Wednesday, December 26, 2012

ቅዱስ ኒቆላዎስ ኤጲስ ቆጶስ (ባባ - ናታለ)



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ቅዱስ ኒቆላዎስ ኤጲስ ቆጶስ (ባባ - ናታለ)

(Click For PDF) ቅዱስ ኒቆላዎስ ትውልዲ ሃገሩ ሜራ ኮይኑ ትርጒም ስሙ ድማ ሰዓሪ ሕዝቢ እዩ። ስም ኣቦኡ ኤጲፋንዮስ ስም ኣዲኡ ድማ ቶና ይበሃል። እዞም ቅዱሳን ወለዲ ንእግዚኣብሔር ዝፈርሁን ሃብታማትን እኳ እንተ ነበሩ፡ ውላድ ብሰንኪ ዘይምንባሮም ግና ይኃዝኑን ይጉህዩን ነበሩ። ናይ ምውላድ ዕድሚኦም ምስ ኃለፈ ‘ውን ነቲ ናብ እግዚኣብሔር ውላድ ክህቦም ዘቕርብዎ ዝነበሩ ጸሎት ‘ውን ከይተረፈ ኣቋረጽዎ። እቲ ንቅዱሳኑ ዚረድእ ጐይታ ግና ኣብቲ ንሳቶም ዘይተጸበይዎ ጊዜ ነቲ መዋእሎም ዝለመንዎ ጸሎት ሰሚዑ ንኃዘኖም ዝድብስ ንእኦም ዘሐጕስ ውላድ ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ጊዜ ሃቦም። ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ <<እቲ ሱር ቅዱስ እንተ ኮይኑ ጨንፈሩ’ውን ቅዱስ እዩ።>> (ሮሜ 11፡10) ዝበሎ ካብቲ ሱሮም ዝወጸ ድማ ኣዚዩ ጽቡቕ ሕፃን ተወልደ።


ቅዱስ ኒቆላዎስ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣቦኡ ናብ ቤተክርስቲያን ብምውሳድ ኪመሃር ናብ መምህር ኣረከቦ። ኣብ ሓጺር ጊዜ ድማ ንትምህርቲ ቤተክርስቲያን ብምጽናዕ ዲያቆን ኮይኑ ተቐብአ። ብመዓርግ ዲቊና እና ኣገልገለ ድማ ብመንፈሳዊ ሥራሕ ካብ ዕለት ናብ ዕለት መንፈሳውነት የርኢ ነበረ። ብድኅርዚ ናብ ገዳም ብምኻድ ንምሉእ ሕይወቱ ወፍዩ ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ከስምር ኣብኡ መንኮሰ። ኣብኡ ወዲ ሓወቦኡ ኣበምኔት (ኣቦ ናይቲ ገዳም) ነበረ። ብዘመኑ ድማ ከም ቅዱስ ኒቆላዎስ ዝበለ ጽኑዕ ገድሊ ዚጋደልን ብሥራሕ ናይ ቅድስና ዝተፈልጠን ኣይነበረን። ሕይወቱ ብኸምዚ እናኣለየ ድማ ወዲ 19 ዓመት ምስ ኮነ ማዓርገ ክህነት ተቐብአ። እግዚኣብሔር ከኣ ዓቢ ጸጋ ሃቦ እሞ፡ ንሕሙማት ይፍውስን ካልእ ተኣምራት ይገብርን ነበረ። ቅዱስ ኒቆላዎስ ምሉእ ሕይወቱ ምስ እግዚኣብሔር ስለ ዝነበረ፡ ብሕይወት ከሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዋላ’ውን ብስጋ ምስ ተፈልየ እግዚኣብሔር ብዙኅ ተኣምራት ይገብረሉ ነበረ። እቲ ዝገበሮ ተኣምራት ኣዝዩ ብዙኅ እኳ እንተኾነ ካብቲ ብሕይወት ከሎ እግዚኣብሔር ዝገበረሉ ምስ እንርኢ፦

ኣብቲ ዝነበረሉ ስፍራ ሓደ ሃብታም ሰባኣይ ነበረ። ብሃብቱ እናነበረ ከሎ ከምቲ ሰሎሞን ኣብ (መክ.3) ንኵሉ ጊዜ ኣለዎ ብምባል ዝጸሓፎ ነዚ ሰብኣይ’ዚ ውን ጊዜ ኣርኪብዎ እቲ ናይ ሃብቲ ጊዜኡ ኃሊፉ እቲ ናይ  ድኽነት ዘመን ስለ ዘርከቦ ብሃንደበት ናብ ድኽነት ጠሓለ። ኹሉ እቲ ዝነበሮ ባኺኑ መግቢ ዕለት ክሳብ ዚስእን ኮነ። እዚ ሰብኣይ’ዚ ኣርባዕተ ኣዋልድ ደቂ ነበራኦ እሞ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞ ድኽነት ንመውስቦ ዝወስደን ወላሓደ ሰብ ብዘይምንባሩ እዚ ሰብኣይ እዚ ነቲ ቃል ኣምላኽ፡ <<ድላይኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ  ምስጋና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደኣ ይፈለጥ እምበር ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።>> (ፊሊጵ.4፡6) ንዝብል ቃል ብምዝንጋዕ ኣብ ክንዲ ናይ መንፈስ ናይ ሥጋ የጨንቖ ነበረ። ሰይጣን ነዚ ምስ ረኣየ ንልቡ ብኽፉእ ሓሳብ ኪመልኦ ጀመረ። እዚ ድማ ኣብቲ ዝነበረ ገዝኡ ሓደ ናይ ዝሙት ቤት ብምኽፋት ደቁ ገንዘብ እናተኸፍላ ምስ ሰብኡት ክድቅሳ እሞ ካብ ድኽነት ክወጽእ ዝብል ሓሳብ’ዚ ወጠነ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቅቡል ስለ ዘይኮነ ድማ እግዚኣብሔር ንቅዱስ ኒቆላዎስ ሓሳብ ናይዚ ሰብኣይ ገለጸሉ። ብድኅሪዚ ቅዱስ ኒቆላዎስ ካብ ሃብቲ ኣቦኡ 100 ዲናር ወርቂ ብምውሳድ መሬት ቅድሚ ምውግሑ ኣብ ኣፍደገ ቤቱ ኣቐሚጥሉ ኸደ። እቲ ሰብኣይ ምስ ወጸ ድማ ነቲ ወርቂ ረኸቦ እሞ ነታ ዓባይ ጓሉ ኣመርዓዋ፡ ከምዚ እናገበረ ድማ ክሳብ እታ ሣልሰይቲ በጽሐ። ብድኅርዚ እግዚኣብሔር ጽድቂ ቅዱስ ኒቆላዎስ ምእንቲ ክግለጽ፡ እቲ ሰብኣይ ነዚ ዚገብር ዘሎ መን’ዩ፡ ብምባል ነቲ ኵነታት ኪምርምር ጀመረ። ለይዲ ድማ ከይደቀሰ ይሕሉ ነበረ። ቅዱስ ኒቆላዎስ ከም ልማዱ ከንብሮ ከሎ ድማ እቲ ሰብኣይ ረኸቦ’ሞ፡ “ዓስብኻ ኣብ መንግስሥተ ሰማይ ዓቢይ እዩ፡ ንስኻ ንዓይ ካብ ድኽነትን ውድቀት ኃጢኣትን ኣናጊፍካኒ ኢኻ” እናበለ መረቖ።

ቅዱስ ኒቆላዎስ ነቶም ኣብ ዕንጨይቲ ኃዲሮም ንሰባት ዘስሕቱ ኣጋንንቲ ኣርሓቖም፡ ነቶም ሕሙማት ካብ ሕማሞም ብምፍዋስ ድማ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ይነብር ነበረ። በቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦ በረኸት ከምቲ ንሱ ብቓሉ ዝበሎ፡ <<ካብዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ንላዕሊ ክትገብሩ ኢኹም።>> (ዮሓ 14፡12) ቅዱስ ኒቆላዎስ ከም ጐይትኡ ሓንቲ ንእሽቶይ ኅብስቲ ባሪኹ ንብዙኃት ሕዝቢ ኣጽገቦምን በረኸት ዓደሎምን። ኣብ ሃገር ሜራ ኤጲስቆጶስ ኮይኑ ቅድሚ ምቕብኡ ድማ ሓደ ዓቢይ መንበርን ክቡር ልብሲ ልበስ እሞ ኣብዚ መንበር ክብሪ ንበር ክብሎ ከሎ ድማ መልኣኽ ረኣየ። ካልኣይ’ውን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ንጉሥ ክብሪ፡ ልብሲ ክህነት ክትህቦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ወንጌል ክህቦ ከሎ ረኣየ። ናይ ሃገር ሜራ ኤጲስቆጶስ ምስ ዓረፈ ድማ ንናይ ሮማ ሊቀ ጳጳሳት መልኣኽ እግዚኣብሔር ተገሊጹ ብዛዕባ ቅዱስ ኒቆላዎስ ሓበሮ። ንሱ ኤጲስቆጶስ ከም ዚኸውን ድማ ዅሉ ዝገበረሉን ዝገብሮን ሓበሮ። እቲ ሊቀ ጳጳሳት እቲ ዝበሎ ነቶም ኤጲስቆጶሳት ሓበሮም እሞ እናተሓጐሱ ከይዶም ረኺቦም ብምምጻእ ኤጲስቆጶስ ኪኸውን ቀብዕዎ። ኣብ ልዕሊ ሃገር ሜራ’ውን ኤጲስቆጰስ ኮይኑ ከገልግል ተመርጸ። 

ዲዮቅልጥያኖስ ንጉሥ ብኽሕደት ተንሢኡ ጣዖታት ክምለኹ ክርስቲያን ክጋፍዑ ኣብ ዝኣዘዘሉ እዋን ቅዱስ ኒቆላዎስ ንሕዝቡ ብእምነት ክጸንዑ ሽግርን መከራን ናይዚ ምድሪ ንኸይፈርሁ፡ የትብዕን የጽንዕን ነበረ። እቲ ዝገበሮ ተኣምራትን ዝናን ተግባራትን ኵሉ ኣብ ቅድሚ ድዮቅልጥያኖስ በጽሐ እሞ ብማእስርቲ ክኹነንን ክግረፍን ክሳቐን ኣዘዘ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብዘይዝኾነ ነገራት የተንሥኦን የልዕሎን ነበረ። ዲዮቅልጥያኖስ እዚ ብምግባር ምስ ረብረበ ብማእሰርቲ ኪነብር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ማእሰርቲ ክእሰር በየነሉ። ክሳብ እግዚኣብሔር ንዲዮቅልጥያኖስ ኣጥፊኡ ንቈስጠንጢኖስ ዘንግሥ ውን ኣብኡ ነበረ። ቈስጠንጢኖስ ነጊሡ ንዅሎም ምስ ፈትሖም ንሱ’ውን ምስኦም ካብ ማእስርቲ ተፈትሐ። ኣብ መንበር ሢሜቱ ኮይኑ ድማ ትምህርቲ ክርስቶስ ብትብዓት ይምህር ነበረ። ማኅበር ጉባኤ 318 ቅንዕቲ እምነት ካብዚኣቶም ሓደ ኮይኑ ንኣርዮስ ብምእላይ ቀኖና (ሥርዓት) ቤተክርስቲያን ዝሠርዑ ኣቦታት ሓደ እዩ። 

እግዚኣብሔር ብዅሉ ዕዮኡ ኣሥሚሩ ድማ ኣብ መንበር ሢሜቱ ንልዕሊ 40 ዓመት ብጵጵስና ንሃገር ሜራ ብምምራሕ ኣብ 80 ዕድሚኡ ብ10 ታኅሳስ ብሰላም ዓረፈ። ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!!!

ምንጪ 10 ታኅሳስ መጽሓፈ ስንክሳር
ኣብ በዓል ልደት ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ኮነ ጐደናታት ብኣቦ ልደት (ባባ- ናታለ) ተባሂሉ ዚፍለጥ እምበኣር ምስቲ ሓቀኛ ታሪኹ ካብ መዛግብረቲ ቤተክርስቲያን እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ እዩ።

No comments:

Post a Comment