Wednesday, December 12, 2012

ጸሎት 9ይ ክፋል (መወዳእታ ክፋል)




በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ጸሎት
ብመንጽር ብሂል አበው፡

ድሕሪ ጸሎት
መወዳእታ ክፋል
1.     መልሲ ናይ ጸሎት 

(Click for PDF)ቅዱስ ኣባ ዘኑን፡ “ኣምላኽ ብቕልጡፍ ጸሎቱ ክሰምዖ ንዝደሊ ምእመን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ንጸሎት ምስ ቆመ፡ ኣእዳው ምስ ዘርጊሑ፡ ቅድም ንጸላእቱ ምሕረት ክልምን ኣለዎ። በዚ ድማ ኣምላኽ ዝለመኖ ይኅቦ።”
ማር ይስሓቕ፡ “ሓዊ ንላዕሊ እንተሊሑሙ ክትኅዞ ከም ዘይክእል፡ ከምኡ ድማ ጸሎት ጻድቃን ንሰማይ ክዓርግ ክትኃዝ ኣይትከኣልን። ከምቲ ሓረስታይ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዝዘርአ ምህርቱ ከንቱ ዝኸውን ከምኡ ድማ ብቒም በቐልን ዝጽለ ጸሎት ከኣ ከንቱ እዩ። ንጸሎት ንጽህና ልቢ የድልዮ።”

2.    ሓሳብካ ናብ ሰማይ  (ኣንቃዕዶ ኅሊና)


ሓደ ካብ ኣበው “ኣብ ምድሪ ከሎኻ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎኻ ይስመዓካ። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኩሉ ከም ዘይናትካ ገይርካ ክትቆጽሮ ኢኻ። ብዛዕባ ቅዱስ ኣባ ድቒኖስ ክዝረብ ከሎ፡ ቅድስ ድቒኖስ ንጸሎት ኢዱ ክዝርግሕ ከሎ፡ ኣእዳዉ ቐልጢፈን ይወርዳ ነበራ። እዚ ኸኣ ብምሉእ ልቡ ናብ ሰማይ ስለዝኸይድ እዩ። ስለዚ ድማ ምስ አኃው ክጽሊ ከሎ፡ ኣእዳዉ ከይየልዕል ይጥንቀቕ ነበረ።

ሓደ ካብ ኣበው ፡ “ከገልግልን ክጽልን ከሎኹ ድኻም ዝበሃል ኣይስመዓንን። ምኽንያቱ ብዘይምንቅስቓስ ንመንፈስ ቅዱስ ዝብለኒ ስለዝሰምዖ እዩ። ነዚ እዩ፡ <<መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ>> (ሮሜ 8፡26) ዝበለና።”

ቅዱሰ ኣባ ይስሓቕ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል፡ “ምስ ቅዱስ ኣባ ቢመን ኮፍ ኢለ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ገጹ ብምግራም ተለዋዊጡ ሓሳቡ ምሳይ ኣይነበረን። “ኣባ ቢመን፡ ብምንታይ ትሓስብ ኣሎኻ፤” ደጋጊመ ድኅሪ ምሕታት፡ “ኣብ እግሪ መስቀል ኣብ ትሕቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትበኪ ዝነበረት ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም፣ ብተመሥጦ ተራእያቲኒ።” በለኒ። ብሓቂ ከምዚ ዓይነት ተመስጦ  ክኅልወኒ ኩሉ ግዜ ይምነ ነበርኩ።” ይብል።

ንቅዱስ ስልያኖስ ዘካርያስ ዝስሙ ተማሃራዩ ምስ መጾ፡ ብተመስጦ ኣእዳዉ ንላዕሊ ዘርጊሑ ክጽሊ ከሎ ረኸቦ። ከይርብሾም ማዕጾ ዓጽዩ ንደገ ወጸ። ምሸት ሰዓት ትሽዓት ምስ ተመልሰ’ውን ከይተንቀሳቐሰ ከምታ ዝገደፎም ጸንሑዎ። ደጊሙ ሰዓት ዓሰርተ እንተተመለ ከምኡ ጸነሖ። ንኽሰምዑዎ ማዕጾ ኳሕኲሑ ኣተወ። ገና ኣብ ተመስጦ ነበሩ። “እንታይ ዲኹም ኰንኹም ኣቦና ሎምስ፤” ቅዱስ ስልያኖስ ኣቦ፡ ገና ኣብ ምስትንታኑ ስለዝነበረ፡ ዘካርያስ ኣብ እግሩ ተደፊኡ፡ “ከይነገርኩምኒ ኣይሓድገኩምን’የ” በሎ። ሕራይ በሎ እቲ ቅዱስ ኣቦ፡ “ነፍሰይ ካብ ስጋይ ከይተፈልያ ከለዋ ንዝኾነ ከይትነግር” ኢሉ ተላበዎ። ከምዚ እናበለ ድማ እቲ ምስጢር ምሉእ መዓልቲ ከይተንቀሳቐሰ ብዘይድኻም ክርእዮ ዝወዓለ ነገሮ። “ነፍሰይ ኣብ ሰማይ ተሰዊራ ጸነሐት። ኣብኡ ድማ ክብሪ ኣምላኽ ረኣኹ።” እናበለ ነቲ ዝረኣዮ ሰማያዊ ክብሪ ምዃኑ ነገሮ። 

ቅዱስ ስልያኖስ ጀርዲን ማይ ከስቲ ከሎ፡ ገጾም ተሸፊኖም፡ እግሮም ኣበይ ከምዝዓለበት ጥራይ ዝርእዩሉ ቀዳድ ሓዲጎም ማይ የስትዩ ነበሩ። ብማዕዶ ዝዕዘቦም ዝነበረ ኣብ ጥቕኦም ምስ ቀረበ፡ “ንምንታይ ኢኹም ገጽኩም ሸፊንኩም ማይ ከተስትዩ ዝጸናሕኩም፤” ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ “ተኽሊ ክርኢ ከሎኹ ብሓሳበይ ካብ ኣምላኸይ ከይስረቕ ፈራኅኩ።” ብምባል መለስሉ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እዞም ቅዱስ ኣቦ ምስ ኣሕዋቱ ኮፍ ኢሉ ከሎ፡ ሃንደበት ወደቐ። ድሕሪ ቅሩብ ተበራቢሩ ክበኪ ጀመረ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ቅዱሳን ኣቦታት፡ “እንታይ ኰንካ ትበኪ ኣሎኻ፤” ክምልሰሎም ኣይፈተወን። ምስ ኣገደዱዎ ግና፡ “ናብ ሰብ ዝጠፍኣሉ ገሃነም እሳት ተወሲደ ጸናሕኩ፡ ብዙሕ ሰብ ክሳቐ ከሎ ረኣኹ። ብኽያቱ ክቆጻጸር ኣይከኣለን። ካብቲ ዝጽልየሉ ስፍራ ድማ ምውጻእ ኣበየ። ኩሉ ግዜ ድማ ገጹ ይሽፈን ነበረ፡ “እንታይ ክገብር ብርሃን ዝርኢ” እናበለ ድማ ንነፍሱ የዋርድ ነበረ። 

ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወበረከታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላክ የሃሉ ምስሌነ ይሃሉ ለዓለመ ዓለም ኣሜን።

ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ በረከቱም ረዲኣቱን ምሕረቱን የብዙሓልና። ኣማላድነት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፣ ተራዳኢነት ቅዱሳን መልኣኽቲ ፣ በረከተ ጻድቃን ሰማእታት ኣይፈለየና። አሜን።

ምንጪ፡ ቡስታን ኣልሩህባን (ገድሊ ኣበው ካብ ዓረበኛ ልሳን ዝተተርጎመ)

                                                      ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣
                                               ወለወላዲቱ ድንግል፣
                                              ወለመስቀሉ ክቡር።




No comments:

Post a Comment