Monday, January 7, 2013

«ተወልደ ኢየሱስ በቤተልሔም ዘይሁዳ»


 




«ተወልደ ኢየሱስ በቤተልሔም ዘይሁዳ»  መጽሐፈ ድጓ ገጽ 201
ኢየሱስ ኣብ ቤተልሔም ዘይሁዳ ተወሊዱ
እግዚአብሔር ንልደቱ ዝመረጻ ቦታ ቤተልሄም እያ። ቤተልሄም ካብ ኢየሩሳሌም ብደቡብ ትሽዓተ ኪሎሜትር ርሒቃ ትርከብ ከተማ እያ። ቤተልሄም ማለት ቤተ እንጀራ ማለት እዩ። ነቢየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት ብነብዩ ሳሙኤል ንግሥና ዝተቀብኣላ ቦታ እያ። 1ይሳሙ.163 ኣብ ዘመነ ያዕቆብ ኤፍራታ ትብሃል  ዝነበረት ቤተልሄም ናይ ያዕቆብ ሰበይቲ ራሄል ዝሞተትላን ዝተቀበረትላን ቦታ እያ። ኣብ ዘመነ ግዝኣት ዛብሎን  ካልኦት ብቤተልሄም ዝጽውዑ ዓድታት ስለዝነበሩ ካብዚኣቶም ክትፍለ ናይ እሰይን ዳዊትን ከተማ ብምባል ትጽዋዕ። -1ይሳሙ.17-12 ሉቃ.2-4
ቤተልሄም ዘይሁዳ ኤየሱስ ክርስቶስ ስለተወለደላ ናይ እሰይን ዳዊትን ከተማ ተባሂላ ተጸዊዓ።


ኢየሱስ ክርስቶስ ንምንታይ ተወሊዱ (ተገሊጹ)
እግዚአብሔር ንኹሉ ስርሑ ግዜ ኣለዎ። ኃንደበት ዝበሃል ኣብ እግዚአብሔር የለን። እዋኑ ምስ በጽሐ ኣቀዲሙ ንኣቦታትና ብምሳሌን ትንቢትን ዝገለጸሎም ክፍጸም ምእንቲ ንቅዱስ መልኣኹ ቅዱስ ገብርኤል ሊኢኹ ካብ ቅድስትን ንጽህትን ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ብተዋህዶ ተወሊዱ። ኣምላኽነቱ ሰብነት ከየጥፍኦ፣ ሰብነት ኣምላኽነቱ ከየንኣሶ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ብምዃን ተገሊጹ።

5500 ዘመን ናይ ወዲ ሰብ መንፈሱ ጠምዩ፣ ጸሚኡ፣ ሰላምን ዕርቅን ፍጹም ጠፊኡ ስለዝነበረ፣ ዝጠፍአ ንኽደሊ ወልደ አብ ወልደ ማርያም ኣብ ቤተልሄም ኣብ መብልዒ ማል ተወሊዱ። ነብየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ <<ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ካብ ሓጥያቶም ከድሕኖም እዩ እሞ ስሙ ኢየሱስ ክትሰምዮ ኢኻ። >> ኢሳ.7-14 ማቴ.1-21 ከምዝበለ።

ወዲ ሰብ ብበደሉ ምኽንያት ምስ ኣምላኹ እግዚአብሔር ስለዝተባእሰ እግዚአብሔር ወልድ ስራሕ ዲያብሎስ ምእንቲ ከፍርስ ተወሊዱ። 1ይዮሓ.3-8 ኣቀዲሙ ዝተደርበየ ዲያብሎስ እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮም ናይ ምድሪ ፍጥረታት ኣራዊት ኩሎም ተንኮለኛ ኣብ ዝነብረ ተመን ሓዲሩ፣ ዘፍ.3-1 ደቂ ሰባት ናይ እግዚአብሔር ትእዛዝ ክጥሕሱ ጌሩ እዩ። <<እቲ ዝፈተወኒ ትእዛዘይ ይሓሉ።>> (ዮሓ 14፡15)ከምዝተባህለ ንእግዚአብሔር ምፍታውና ነረጋግጸሉ ኣብ ልዕሊኣ ሓጥያት ዘይብላ ዕጸ በለስ ወዲ ሰብ በሊዑ ሞይቱ። ወዲ ሰብ ናይ ዲያብሎስን ትእዛዝ ብምፍጻሙ መገዲ እግዚአብሔር ገዲፉ ብድሌቱ ስለዝተጓዕዘ ካብ ናይ  ኣምላኹ እግዚአብሔር ትእዛዝ ወጺኡ።

ብሳዕሪ ብቆጽሊ፣ ብወሓይዝ ፣ብንፋስ፣ ብጸሓይ ብማይ ብጎቦ ወዘተምምላኽ ናይ ወዲ ሰብ ዕለታኣዊ መነባብርኡ ኮነ። ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ነገር ተስፋ ምግባር ናብ ዝኸበደን ዝገደደን መሪር ሂወት ወዲ ሰብ ክኣቱን፣ ክፈላለን ኣብ ነሓድሕዱ ሰላም ከምዘይህልዎ  ኣብ  ከትን  ናትን  ክነብር  ጌርዎ።  ናይ  ሰይጣን  ዕላማ ዝጠቅመካ ብምምሳል ንደቂ  ሰባት እናከፋፍለ ንለውሃት እናሕረደ፣ ኣብ ገዳም ምስ እግዚአብሔር ዝነብሩ ኣቦታት ካብ ገዳም ክወጹ በዓቶም ክገድፉ፣ እሱ እዩ ጻዕሩ።

ኣብዚ ናይ ወዲ ሰብ ጥፍኣትን ጸልማት እዋን፣ ንዘመናት ጻድቃን፣ ሰማእታት፣ ነብያት ሞይቶም እዮም። ብዙሕ መከራ'ውን ተቀቢሎም እዮም።
ወዲ ሰብ ኣብ ገነት ድምጽኻ ሰማዕኹ ጥራየይ ስለ ዝኾንኩ ፈራሕኩ፣ ተሓባእኩ ብምባል ስቃዩ ነገረ። እግዚአብሔር፡ <<ጥራይካ ምዃንካ  ደኣ መን ነገረካ? ካብታ ኣይትብላዕ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕካ ኢኻ በሎ? >>  ዘፍ.3-9


ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴኡ ዘመነ ጸልማት ከብቅዕ፡  << በፈቃድ አብሁ ወረደ ኅበ ማርያም ተአንገደ።>> ብናይ ኣቡኡ ፍቃድ ካብ ሰማያት ወረደ ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ።>> ከምዝበለ
ኣብ ሃይማኖተ አበው። ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ቅዱስ አውግስቲን << ወልደ እግዚአብሔር ክርስቶስ ደቂ ሰባት ውሉደ እግዚአብሔር ክኾኑ ምእንቲ ሰብ ኮነ።>> ከምዝበለ።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ ከኣ << ንሕና ኣማልክት ዘበጸጋ ኽንከወን ምእንቲ ቃል ሥጋ ኮነ።>> ዮሓ.1-14። ብምባል ብዛዕባ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ናይ ልደቱ ምሥጢር ተዛሪቦም እዩም።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ << ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ ኣልዩ እሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ። እቲ ብሉይ ሓሊፉ እንሆ ኩሉ ሓድሽ ኮይኑ። እቲ ኹሉዉን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። ማለት ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፣ በደሎም ኣይሓዘሎምን   ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ  ኣንበረ።>> 2ይቆረ.5-17-19

ነብየ እግዚአብሔር  ሰሎሞን ሰብ ምስ ሰብ ክበኣስ ከሎ ሰብ የተዓርቆ ሰብ ምስ እግዚአብሔር እንተተባእሰ ግና መን ይዓርቆ ባዕሉ እንተዘይተዓሪቅዎ ከምዝበሎ። (1 ሳሙ 2፡25) ። እግዚአብሔር ፈተዩን ፈቂዱን ባዕሉ ሽማግለ ባዕሉ ተዓራቂ ወይ ኣቦ ይቅሬታ ኮይኑ ንሰብ ምስ ገዛኣ ርእሱ ዓሪቅዎ። ናይ ምግላጹ ቀንዲ ምሥጢር እዚ እዩ። እዚ ዕርቂ  ኣብ ናይ ኣቦታትና ናይ ዳዊት ከተማ ኣብ ቤተልሄም ተተግቢሩ።

ናይ ጐይታ ልደት ንምንታይ አብ ቤተልሄም ኮይኑ ?

. ትንቢት ክፍጸም ምእንቲ

ነብየ እግዚአብሔር ሚክያስ << ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤተልሄም ኤፍራታ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘልኣለም ዝኾነ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዝኸውን ካባኺ ኺወጻለይ እዩ። ስለዚ ክሳብ እታ ወላዲት ዘመን ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ።>>  ሚክ 52 ከምዝበለ።

ትንቢት ዝተነግረሉ መድኃኒት ኢሳ.96-7 መድኃኒት ንህዝቡ ሰዲዱ መዝ. 110 (111) -9 ናይ ደቂ ሰባት ኣውያት ኣብቒዑ ፣ ካብ ጭንቀቶም ብዝሓት ዝተላዕለ << ንሰማያት ጨንዲሕካ ቀዲድካ  እንተትወርድ……. ኢሳ.64-1>>  ይብሉ ንዝነብሩ ንኹሎም ተወሊዱ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ << ምልኣት  ዘመን ምስ መጸ ግና ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ተሻዪጡ ምእንቲ ኸውጽኦም ንሕና'ውን  ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ ኣምላኽ ነዚ ካብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝኾነ ወዱ ለኣኾ።    >> ገላ.4-4 ከምዝበለ ክውለድ ምእንቲ ዝተነግረ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም አምላኽ ኣብ ቤተልሄም ዘይሁዳ ተወሊዱ። ብልደቱ'ውን  << ዮም አሐደ መርኤተ ኮኑ መላእክት ወሰብእ ከመ ይሰብሕዎ ለክርስቶስ በቃለ አሚን።>> ብሓቐኛ ናይ ምስጋና ቃል ንክርስቶስ ከመስግንዎ ምእንቲ መልእክትን ሰባትን ሓደ ኮኑ።>> ተባሂሉ። ናይ ወዲ ሰብ ናይ ምንባር ተስፋ ለምሊሙ ኣብዚ ወርሓት ዓለም ኩሉ ክጽሓፍ  (ክቁጸር) ካብ ኣውግስጦስ ቄሳር ተኣዚዙ ስለዝነበረ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ ዳዊት ብምዃና ክትቁጸር ምእንቲ ናብ ትውልድ ሃገራ ካብ ገሊና ናብ ቤተልሄም መጺኣ።

. አጽመ ቅዱሳን ዝዓረፈሉ ምዃኑ

እግዚአብሔር ኩሉ ነገራት ሰማይን ምድርን ይኹን ዝፈጠሮ ንደቂ ሰባት ኢሉ ከምዝኾነ፣  ኣብ ቤተልሄም ምውላዱ ንያዕቆብ ፣ ንእሰይ ንዳዊት ወዘተ .. ክብል እዩ።   << ዳዊት ከኣ ወዲ እቲ እሰይ ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብኣይ ብዓል ቤተልሄም ናይ ይሁዳ ነበረ።>>    1 ሳሙ.1712 ቅዱስ ዳዊት ናይ ኣብኡ ኣባጊዕ ክሕሉ ካብ ሳኦል ናብ ቤተልሄም ይመላለስ ኔሩ። 1ይሳሙ.1715 እቲ ሓላዊ ኣባጊዕ ቅዱስ ዳዊት ንጎልያድ ንኽስዕሮ ዝኸደ ካብ ቤተልሄም ተበጊሱ እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን ናይ ልደቱ መጀመርያ ብጎልያድ ዝተመስለ ጸላኢ ደቂ ሰባት ጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ ንኽስዕሮ ልደቱ ኣብ ቤተልሄም ጌርዎ። 1ይሳሙ.1717-58

. ንዓለም ናይ ዕርቅን ሰላምን ማእከል ብምዃና

ናይ ዓለም መድኃኒት ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ማእከላዊት ኣብ ዝኾነት ምድሪ ኣብ ኢዮሩሳሌም ኣብ ቤተልሄም ከተማ ተወሊዱ። ኣብ ቤተልሄም ጠፊኡ ዝነበረ ናይ ሰብን እግዚአብሔር ዕርቂ ተመስሪቱ።

ካብ ማኅጸን ዝጀመረ ዕርቂ ኣብ ሙሉእ ዓለም ብምውላዱ ገለጾ። ምሥጢረ ልደት ( ምሥጢረ ሥጋዌ) ዝተገልጸሎም መላእኽት፣ ጓሶት፣ ግዑዛን እንስሳት ንእግዚአብሔር ናይ ምስጋና መሥዋእቲ ኣቅሪቦም። እዚ ዓቢ ብሥራት እቶም ጓሶት ንዓለም ኩሉ ኣበሰሩ።

ናይ ሰላም ንጉሥ ናይ ሰላም ጎይታ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ማእከላዊ ምድሪ ኣብ ዝኾነት ኢዮርሳሌም ኣብ ከተማ ቤተልሄም ክውለድ መላእክት፣ ጓሶት ግዑዛን እንስሳ << «ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ»-  ምስጋና  ንእግዚአብሔር ኣብ ሰማያት ሰላም'ውን ኣብ ምድሪ ንደቂ ሰባት ይኹን።>> እንዳበሉ ዘሚሮም እዮም።

ናይ ዕርቅን ሰላምን ብሥራት ዝኾነ ልደቱ ንምርኣይ ስብኣ ሰገል ናይ ዓለም ኩሎም ጠበብቲ ናብ ቤተልሄም ተጓዒዞም። ሰብአ ሰገል'ውን ነቲ ዝተወልደ ህጻን ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ? እንዳበሉ ካብ ምብራቕ ናብ ኢዮርሳሌም መጺኦም። ዝመርሖም ዝነበረ ኮኾብ እቲ  ህጻን ኣብ ዘለዎ ቆመ። ንዝተወልደ  ጐይታ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ  ርእዮሞ ፍግም ኢሎም'ውን ሰገድሉ። ኣምሃ'ውን ኣቅረበሉ። ወርቂ ኣምጺኦምሉ ብባህርይ ንጉሠ ነገሥት ኢኻ ክብሉ። ዕጣን ኣምጺኦምሉ ናይ ዓለም ሓጥያት ትኣሊ ሊቀ ካህን ኢኻ ክብሉ። ከርቤ ኣምጺኦምሉ ስለ ሓጥያትና ኢልካ መሪር ሞት ክትቅበል ኢኻ ክብሉ። ማቴ.21-12

ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምውላድ ንምእመናን ኩሉ ናጽነት ገላ.51 ፍቕሪ ፣ሉቃ.21 ሰላም ሉቃ.214 ኮይንና። ነዚ እቶም ጓሶት << ንዑናይ ናብ ቤተልሄም ንኺድ ተበሃሀሉ >> ሉቃ.215  ዝበሉ። ንዝተወልደ መድኃኒት ቦታን ግዜን ሂብና ቃሉ ንምስማዕ ንዕኡ ንምምሳል ከም ፍቓዱ ንምንባር ምርጫና ክንፈልጥን ከነጸብቅን ይግበኣና። ናይ እግዚአብሔር ፍቓድ ብምፍጻም፣ ናይ ሥጋውያን ሰባትን ናይ ዲያብሎስ ስራሕ ክንቃውም ይግበኣና።

ንኹሉ ከም ስርሑ መጠን ዋጋ ዝኸፍል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  እንዳሓሰብና፣ ቁሪ ፣ጥሜት፣ ጽምኢ፣ ድኻም ተዓጊስና ናብ ቤተልሔም ( ቤተክርስቲያን) ዘወትር ክንመጽእ ይግበኣና። ከም ሰብኣ ሰገል ነቲ መድኃኒት ምስ ኣዲኡ ኢና ንረኽቦ። ሂወት ክኾነና እዩ።

ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደ ናትና ሓጥያት ንኽድምስስ፣ ሕማምና ክስከምልና፣ ሞትና ናብ ሂወት ክልውጥ እዩ። ስለዝኾነ ልደቱ ከነኽብር ከለና ብደርፊ፣ ብስኽራን፣ ብባእሲ ብዝሙት ብስርቂ   ብቅንኣት ዘይኮነ ንእግዚአብሔር ብምምስጋን ብምዝማር ንቃሉ ብምስማዕ ናይ ሓጥያት ሥርየት ንረኽበሉ ንስሓ ብምእታው ክኸውን ኣለዎ።  << ንእስራኤል ንስሓን  ሕድገት  ሓጥኣትን  ምእንቲ  ኺህብሲ  ኣምላኽ  ንዕኡ  ራእስን  መድኃኒትን  ጌሩ  ናብ  የማን  ልዕል  ኣበሎ።>> .ሓዋ.531   ንዑኡ ምርኣይናን ምፍላጥናን ንሓጥያት ንኸይንገብር እዩ።   << እቲ ኣብኡ ዝነብር ዘበለ ዅሉ ሓጥያት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጥያት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈለጦንውን።>> ከምዝብል 1ይዮሓ.3-6
ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ሃይማኖተ አበው  << ብሄሮድስ ብዲያብሎስ ብሰራዊቱ ሀውክ ተገብረ።  ብጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ   ምውላድ ብሰብን እግዚአብሔር ምትዕራቅ ዲያብሎስ ተሳዒሩ። >> ከምዝበሎ ኩሉ ግዜ ንጸላኢና ዲያብሎስ ክንስዕሮ ይግበኣና።
ንደቂ ሰባት ኢሉ ዝተወልደ፣ ናይ ዲያብሎስ ምኽሪ ዘፍረሰ ኣምላኽና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትእዛዙ ብምፍጻም ኣብ ማእከላዊ ምድሪ ኢዮርሳሌም ዝሃበና ሰላምን ዕርቅን ብምሕሳብ፣ ንሃገርና ዓለምናን ሰላምን ዕርቅን ክንደልን ክንብህግን ይግበኣና። ዝተባእሰ ክዕረቅ ፣ዝሰረቀ ክመልስ ይግብኦ። ሓዋርያ ዝሰረቀ ኣይስረቅ ከምዝበሎ ንልደቱ ዘኽብር ሰብ ንስርቂ ክፍኣት፣ ጽልኢ፣ ሓሶት፣ ቅንኣት፣ ከውግድ ይግብኦ። እቶም ጓሶም ምስ መልኣኽቲ ሓቢሮም ከምዝዘመሩ ኩላትና ከኣ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ብምኽባር ብፍቅርን ብደስታን ክንዝምር ይግበኣና።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ በረከተ ልደቱ የሳትፈና።  ምኽንያተ ድኅነት ዝኾነት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማልድነት ኣይፈለየና።


ወስብሐት ለእግዚ አብሔር! ወለወላዲቱ ድንግል! ወለወስቀሉ ክቡር።

1 comment:

  1. እንኳን ለጌታችን ልደት በዓል በሰላም አደረሳችሁ! በእመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም የተገኘው ለሰው ልጆች ሁሉ መዳኛ የሆነበትን ልደት ደግሞ በቸርነቱ ጠብቆን በየዓመቱ ለማክበር የበቃን ያድርገን!!!
    //ደ.ጀ

    ReplyDelete