Thursday, November 15, 2012

ሀገርኪ ናሁ ገሊላ እትዊ





በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።

እንቋዕ ኣብጽሓና!

 
 

ሕዳር 6 () በዓ እግዚእነ ወማርያም ወላዲተ አምላክ ውስተ ደብረ ቁስቋም

 

(Click for PDF)ኅዳር ሽዱሽተ ኣብዚ ዕለት እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎቱ ስብሐት፣ ምስ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ኣረጋዊ ዮሴፍን ሰሎሜን ሓቢሩ ካብ ስደት ኣብ ዝመለስሉ እዋን ድኅሪ ነዊሕ ኣድካዊ ጉዕዞ ደብረ ቁስቋም ካብ ዝነብሮም ድኻም (እምጻማ ፍኖት ) ዘዕረፍሉ ዕለት እዩ። 

ደብረ ቁስቋም ኣብ ግብጺ ትርከብ ቦታ ኮይና ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣረጋዊ ዮሴፍን ሰሎሜን ንነዊሕ እዋን ዝተቐመጡላ ቦታ እያ። ብድሕሪኦም እዛ ቦታ ተቀዲስን ከቢራን መኅደሪ ቅዱሳን ገዳም ኮይና ስጋብ ሕጂ ብዙኅ ተኣምራት ዝግበረላ ማኅደር ቅዱሳን ኣበው መንነኮሳት እያ። 


ኣብዚ ቅዱስ ቦታ እዚ ዳግማይ በድኃሪ መዋዕል (ኣብ ዳሕራይ ዘመን) ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ቁስቋም ቅዱሳን ሓዋርያት ኣኪብዎም፣ ታቦቱን ቤተክርቲያኑን ኣኽቢሩ፣ ናይ ቁርባን መሥዋኣቲ ሠሪዑ  ቅዱስ ሥጋኡን ደሙን ንኹሎም ወገናቱ ሂብዎም። ነዚ ከኣ ናይ እስክንድርያ ሊቃነጳጳሳት ቅዱሳን ኣቦታትና ቂርሎስን ቴዎፍሎስን ምስክር እዮም። ይብለና መጽሓፈ ስንክሳር ዘወርኃ ኅዳር 6.


ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብዚ ቅዱስ ቦታ ምስ ክቡር ወዳን ምስ ቅዱሳኑን ብፍሉይ ተኣምር እናተገልጸት ንምእመናን በረከታን ረዲኤታን ትህቦም ።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወበረከታ ለእግዝእእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላክ የሃሉ ምስሌነ ይሃሉ ለዓለመ ዓለም ኣሜን።
                                                        አርኬ
ሰላም ለአእጋሪከ ውስተ ደብረ ቂስቋም እለ ጌሣ። ሕፃነ ማርያም ክርስቶስ አመ ጐየይከ ደወለ ንሒሳ ። ወአመ በጽሐ ህየ እንዘ ይነሥእ ኃይለ አንበሳ። እንተ ሠመርከ በኅድዓት ለነፍሱ ታፍልሳ። ሰላም ሰላም ለወልደ ዮሴፍ ዮሳ።
ምንጪ ተአምረ ማርያም
መጽሓፈ ማርያም ስንክሳር

No comments:

Post a Comment