Tuesday, January 15, 2013

በስመ ሥላሴ እቀጠቅጥ ከይሴ




በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።


<< በስመ ሥላሴ እቀጠቅጥ ከይሴ >>
 


ናይ በስመ አብ ትርጉም
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ ዝብል ጸሎት ንሓደ ክርስቲያን ኣብ ዝኾነ ተግባሩ መጀመርያ (መቅድሙ) እዩ። እዚ ናይ ጸሎት ንባብ ክፍሊ ምስ ትርጓሜኡ ኹሉ ክርስቲያን ክምሃሮ ይግባእ። ነዚ ዘይተማህረ ንዝኾነ ጉዳዩ መበገሲኡ ዘይገበረ ፍጹም ክርስቲያን ክበኃል ኣይግባእን ይብሉ  አበው ሊቃውንቲ።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ክበኃል ዝግብኦ ስለ ብዙሕ ምኽንያት እዩ። ካብዚኦም ከም እግዚአብሔር ፍቓድ ዝተወሰኑ ክንርኢ ኢና፣-

1. ሥላሴ ዝምስገንሉ ስም ብምዃኑ
    በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ ዝብል ናይ ቅድስት ሥላሴ ስም ብምዃኑ እዩ። ሥላሴ እምቅድመ ዓለም ክጽውዕሉ ዝነበረ ሕጅውን ኣብዚ ዓለም ዝጽውዕሉ ዳኅራይውን ነዛ ዓለም ኣኅሊፎም ብሓድነት ብኣፈ መልኣኽትን ሰብን  ንዘልዓለም ዝምስገንሉ ስሞም እዩ። ሥላሴ ማለት ሠለስትነት ማለት እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ሓደ ኣምላኽ እዩ። ሓደ አምላኽ ዝኾነ እግዚአብሔር ናይ ስም ናይ ግብሪ ናይ ኣካል ሠለስትነት ኣለዎ። እዚ ከኣ ቅድስት ሥላሴ ብስም ብኣካል ብግብሪ ሠለስተ ይኾኑ።
ብስም ፣- አብ ፣ ወልድ ፣ መንፈስ ቅዱስ፣
ብኣካል፣- ንአብ ፍጹም ገጽ ፍጹም መልክዕ ፍጹም ኣካል ኣልዎ።
           ንወልድ ፍጹም ገጽ ፍጹም መልክዕ ፍጹም ኣካል ኣልዎ።
           ንመንፈስ ቅዱስ ፍጹም ገጽ ፍጹም መልክዕ ፍጹም ኣካል ኣልዎ።
ብግብሪ ፣- አብ ወላዲ ኣስራጺ። ወልድ ተወላዲ። መንፈስ ቅዱስ ሰራጺ።
 ሓደነቶም ከኣ፣ ብኣገዛዝኣ ብሥልጣን ብመለኮት ነዛ ዓለም ብምፍጣርን ፣ ነዛ ዓለም ብምሕላፍን … እዩ።
ስለዚ ብስም ሥላሴ ከነማዕትብ ከሎና ናይ ሥላሴ ናይ ሠለስትነት ዘመልክት ስም እዩ።


“ አንሰ ሶበ እቤ እግዚአብሔር  እብል በእንተ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፣ ኣነ እግዚአብሔር  ክብል ከለኹ አብን ወልድን መንፈስቅዱስ ማለተይ  እዩ።> ከምዚ በለ ቅዱስ ባስልዮስ ። ስለዚ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ክንብል ከለና እግዚአብሔር ማለትና እዩ። ነብየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ “ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባኦት ፍጹም ሙሉእ ሰማያተ ወምድረ ቅድሳተ ስብሐቲከ   < ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እዩ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ኩላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ።” እንዳበሉ ቅዱሳን መልኣኽቲ ከመስግኑ ርእዩን ሰሚዑን እዩ። ኢሳ.6፣3።
እዚ ከኣ ሥላሴ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ተባሂሎም ከም ዝምስገኑ ይነግረና። “ቅዱስ” ዝብል ቃል ሰለስተ ሳዕ ምድግጋሙ ስመ አብን ስመ ወልድን ስመ መንፈስቅዱስን ይውክል። እዚ'ውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብግቡእ በሪኁ ንረኽቦ ኢና። ኣብ ግዜ ቅዳሴ ካህን ብልዑል ቃል “ አሓዱ አብ ቅዱስ አሓዱ ወልድ ቅዱስ አሓዱ ውእቱ መንፈስቅዱስ፣ ሓደ አብ ቅዱስ ሓደ ወልድ ቅዱስ ሓደ መንፈስቅዱስ እዩ። እንዳበለ የመስግን። ሕዝቢ ድማ “ ብአማን አብ በአማን ወልድ ብአማን መንፈስቅዱስ ።” እንዳበለ ናይ ካህን ምስክርነት ሓቂ ምዃኑ የረጋግጸልና። 
 አባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ'ውን ኣብ ሰዓታት ድርሰቱ “ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ዘበሠለስቱ ሥጋዌ ወዘበአሓዱ ህላዌ እግዚአብሔር ። ” ይብል።     

2. ጐይታና ዘምሃሮ ትምህርቲ ስለዝኾነ
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ክመላለስ ከሎ ንደቂመዛሙርቱን ንኹሉ ሕዝቢ ብዙሕ ትምህርቲ ኣምኂሩ እዩ።
ደቂ መዛሙርቱ ኣብ ትኅቲ እግሩ ኮፍ ተማኂሮም እዮም። እሱ ካብ ዘምኃሮም ንሶምውን ካብ ዝተመኃርዎ ትምህርቲ ሓደ ናብዛ ዓለም ንስብከት ወንጌል ክልእኾም ከሎ ብስሙውን ከጥምቁ ከምዝግባእ ዝገልጽ እዩ። እዚ ከኣ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ንኸጥምቁ ኣምኂርዎ እዩ። ማቴ.28-19
ስለዚ ንሕና ብስም አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ ክንብል ከለና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ብዘምኃሮም መሠረት እዩ። ናይ ሥላሴ ውሉድነት ኣብ ምእመናን ዝጸኖውን በዚ ስም ምዃኑ ኣምኂርዎም እዩ።
ቅዱስ ጴጥሮስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል << አነ ወአብ አሓዱ ንሕነ፣ ኣነን አብን ሓደ ኢና።>> ዮሓ.10-30 ዝበሎ ነዚ መሠረት ጌሩ ዝረቀቐ ምሥጢር ኣብሪኁን ሙሉእ ጌሩ << አሓዱ አምላክ >> ዝብል ተዛሪቡ እዩ። ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰባት ዝተፈላለየ ስምን ስያሜን ይህብዎ ኔሮም እዮም፣ ኣብዚ እዋን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ << ንስኻትኩም መን ትቡሉኒ ? >> ኢልዎም ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ << ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ።>> ማቴ. 1616-18 ብምባል ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምስ አብን መንፈስቅዱስን ሓደ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተማኂሩ መንፈስ ቅዱስ ገሊጺሉ ዝተዛረቦ ስለዝኾነ ንሕና̕ውን ከሙኡ ንብል።
<< ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ጶንጦስን ገላትያን ኣብ ቀጶያቅያን ኣብ እስያን ኣብ ቢታንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕሩያት ከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚአብሔር ኣቦና ብቅድስና መንፈስን ምእዛዝን ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ።>> ብምባል 1ይጴጥ.1፣1-2። ስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ገሊጹ እዩ።  
         
           3. ትውፊት ስለዝኾነ
  ትውፊት ውርሻ ምቅብባል ማለት እዩ።  እዚ ከኣ ሓደ ወለዶ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝወረሶ ተቐቢሉ ነዚ ዝመጽእ ወለዶ ዘረክቦ ወይ ዘውርሶ እዩ። እዚ ከኣ እቲ ዝተቐበለ ኣብኡ  ጥራሕ ከይተወሰነ እቲ ናይ ምቅብባል ጉዕዞ ብምቅጻል እሱውን ብተራኡ ንዝመጽእ ወለዶ የመሓላልፎ። እዚ ጸሎት ካብ ዝቐደሙ አበው እንዳተዋራረሰ ናባና ዝበጽሐ እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ መበል ካልኣይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ  አበው ጠርጡላስ << ሓቀኛ ክርስቲያን ካብ ገዙኡ ክወጽእን ክኣቱን፣ ክድቅስን ክትንሥእን ፣ልብሱ ክለብሥን፣ መግቢ ክመገብን መኣዲ ከልዕሎን ፣ ኮፍ ክብልን ክትንሥእን ከሎን ኣብ ኩሉ ሥርሑ የማዕትብ። ናይ ምምዕታብ መሠረቱ ካባይ እዩ ኢሎም እንተሓተትኹም፣ ሥርዓት ኣጽንዒዎ እምነት ከኣ ኣረጋጊጽዎ በልዎም፣>> ብምባል ትውፊታዊ ምቅብባል ሓደ ቀንድን ኣብ ሃይማኖትና  ምዃኑ ኣብሪሁ ነጊሩና እዩ። ንሕና'ውን ናይ ኣቦታትና ትውፊት መሠረት ጌርና ክንኣቱ፣ ክንወጽእ፣ ኮፍ ክንብል ክንትሥእ ከሎና ፣ መግቢ ክንምገብን ክንሰትን ክንድቅስን ክንትሥእን ከለና ብሥመ ሥላሴ ከነማዕትብ ይግበኣና።   
   
   
4, ቅዱሳን አበው (ኣቦታት) ሥርዓት ዝሰርዑልና ብምዃኑ

   በብእዋኑ ዝተላዕሉ አበው ሊቓወንቲ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርቲ መሠረት ብምግባር ጉባኤ ሰሪዖም ነቲ ዘመን ትውፊት ደጎማን ቀኖናን ከይብረዝ ኢሎም ምስቲ እዋን ክኸዱ ከለዉ ሕግታት ኣርቒቆም እዮም እዞም ሕግታት ሓድሽ ነገር ንምምጻእ ዘይኮነ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ካብ ሓዋርያት ጀሚራ ትኣምኖ ትምህርቲ ንምጽናዕን ዝያዳ ንምሕባርን ንምምኃርን እዩ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ < ስለ ሃይማኖት ኣብ ኒቅያ ንዝተአከቡ ኣቦታት  "ከምዚ ተወሲኑ"      ኢሉ ኣይጻሓፈን < ሓዋርያዊት ኣጽናፋዊት ቤተክርስቲያን "ከምዚ እያ ትአምን" ብማለት ናይ ቤተክርስቲያን እምነት ገሊጾሞ እምበር። ዝበሉ ነዚ እዩ ካብ ዝረቀቐ  ቀኖና( ዝተደንገ ) ዝኾነ ኣማኒ ክርስቲያን ቅድሚ ዝኾነ ተግባሩ ምጅማሩ ኣቐዲሙ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ሃዱ ኣምላክ ኢሉ ኸማዕትብ ከምዝግባእ እዩ እዚ ከኣ ናቱ ዝኾነ መበገሲ ኣለዎ ብ ዘመነ ዲዩቅልጥያኖስ  284- 305 . ብዓይነትን ብብዝሕን ተወዳዳሪ ዘይብሉ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዓቢ ህልቂት ተፈጺሙ ኣብያተ ክርስቲያናት ክድምሰሳ ኣብያተ ጣዖታት ክኽፈታ  < ኣብያተ ክርስትያናት ይተዓጸዋ ኣብያተ ጣዖታት ይትርኃዋ > ኢሉ ኣዋጅ ብምንጋር 40 ዘመናት መጽሐፍቲ ክቓጸሉ ክርስቲያን ክሳደዱ ጌሩ እዩ፣፣ ንምሕረቱ ወሰን ዘይብሉ ልዑል እግዚአብሔር ድሕሪ እቲ መከራ ዘመን ርህሩህ ንጉስ ቆስጠንጢኖስ ኣተሢኡ ኣብቲ እዋን ንጉስ ዲዩቅልጥያኖስ ነቲ ዝነበረ ኣዋጅ ብአዋጅ ጌሩ ሰሪዙ ብምእላይ < ኣብያተ ጣዖታት ይታዓጸዋ  ኣብያተ ክርስቲያናት ይትርኅዋ  > ብምባል ኣዋጅ ኣዊጁ።   ነዚ ኣዋጅ ዝሰምዑ ምእመናን ካብቲ ዝተሰደድሉ ኩሎም ተመሊሶም ነቶም 340 ዘመናት ዝተበታተኑ ዝተደርበዩ መጽሐፍቲ ኣኪቦም ፣ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦታት ጉባኤ ኣዳልዮም ሕጊ አርቒቆም < ናይ ኩሉ ተግባር መጀመሪ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ይኹን ኢሎም ወሲኖም ጺሒፎምዮም > ንሕና'ውን ነዚ ሕጊ መሰረት ብምግባር ንጥቐመሉ ፍትሐ ነገስት በስመ ሥላሴ ከነማዕትብ ከምዘለና ይነግሩና' . ዓንቀጽ 14 -532 ገጽ 142 / ረስጣ 49::

  ኣበው ሊቃውንቲ ናይ ኩሉ ነገር መጀመርያ ይኹን ኢሎም ከም ሥርዓት ኣርቒቆሞ ኣብ መቅድም ምጽሓፎም ናይ ኩሉ መጀመርያ ብምዃኑ ናይ ስራሕ መጀመርትኡ ንምርግጋጽን ኣብ ተግባር ከኣ ክጸንዕ ንምግባር እዩ ከምኡ ከኣ ኣብ ኣርባዕትኡ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ክርስቲያን ካብ ኣረማውያን  ዝፍለየሉ ትእምርቲ ( ምልክት ) ይኹን ብምባል ጺሒፎም'ዮም እዚ ከኣ ወዲ ደማስቆ ቅዱስ ዮሓንስ ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ እዩ <  ግዝረት ናይ ደቂ እስራኤል መግለጺ መንነቶም ከምዝነበረ ንሕና ምእመናን ከኣ ገጽና ብትእምርተ መስቀል ምምዕታብ ዝተዋሃበና ካብ ካልእ ተፈሊና ንፍለጠሉ ምልክት ንክኾነና እዩ > ስለዚ ከኣ' ነብዩ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት መዝ.60-4  ወወሃብከሙ ትእምርተ  ለእለ ይፈርሁከ < ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ክድሕኑ ነቶም ዝፈርሁካ ሰንደቅ ዕላማ ሂብካዮም > ዝበለ ናይ ኢዩርሳሌም ቅዱስ ቄርሎስ'ዉን < ኣብ ልዕሊ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለካ እምነት ንምግላጽ ኣይትፍራሕ ኣብ ኩሉ ነገር ክትበልዕ ክትሰቲ ካብ ገዛ ክትወጽእ ከለኻ ክትአቱ ከለኻ ብድፍረት ኣማዕትብ፣፣ > ይብል።

5, ንኣጋንንቲ ነርሕቐሉ ስለዝኾነ

    ኣቐዲሞም ሊቓውንቲ በስመ ሥላሴ ኢሎም መቅድም ክጽሕፉ ከለዉ ንሥራሕ መጀመርያ ንምርግጋጽ ጺሒፎም ማለትና ዝዝከር እዩ በዚ መሠረት ነብየ እግዚአብሔር ሶፎንያስ < ኣብ ማእከል ሽጉርን ድኻን ሕዝቢ ኽሓድግ እዩ ንሳቶም'ውን ብስም እግዚአብሔር ክልመኑ እዮም ሶፎን 3 12፣፣  ኢሉ እዩ > ክርስቲያን ዝኾነ ኩሉ በዚ ስም እምነት ተኣሚኑን ዝኾነ ሥራሕ ኣብ ንጅምረሉ እዋን ብትእምርተ መስቀል ብአጻብዕቱ ገጹ ኣማዕቲቡ በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አብ ዝበለሉ እዋን ሠራዊተ ድያብሎስ ይርዕዱን  ይርሕቁን ከም ትኪ በኒኖም ይጠፍኡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በስመ እግዚአብሔር ብምምዕታብ ንአጋንንቲ ምርሓቕ ከምዝከኣል ክነግረና ከሎ <ኣነ ነጋንንቲ በጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኮንኩስ ………> ሉቃ.11-20፣፣  ኢሎና እዩ
       
   ምግባር ምስ  ሃይማኖት ኣተሓባቢሩ ሒዙ ዝርከብ ኩሉ ክርስቲያን ዝኾነ ሥራሕ ቅድሚ ምጅማሩ ነዚ ስም እዚ ብምዝካርን ብምቅዳምን ከማዕትብ ከሎ ሠራዊተ ድያብሎስ ዓቅሎም ጸቢብዎም መውጽእን መተንፈስን ይስእኑ።
      ነብየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት < ንተጻረርትና ብኣኻ ኢና እነውድቆም ንተቃወምትና' ውን ብስምካ ኢና እንረግጾም > መዝ.44-5 ከምዝበለ ኣብቲ እዋን ኩሉ እቲ ዝተጀመረ ሥራሕ ይቀንዕን ዝሠመረ ከኣ ይኸዉን ቅዱስ ዳዊት ከምዝበሎ  <ረዲኤተይ ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝሠርዔ ካብ እግዚአብሔር  እዩ ዝመጽእ > ኢሉ ከምዝተዛረበ ረዲኤተ እግዚአብሔር ይበጽሐና ንኣጋንንቲ'ውን ንስዕሮም ኣብ ቅዱስ ወንጌል ከምዝተዛረቦ ሉቃ 1017 < እቶም ሰብዓ ልኡኻት ከኣ ጐይታይ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝእልና ኣለዉ እናበሉ ብሓጎስ ተመልሱ  > ዝብል ቃል ስም ኣጋንንቲ ዘርዕድን ዘሰንብድን ዝግስጽን ምዃኑ ዘረድእ እዩ እዚኦም ሰብዓን ክልተን ( 72 ) ኣርድእቲ ዋላኳ ንኣገልግሎት ሓደሽቲ እንተነበሩ፣ ኣጋንንቲ ናይ ምውጻእ ሥልጣን ተዋሂብዎም ከምዝነበረ ንርኢ። ሕጂ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ < ነቶም ዝአምኑ'ውን እዚ ተአምራት እዚ ክስዕቦም እዩ ብስመይ ኣጋንንቲ ከውጹኡ እዮም> ማር.16-17 ቅዱሳን ኣቦታትና ሓዋርያትው' በዚ ቃልኪዳን መሠረት ኣጋንንቲ የውጽኡ ከምዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ ብናይ ኣጋንንቲ መንፈስ እንዳተሓገዘት እንዳጠንቆለት ንጐይቶታ ገንዘብ ተእቱ ዝነበረት ሰበይቲ ካብቲ ዝሓደራ ጋኔን ምፍዋሱ ነዚ ሓደ መረድኢ መርትዖ እዩ። .ሓዋ.16-18 ስለዚ እዚ ኹሉ፣ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ስም ንሠራዊት ኣጋንንቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ የንቀጥቅጦም የርዕዶምን ምዃኑ እዩ ዘረድአና ስለዚ በስመአብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ አሃዱ አምላክ ክንብል ይግብኣና ኣዝዩ ብጣዕሚ ይጠቕመና ስለዝኾነ መንፈሳዊ ስንቅና ስለዝኾነ።  ስለዚ እዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ፊሊ.2-10 < ስለዚ ኻኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኹሉ ብርኪ ብስምን ኢየሱስ ክርስቶስ ስም ይንበርከኽ > ከምዝበለ

 ከመይ ? ንምንታይ ነማዕትብ
   
  በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ ኢልካ ምምዕታብ ከምዝግባእ ምስ ምኽንያቱ ሪኢና ኢና ስለዝኾነ ከኣ ኣመልካቲት ኣጻብዕትና ዘርጊሕና ማእከለይቲ ኣጻብዕትና ብምዕጻፍ መስቀል ብምስራሕ በስመ አብ ኢልና ኣብ ግንባርና፣ ወወልድ ኢልና ኣብ ኣፍልብና  መንፈስ ቅዱስ ኢልና ጸጋም መንኩብና አሃዱ አምላክ ኢልና ኣብ የማናይ መንኩብና ኢልና ብትምእርተ መስቀል የማናይ ኢድ ናይ ኣጻብዕትና ብምምስቃል ነማዕትብ። መሠረት ኣብነት ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ብምስዓብ ኣጋንንቲ ብምምዕታብ የዉጽኦም ሉቃ.11-20፣፣ < ኣነ  ንአጋንንቲ ብአጻብዕቲ ኣምላኽ የውጾም ካብ ኮንኩ > ንሕና ከኣ ብትእምርተ ( ኣምሳል ) መስቀል ከነማዕትብ ከለና ብኃይሊ እግዚአብሔር ተአማሚንና ንጸላኢና ድያብሎስ ምኽሓድናን ምሕፋርናን እዩ ስለዚ ንሕና < በስመአብ > ኢልና ኣብ ግንባርና < ወወልድ > ኢልና ኣብ ኣፍልብና < መንፈስቅዱስ >ኢልና ኣብ ጸጋማይ መንኩብና < አሃዱ አምላክ > ኢልና ኣብ የማናይ መኩብና ብትእምርተ መስቀል ነማዕትብ። እዚ ዝኾነ ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ሚሥጢርን ትርጉምን ኣለዎ እስከ ሓደ ብሐደ ንርኣዮ

በስመ አብ ኢልካ ኣብ ግንባርካ ምምዕታብ

    ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ <...... ስሙን ስም ኣብኡን ኣብ ግንባሮም ዝተጻሓፎ > ራእ.14-2፣፣ ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ በዚ ስም ኣብ ግንባርና ምምዕታብ ወልድ ምስ መንፈስቅዱስ ብሓባር ብሓድነትን ብሰለስትነትን ኣብ ዝባነ ኪሩብ ብየማን አብ ቅድመ ዓለም ክውደስ ክቅደስ ምንባሩ ንኸረድአና እዩ፣፣ ሰይጣን ምስ ጭፍርኡ ኣብ ግንባር ሰብ ኮይኖም ደም እንዳፍሰሱ፣ እንዳተሓራረቁ፣ ሓው ምስ ሓው ዘመድ ምስ ዘመድ ሰብአይ ምስ ሰበይቲ ወላዲን ውሉድን ቤተሰብ ምስ ቤተሰብ ንኽፈላልዩ ኢድ ብኢድ ኣተሓሒዞም ቃል ብቃል ኣዘራሪቦም ብዝተፈላለየ ውዲት ንኹሉ ሰብ ሓጥያት ንኽሰርሕ ለይትን መዓልትን ይጽዕሩ እዮም 1ጴጥ.5-8፣፣  < ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዝውሕጦ ደልዩ ከምዝዝም ኣንበሳ ኮይኑ ይዘዉር ኣሎ' ተጠን ንቅሑ > ከምዝበሎ

   ካብዚ ንርዳኦ ዲያብሎስ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ምርድዳእን ምስምማዕን ከይኅሉ ይገብር፣፣ ኣብ ቅዱስ ወንጌል <<ሰባት ምስ ደቀሱ ጸላኢ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ክርዳድ ዘሪኡ ከይዱ።>> ተባኅለ እግዚአብሔር ፍቅሪ ኣብ ዝዘርአሉ ሕይወት ኩሉ፣ ጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ ክርዳድ ጽልኢ ባእሲ ሓሜት ምፍልላይ ቅትለት ይዘርእ፣ እዚ ተረዲኢና ምስ ነማዕትብ ከም ትኪ በኒኑ ካብ ግንባር ይጠፍእ።
      ከምኡ ኸኣ ቅዱስ ዮሓንስ  <ቃል ሥጋ ኮነ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኣባና ሓደረ ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይ ሓደ ወዱ ነቡኡ ሪኢና > ዮሓ.1-14፣፣ ዝበሎ ክንሓስብን ክንርእይን ይገብረና ስለዚ በስመአብ ኢልና ኣብ ልዕሊ ግንባር ነማዕትብ

ስለዚ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ ዝብል ጸሎት ንሓደ ክርስቲያን ኣብ ዝኾነ ተግባሩ መጀመሪኡ (መቅድሙ)  እዩ እዚ ምዃኑ ፈሊጥናን ተረዲእናን ኩሉ ግዜ ሃይማኖትና ብምግባር ክንገልጾ ይግበኣና ነዚ ከኣ ናይ እግዚአብሔር  ምሕረትን ሳህልን ናይ  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን መልኣኽቲ ሓለዋ ናይ ጻድቃን ሰማእታት ተራዳኢነት ኣይፈለየና።




                                                                                               
 ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣
                                                                                              
  ወለወላዲቱ ድንግል፣
                                                                                                
 ወለመስቀሉ ክቡር

No comments:

Post a Comment