Tuesday, December 18, 2012

ንስሓ 1ይ ክፋል




በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
ኣሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 1ይ ክፋል

ኣድላይነት ንስሓ

(Click for PDF)ቅዱስ ኣባ ቢመን፡ “ንስሓ እንታይ ማለት እዩ፤” ኢሎም ምስ ሓተቱዎ፡ “ንስሓ ዳግማይ ሓጢኣት ዘይምግባር እዩ። ነዚ እዮም ቅዱሳን እተጸወዑ፡ ንሓጢኣት ስለዝፈንፈኑ ቅዱሳን ክበሃሉ በቀዑ።”

ቅዱስ ማቓርዮስ ዓቢ፡ “ማይ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ምስ ፈሰሰ፡ ሓዊ ዘቃጸሎ ይሓጽብ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽንሳሕ ዝሃበና  ዕድል ሓጢኣት ስጋን ነፍስን ዝሓጽብ እዩ።” 

ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡ “ጠቢብ ዝበሃል፡ ጠቢባን ዝገብርዎ ይገብር፡ ንነፍሱ ብሕሱር ዋጋ ኣይሸይጥን። ዓስቡ ድማ ዘልኣለማዊ ህይወት እዩ። ድያብሎስ ህልኸኛ ምዃኑ ስለዝፈልጥ፡ ኣምላኽ ንሰብ ንስሓ ሰርዓሉ። ስለዚ ብዓቕምና ክንጥንቀቕ ይግባእ፡ ኣብ ዝጐደለና ብጄካ ሓጢኣት ድማ ክምልኣልና እዩ።” 

+ “ፍቑራት ኣሕዋተይ፡ ንኽንንሳሕ ዕድል ካብ ተዋህበና መንገድና ኣቕኒዕና ብፍጹም ልባዊ ንስሓ ናብ እሙን ኣምላኽና ንመለስ። ኣፍደጌታት ንስሓ ከይተዓፅወ ከሎ ንጒየ። እዋን ምስ ሓለፈ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ከይኮነ፡ ንመደቀሲና ብንብዓት ከየረሓሰና ከሎና፡ ንነፍስና መርሚርና ንስሓ ንእቶ። ክርስቶስ ኣምላኽና ኩሉ ሰብ ካብ ጥፍኣት ክመሉቕ እዩ ድላዩ። ኣብ ማህጸን ወላዲትና ከሎና ዝፈልጠና ኣብ ሑቕፉ ከእትወና ይናፍቐና ኣሎ” ።

ማር. ይስሓቕ፡
+ እምነትን ጥምቀትን ኣእማድ ኩሉ ሰናይ ነገር እየን። ብእአን ሰናይ ነገር ኪገብር ክርስቶስ ፀወዓኒ። ብዓይኒ ዝርአ ዝጭበጥ፡ ነቲ ዘይርአ ድማ ብእምነት ምስጢሩ ከስተውዕል ተዋህበኒ። 

+ እታ ቀዳመይቲ ውሉድነት ካብ ኣቦ ብጥምቀት እያ። እታ ካልኣይቲ ውሉድነት ድማ ብንስሓ እያ። ስለዚ ብእምነት ዝረኸብናዮ ዕርቡን ናጽነት ብንስሓ ከኣ ውህበት ጸጋታት ኣሎና። 

+ ኣፍ ደገ ምሕረት ንስሓ እያ። ብዘይ’ዛ ኣፍደገ ናብ ህይወት ክኣቱ ዝኽእል የልቦን። <<ሓደ እኳ ኸይምካሕ ሲ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተፈጠርና ኢና።>> (ኤፌ. 2፡8-9) ።  

+ ንስሓ እንታይ እያ ኢሉ ምስ ተሓተ ማር ይስሓቕ፡ “ዝተጣዕሰ ልቢ እዩ” ይብል።

+ ንስሓ ኣደ ህይወት እያ። ንኹሉ ርኽሰት ምስ ሓደግና፡ ማዕፆኣ ትኸፍተልና። ብሰሪ ኣበሳና ዘጥፋእናዮ ጸጋ ውሉድነት፡ ካብ ምስጢረ ጥምቀት፡ ማለት ካብ ምንጻህ ማይን ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስን ንውለድ። ከምኡ’ውን ነቲ ብርኽሰት ዝመልአ ስጋና ብንስሓ ሓጺብና፡ ንክርስቶስ ንለብሶ። ንንስሓ ዝጸልእ፡ ካብቲ ተቐሪብሉ ዘሎ ጸጋ ይንፈጎ። ሓቀኛ ንስሓ ዝፈቱ ነቲ ረሳሕ ሰብነቱ ደርቢዩ ንድሕሪት ዘይጥምት፡ ካብ ኩሉ ጸጋታት ዝቕበል እዩ።
+ ንኽትናሳሕ መጀመርያ ትሑት ኩን።

+ ንስሓ ብርሃን ዝመልኦ ጻዕዳ ልብሲ እዩ።
ተናሲሓና ዝብሉ ብዙሓት እዮም፡ ብሓቂ ዝናሰሑ ግን እቶም ብልቦም ዝሓዝኑ እዮም። ንሓዘን ዝቀዳደሙላ ማእለያ የብሎምን፡ እቶም ሱቕ ዝመርጹ ግን ክረኽብዋ እዮም። ብዛዕባ ሽግሩ ዘረባ ዘይቋርጽ ሰብ፡ ብውሽጡ ባዶ ስለዝኾነ፡ ሓዘን ዝስምዖ ኣይኮነን። 

+ ኣብ ሓጢኣት ዝወደቐ ሕማሙ ፈሊጡ ናብ ንስሓ ዝጓየ ብቐሊሉ ክሓዊ እዩ።     
  
ሳዕቤን ሓጢኣት፡
ኣበው ዝበሉዎ፡ “ሓጥእ ሰብ ርኽሰቱ ካብ ናይ ውኻርያን ክልብን ሓሰማን ይብእስ። ምኽንያቱ፡ እዞም እንስሳታት፡ ዝተዋህቦም ባህሪ ዓቂቦም እዮም። ወዲ-ሰብ ግና፡ ብመልክዕ እግዚአብሔር ተፈጢሩ ከሎ፡ ክብሩ ኣይዐቀበን። ስለዚ ነታ ሓጥእ ነፍሲ ወይልኣ። ከልቢ ናብ ርኹስ ስፍራ ምኻድ ኣየቋርጽን፡ ስለዚ ድማ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ርኹስ ይኸውን።
ቅቡል ንስሓ
1.     ንሓቀኛ ንስሓ ዝሕግዙና ምኽርታት

ቅዱሳን ኣበው፡ 

+ እቲ ሓቀኛ ንስሓ ዝኣተወ፡ ናብ ሓጢኣት ዳግማይ ዘይምለስ እዩ። ሓጢኣቱ ካብ ሰዶምን ጎሞራን ሓጢኣት ወላ’ኳ እንተገደደ፡ ብንብዓት ነቲ ደሪቑ ዝነበረ ልቡ እንተኣስተዮ ክነጽህ እዩ። ምስ ሓጢኣት ዘለዎ ርክብ ከቋርጽ ከሎ፡ ብኡ ንብኡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ተወሊዱ፡ ምስ ሕሩያን እግዚአብሔር ይስራዕ። ብርኽሰት ዘይተተንከፈ ድንግል ይኸውን። ኣብ ሓጢኣት ዘይወደቐ ዘርኢ ይቑጸር። ዕርቡን ተስፋኡ ቅቡል ይኸውን። ሓጢኣት ካብ ልቡ ዝነጸገ ኮይኑ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ንጽህና ይወሃቦ። 

+ በቲ ዘይውዳእ ምሕረትካ፡ ነቶም ብሓጢኣት ዝሞትና ብንስሓ ዳግማይ ህይወት ረኸብና። ካብ ኣረጊት ሓድሽ፡ ካብ ርኹስ ንጹህ፡ ካብ ብሓጢኣት ዝተጸየቑ ናብ ብርሃን ዘንጸባረቑ ብምሕረትካን ለውሃትካን ለወጥካና። ምሕረትካ ዘየስተማቐረ መን’ዩ፤ ብውህበት ጸጋታትካ ዘይጸገበ መን’ዩ፤ ብሓድሽ ማይ ህይወት ሓጸብካና። ካብ ከርሲ ንስሓ ዳግማይ ከም ንውለድ ገበርካና። ንዘልኣለም ዓለም ኣምልኾ ምስጋና ውዳሴ ንዓኻ ይኹን። ኣብዚ ሓድሽ ኪዳንካ ንጽህትን ቅድስትን ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከተማልደልና ንዓና ሀብካና። ብፍቓድና ነቲ ዝሃብካና ምስሊ ኣርከስናዮ፡ ብፍጹም ማይ ንስሓ ተሓጺብና፡ ካብ ሕሩያን ወተሃደራትካ ከም ንበቅዕ ገበርካና። ኣሜን!
2.     ንስሓ ንነፍሲ ትሓጽብ

ይቕጽል . . . ናይ ጽባሕ ሰባት ኢኹም ይበለና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣
                                                                   ወለወላዲቱ ድንግል፣
                                                                 ወለመስቀሉ ክቡር።
 

2 comments:

  1. እግዚእብሔር ጸግኡ የብዝሓልኩም

    ReplyDelete
  2. እግዚኣብሔር ኣምላክ ጸጋኡ የብዝሓልኩም ብሩካት። ብዙሕ ይቀንየልና።

    ReplyDelete