Friday, January 18, 2013

ንስሓ 4ይ ክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
አሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 4ይ ክፋል

ከመይ ገይረ ክናሳሕ፤
1.    ካብ ተስፋ ምቁራጽ ምጥንቃቕ።

+ ቅዱስ ኣንጦንዮስ፡ “ብዙሓት ዝወደቑ ኣለው፡ ምስ ተንስኡ ግና ምሉኣት ዝኾኑ። ብዙሓት ከኣ ካብ ሠናይ ግብሪ ናብ ርኹስ ግብሪ ዝተመልሱ ኣለው። ወዲቑ ዝትንስእ ካብቲ ተንሲኡ ዝወድቕ ይበልጽ።”

 + ማር ይስሓቕ፡ “ናይ ቀዳሞት ኣቦታትካ ምውዳቕ ዘክር፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝተነሰሑን በረከት ከም ዝረኸቡን ዘክር። እዚ ኣብ ንስሓኻ ክጸናንዓካ እዩ።”

+ ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡ “እቶም ሠናይ ዝደልዩን ንኣምላኽ ዝፍርሁን፡ ክወድቁ ከለው ተስፋ ኣይቆርጹን፡ እኳ ደኣ ካብ ውድቀቶም ተንሲኦም ንቕሓትን ጥንቁቓትን ንሠናይ ግብሪ ትጕሃትን ይዕጠቑ።”

+ ኣብፋንዮስ፡ “ኣምላኽ ሓጥኣን ክናስሑ ከለው፡ ብዘይመኽሰብ ይጸባጸቦም። ከምቲ ጥፉእ ወድን እታ ኣመንዝራን። (ሉቃ 15፡11-32፡ዮሓ 8፡1-11) ንቅዱሳን ግና፡ ክልቲኡ (እቲ ገንዘብን መኽሰቡን) ይሓቶም። ምኽንያቱ ጐይታ ንደቂ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም፡ <<ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝኅ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም>> (ማቴ 5፡20) ።

+ ኣባ ኤልያስ፡ “ኣብ ቅድሚ ንስሓ ሓጢኣት ደው ክትብል ኣይትኽእልን እያ።”

+ ቅዱስ ካህን፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ይምሕሮም’ዶ፤ ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ “ፍቁር ወደይ፡ ክዳንካ እንተ ዚቕደደካ ምደርበኻዮ’ዶ፤ መልሲ፡ “ኣይፋል፡ ሰፍየ ምትኸደንኩዎ ‘ባ!” ። “ህይወት ዘይብሉ ትንፋስ ዘይነበሮ ክዳን ካብ ዘይጨከንካሉስ፡ ከመይ ደኣ ንዘስተንፍሱን ህይወት ዘለዎምን ፍጡራኑ ምሕረት ዘይህቦም።”

+ ንቅዱስ ኣባ ቢመን ክሓትት ከሎ ሓደ ኣኃው፡ “ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ካልኣይ ግዜ ኣብ’ቲ ዝነበሮ እንተተመልሰ ኣምላኽ ይምሕሮ’ዶ፤” መልሲ፡ “ሰባት ነንኅድኅዶም ይቕረ ክበሃሃሉ ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ፡  እዚ ዝኣዘዘ ኣምላኽስ እንታይ ክገብር ምተጸበና፤ እወ፡ ምሕረት ኣምላኽ መስፈሪ የብሉን። ምኽንያቱ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ በደል ሓውካ ምሕዳግ፡ <<ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ ክሳዕ ሾብዓተ’ዶ፤>> ኢሉ ምስ ሓተቶርኅሩኅ ኣምላኽ ድማ ከምዚ ክብል መለሰሉ <<ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን።>> (ማቴ 18፡21-22) ።
 
ቅዱስ ባስልዮስ ክሓቱዎ ከለው፡ “ናይ ንስሓ *ቀኖና ዝበርትዖ ከመይ ክገብር ይኽእል፤”
ቀኖና*(ሥርዓት ዝትርጕሙ፡ እቲ ዝተጋገየ ሰብ ጾምን ስግዳንን ፡ ካብቲ ዝነበሮ ጌጋ ብስቡር ልቢ ንኽምለስ ብኣበነ ነፍስ ዝወሃብ።)
መልሲ፡ “እዚ ከምቲ ፈላጥ ሓኪም እሞ ናብ ሞት ዝበጽሐ ሕሙም ውላድ ዘለዎ፡ ርዝነት ሕማም ውላዱ ብዘይዕቱብነትን ምክትታልን ክሓዊ ከም ዘይክእል ዝፈልጥ ርኅሩኅ ወላዲ እዩ። እቲ ሕሙም ውላድ፡ ፍቕሪ ወላዲኡ ርእዩ፡ ብብስለት ኣብኡ ተኣማሚኑ፡ ልቡ የቕስን። ነቲ ዝግበረሉ ዘሎ ምክትታል ኣብኡ ከይነዓቐ፡ ብህይወት ንኽነብር ይጽዕር። ቀኖና ዝበርተዖ’ውን፡ ቀኖና ዝኣዘዘሉ ኣበነፍሱ ጉዳዩ ኣረኪቡዎ ስለዘሎ፡ ክቐስን ይግባእ።”   

ክልተ መእመናን ደቂ ኣንስትዮ ዘይቅቡል ኣካይዳ ይኽተላ ከም ዘለዋ ዝፈለጠ ሓደ ቅዱስ ካህን(ቀሲስ)፡  ሓቅነቱ እቲ ዘረባ ንኽግለጸሉ ናብ እግዚአብሔር ይጽሊ። ጸሎቱ ተሰሚዑ ድሕሪ ቅዳሴ ቁርባን ኣብ ዝዕድለሉ ዝነበረ ግዜ፡ ሓጢኣቶም እቲ ህዝቢ ይርኢ ወይ ይግለጸሉ ነበረ። ገሊኦም ገጾም ጸልሚቱ፡ ገሊኦም ኩሉ ኣካሎም ሓሪሩ፡ ገሊኦም ድማ ኣዒንቶም እሳት ደም ተለዊጡ፡ ገሊኦም ገጾም ዝበረሀ፡ ከናፍሮም ዝጻዕደወ ነበሩ። ኣብተን ኣንስቲ ምስ በጽሐ ግና ብርግጽ ሕማቕ ነገር ክህልወን ኣለዎ ኢሉ እንተራኣየ ንጹሃት ረኸበን። ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ምስ ወሰዳ ድማ መሊሰን በርሃ። እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ከብል ጀመረ። መልኣኽ እግዚአብሔር መጺኡ ከምዚ በሎ፡

እዘን ኣንስቲ ከምቲ ዝበጽሓካ እዩ ነገረን፡ ግና ካብ ልበን ሓጢኣት ፈንፊነን ናብ ኣምላኽ ስለዝተመልሳ፡ ብስቡር ልቢ በኽየን ብጸሎት ነቒሐን ትሕት ስለዝበላ፡ ኣምላኽ ንንስሓአን ተቐበሎ። ስለዚ ድማ ናብ ንጹህ መንገድን ፍቕሪ ኣምላኽን ይስጕማ ኣለዋ።”

እቲ ቀሲስ፡ “እዘን ኣንስቲ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ምምላሰን ዘይኮነ ዝገረሚ፡ ብዙሓት በዚ መንገዲ ሓጢኣት ይሓልፉ፡ ናይ ኣምላኽ ምሕረት ግን ዘይጎድል ምዃኑ እዩ። ከይተቕዝፋ ሕማቕ ከይረኸበን ናብዚ ጸጋ እዚ ምብቃዐን ዓቢ ነገር እዩ።  

እቲ መልኣኽ፡ “ንስኻ ሰብ ኢኻ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን ግና ብባህሪኡ ርኅሩኅን ቅኑዕን እዩ። ተጣዒሶም ዝመጹዎን ተናሲሖም ዝምለሱዎን ኣይጭክነሎምን እዩ። ናብ ስቓይ ድማ ኣይድርብዮምን እዩ። ንደቂ ሰባት ስለዘፍቐረ ድማ ብቕጥዖኡ ኣይቀዝፎምን እዩ። ቦኽሪ ወዱ ናብ ምድሪ ብምስዳድ ድሕነት ኣወጀሎም። ህዝቢ ዓለም ጸላእቱ እንተኾኑ ኣብ ክንድኦም ክመውት መረጸ። እዚ ኹሉ ተጣዒሶም እንተተመልሱስ ምሕረት ሂቡ ካብ ኩሉ ጸጋታቱ ድማ የብቅዖም። ካብ ኩሉ ሓጢኣት ሰብ ምሕረት እግዚአብሔር ይዓቢ። ተጣዒሶም ምስ ዝምለሱ ንሱ መሓሪ ኣምላኽ ድኻም ደቂ ሰባት ዝፈልጥ ምዃኑ’ዩ ምሉእ ምሕረት ዝህቦም።”

ቀሲስ፡ “እዚ ዝራእኹዎ ገጻት ናይ ሰባት ክትገልጸለይ’ዶ፤”

እቲ መልኣኽ ድማ፡ “እቶም ገጾም ዝበረሀ፡ ንጹሃት ቅኑዓት ልቢ፡ ምእዙዛትን ትሑታትን መሓርትን እዮም። እቶም ገጾም ዝጸለመ፡ ዝምንዝሩ እዮም። እቶም ገጾምን ኣዒንቶምን ነጠብጣብ ጸሊም ዘለዎም፡ ስርቂ ሓሶት ምትላል ዝልማዶም እዮም። ቀጺሉ’ውን፡

ክድሕኑ እንተደሊኻ ድማ፡ ብንስሓ ክምለሱ ምኸሮምን ምዓዶምን። ካብቲ እከይ ስርሖም ኣግሊሶም ናብ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይምለሱ። ስለኦም ዝሞተ ካብ ምውታን’ውን ዝተንሰአ፡ ክሳዕ ሕጂ’ውን ዝጽዕረሎም ዘሎ ንጉሥ ሰማይን ምድርን ሎሚን ኩሉ ሰዓን ንዘለኣለም ኣለም።

+ ኣብ ሓደ እዋን’ዩ ወዲ መዝሙሩ ንቅዱስ ኣንጦንዮስ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ልማዱ ነኣሕዋት ክበጽሕ ኢሉ ናብ እስኪት ከደ። ኣብኡ ናይ ኩሎም ነፍሳት ኣዕሚቑ ይርኢ፡ ከመይ ከም ዘለው ድማ ይዕዘብ ነበረ። መልክዖም እናተመልከተ፡ ዝሕልውዎም መላእክት ደስ ኢሉዎም ረኣየ። ሓደ ግና ኩሉ ኣካሉ ጸሊም ተሸፊኑ፡ ኣጋንንቲ ከቢቦሞ ይዘምትዎ፡ ኣብ ርሑቕ ኮይኑ ድማ መልኣኹ ይዕዘቦ ከም ዘሎ ረኣየ። ነዚ ምስ ረኣየ፡ ኣፍ ልቡ እናሀረመ ይበኪ ነበረ። ካብ ቤት እግዚአብሔር ድማ እናበኸየ ክወጽእ ከሎ፡ ኣሕዋት ክሓቱዎ ጀመሩ። “ኣቦና፡ ንምንታይ ትበኪ ኣሎኻ፤” ናብ ቅዳሴ’ውን ክኣቱ ለመኑዎ፡ ንሱ ግና ብክቱር ጓሂ ክኣቱ ኣይከኣለን። ጸሎት ምስ ወድኡ ናብኡ ገጾም ይመጹ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፡ ይጥምቶም ነበረ። እንደገና ድማ መልክዕ ነፍሳቶም ክዕዘብ ከሎ፡ ነቲ ጸሊሙ ዝመነበረ ኣሐው፡ ደሮ ነጺሁ ኩሉ ነፍሱ በሪሁ ረኣየ። እቲ ዝሕልዎ መልኣኽ ድማ ተፈሲሁ ይስዕቦ ነበረ። እቶም ኣጋንንቲ ግና፡ ተቖጢዖም ኣብ ርሑቕ ጠጠው ኢሎም ረኣዮም። ኣምላኽ ብርሃን ይባረኽ እናበለ ብሓጎስ ዘለለ። ዓው ኢሉ ድማ፡ “ሠናይ ግብሪ ኣምላኽ ክትርእዩ ንዑ። ንዝግብኦ ጸጋ ዝዕድል፡ ንዝተሰብረ ዚጽግን፡ ብጥፍኣት ሓደ ‘ኳ ዘይሕጎስ፡ ንኹሉ ብማዕረ ዝጥምት፡  ለዋህ ኣምላኽ እዩ። ሓቢርና ንስገደሉ፡ “ብጄካኻ ካብ ሓጢኣት ሓራ ክገብረና ዝኽእል የልቦን” ንበሎ። ቃሉ ንኽሰምዑ ብዙሓት ተኣከቡ። ነቲ ዚረኣዮ ድማ ገለጸሎም። ነቲ ኣሓው እቲ መልክዑ ከመይ ገይሩ ከም ተቐየረ ክገልጸሉ ሓተቶ። ኣብቲ እኩብ ሰብ ድማ ብድፍረት ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ “ኣነ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ርኽሰት ዝነበርኩ ሰብ እየ። ኣቦና፡ መሪር ብኽያት ክበኽዩ ምስ ራእኹዎም ግና፡ ልበይ ተስበረ፡ በዚ ድማ ነቲ ዝበሃል ዝነበረ ቃል ኣምላኽ ክሰተውዕል ጀመርኩ። ነቢይ ኢሰያስ፡ <<ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ>> (ኢሳ 1፡18) ።  ኣነ ሓጥእ ሰብ ነዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ልበይ ተሰልበ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ነዚ በልኩ፡ <<ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ>> (ሉቃ 15፡7) ። ዝበልካ መሓሪ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ድሕነት ሓጥኣን ዝመጻእካ፡ ሕጂ ድማ ከምቲ ብኣፍ ነቢይካ ዝበልካዮ ንዓይ ንሓጢኣተኛ ከምኡ ግበረለይ፡ ንስሓይ ተቐበለለይ፡ ካብ ሎሚ ንደሓር ዝገብሮ ካብ ዝነበርኩ ክፉእ ነገር ከቋርጽ እየ። ክሳዕ መወዳእታ ትንፋስ ድማ ብንጽህና ከገልግለካ እየ። ቃል ኪዳን ኣትየ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻእኩ።” ነዚ ዝሰምዑ ኣቦታት ብሓደ ድምጺ ንኣምላኽ ከምዚ እናበሉ ኣመስገኑ፡ <<ዎ እግዚአብሔር፡ ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ፡ ንኹሉ ብጥበብ ገበርካዮ>> (መዝ 104፡24) ። እቲ ኣሓው ድማ ካብኡ ንደሓር፡ ብንጽህና ኣገልገለን ንኣምላኽ ብሠናይ ግብሪ ኣስመሮን። ስለዚ ድማ ተስፋ ከይቆረጽና ናብ መሓሪ ኣምላኽና ንመለስ። ክንምለሶ ከሎና ብዝሓለፈ ኣይጸባጸብናን እዩ። ናብ ኣምላኽ ዝምለስ ኩሉ ካብ በረድ ኣጻዕዲዩ ስለዝመልሶ ውዳሴ ኣምልኾ ምስጋና ንዘልኣለም ኣለም ይኹኖ። 

+ ሓደ ቀሲስ፡ ነፍሳት ሰባት ዘርኢ ጸጋ ነበሮ። ኩሉ ድማ የኽብሮ ነበረ። ሓደ እዋን ንጸሎት ናብ ቤተ እግዚኣብሔር ኣብ ዝኸደሉ ዘነበረ ግዜ፡ ካብ በዓቲ ሓደ ካብቶም ባሕታውያን ኣቦታት ኣጋንንቲ ክወጹ ረኣየ። ገሊአን፡ መልክዕ ኣመንዝራታት ክስዕስዓን ክደርፋን ጽዩፍ ቃላት የውጽኣ ነበራ። ገሊኦም ድማ፡ ንኣሽቱ ህጻናት ዝመስሉ ዝስዕስዑ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ፡ ካልእ ሕማቕ ተግባራት ዝዘርኡ ነበሩ። ብሕልንኡ፡ “እዛ ስፍራ’ዚአ ርኹሳት መናፍስቲ ከቢቦማ ካብ ሃለው፡ ብርግጽ ሓደ ኣብ መቑሎ ሓዊ ዝነብር ባሕታዊ ኣሎ” ። ጸሎቱ ዛዚሙ ካብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ተመልሰ፡ ናብ ማዕጾ እቲ ባሕታዊ ቀሪቡ ኳሕኲሑ፡ ባሕታዊ ከፈተሉ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ኅይወት ዕላል ጀመሩ። 

ኩሉ ብትሕትና ዝኣሊ ቀሲስ፡ “ፍቑር ሓወይ፡ ኣነ ኣብ’ዚ ምሳኻ ዕረፍቲ ክረክብ ኢለ መጺአካ፡ እታ ዝጽልየላ ዝነበርኩ ስፍራ ድልየቶም ይገብሩንን ዝእዝዙንን ኣሕዲጎምኒ። ብርሃን ምስ ወጸ ድማ፡ ብሰንኪ ክፉእ ምግባረይ ምስኦም ክቕመጥ ኣይከኣልኩን። ብእሙን ኣምላኸይ ኣብ ጸሎትካ ክትድግፈኒ ድልየተይ እዩ። ተስፋ ከይቆርጽ ሓግዘኒ።” 

ነዚ ዝሰመዐ ባሕታዊ፡ ብምጽፋዕ ገዛእ ገጹ ጀመረ። ሓመድ ኣብ ርእሱ ድማ ደፍአ። ከምዚ ድማ በለ፡ “ኣንቱም ኣቦና፡ ንስኹም ቀንዴል እንከለኹም ንዓይ ንሓጢኣተኛ ብምንታይ ዓቕመይ እሞ፤ እዋይ! ኣነ መን ምዃነይ እንተትፈልጡንስ፤” ብዛዕባ ነፍሱ ክገልጸሉ ጀመረ። ተቐላጢፉ እቲ ቀሲስ፡ ነቲ እከይ ነገራት ከይነግሮ ለመኖ። እዚ ድማ ሕማቕ ቃል ንቕኑዕ ልቢ የዝሕሎን ንእዝኒ የርክሳን ስለዝኾነ። ቀኖና ወሲዱ ድማ ለይትን መዓልትን ኣፍ ልቡ እናወቐዐ ክበኪ፡ ንነፍሱ ይወቕሳን የሕስራን ነበረ። ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ድማ ብኸምዚ ኣገባብ ቀጸለ። ከም ልማዶም እቶም ቀሲስ ካብ ጸሎት ምስ ተመልሱ፡ ናብታ ስፍራ ተመልከቱ። ርኹሳት መናፍስቲ ኣብ ኣፍ ደገ ጠጠው ኢሎም ጸንኅዎ። ዝኾነ ክገብሩ ስለዘይከኣሎም፡ ነቲ ማዕጾ ክሰብሩዎ ይፍትኑ ነበሩ። በዚ ድማ እቶም ቀሲስ፡ እቲ ባሕታዊ ኣቦ ኣብ ጸሎቱ ከም ተዓወተ ፈለጠ። ተሓጒሱ ድማ ማዕጾ ኳሕኮሐ። ብዛዕባ ህይወቱ ክሓቶ ምስ ጀመረ፡ እቲ ባሕታዊ ብክቱር ጓህን ሓዘንን ቃል ከውጽእ ኣይካኣለን። “ርአ ኣቦና፡ ኣነስ ዳግም ከም ባሕታዊ ክቁጸር ኣይክእልን እየ፡ ብንጽህና ጸጋታት እግዚአብሔር ዝቕበል ከመይ ዝበለ’ዩ፤ ዝፈረሰስ መዓስ’ዩ ዝጽገን፤ እቲ ጉዕዞ ከመይ ዝበለ እዩ፤” እናበለ ነቲ ቀሲስ ይምልሰሉ ነበረ። ካብቲ ባሕታዊ ዝወጽእ ዝነበረ ቀሲስ፡ “ጐይታ ሰራዊት ይኽበር ይመስገን፡ ብንጹህ ልቦና ናባኻ ዝምለስ ሓጥእ ስለዚተቐበልካ፡ ካብቲ ዝነበሮ ዚበለጸ ገይርካ ድማ መለስካዮ። እቲ ባሕታዊ ካልኣይ ሰሙን በዚ ኣጋባብ ምስ ቀጸለ፡ እቲ ክበጽሖ ዝመጽእ ዝነበረ ቀሲስ ከም ልማዱ ኣብ ኣፍ ደገ ጠጠው ምስ በለ፡ እቶም ርኹሳት መናፍስቲ፡ ክዳኑ ቀዲዶም ጭሕሙ ነጽዮም፡ ናብ ቤትካን ጎረቤትካን ክንኣቱ ዘይምኽኣልና ኣይኣኽለካን። ሕጂ ድማ ካብዞም ኩሎም ሓደ ተሪፉና ዝነበረ፡ብሰንክኻ ክጻበኣናን ክዋገኣናን ለይትን መዓልትን ገበርካዮ። ብጸሎቱ ንቃጸል ኣሎና። ኢሎም ኣብ ጥቃ ማዕጾ እቲ ባሕታዊ ወዲቁ ገደፍዎ። ካብቲ ማዕጾ ስለዘይረሓቀ ድማ ኳሕኮሐ፡ እቲ ባሕታዊ ኣቦ ውጽእ ምስ በለ፡ ኣብ ምድሪ ተደርቢዩ ረኣዮ። ሓተቶ ድማ፡ “መን ደኣ እዩ እዚ ኩሉ ከምዚ ዝገበረካ፤” መልሲ፡ “እቶም ኣዕሩኽትኻ ዝነበሩ” ኢሉ ካብ መጀመርያ እቲ ታሪኽ ኣዘንተወሉ። እዚ ዝፈለጠ ባሕታዊ ኣቦ፡ ረድኤት ኣምላኽ በቲ ቀሲስ ከም ዝበጽሖ ፈሊጡ ንኣምላኽ ኣመስገነ። ርኹሳት መናፍስቲ ካብቲ ቦታ ድሕሪ ብዙሕ ስቓይ ኣግለሱ። እቲ ባሕታዊ ድማ ተጊሁ ይሰርሕ ነበረ።

+ ቅዱስ በርሰፎንዮስ፡ ሓደ ካብ ኣሕዋት ለይቲ ሰረቕቲ ምስ ኣተው፡ ፈጺሙ ረዓደ ኣምላኽ ግና ረደኦ። ንቅዱስ በርሰፎንዮስ ነቲ ዘጋጠሞ ምስ ሓበሮ ንኽጽልየሉ ተማሕጸኖ።

ቅዱስ በርሰፎንዮስ ድማ፡ “ወደየ፡ ንሕና ንኣምላኽ እንተዘይረሓቕናዮ ንሱስ ኣይርሕቐናን’ዩ። እቲ ምንታይሲ፡ <<ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ>> (ዕብ 13፡5) ስለዝበለ። ጎደሎ እምነት ስለዝኾና ኢና ንፈርሕን ንርዕድን። እምበር እቶም ናባኻ ዝመጹ ሰረቕቲ ክንዲ ሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን’ኳ እንተኾኑ ገለ ክገብሩኻ ኣይከኣሎምን እዩ። ከም ዝፍለጥ ፈርኦንን ሰራዊቱን ኣብ ባሕሪ ኤርትራ እዮም ጥሒሎም። ንኤልሳዕ ክሕዙ ዝመጹ ሰራዊት’ውን ዕውረት ዓይኒ ከም ዘጋጠሞም ይፍለጥ። (2 ነገ. 6፡17) ። ኣብዚ ክንዝክሮ ዝግበኣና ቃል ኣሎ፡ <<እግዚአብሔር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ፡ ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ። እግዚአብሔር ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ።>> (መዝ 121፡ 7-8) ።  

ቃሉስ ከመይ ገይርና ክንርስዖ፡ <<ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን።>> (ማቴ 6፡26) ። ስለዚ ፍርሂ ካብ ጉድለት እምነትን ተስፋ ምቑራጽን እያ። ልቢ ሰባት ዝሒሉ ካብ ኣምላኽ ረሐቑ ናብ ጥፍኣት ኣግለሱ። ካብዚ ሕማም’ዚ ክንወጽእ እንተኾይና ዝወደይ! ኣብ ውሽጥና ዝነብር ክርስቶስ ፡ <<ኦ ኣምላኽ ርድኣና፤>> ንበሎ። ንንፋሳት ገሲጹ ንማዕበላት ባሕሪ ኣህዲኡ፡ ካብ ሞት ዕጸ በለስ ኣግሊስና ንፈርኦን ኣብ ባሕሪ ዘጥሓለት ዕጸ መስቀል ናብቲ ስቓይና ዝተሰከመ ነፍስና ነማዕቑባ። ንዓና ንኣባጊዑ ከመይ ገይሩ ካብ ኣዛብእ ከም ዝሕልወና ይፈልጥ እዩ ዝወደይ። ካብ ሰረቕቲ እዛ ዓለም ኣይትፍራህ። ምኽንያቱ ንሶም ስርሖም ናይ ሰይጣን ስራሕ እዩ። እቲ ዝዓበየ ጸጋ ኣምላኽ ሓልዩካ እዩ። ኩሉ ግዜ ከኣ ኣምላኽ ብምጽዋዕ ረድኤቱ ሕተት። ምኽንያቱ ኸምዚ ዝብል ጽሑፍ ስለዘሎ፡ <<እግዚአብሔር ንዚጽውዕዎ ዂሎም፡ ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ኹሎም ቀረባኦም እዩ። ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም፡ ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ። እግዚአብሔር ንዜፍቅርዎ ዅሎም ይሕልዎም፡ ንኹሎም ረሲኣን ግና የጥፍኦም።>> (መዝ 145፡18-20) 

2.    ናብ ንስሓ ምቅልጣፍ


ይቕጽል . . . ንብርሃነ ጥምቀቱ ብሰላም የብጽሓና።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣
                                                                   ወለወላዲቱ ድንግል፣
                                                                 ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment