Friday, January 11, 2013

ንስሓ 3ይ ክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
ኣሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 3ይ ክፋል
3. መዓስ’ዩ ሰብ ንምሕረት ዝበቅዕ፤
+ ኣባ ኣሞጽ ከምዚ በለ፡
“ኣብ ንስሓ ኣርባዕተ ወሰንቲ ነጥብታት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ፡ ንሓጢኣት ፈንፊንካ ካብ ምድጋሙ ምቑጣብ፡ (ልባዊ ጣዕሳ)፡ ሓጢኣት ብጻይካ ምሕዳግ፡ ካብ ማሕበር ሓጥኣን ምግላስ፡ ትሑት ልቢ ምውራስን እየን።” 

+ ቅዱስ ማክሲሞስ ድማ፡
“ሥርየት ሓጢኣት ከመይ ከም ዝኾውነ ንኃንጐልካ ኣይትረብሾ። ዘይኅሶ ቃሉ ከምዚ ይብል፡ <<ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኸነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጹኹም>> (ማቴ 7፡15) ። ስለዚ ኃንጎልና ብዝገበርናዮ ሓጢኣት እንተተረቢሹ፡ ናብ ጎደና ምሕረት ክንስጕም ኣይንኽእልን ኢና። ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ’ውን ኣይንገብርን። ፍረ ንስሓ ነፍሲ ብዘይስምዒት ክትምራሕ ከላ እዩ። ሰምዒት ዘይብሉ ማለት ድማ ሓጢኣትና ክድምሰስ ኣይክእልን እዩ ኢልና ክንጭነቕ ከሎና እዩ። ልብና ዝስበረሉ ምኽንያት ምስዝፍጠር ናብ ንጽህቲ ንስሓ ንእቶ። ካብ ጸልማት ዝመልኦ ስቓይ ወጺና፡ ናብ ብርሃን ምሕረት ክንኣቱ ኢና።”

ሕቶ፡ “ሓንቲ ነፍሲ፡ ኣምላኽ ምሕረት ከም ዝኣወጀላ ብኸመይ ትፈልጥ፤”

መልሲ፡ “መልክዓ ኣብ መስትያት እዚ ቃል’ዚ ምስ እትርኢ፡ “ንግብሪ ጸልማትን ዘይምእዛዝን ነፍሰይ ጸለኣቶ፡ ንመንግስትኻ ግና ኣፍቐርክዎ”፡ ከምኡ’ውን “ስለ’ቲ ኩሉ ምሕረትካን ሳህልኻን የመስግነካ” ። ስለዚ፡ ምስጢር ንስሓ፡ ቅኑዕ ዝኾነ ፍርዲ እግዚአብሔር ዝረኣየሉ እዩ። እዚ ከኣ ኩሎም ቅዱሳን ኣቦታት ዝተዓዘብዎን፡ ንሕና’ውን መዓልታዊ እንርእዮ ዘሎና ምሉእ ዝኾነ ምሕረት እዩ። ንሓጥኣንን ጻድቃንን ጸሓይ የብርቕ፡ ካብ ሰማይ ዝናብ እና ኣዝነበ፡ ካብ ምድሪ ፍረ እናብቆለ ይንከባኸበናን ይሕልወናን ኣሎ።”

ሕቶ፡ “ሰብ ንሥርየት ሓጢኣት ድልው ከም ዝኾነ መዓስ ይፈልጥ፤”
መልሲ፡ “ፍጹም ንሓጢኣት ካብ ልቡ ምስ ኣውጽአ፡ ኣንጻር ሓጢኣት ዝኾነ ግብሪ ምስ ሰረሐ፡ ቅድም ብዝርአ ቀጺሉ’ውን ብዘይርአ (ትሩፋትካ ብሕቡእ ክትገብር ከሎኻ፡ ንኣብነት ይገብር ኣለኹ ከይበልካ፡ ብስውር ንዝተወጸዐ ምሕጋዝ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ምርዳእ የጠቃልል።) ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ንምሕረት እግዚአብሔር ዝተዳለወ እዩ። ኣብ ልቡ ብዝወሃቦ ምስክርነት ድማ ከምቲ ፍቑር እግዚእ ዝበሎ፡ <<ልብና እንተዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት ኣሎና>> (1 ዮሓ 3፡20) ። 

+ ኣባ ዘይኑን ክሓቱዎ ከለው፡ “ንዝኾነ ሓጢኣት ምሕረት ይርከቦ’ዶ፤”
እዞም ቅዱስ ኣቦ ከምዚ ክብሉ መለሱ፡ “ማዕረ እቲ ዝኣበሶ ኣበሳ ምስ ተናሰሐ ምሕረት ክረክብ እዩ።”
እቲ ሓታቲ ዓቢ ሓጢኣት ከም ዝሓጠአ ይፈልጥ ስለዝነበረ፡ ከምዚ ክብል ተዛረበ፡ “ካብ ዘገርም ግን ነዚ ናተይ ሓጢኣት ምሕረት ይርከቦ’ዶ ይኸውን፤”
መልሲ፡ “ክንዲ’ቲ ዝሓጣእካዮ እንተተናሳሕካ ምሕረት ክትረክብ ኢኻ ኢለካ ነይረ፡ ሕጂ’ውን ዝወደይ፡ ከይሓፈርካ፡ ዝኾነ ከይሓባእካ፡ ዝገበርካዮ ሓጢኣት ንገረኒ። ምኽንያቱ ሓጢኣቱ ዝሓብእ ቁስሉ ከም ዝሓብእ እዩ። ካብ ሓጢኣትካ ክትነጽህ እንተ ደኣ ደሊኻ ከይሓባእካ ተዛረብ።”
እቲ መንእሰይ ድማ፡ “ኣቦ! ዓለማዊ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ምስ ወላዲተይ ዝደቀስኩ ሰብ እየ።”
እቲ ቅዱስ ኣቦ፡ “ብሓቂ ዝወደይ ነውሪ ገበርካ ግና፡ ክንዲ እቲ ዝሓጣእካዮ እንተ ተናሳሕካ ርግጸኛ እየ ኣምላኽ ብምሕረቱ ከም ዝበጽሓካ።”

እቲ መንእሰይ፡ “እንታይ ክገብር፤” ክብል ሓተቶ።
እቶም ቅዱስ ኣቦ፡ ናብ ገዳም ወሲዶም ዝነቐጸት ገረብ ኣርኣይውዎ። ከምዚ ድማ በልዎ፡ “ንበይንኻ ክትኮነሉ እትኽእል ቦታ ኪድ፡ ኣብኡ ብጾመ ጸሎት ንቓሕ፡ ኣብ እትጾሞን እትጽልዮን ሸለል ከይትበል። ድሕሪ ዓመት ድማ ናብዚ ቦታ’ዚ ተመለስ። እዛ እትርእያ ዘሎኻ ንቕጽቲ ገረብ ፍረ እንተ ኣውጸአት፡ ኣምላኽ ምሕረቱ ከም ዝሰደደልካ ፍለጥ።” 

ናብ ዝተሓበሮ ስፍራ ከይዱ ከምቲ ቅዱስ ኣቦ ዝኣዘዞ ድማ ገበረ። ድሕሪ ዓመት ምስ ተመልሰ እታ ገረብ ብንቕጽታ ጸነሓቶ። ነቶም ቅዱስ ኣቦ ድማ ነገሩዎ።
ቅዱስ ዘይኑን ድማ ከምዚ በለ፡ “ንስሓኻ ምሉእ ከም ዘይኮነ ፍለጥ። እዛ ዓመት ከይሰልከኻ ነፍስኻ መርምር።”
ድሕሪ ሓደ ዓመት’ውን ምስ ተመልሰ እታ ገረብ ከም ዝነበረታ ጸንሓቶ።
ሓጂ’ውን እቶም ቅዱስ ኣቦ፡ “ገና፡ እዛ ዓመት’ውን ሓሳባትካ ኣንጽህ፡ ኣበርቲዕካ ጸሊ። ኣብ ጸሎትካ ድማ ንቁሕ ኩን።”

ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ምስ ተመልሰ ግና፡ እታ ገረብ ለሚዓ፡ ፍሪኣ’ውን ሂባ ጸንሓቶ። ነቶም ቅዱስ ኣቦ ምስ ነገሮም፡ “እንሆ ቄናን ዝነበረ ልብኻ ቀኒዑ፡ ካብ ሓጢኣትካ ድማ ነጺህካ ኣሎኻ። ስለዚ ደጊም ኣይትኣብስ፡ ነቲ ምሉእ ምሕረት እግዚአብሔር ድማ፡ ብምስጋና ኣኽብሮ።” ኢሎም ኣተባበዕዎ።
ኣብ ሓጢኣት ምንዝርና ዝወደቐ ካህን ቁስጠንጢንያ።

ኣብ ቁስጠንጢንያ ዝነብር ዝነበረ ቀሲስ፡ ድያብሎስ ኣታሊልዎ ኣብ ናይ ምንዝርና ሓጢኣት ክወድቅ ክኢሉ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ብዝገበሮ ክሓስብ ጀመረ፡ ዕለተ ሞቱ ድማ ተራእዮ፡ መዓልቲ ፍርዲ ድማ ዘከረ። ሽዑ፡ እናበኸየ፡ “ርኽሰት ዝመላእኩ፡ እቲ ዝገበርኩዎ ኽፉእን ረሳሕን ግብሪ ምሕረት ክረክብ እንታይ ክገብር እየ፤” በለ። 

ሓደ ካብ መዓልታት ድማ ብኅልንኡ፡ ናብ ከረን ክድይብ እሞ ሓጢኣቱ ነቶም ቅዱሳን ኣበው ክናዘዝ ወሰነ። ኣብ’ቲ ከረን ምስ በጸሐ፡ ንሓደ ቅዱስ ኣቦ ረኺቡ ዝገበሮ ኩሉ ሓጢኣቱን ምንዝርንኡን ነገሮ። እቶም ቅዱስ ኣቦ፡ “ኣብዚ ሕማቕ ሓማም ምስ ወደቕካ፡ ኣብ ዝነበርካዮ ስልጣን  ክትጸንሕ ትግምት ነይርካ ዲኻ፤” እወ ክብል ድማ መለሰሉ።

እቶም ቅዱስ ኣቦ፡ “ስማዕ ዝወደይ፡ ዝኾነ ካህን ኣብዚ ክፉእ ስቓይ እንተወደቐ ካብ ክህነቱ ይወርድ፡ ንጹህ ንስሓ ድማ ይኣቱ። ኣብ ናይ ምንዝርና ሓጢኣት ዝወደቐ እሞ ስልጣነ ክህነት ዘቋመት ግን፡ ፈውሲ ክረክብ ኣይክእልን እዩ።”

“ኣቦ፡ እሞ ንዓይ ዝኸውን ንስሓ ኣይርከብን ማለት ድዩ፤ እቶም ቅዱስ ኣቦ፡ “ዝወደይ፡ ኣነ መን ኮይነ እየ እሞ ክፈርደካ፤ ንነፍሰይ ከምዚ ናትካ ክበኽየላ ኣይከኣልኩን።” ኢሉ ኃዲጉዎ ከደ።

መንገዱ እናቀጸለ ድማ ኣባ ጴጥሮስ ኣጓነፎ። ሓዚኑ፡ ርእሱ ኣድኒኑ ምስ ረኣዮ፡ ምኽንያት ሓዘኑ ሓተቶ። ዘጓነፎ ኩሉ ድማ ነገሮ። እቶም ዝረኸቦም ኣቦ ድማ ተስፋ ከም ዘቊረጽዎ ሓበሮ። ቅዱስ ጴጥሮስ ሰራሕ መንክራት ድማ፡ “ከም ዝርደኣኒ ንምሕረት እግዚአብሔር ዝስዕር ሓጢኣት የልቦን። ብዛዕባ ጕዳይካ ክንዘራረብ ድማ፡ ናብ’ታ ናተይ በዓቲ ንኺድ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ክመርሓና እዩ” ኢሉ ናብቲ ዝጽልየሉ ዝነበረ ስፍራ ወሰዶ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ኩሉ ነገሮ። እቲ ቅዱስ ኣቦ፡ “ልክዕ ንቀሲስ ምንዝርና ከቢድ ነገር እዩ። ምስኡ ዝኸይድ ድማ ኣይኮነን። ኣብ ዝኾነን ዝተፈጸመን ነገር ግን ንገብሮ የለን። ካብ ሎሚ ንድሓር፡ ካብ ክህነትካ ኣግሊስካ ክሳዕ ፍጹም ትነጽሕ ንስሓ ክትኣቱ ኢኻ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዘልኣለም ካህን ምስቶም ዝተናስሑ ንስሓኻ ክቅበልልካ ክጽልየልካ እየ።”

እዚ ዝሰመዐ ቀሲስ ድማ፡ ፍግም ኢሉ ሰጊዱ ከምዚ በለ፡ “ኣምላኽ ናባኻ ስለዝመረሓኒ በጃኻ! ምሳኻ ክኸውን ፍቐደለይ፤” ንብዓቱን ዝተሰብረ ልቡን ተዓዚቡ፡ “ምሳይ ክትከውን እንተ ደሊኻ ኣነ ኣይክርሕቐካን እየ። <<ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከኣ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ>> (ዮሓ 6፡37) ከም ዝበለ፡ ቃል ኣምላኽ ከምኡ ይኹንካ” በሎ። ቃል ኣምላኽ መሃሮ፡ ብድሕሪኡ መንኰሶ ናይ ባሕታውያን ልብሲ ኣልበሶ። ምሕረት እግዚአብሔር እናለመነ ድማ ብፍጹም ትሕትና ምስኡ ይነብር ነበረ። ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፡ ንበይኑ ናብ’ታ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረት ክፍሊ ንክኸይድ ሓተቶ። ኣውንታዊ መልሲ ምስ ረኸበ፡ ንበይኑ ኮነ። ጸላኢ ሰናያት ድማ ብተስፋ ምቊራጽ ፈተኖ። ሰንሰለት ኣብ ክሳዱ ኣሲሩ ነቲ ካልኣይ ጫፍ ሰንሰለት ኣብ መንደቕ ብምስማር ኣብ መንደቕ ጠልጠል በለ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቶም ቅዱስ ኣቦ ደሃዩ ክፈልጡ ኣብ ዝመጹሉ ግዜ፡ ካብ’ቲ ተንጠልጢሉዎ ዝነበረ ንኸየውርድዎ፡ ኣብኡ ከመውት ንክሓድግዎ ተላበዎም። እቶም ቅዱስ ኣቦ ግና፡ ገነሖን ከምኡ ክብል ከም ዘይግባእን ነገሮ። ፈቲሑ ድማ ኣውረዶ። ምስ ወረደ ጸሎት ጸለየ፡ እና ጸለየ ከሎ ድማ ነፍሱ ዐረፈት። ካብ ናይ ተስፋ ምቊራጽ ፈተና የድሕነና። 

+ ክልተ ኣሓው ኣብ ምንዝርና ሓጢኣት ወደቑ። ኣብ ዓለም ምስ ደቀንስትዮ መንዘሩ። ድሕሪ ቅሩብ ግና ነገሮም ተረዲኡዎም ተጣዒሶም ነንሕድሕዶም ከምዚ ተበሃሃሉ፡ “ስራሕ መላእክት ሓዲግናስ ኣብዚ ርኽስተ’ዚ ኣቲና እንታይ’ዩ ረብሓና፤ ገሃነም እሳት ክኸውን ቦታና፤ ናብ እግዚአብሔር ደኣ ንመለስ። ናብ ኣዒንቲ እግዚኣብሔር ካህናት ከይዶም፡ ኣምላኽ ክርህርሃሎም ምሕረት’ውን ክህቦም፡ ክጽልዩ፡ ንዓለም’ውን ክመስሉ ከምዘይብሎም ተነግሮም፡ ቀኖና ድማ ተሰርዓሎም። ንዓመት ዝኣክል ኣምላኽ ክርሕርሓሎም ኣብ ጾምን ጸሎትን የሕልፍዎ ነበሩ። ቁራስ ሓብስትን ማይን ብማዕረ ይወሃቦም ነበረ። ቀኖና ምስ ወድኡ፡ ኣብ ገጽ እቶም መናእሰይ ፍሉይ ነገር ተራእየ። እቲ ሓደ ገጹ ጻዕድዩ ኣካሉ ክማስን ከሎ እቲ ካልኣይ ግና ትርኢቱ ከይጐደለ ጽቡቕ ወጸ። እቲ ነገር ንካህናት ከይገረሞም ኣይተረፈን። ምኽንያቱ እቲ ዝምገብዎ ዝነበሩ ሓደ እዩ ነይሩ።

ነቲ ኣካሉ ዝማሰነ ሓተትዎ፡ “እዚ ኹሉ እዋን እንታይ ከመይ ትገብር ነበርካ፤ መልሲ፡ “ኩሉ ዝገብሮ ዝነበርኩ ሓጢኣትን እቲ ተዳልዩለይ ዘሎ መቕጻዕትን ይረኣየኒ ስለዝረኣየኒ ዝነበረ፡ ኣምሪረ ይነብዕ ነበርኩ።። ከምዚ እትርእይዎ ዘለኹም ድማ ስጋይ ምስ ዓጽመይ ተላገበ።”

እቲ ካልኣይ ከኣ፡ “እዚ ኹሉ እዋን ንስኻ’ኸ እንታይ ይስምዓካ ነበረ፤”
መልሱ፡ “ካብ ርኽስት ዓለምን ምንዝርነኣን ከናገፍ ስለዝፈቐደለይ ኣምላኽ የመስግኖ ነበርኩ። ዳግም ናይ መላእክት ስራሕ ክሰርሕ ጸጋ ስለዝሃበኒ ድማ ይሕጎስ ነበርኩ። ቅዱሳን ኣበው ካህናት፡ “ብሓቂ ብሓቂ ንስሓ ክልቲኦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ፡” በሉ።

+ ቅዱስ ኣባ ኣንጦንዮስ ሓደ መንእሰይ ሓተቶ፡ “ምሕረት ኣምላኽ ክረክብ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፤” መልሲ ቅዱስ ኣንጦንዮስ፡ “ናብ ዝኸድካ ኺድ ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ግበሮ። ኣብ እትገብሮ ኩሉ ምርኩስካ ቃል ኣምላኽ ይኹን። ኣብ ኮፍ ዝበልካሉ ቀልጢፍካ ኣይትተንስእ። ነዚአን ኣጽንዓየን ምሕረት እግዚአብሔር ክትረክብ ኢኻ።”

ከመይ ገይረ ክናሳሕ፤
ይቅጽል . . . ንብርሃን ጥምቀቱ ብሰላም የብጽሓና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣
                                                                   ወለወላዲቱ ድንግል፣
                                                                 ወለመስቀሉ ክቡር።


2 comments:

  1. Qale hiwet bebaqi abi timhrti hawuna belu eta terifa zela kea qiltif elkum post gberwa behaqi tehantye aleku .......thanks

    ReplyDelete
  2. አሜን በንስሃ ሕይወት ውስጥ ለመኖር የበቃን ያድርገን!
    //ደ.ጀ

    ReplyDelete