ይሰምዖ፡ “ኣይሓጣእካን ዲኻ፤ ኣፈይ ብገለ ‘ኳ ክምልስ ኣይክእልን።” ። እቲ ካልኣዩ ድማ፡ “ክትበኪ እናረኣኹኻስ ንምንታይ ክበኪ ዘይክእል፤ ገና ነፍሰይ ኣብ ምትላል ስለዘላ እያ” እናበለ ንነፍሱ ከዋርዳ ይጅመር። ኣምላኽ ሰማይ ድማ ምስባር ልቡ ርእዩ ትሕትና ሓው ሃቦ።

ቅዱሳን ኣበው ዝበሉዎ፡ ኣብ ብሕትውንኡ ብዙሕ ዝጽዕርን ጸጋ ትዕግስቲ ዝነበሮን ቅዱስ ኣባ ቱደሪ ምስ ከድና፡ ብዛዕባ ሓደ መነኮሴ ኣዕለለና። እቲ መነኮሴ ናይ ንብዓት ጸጋ ነበሮ። ሓደ እዋን ብሓሳቡ ሕማቕ ምስ ሓሰበ፡ ብኽያቱ ጠጠው ከብል ኣይከኣለን። ብዝሒ ንብዓቱ ምስ ረኣየ፡ ንነፍሱ ከምዚ እናበለ ገሰጻ፡ ዕለተ ሞተይ ዘይምቕራቡ እዩ ዘመልክት። ነዚ ክዝክር ከሎ መሊሱ ይበኪ ነበረ። በዚ ብዙሕ ተማሂርና፡ ብዛዕባ ምንባዕ ሓተትናዮ፡
“ኣቦና፡ ንምንታይ እዩ ሓደ እዋን ንብዓት ይመጻና ካልእ እዋን ድማ ንብዓት ዘይመጻና፤”   

 መልሲ፡ “ንብዓት ከም ዝናብ እዩ። ባሕታዊ ድማ ከም ሓረስታይ እዩ። ሓረስታይሲ ክረምቲ ከይሓልፎ ይጥንቀቕ። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም፡ ሓንቲ መዓልቲ ዝናብ ዘለዋ ካብ ምሉእ ዓመት ብዘይዝናብ ትበልጽ። ስለሲ ዝናብ ምስ ንርኢ ብዝተኻእለ መጠን ስለንዕቅቦ፡ መዓስ ብኽያት ክመጻና ይኽእል ኢልና ክንጽበ ዘይኮነስ ብስቡር ልቢ ንእግዚኣብሔር ክንቐርቦ ይግባእ።” ደጊምና ድማ፡
“ንብዓት እንተመጻና ብኸመይ ክንዕቅቦ ንኽእል፤” ኢልና ሓተትናዮ።

መልሲ፡ “ንብዓት ኣብ ሰዓት፡ መዓልቲ፡ ወይ ዓመት፡ ይምጻእካ፡ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ነገር ግን፡ ሰባት ክትንዕቕ ኣይግበኣካን። ወይ ንውራይ ከብድኻ ክትጎዪ የብልካን። ንብዓትካ ቀጽል፡ ጸሎት ምስ ንባብ ቅዱሳን ጽሑፍቲ ወስኸሉ። ምኽንያቱ ኣብ ግዜ ሓዝንካ ኢኻ ነቲ ዝጐድኣካ ነገራት ተለሊ።” ነዚ ኣመልኪቱ ድማ ሓደ ዛንታ ነገረና፡

ሓደ መነኮሴ እዩ፡ ኣብቲ ዝጽልየሉ ዝነበረ ቦታ ኮፍ ኢሉ ዘንቢል ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ፡ ንብዓቱ ከም ወሓዚ ማይ ይፈስስ ነበረ። ክሰርሕ ኢሉ ምስ ዝፍትን፡ ንብዓት ይመጾ። ከንብብ’ውን ከምኡ ይገብሮ። መጽሓፍ ቅዱስ ክሕዝ ከሎ ንብዓት ይስዕሮ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ክሓድግ ከሎ ድማ ንብዓት የቋርጽ። ቅዱሳን ኣቦታት ሓቆም እዮም እናበለ፡ “ሓዘንሲ ንሰብ ብሓቂ እንታይ ከም ዝጠቕሞ ዘፍልጦ ዓቢ መምህር እዩ” ።  

7.   ኣብ እዋን ጸገም ረድኤት ኣምላኽ ምሕታት።

ቅዱሳን ኣበው ዝበሉዎ፡ ኣብ እዋን ጸገም ጸሊኻ ንኣምላኽ ረድኤቱ ምድላይ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ <<ኣምላኸዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ፡ ይጽመሞምዶኸ፤>> (ሉቃ 18፡7)

8.   ምንሳሕ

ቅዱስ ኣንጦንዮስ ዝበሎ፡ “እቲ ዝበለጸ ነገር ሓጢኣትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምንሳሕ እዩ። ስለዚ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ክንሓብእ የብልናን።” 

9.   ሰማያዊ ህያብ ምድላይ

ቅዱሳን ኣበው፡ “ልብኻን ኣእምሮኻን ኣብቲ ሰማያዊ ውርሻ ይኹን። ድሕነት ረኺብካ ወራሲ ክትከውን ኢኻ።”

ማር ይስሓቕ ካብ ዝበሎ፡
+ ግዝያዊ ነገራት ኣይትድለ፡ ብኡ ኣቢልካ ንኣምላኽ ከተሕስሮ ስለዝኾንካ። ሰማያዊ ጸጋታት ክህበካ ንኣምላኽ ለምኖ፡ ንሱ ድማ ጸጋታቱ ኣብ ልዕሌኻ ከፍስስ እዩ። ሰሎሞን ንኣምላኽ ጥበብ ክወሃቦ ለመኖ፡ ኣምላኽ ድማ ነዚ ትሕትና ርእዩ፡ ቱሩፋት ወሰኸሉ፡ ሃብትን ክብረትን ሰላምን ኣፍሰሰሉ። እስራኤል ንሽም እግዚኣብሔር ምምስጋን ስለዝሓደጉ ብውራይ ከብዶም ስለዝተገደሱ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስጋ ከም ድላይና ንበልዕ ነበርና ኢሎም ውን ስለዘማረሩ፡ ኩራ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊኦም ነደደ። እቲ ስጋ ኣብ ኩሩምቶም ከሎ ድማ ብርቱዕ መቕዘፍቲ ወረዶም። (ዘኁ. 11) ።

+ ንኽብሪ ኣምላኽ ዘይየሕስር ነገራት ለምን። ካብቲ ሰማያዊ ህያብ ምድራዊ ነገራት ኣይትሕተት። ምኽንያቱ ቅዱስ ቃሉ፡ <<ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም>> (ማቴ 6፡33) ኢሉ ስለዝምዕደና።

+ ሰማያዊ ነገራት ዝደሊ ነቲ ምድራዊ ነገራት ኣይናቱን እዩ።

+ ኣምላኽ ቀልጢፉ ዝሰምዖን ደስ ካብ ዘብሎ ነገራት፡ ሰብ ብውድቀቱ ዝልምኖ ምሕረት እዩ።

ቅዱስ ሙሴ ጸሊም ድማ፡ ናፍቖት ሰማያዊ ህይወት ኣብ ልብኻ ምእንቲ ክህሉ ንሰማያዊ ክብሪ ጸውዕ።

ድሕሪ ጸሎት
1.     ናይ ጸሎት መልሲ
ብሰላም የጽንሓና . . . .


ወስብሓት ለ እግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር! አሜን

No comments:

Post a Comment