Friday, January 18, 2013

<<ንኣይ ኣባኻ ምጥማቕ የድልየኒ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧>> ማቴ 3፡14


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
እንቋዕ ናብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓል ጥምቀት ብሰላም ኣብጻሓና!
ካብ ሠለስቱ ኣካላት ሓደ ወልደ እግዚአብሔር እቲ ንኣዳም ዘተስፈዎ ዘመን ምስ ኣኸለ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ብምዃን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተወልደ። ንህላዌኡ ዘመን ዘይቝጸረሉ ወልደ እግዚአብሔር ብተዋሕዶ ዘመን ስለዝተቖጽረሉ ዓመት ምስ መልአ ዘመነ ሉቃስ ዕለተ ሠሉስ ጥሪ ፲፩ ልክዕ ሰዓት ናይ ለይቲ ብኢድ ዮሓንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ ወረደ። አፈ እግዚአብሔር ተባሂሎም ብዝፍለጡ ነቢያት ኣቐዲሙ ብትንቢት፡ ብኢድ መሬታዊ ዮሓንስ ከም ዝጥመቕ፡ እንሆ ኣነ ልኡኸይ እልእኽ ኣለኹ፡ ንሱ ቀቅድመይ መገዲ ክጸርግ እዩ ብኡኡ ከኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ክመጽእ እዩ ይብል ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ሚል ፫፥፩ ከምኡውን ነቢይ ኢሳይያስ እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ድምፁ ዓው ኣቢሉ መገዲ እግዚአብሔር ኣብ ምድረ በዳ ኣዳልዉ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምዕ ከኣ ንኣምላኽና ጽርጊያ ኣቕንዑ፡ ሽንጥሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኵሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን፡ እግዚአብሔር ተዛሪቡ እዩ እሞ ክብሪ እግዚአብሔር ክግለጽ ኵሉ ሰብ ከኣ ኃቢሩ ኺርእዮ እዩ ብምባል ቃል ትንቢት ኣስሚዑ ነበረ። ኢሳ ፵፡፫።


ጐይታ ካብ ኵሉ ማይ ዝርከበሉ ኣፍላግን ባሕርታትን ዓለም ፈልዩ ንፈለገ ዮርዳኖስ ምኅራዩ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ኣቐዲሙ ኣብ ነቢያት ሓዲሩ ንዘዛረቦ ትንቢት ንምፍጻም እምበር። ነቢየ እግዚአብሔር ዳዊት ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት፡ ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰ ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ፡ ኣቲ ባሕሪ እንታይ ኴንኪ ዝሃደምኪ፡ ኣታ ዮርዳኖስከ ንድሕሪት እተመለስካ፡ ኣቱም ኣኽራን ከም ደዓውል ኣቱም ኰረቢትሲ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም እንታይ ኴንኩም ኢኹም፡ ኣቲ ምድሪ ኣብ ቅድሚ እቲ ነኻውሕ ናብ ቀላያት ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚአብሔር ኣምላኽ ያዕቆብ ኣንቀጥቕጢ ክብል ተዛሪቡ ኣሎ፡ መዝ ፻፲፬፡፫። ኣብነቱ ድማ ዮርዳኖስ ኣብ ላዕሊ ካብ ሓደ መጺኡ ትሕት ኢሉ ኣብ ክልተ ይምቀል፡ ድኅሪ እዚ ወሪዱ ናብ ሓደ ይመጽእ። ወዲ ሰብ'ውን ዘርኡ ካብ ሓደ ኣዳም እዩ። ትሕት ኢሉ እሥራኤል ብግዝረት ኣሕዛብ ብቝልፈት ናብ ክልተ ተመቒሎም። ዳኅራይ ግና ብናይ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ኣሚኖም ብስም ሥላሴ ተጠሚቖም፡ ብጥምቀት ሓደ ይኾኑ ንኽብል እዩ።

ዮሓንስ፡ ንኣይ ኣባኻ ምጥማቕ የድልየኒ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ክዛረብ ከሎ ትሕትና ኣምላኹ ገለጸ። ኣቤት ክንደይ ዝኣክል ትሕትና እዩ ናይ ጐይታ፧! ኣቀዲሙ ንጉስ እንከሎ መቀበሊ ተሳኢኑዎስ ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ፡ ሕጂ’ኸ ብኢድ ዮሓንስ ክጥመቕ፤ ትሕትና ጐይታ መንክር ኢልካ ካብ ምሕላፍ ካልእ መግለጺውን የብሉን። ጐይታ ክጥመቕ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ቅዱስ ዮሓንስ ብትሕትና ኣነ ብኣኻ ክጥመቕ ይግብኣኒ እምበር ኢሉ ምስተዛረቦ ኵሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣና ኢሉ ንኽጥመቕ ፍቓዱ ምዃኑ ምስ ነገሮ ክጥመቕ ሓደጐ። ከምኡ ዝበሎ ድማ ብዛዕባ ክፍጽሞ ዘለዎ ትንቢት ነቢያት ምዃኑ ንሱ ድማ ክፍጸም ግድን ምዃኑ ክነገሮ ስለዝደለየ እዩ። ስለዚ ድማ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት ተባሂሉ ክብሩ ክንገረሉ ጐይታ ድማ ብኢድ ባርይኡ ብትሕትና ተጠመቐ ተባሂሉ ክሳብ ሕልቀተ ዓለም ክንገር ይነብር ኣሎ።

ጥምቀት ጐይታ ስሌና ብምዃኑ ኣብ ኣምላኽነቱ ዝውስኾን ዘጐድሎን ነገር የብሉን። ሕጸጸ ክብርን ጸጋን ነይርዎ ብምጥማቑ ምልኣተ ክብርን ጸጋን ዝረክብ ኣይኮነን። ጐይታ ብምጥማቑ ግና ንሕና ግድን ስለ ድኅነትና ክንገብሮ ከምዝግባእና ነገረናን ኣርኣየናን። ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ሰብ ኮይኑ ብኢድ ዮሓንስ ኣብ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ድማ ከም ምምልካት ኢድ ብኣምሳለ ርግብ ወሪዱ ኣብ ርእሲኡ ዓለበ፡ አብ'ውን ብደመና ኮይኑ ኣብ ማእከለ ዮርዳኖስ ንዝቖመ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮት ካብ ሥጋ ከይፈለየ ብሓደ ኣካል ብሓደ ባህርይ ብኡኡ ዝሠመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ በለ ማቴ. ፫፡፲፯። በዚ ኸኣ ኣብ ሓደ እዋን ሠለስቱ ኣካላት ሥላሴ ተገሊጾም። ጥምቀት ዮሓንስ ናይ ንስሓ ነበረት። ጐይታ ግና ኣብ ክንዲ እቲ ንስሓ ዝግብኦ ሰብ ኣዳም ተጠምቀ እምበር ንሱስ ወሃቢ ሕይወት ተቐባሊ ንስሓ እዩ። ዝገበሮ ምእንቲ ሰብ ምዃኑ ድማ ከረድእ ሰብ ኮይኑ ኣብ ሞንጎ እቲ ሕዝቢ ዝተረኽበን ከምኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ዮሓንስ ክጥመቕ ዝቐረበን። መንነት ጐይታ ብንጹር ዝፈልጥ ቅዱስ ዮሓንስ እንታይ ኢሉ ከምዘጥምቖ ንምፍላጥ ጐይታ፡ ብስም መን ከጥምቐካ እየ ኢሉ ሓተቶ ጐይታ'ውን ወልዱ ለቡሩክ ከሣቴ ብርሃን ተሣሃለነ፡ አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከ ጼዴቅ ትርጉሙ ከኣ ወዲ ብሩኽ አብ ዝኾንካ ብሩኽ ወልድ ብርሃን እትኸስት (እተብርህ) ይቕረ በለልና ከም ክህነት መልከጸዴቅ ዘለኣለማዊ ካህን ኢኻ እናበልካ ኣጠምቐኒ ኢልዎ፤ ከምቲ ዝበሎ ኢሉ ድማ ኣጥሚቕዎ።

ብሓቂ ንሕና'ውን ነቲ ኣብቲ ቅዱስ መጽሓፍ ብዘሎ ትእዛዝን ቃል እግዚአብሔርን ተመሪሕና ነቲ ቃል ሓቅን ጽድቂን ክንፍጽም ከምዝግባእና ዓቢ ኣርኣያ ገዲፉልና ኣሎ። እወ ጐይታ ካባና ዝጽበዮ ነቲ ቃል ጽድቂ ሰሚዕና ክንፍጽምን ፍረ መንፈስ ከነፍርይን እዩ። ብትሕትናን ፍቕርን እግሪ ሓዋርያቱ ሓጺቡ ንስኻትኩምውን ነንሕድሕድኩም ከምኡ ግበሩ ኢሉ ኣርኣያ ዝገደፈልና ጐይታ ናብራና ናብራ ጽድቂ ፍኖትና ፍኖተ ጽድቂ ክኸውን ጐይታና ጽድቂ ክንፍጽም ይምህረና። መንፈሳዊ ጽድቂ ዘውህብ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያንና ስምዑኒ እናበለ ድምፁ የድሂ ደውልውን የስምዕ ኣሎ፤ እሞ ሃየ ልብና ነቕንዕ፡ ትሕት ንበል፡ ብፍቕሩ ንገዛእ፡ ስልማትና ማዕተብና ኣይንደርቢ፡ መንፈሳውነትና ብምስትውዓል ነዕቢ። በዓልና በዓለ ፍስሓ ወሓሴት፥ በዓለ ጸጋ ወምሕረት፥ በዓለ በረከት ወጽድቅ ይግበረልና።

ምንጪ፡ ማዕዶት
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!



No comments:

Post a Comment