Wednesday, November 21, 2012

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!


ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

እንቋዕ ናብ ናይ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ብሰላም ኣብጻሓና!

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

(Click for PDF)ሚካኢል ዝብል ስም ናይ እብራይስጥ ቃል ኮይኑ ትርግሙ ከኣ << መን ከም እግዚአብሔር>> ማለት እዩ ። ከም እግዚአብሔር ዝበለ ቅዱስ ንጹህ ርህሩህ ሓያል ረቂቅ መን ኣሎ ማንም የለን እዩ መልሱ። ቅዱስ ሚካኤል ናይ መላእኽቲ ሓለቃ እዩ። ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ኣብ ቅዳሴኣን ዝማሬኣን ብጸሎትን መዝሙርን ኣማላድነት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ትሓትት።

ናይ ቅዱስ ሚካኤል ክብሪ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንቅዱስ ሚካኤል ንማንም ዘይተዋህቦ ዓቢ ክብሪ ከምዝተዋህቦ ተጻሒፉ ንረኽቦ። እዚ'ውን ኣብ ዕለተ ምጽኣት ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን መል ኣኽቲ ኣስዒቡ ብክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት ኣብ ዝመጻሉ እዋን ካብ እግዚ አብሔር ኣብ ልዕሊ ሙታን ሥልጣን ዝተዋህቦ ነዚ ሓያል መላኣኽ ቅዱስ ሚካኤል እዩ። ነዚውን ቅዱስ ጳውሎስ ኪገልጾ ከሎ << እነሆ ምሥጢር እነግረኩም ኣለኹ፣ ኩላትና ኽንልወጥ እምበር ኩላትና ኣይንክንድቅስን ኢና፣ ብሓንሳብ ብቅጽበት ዓይኒ በቲ ናይ ድሕሪ ኩሉ መለኸት እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ እቶም ምውታት ድማ ብዘይሓልፍ ኪትንሥኡ እዮም፣ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና።  >> 1ይ ቆረ.15፣51-52።


ካብዚ ብተወሳኺ  <<ጎይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንሥኡ እዮም >> 1ይተሰ.4፣16-16። ብምባል ኣብ ዳግማይ ምጽኣት ከመይ ዝበለ ክብርን ልዕልናን ከምዝተዋህቦ ይገልጸልና።

ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል፣
ብብወርሑ ኣብ 12 በዓለ ቅዱስ ሚካኤል ይኽበር።  ኣብዚ ዕለት ዝገብሮም ተኣምራት ይንብብን ይስበኽን።

ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦታት ኣብ ወወርሑ ብ12 መዘከርትኡ ክንገብር ኣዚዞምና። እዚ ዘይከኣለ ኣርባዕተ ዓበይቲ በዓላት ዋላ ብዝሑል ማይ ብዝተኻእለ መጠን ከንኽብሮ ይግብኣና። እዚኦም’ውን  ሕዳር 12፣ ሰኔ 12 ነሓሴን ታሕሳስን 12 እዮም። ካብ ኩሉ ዝበልጽ በዓሉ ሕዳር 12 እዩ ።  ኣብዚ ዕለት እግዚአብሔር ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ቅዱሳን መልኣኽቲ ካብ ኩሎም ንላዕሊ ጌሩ ሽሞ። ስለ ትሕትን ኡን ተኣዛዝነቱን ፣ ንጎይቱኡን ፈጣሪኡን ዝኸሓደ ንኹሉ ጽቡቅ ስራሕ ተጻባኢ ዝኾነ ንሰይጣን ንኽስዕሮ ሥልጣን ተዋሂብዎ። ኣብዚ ዕለት ቅዱስ ሚካኤል ብተወሳኺ ብዓቢ ክብሪ ኮይኑ ብንጉሥ ጭፍራ ኣምሳል ንወዲ ነዌ ንኢያሱ ዝተራእየሉ ዕለት እዩ።

ብዙሓት ህዝበ ክርስቲያን ኣብዚ ዕለት ንዝዝተሸገሩ ብምብላዕ ንዝጸምኡ ብምስታይ ንዝዓረቁ ብምኽዳን ጽቡቅ ስራሕ ብምስራሕ ንቅዱስ ሚካኤል ይዝክሩ። ንኸማልዶም ይምሕጸኑ።


ኣብ ቅዳሴውን << ተውህቦ ምሕረት ለሚካኤል ፣ ንሚካኢል ምሕረት (ርህራሄ) ተዋሂብዎ ንብል። ነብዩ ሄኖክ’ውን ንቅዱስ ሚካኤል ምሕረት ከምዝተዋህቦ ገሊጹ እዩ። ትሕትንኡን ተኣዛዝነቱን ኣረዲኡ እዩ። ሄኖክ.6፣5። 10-12።
ናይ ሰማያውያን ሰራዊት ሓለቃ ንደቂ ሰብ ኩሉ ዝርህርህን ንደቂ ሰባት ብዘይ ምቁራጽ ናብ ፈጣሪኡ ዝልምን ርህሩህ ትሑት ዝኾነ ሓያል ቅዱስ ሚካኤል ዝስርሖ ስራሕ ተኣምሩን ክብሩን ብሓጺሩ ተጻሒፉ ክውዳእ  ዝከኣል ኣይኮነን ።  ናይ ቅዱስ ሚካኤል ጸሎቱን በረከቱን ተራዳኢነቱን ኣይፈለየና።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር!
ወለወላዲቱ ድንግል!
ወለመስቀሉ ክቡር!

No comments:

Post a Comment