Monday, December 31, 2012

ንስሓ 2ይ ክፋል






በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
ኣሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 2ይ ክፋል
 

2.     ንስሓ ንነፍሲ ትሓጽብ



 ቅዱሳን ኣበው፡ 

(Click For PDF)+ ሓጢኣተኛ ብንስሓ ተሓጺቡ ክነጽኅ ኣይክእልን እዩ ዝብል ሰብ፡ ግጕይ መረዳእታ ኣለዎ። ሥጋዊ ምውላድና እንተተዓዚብና፡ ዘርኢ ኣብ ጸቢብ ማህጸን ኣትዩ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ይወጽእ። መንፈሳዊ ውሉድነት’ውን፡ ብጥምቀት ውሉድነት ቅድስተ ሥላሴ ዝተዓደለት ነፍሲ፡ ንጽህንኣ ሸይጣ ብሓጢኣትን ግዝያዊ ነጸብራቕ ዓለምን ውዲት ድያብሎስን ተታሊላ፡ ካብ ከቢድ ጸልማት፡ ጻዕሪ ምውዳቕን ምትንሳእን ዝመልኦ፡ ናይ ንስሓ ጣዕሳ ኣቢላ ናብ ብርሃን ዝመልኦ ህይወት ትወጽእ። 

+ ኣብ ገፊሕ ብርሃን ምድሪ ዝተኻዕወ ዘርኢ፡ ናብ ጸቢብ ጸላም ዝመልኦ ማህጸን እንተዘይኣትዩ፡ ነቲ ዝወለዶ ኣይምመስልን። ንሓዋሩ’’ውን ከንቱ ይጠፍእ። ብሓጢኣት ዝረኸሰ ሰብ ድማ፡ ብጸላም ዝመልኦ ጸቢብ ማሕህጸን (ናይ ንስሓ) እንተዘይኣተወ፡ ብዘይጥርጥር ንከንቱ ክጠፍእ እዩ። ነቲ ዝወለዶ’ውን ኣይመስልን። ብጥምቀት ዝተወሀቦ ውሉድነት ከይተረፈ ይንፈጐ። 

እቲ ሥጋዊ ኣዳም ካብ ኄዋን ነዛ ዓለም ዝመስሉ ዉሉድ ከምዝተዋህቦ፡ ኣቦ ኩሉ ዓለም ዝኾነ እግዚአብሔር ድማ፡ ካብ ውሉድነት ጥምቀትን ንስሓን ነታ ዘልኣለማዊት ኢየሩሳሌም ዝወርሱ ዉሉድ ይውለዱሉ። ኩሉ ግዜ ድማ፡ <<መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ>> (ማቴ 3፡2) እና በለ ክጽውዖም ይነብር። 

+ ቀሪባ እንተኾይና ከመይ ገይርና ክንረኽባ ንኽእል፤ ይብል እቲ ሓታቲ፡

መልሲ፡ መንገዳ ጸቢብ እዩ። ፈተና ኣለዋ፡ ዓቕሉ ከየጽበበ ብህይወት ክነብር ዝኽእል ዘልኣለማዊ ኣኽሊል ይወርስ። እቲ መንገዲ መንገዲ ህይወት እዩ። ኣብ ዝኾነ ስፍራ፡ ኣብ ዝኾነት ሃገር ትርከብ። ኣብ ውሽጢ ልቢ ወዲ-ሰብ ድማ ትርከብ። ኣፍደገአ ድማ ንስሓ እያ። 

+ ንስሓ ኣደ ህይወት እያ። ካብኣ ዝውለድ ድማ ዕዉት እዩ። ምኽንያቱ ሞት ዝበሃል ኣይክፈልጥን እዩ። ድልየቱ ዘበለ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ዝልምን፡ በቲ ድምጺ ኣውያት ድሕነት ድያብሎስ ካብኡ ይሃድም።
+ ንስሓ ንኹሉ ቀታሊ ሕንዚ ሓጠአት መድሓኒት እያ። ንድያብሎስ ድማ ስቓዩ እያ።
+ ንስሓ ንዝዘመዉ ደናግል ትገብሮም። ንዕዮ መላእክት ትዕድም። ካብ ምንዝርንኦም ኣንጺሃ ደናግል ገይራ ትሐድሶም። ንንስሓ ዝነዓቑ፡ ናብ መዓሙቕ ሲኦል ተውርዶም። ንሓጥኣን ናብ ሓዋርያውነት ትዕድሞም። ዝነዓቑዋ ሓዋርያት፡ ጸልማት ተልብሶም። ዝለበሱዋ ከኣ ክብሪ ክርስቶሳውያን ትምግቦም። ካብ ቀራና መንገዲ ናብ ጐደና መንግስተ ሰማያት ትወስዶም። ካብ ጸልማት መካበብያ ናብ መርዓ ብርሃን ተእትዎም። ንደቂ ብርሃን ትዕቅብ፡ ንዕዉራት ከምዝርእዩ ትገብር። ስሚ ሞት ዝሰተየት ተኽሊ፡ ህይወት ሂባ፡ ኣብ ገነት ትተኽላ። ነቶም ኣብ ርኽሰት ዝነብሩ ሽትኦም ዝለወጡ፡ ጥዑም ሽታ ናርዶስ ትኽዕወሎም። ብመንገዳ ዝኸዱ ማሕተም መንግስተ ሰማያት ተቀብሎም። ብግሩም ልብሲ መርዓዊ ድማ ተጊጾም። ዘፍቐርዋ ካብ ኢዶም ከይትሞሉቕ ኣጽኒዖም ዝሓዙዋ፡ መፍትሕ መንግስተ ሰማያት ተረስትዮም፡ እሙናት ድማ ትገብሮም።
+ ንስሓ፡ ኣደ ብርሃን እያ። ካብኣ ዝተወልዱ፡ ኣኽናፍ ሓዊ ገይራ ምስ ቅዱሳን ናብ ሰማይ ተዕርጎም።
+ ንስሓ፡ ሰማያዊት ሓኪም እያ። ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘንብራ ብኣግኡ ይፍወስ። ስሚ ሞትን ምጥርጣርን ኣብ ኢድ ሰይጣን ኣሎ። ንስሓ ግና ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ዘላ መድሓኒት ህይወት እያ። ኣቀዲሙ ካብ ጽዋእ ሞት ዝሰተየ ካብቲ ንኹሉ ዝተዋህበ ጽዋእ ህይወት ይሰቲ፡ እሞ ንዘልኣለም ይነብር። ንሳ (ንስሓ) ንዝሞቱን ሞት ዝወሓጠቶምን ካብ ሕቕፋ ዝነፈጹን ኣናድያ፡ ከስዐ ሞት ቀዲዳ ተውጽኦም። ብርሃን ዓይኖም ዝሰኣኑ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኣ ኮይኖም ዝበኸዩ ናብ ቤታ ኣእትያ ብምሉእ ብርሃን ተሖጕሶም። 

ሰይጣን ዝቐተሎም ሬሳታት ኣማዕዲያ ትጽውዖም። ናብ ትንሳኤ ትዕድሞም። ትሩፋቶም ዘንብሩላ፡ ጉባኤ ዉሉድ ኣምላኽ ትኾኖም። ኩሉ ዝረኸሰን ዝመረተን ዝሕጸበላ ማይ ህይወት፡ ንዝኣበሰ ተቃጽል ሓዊ፡ ቅዱስ ዘርኢ ተፍሪ፡ ንዝተሰብረ ልቢ ገነት ትኾኖ። ካብ ብርሃን ዝተሃንጸት ስብሕቲ መሬት እያ። ኢዱ ሰዲዱ ካብኣ ዝወስድ ይነጽሕ። ዕላመት ሰማያዊ ርስቲ እያ። ንክርስቶስ ዝስዕቡ ድማ ተዕቢ።

ኣብ ውሽጣ ዝነብር ጽኑዕ ዕርዲ ትኾኖ፡ ዝኣምና ኩሉ ድማ ሓያል ጅግና ትገብሮ። ንሳ ምስሊ ንጹህ ህዝቢ እያ። ካብኣ ወሲዶም ንቅዱሳኖም ይቕድሱ። ንዝተጣዕሱ፡ ሞዕቆቢ ኮይና፡ መለኮታዊ ርስቲ ንኸወርሱ ትገብሮም። ናይ ኩሉ ሃብቲ ግምጃ፡ ማዕጾኣ ዝኳሕኮሐ፡ ድልየቱ ካብኣ ይወስድ። ንሳ ገና ጸባኣ ዘይነጸፈ ኣደ እያ። መኻን ዘበለ እንተቐረባ፡ ሕሩያን ዉሉድ ካብኣ ይወስድ። 

ኣብ ኣፍ ደገ ፈጣሪ ትርከብ። ናብ ፍርዲ ዝቐረበ ዝሓታ፡ ናብ ቤቱ ኣትያ፡ ማይ ህይወት ተፍስሰሉ። ካብኣ ሰትዩ ይረዊ። ንኹሉ ጸጋታት ኣብ ሑቕፋ ትዕቅቦ። ነውሪ ዝገበሩ ሰባት እንተ መጹዋ፡ ዑቕባ ትኾኖም። ኣብ ክንድኦም ኮይና ይቕረ ትሓተሎም። 

ንስሓ ኢኺ ንኹሉ ብሰናይ ዝሓዘልኪ፡ መን’ዩ እሞ ንዓኺ ዘይፈትወኪ፤ ንሰይጣን ክብሩ ገፊፍኪ ድኻ ገብርክዮ። ኣብ ናይ ዘልኣለም ጸልማት ደርበኽዮ። ብገዛእ ፍቓዱ ዝፈንፈኖ ርስቲ ኣሕደግክዮ። ብሓቂ ንሱ እዩ ጸላኢኺ። ካብዚ ጀሚርኪ ኢኺ ኣንጻሩ ዝኾንኪ። ዝኾነ ሰብ ሰይጣን ዝወሓጦ ናባኺ እንተጠረዐ፡ ብቕጽበት ከብዱ ተርቲርኪ ተውጽእዮ’ዶ ኣይኮንክን፤ ሰይጣን ዝኣሰሮ እንተለመነኪ፡ ከይደንጐኺ ሰንሰለት ባርነቱ በቲኽኪ ነጻ ተውጽእዮ። ብድሕሬኺ ሰይጣን ዝገፈፎ እንተ ጸወዓኪ ብቕልጡፍ ኣርኪብኪ እተናግፍዮ’ዶ ኣይኮንክን፤ ኣብ መንገዱ ጠጠው ስለትብሊ፡ ብዙሕ ግዜ ድማ ተሕፍርዮ ስለዝኾንኪ፡ ሰይጣን ይጸልኣኪ። ነቶም ናትኪ ኣንጻሮም ስለዝኾነን፡ ዋናኺ ድማ ኣንጻሩ ስለዝኾነን ንስኺ ትቓወምክዮ።

+ ብዘይበኣኺ ካብ ሰልሚ ጥፍኣት ናብ ጥርዚ ሰማያት ክዓርግ ዝኽእል የለን። ንዓኺ ከይሓዘ ንኣምላኽ ክርእዮ ዝኽእል ኣሎ’ዶ፤ መን’ዩ እሞ ኣብ ኢድ ድያብሎስ ወዲቑ ንስኺ ከይሓጸብኪዮ ዝነጽሀ፤ ንስኺ ዝሓጸብኪዮ ርስሓት ዝተረኸቦ’ኸ መን’ዩ፤ ካብ ማይ ዝናብኪ ተኽሉ ዘስተየ፡ ፍረ ሓጐሱ ዘይሓፈሰ መን’ዩ፤ ንዓኺ ጸዊዑ ካብ ሓዘኑ ዘይተናገፈ መን’ዩ፤ ገጹ ሓጸብኪ ንግብሪ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ልቡ ዘይረኣየ መን’ዩ፤ መን ኣሎ ካብ ፈልፋሊ ማይኪ ምስታይ ተሓሪሙ ልቡ ዘይጸልመተ፤ መን ኣሎ’ኸ ንስኺ ከይተጣበቕክሉ ልማንኡ ዝተሰምዐ፤ ኣማላዲቱ ዝኾንኪዮ ኩሉ ህያባት ኣምላኽ ዘይተኸፍተሉ መን’ዩ፤ ናብ ኵናት ኂዙኪ ዝኸደ፡ ጸላእቱ ኣብ ቅድሚኡ ከም ዚምብርከኹ ትገብሪ፡ ኣብ ክንዲ ጸላእቱ ዋልታ ዝገብረኪ ጸላእቱ ሕፍረት ተጐልቢቦም ካብኡ ይሃድሙ።     

+ ንዳዊት ካብ ሓጢኣቱ ዘናገፍክዮ፡ . . . . ። ምሉእ ምሕረት ዘለዎ ኣምላኽ ንዓኺ ዝሃበና፡ ምስጋና ይብጻሕኪ ኣደ ምሕረት ኩልና። ዝለመንክዮ ዘይከልኣኪ፡ ንዚተጣዕሱ ከተማልዲ ስለዝሀበኪ። ኣብ ቅድሜኺ ኣይዕጾን ኣፍ ደገ፡ መፍትሕ ሰማያት ኣብ ኢድኪ ስለዝተረኽበ። 

መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ ተነሰሑ።
 
መንግስተ ሰማያት ዝወርሱ ማሕተሞም፡ <መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ ተነሰሑ> ዝብል እዩ። ካብ ጽዋእኪ ዘይሰተየት ቀዳመይቲ ዓለም፡ ኣብ ማይ ኣይሂ ጥሒላ። ኣብ እግርኺ ዘይተሳለማ ሰዶምን ጎሞራን፡ ሰማያዊ እሳት በልዐን። ካብ ቅድሚኡ ዝሰጐገኪ ፈርኦን ብማዕበላት ባሕሪ ሰጢሙ ተረፈ።

+ ድያብሎስ ዝባኸኖ ጻዕሪ ንስሓ ትመልስ። ሰማያዊ ህያባት ድማ ተውህብ። ዝረኸሰት ድንግልና ተሓድስ፡ ንዘይረኸሰት ድንግለና ድማ ትዕቅብ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክረስቶስ ክመኽረና ከሎ፡ <<መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ ተነሰሑ>> ይብለና፡ ምስጋና ውዳሴ ኣምልኾ ንዘለኣለም ኣለም ንክርስቶስ እሙን ኣምላኽና ይኹን። ኣሜን!!!



3.    መዓስ’ዩ ሰብ ንምሕረት ዝበቅዕ፤




ይቅጽል . . . ናይ ጽባሕ ሰባት ኢኹም ይበለና።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣
                                                                   ወለወላዲቱ ድንግል፣
                                                                 ወለመስቀሉ ክቡር።





No comments:

Post a Comment