Tuesday, November 27, 2012

ጾመ ነብያት



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
እንቋዕ ናብ ጾመ ነብያት ኣብጽሓና! ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር  ጾመ ሥርየት፣ ጾመ ድኅነት፣ ጾመ መድኃኒት ይግበረልና።

ዕለት ቀዳም ኅዳር 16-2005 . ( 25/11/12) ጀሚሩ ስጋብ
ታኅሣስ 29-2005 . (07-01-2013) በዓለ ልደት


ኣዳምን ሄዋንን ፅጸ በለስ በሊዖም ካብ ገነት ከምዝተባረሩ

ጾመ ነብያት

(Click for PDF)ነብያት ብዛዕባ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ፣ ናብ ግብጺ ስደቱ፣ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ምጥማቁ፣ ብትምህርተ ወንጌል ስብከቱ ንጸልማት ዓለም ምብርኁ፣ ናብ ደቒ ሰባት ጸዋእት መከራ ተቀቢሉ ኣብ መልዕለት መስቀል ምስቓሉ ብዛዕባ ትንሣኤኡን ዕርገቱን ልደቱን ዳግመ ምጽኣቱን ትንቢት ተዛሪቦም። ብምቅጻልውን ንኣዳም ዝተዋህቦ ተስፋ ተገሊጽሎም ዝተዛረብዎ ትንቢት ፍጻሜ ክበጽሓሎም ንፈጣሪኦም ተማኅፂኖም በበዘመኖም << አንሥእ ኃይልከ ፈኑ እዴከ፣ ሓይልኻ ኣልዕል ምሕረት ኣእዳውካ ለኣኸልና።>> እንዳበሉ ተማኅጺኖም

ብጾምን ብጸሎትን ተወሲኖም ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ ጊዜ መዓልታት፣ ብሳምንቲ ብኣዋርሕ ዓመታትን ቆጾሩ።
 
ንኣብነት ነብዩ ኤርሚያስ፡
ብዛዕባ ሥጋዌ ትንቢቱ ኣብ ዝተዛረበሉ ኣብ መበል 446 ዓመት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ኮይኑ።


ነብያት ተስፋኦም ኣብ ዘመኖም ተፈጺሙ ብዓይነ ሥጋ ንምርኣይ እንተዘይከኣሉ እግዚአብሔር በቲ ድንቂ ዝኾነ ስርሑ ብትንቢት መነጽር ርእዮም ብዓይነ ሥጋ ከምዝረኣዩ ኣዝዮም ተሓጎሱ።

ነዚ እዮም ከኣ ንዘመነ ሥጋዌ ቐረባ ዝነበረ ነብየ እግዚአብሔር ኢሣይያስ ጾምና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከመይ ዓይነት ጾም ክኸውን ከምዘልዎ ዝነግረና። ኢሳ.58-1

ብናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ትንቢተ ነብያት ብምፍጻሙ እዚ ጾም << ጾመ ነብያት >> ተባሂሉ። ናይ ወልደ እግዚአብሔር ሰብ ምዃን፣ ናብ ደቂ ሰባት ተስፋ ዝተመስከረሉ ብስራት ዝተነግረሉ ስብከት ስለዝኾነ << ጾመ ስብከት >> እውን ይብሃል።


ሰብ ብሓጥያት ዋላ እንተወደቀ፣ ብጥፍኣቱ ደስ ዘይብሉ ፈጣሪኡ ከተንሥኦ። እንተጠፍአ ክደልዮ ከምዝመጽእ ብተስፋ ክጽበይዎ ወልደ አምላኽ ሰብ ብምዃኑ ዝተረጋገጸሉ ሓቒ እዩ። ስለዚ ኣዳም ነገረ ልደቱ ናይ እግዚእነ ኢየሱስ ትንቢተ መንጽር ተመልኪቱ (ብናይ ነብያት ትምህርቲን ስብከትን ) ኣብቲ ዝነብረሉ ዓመተ ፍዳ ናይ ምሥጢረ ሥጋዌ ብርሃን ካብ ርሑቅ የማዕዱ ነበረ። ናይ ምሥጢረ ሥጋዌ ነገር ብትንቢት መንጽር ምርኣዩ ንመከራኡ ክኽእሎ ዓቢ ስንቒ ዝኾኖ ተስፋ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ነዚ እዩ ከኣ ብሱባኤ ጸሎትን ነታ መዓልቲ እንዳቆጸረ  ብተስፋ ኣብ ግዞት ዝነብረ ዝነበረ።

ክርስቲያን ካብ እግዚአብሔር ብጸጋ ከምዝተወልዱ ብምእማን ንእግዚአብሔር ዘለዎም ፍቕሪ ካብ ዝገልጽሉ ነገራት ሓንቲ ጾም እያ። ጾም ህያብ ፍቕሪ ካብ ምዃን ተወሳኺ ንተኣዛዝነትካ ቃልኪዳን ምሕላውካ ተመስክረሉ እዩ። ወዲ ሰብ ብኣምሳል ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ። ሓጥያት ሰሪሑ ኣምሳል ወዲ እግዚአብሔር ምዃኑ ዋላ እንተኣጥፍኦ እግዚአብሔር ግን ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ክፈጥሮ ማዕረ ክንደይ ከምዝፈትዎ ክገልጽ ዋላ ብሓጥያት እንተወደቐ ብዝወጾ ይትረፍ ከይበለ ክደልዮ መጺኡ። እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ክደሊ ምምጽኡ ተስፋ ዝተነግረሉ ሱባኤ ዝተቆጽረሉ ዕለት ንምርኣይ ብምንፋቕ ካብ ዝቀረበ መሥዋእቲ ሓደ ጾም እዩ ኔሩ።

ጾም ሰብ ንእግዚአብሔር ካብ ዘለዎ ፍቕርን ተኣዛዝነት መግለጽን መረጋገጽን ጥራሕ ዘይኮነ፣ ክንወድቅ ከለና መተሥኢ። ካብ ብልየት መሐደሲ። ካብ ርስሓት ሓጥያት መንጽሂ ( ሓቢሩ ምስ ንስሓ ምስ ዝፍጸም) መጽረዩ ሳሙና እዩ። ሊቐነብያት ሙሴ ኣብ እምባ ሲና እግዚአብሔር ኣብ ዝነብረሉ ድምጸቃለ ኣቕርንት ወጽልመት ዘፍርሕ መብረቅን ነጎድጋድን ተጻዊሩ ጸልማት ሓሊፉ ኢድ ሰብ ዘይሰርሖ ሰማያዊ መቅደስ ዝረኣየ ናብ ከውሒ ዝቀረበ ንገዛእርእሱ ብጾም ምቅዳስ እዩ

ፍቕሪ ወገናቱን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተኣዛዝነትን ከምዝለዎ ብተግባር ብምርኣይ እዩ።

ጾም ኣዝዮም ዓበይቲ መንፈሳዊ በረኸት ስለዘውኅብ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ንእዋን ጾም ኣዝዮም እዮም ዝናፍቕዎ። ካብዞም ኣጽዋማት ሓደ ከኣ ጾመ ነብያት እዩ። ጾመ ነብያት ብተወሳኺውን ጾመ ገና፣ ጾመ ማርያም ፣ ጾመ ፊሊጶስ ተባኂሉ  ከም ዝጽዋዕ አበው ይነጉሩና።

ጾም፡ ፍትወተ ሥጋ ምስ ኩሉ ድሌታቱ ቆሪጻ ትድርቢ። ንመንፈሳዊ ልዕልና ዘብቅዕ ናውቲ ዘዕጥቕ እዩ።

ክርስቲያን ነዚ ዝመሰለ መንፈሳዊ ዕጥቒ ከይፍለዮ ኣዝዩ ይልምን። ስልቲ ኵናት ከምዘይብሉ ሰራዊት ኣብ ዓውደ ኲናት ብዘይ ዕጥቂ ዝኣቱ ኣይከውንን። መንፈሳዊ ኵናት ብሥጋዊ ጥበብ ምስዓር ስለዘይከኣል እዩ አበው ፍቅረ ኣጽዋማት ኣብ ኣስተምህርኦምን ኣብ ሕይወቶምን ዝሰበኹልና።

ጾም እዚኦም ብዘኣመሰሉ መንፈሳዊ በረከት ስለዘውህበና ኩሉ ግዜ ንናፍቖ።

 ጾመ ነብያት ጾመ ኣዳም  ይበኃል እዩ።

ጾመ ነብያት ንኣዳም ዝተነግሮ ትንቢት፣ ዝጽበዮ ዝነበረ ሱባኤ ከምዝበጽሐ ዘበሥር ብምዃኑ ጾመ ኣዳም ተባኂሉ። ኣዳም ንስሓ ኣትዩ፣ ብምልቅሱ ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድኅነካ እየ ኢሉ ዝተነግረ ተስፋ ምብጽሑ፣ ምሥጢረ ሥጋዌ ክውን ክኸወን ከምዝቀረበ ዘረድእ እዩ።

ጾመ ነብያት

ነብያት ናይ ምሥጢረ ሥጋዌ  ነገር ተገሊጹ ስለዝተረኣዮም ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ዝኸፍሎ ናይ ፍቕሪ ዋጋ ብትንቢት ተመልኪቶም ስለዝጾምዎ ጾመ ነብያት ተባኂሉ። እዚ ጾም ዝረሓቐ ኣቅሪቡ፣ ዝረቀቀ ኣጊሊሑ ስለዘራዮም ስጋብ ሞት ዋላ እንተተቀጥቀጡ ካብ መከራ ጽንዓት ዝተላዕለ ፍቀዶ በረኻን ኣጻምእን ስንጭሮን ዋላ ከርተት እንተብሉ፣ ማቅ ለቢሶም ሓመድ ነስኒሶም ብጾምን ብጾሎትን ኮይኖም ነቲ ተስፋ ቃል እንዳተጸብዩ ምስ ኣምላኾም ብመንፈስ ተዋኂዶም ሓሊፎሞ እዮም።

ጾመ ነብያት ጾመ ሓዋርያትውን ይበኃል እዩ።

ሓዋርያት እንታይ ሠሪሕና ናይ ክርስቶስ ልደት ክንቅበሎ ኢሎም ዝጸሙዎ ስለዝኾነ ጾመ ሓዋርያትውን ይበኃል እዩ።

ጾመ ነብያት ጾመ ማርያም ይበኃል እዩ።

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወልደአብ ጸኒሰ እንታይ ሰርሔ ክወልዶ እየ ብምባል ጼይማ እያ፣ በዚ ኸኣ ጾመ ማርያም ይበሃል። እዚ ዝበለት ብምድናቅ ሓደ ብትሕትና ሓደ ከኣ ቀደምት ኣቦታት ነብያት ክጾሙ ርእያ እያ ዝጾመት። ከመይ ጌረ ክወልዶ ምባል ተጠራጢራ ዘይኮነትስ ብምድናቕ ብምግራም ናይ ነገረ ልደቱ ለእግዚእነ ማዕረ ክንደይ ዘደንቅን ክምርመር ከምዘይክኣል ምዃኑ እዩ። ብኻልእ መገዲ ድማ ትሕትና እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድስንኣ ርእዩ ብብሥራተ ገብርኤል መልኣኽ ጌሩ ንክርስቶስ ከምእትወልድ ዋላ እንተነገራ ናይ ትሕትና ኣደ ስለዝኾነት እንታይ ሰሪሐ ናይ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ክኽእሎ ክትብል ጼይማ

እዚ ጾም ጾመ ፊሊጶስ ይበኃል እዩ።
 
ሓዋርያት ፊሊጶስ ኣብ መንጎ ኣረማውያን ኣትዩ ከምህር ብሰማእትነት ክመውት ሥጋኡ ካብ ደቂ መዛሙርቱ ስለዝተሠወሮም ንእግዚአብሔር ዝተሠወረ ናይ መምህሮም ሥጋ ክገልጸሎም ካብ ሕዳር ዓሰርተ ሽዱሽተ ጀሚሮም ምስ ጾሙ ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቲ ናይ መምህሮም ሥጋ ዋላ እንተተገልጸሎም ምጻሞም ግና ስጋብ ልደት ቀጺሉ እዩ። ጾም ትእዛዝ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ፍቕሪን ናይ በረከትን ምንጭ ምዃኑ ተረዲእና ደስ ኢልና ብፍስሓ ብንስሓ ተሓጺብና ክንጸሞ ይግባእ። ምስ እንጾም ከኣ ናይ ቅዱሳን በረከት ይሓድረና።

ስለዚ ብሓጺሩ ከምዝረኣናዮ ኣቦታትና ሓዋርያት ጼይሞም በረከት ረኺቦምሉ እዮም። ልዕሊ ኩሉ ድማ ስለ ትሕትኣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፣ እዚ ብምዃኑ ኣበው ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ምእመናን ጼምና ንኽንጥቀም ሥርዓት ሠሪዖምልና። እዚ ሥርዓት ብምሓዝ ዝሓለፉ ዘመናት ዝነብሩ ምእመናን ጼሞም በረከት ረኺቦምሉ እዮም። ሎሚውን ንሕና ጼምና በረከት ንረክብ።

ክብርን ምስጋናን ይኹኖ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ መጺኡ ንነፍስ ወከፍና ከከም ሥራሕና ኣብ ዝኅበና እዋን ኣብ የማኑ ከቑመና << ንዑ ናይ ኣቦይ ቡሩኻት >> ኢሉ ናይ መንግሥቱ ወረስቱ ክገብረና ምስ ቅዱሳኑ ክድምረና << አምላከ ነብያት ወሐዋርያት፣ አምላከ ጻድቃን ወሰማዕታት ተለመነና።>> እንዳበልና ንጹም።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾመ ሥርየት፣ ጾመ መድኃኒት ይግበረልና። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በረከትን ረደኤትን ኣማላድነትን ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣ ወለወላዲቱ ድንግል፣ ወለመስቀሉ ክቡር።

1 comment: