Wednesday, February 6, 2013


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
<<ኣባኻ ተዋሐሰኒ፡ እንተ ዘይኰነስ መን እዩ ኣገና ዚጠቕዓለይ>> (እዮብ 17፡3)
ሰላም እግዚኣብሔር ንዓኹም ይኹን ክርስቶሳውያን። ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን ከም ትብሉኒ እምንቶይ እዩ። በረኸቱን ጸግኡን ይብዝሓልኩም ብምባል ድማ ናብ ትሕዝቶይ ክሓልፍ። ካብ ንፍጠር ኣትሒዝና ትርጉም ፍቓድ እግዚኣብሔር ምድላይ ወይ ነገርና ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ምምዕቛብ ዝጠፍኣና ይመስል። ንኣብነት እዞም ፈላጣት ኢና ንብል ብኣካዳማያዊ ዓቕሚ ክብ ዝበልና፡ ይቕረ ግበሩለይ ደኣ እምበር ሕልፍ ዝበለና ኢና። በዘን ዘይጠቕማ ትምህርቲ፡ ብልሒ ወይ ንዋታዊ ሓይሊ ፍሉይ ነገር ንገብር ወይ ብቕኑዕ ኣበሃህላ ንዓለም ከም ድልየትና ክንጠዋውያ ንኽእል እዩ ዝመስለና። እዚ ከኣ ነገርና ንእግዚኣብሔር ንምሃብ ይዕንቅጸና። ነገርና ንእግዚኣብሔር ምሃብ ክበሃል ከሎ ብዙሕ ሰማያዊ ጸጋታት ይሓቑፍ። ንኣብነት ካብ ብዙሕ ውሑድ፡ ትሕትና፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ረድኤት ኣምላኽ ምጽባይ. . . ወዘተ እዮም።
ንኣብነት ሓደ ሰብ፡ “ዓለም ሎሚ ቀላጽመይ ከርእየኪ እየ” ብዘስምዕ ሓሳባት፡ ብልሑ ተጠቂሙ፡ ከውርድ ከደይብ፡ መደባት ክሕንጽጽ፡ ኮታ ብዙሕ ሃልኪ ይሃልኽ። ዝኾነ በቲ ዝሓንጸጾ ምስ ዘይከይድ ድማ ይሓርቕ። እዚ ምንጽርጻር ኸኣ ዓለም ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ስለዘይከደት እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እዩ ነቲ ጠዋይ ንምቕናዕ፡ ትውክልቱ ናብ እግዚኣብሔር ንምግባር ብፈተና ዝኸውን። ኣብዚ እዩ ኩሉ ሰብ በቃ! ኩሉ ነገረይ ኣብ ኢድካ ኣረኪበካ ኣለኹ፡ ድላይካ ግበረኒ ዝብል። ኣብ መወዳእታ፡ እታ ካብ ቀደም ክትበሃል ዝነበራ ቃል፡ ኦ እግዚኣብሔር ፍቓድካ ይኹን! ክብል ይጅምር። እዚ ከኣ ብመከራ ከመይ ገይርና ኩሉ ነገርና ትሕቲ ኢድ እግዚኣብሔር ነማዕቑብ ዝብል ኣምር ነሕድር።


ታሪኽ ጻድቕ እዮብ ንኹልና ዓቢ ትምህርቲ እዩ። ንድሕሪት ምልስ ኢልና መዘኻኸሪ ክኾነና ብዛዕባ ጻድቕ እዮብ ክንዘራረብ ኢና። ዘርኡ ካብ ኤሳው ሓው ያዕቆብ ከም ዝኾነ ይንገር። ኤሳው ከም ሓው ያዕቆብ (እስራኤል) ዘይኮነ፡ ብመንገዲ እግዚኣብሔር ዘይመላለስ እዩ። በረኸት ኣቦሓጉኡ ኣበ ብዙሓን፡ ኣቦና ኣብርሃም ግና ስለዝነበሮ ካብ ዘርኡ ጻድቕ እዮብ ወጸ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ እዮብ፡ ንእግዚኣብሔር ዚፈርህን ፍጹምን ቅኑዕን ዝኾነ ሰብኣይ እዩ ዝነበረ ይብለና። ጻድቕ እዮብ ከምቲ ብዘመነ ሕገ ልቦና ዝፍለጥ ሓላፍነት ስድርኡ ዝተሰከመ ኮይኑ መስዋእቲ ኣብ ክንዲ ደቁ ከዕርግ ከሎ ንርኢ። ብንዋታዊ ጸጋ እግዚኣብሔር ዝባረኾ፡ ኣብ ሰብ ምብራቕ ዓቢ ነበረ። ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዝበለጸ ግና ምስክርነት እግዚኣብሔር እዩ፡ <<ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን>> (እዮ 1፡8) ክብል ከሎ። ኣብዚ ታሪኽ ናይ ጻድቕ እዮብ፡ ከነስተውዕሎ ዝግባእ ግና ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ ከኣ ጻድቕ እዮብ፡ ንገዛእ ነፍሱ ጻድቕ ምቕጻሩ እዩ። ነዚ፡ ነገር እዚ፡ ንምውጋድ እግዚኣብሔር ፈተና እዮብ ፈቐደ እምበር ሰይጣን ስልጣን ኣብ ልዕሊ እዮብ ስለዝነበሮ ኣይኮነን። ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ መጽሓፍ እዮብ ከም ንርእዮ፡ ካብ ንዋት ጀሚሩ ክሳዕ እቶም ዓሰርተ ደቁ፡ ብፍሉይ ጭካኔ እቲ እኩይ ኣጥፈኦም። በቲ ዝወረዶ እዮብ፡ ንእግዚኣብሔር ኣይከሓደን። ጽንዓቱ ዝምስክር ቃል ድማ፡ <<ጥራየይ እየ ካብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ክምለስ እየ። እግዚኣብሔር ሀበ እግዚኣብሔር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሔር ይባረኽ፡ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።>> (እዮ 1፡ 21) ይብለና። ብሓቂ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ካብ ኣመና ሃብታም፡ ናብ ድኻ! እሞ ኸኣ ዋላሓንቲ ክጸናንዓሉ ዝኽእል ነገር ዘይብሉ! ከተስተንትኖ ከሎኻ ሕርብት’ውን ይብለካ። ንሕና፡ ከምዚ’ኳ ዝበጽሓና ኣይኮነን የግዳስ እስከ ኣብ ቦታ ጻድቕ እዮብ ንግበራ ነፍስና። ምተጻወርናዮ’ዶ፤ ከቢድ እዩ!!! ግና እቲ ሓቂ ንሱ እዩ <<እግዚኣብሔር ሀበ እግዚኣብሔር ድማ ወሰደ>> ። እዮብ፡ ድልየታቱ ክማለኣሉ ብዝብል ኣይኮነን ናብ እግዚኣብሔር ተጸጊዑ። ጸላኢ ሠናያት በዚ ብጣዕሚ ስለዝርበጽን ዝሳቐን፡ ኣብ ነፍሱ ክመጾ ደለየ። ሕጂ’ውን እግዚኣብሔር ሓደ ዕላማ ስለዝነበሮ ደኣ እምበር ሰይጣን ስልጣን ኣብ ልዕሊ እዮብ ስለዝነበሮ ኣይኮነን። ህይወት እዮብ ናይ እግዚብሔር ስለዝኾነት ድማ፡ ድላይካ ግበሮ ግና፡ ኣብ ህይወቱ ተጠንቀቕ ብምባል ንእዮብ ኣሕሊፉ ሃቦ። ሰይጣን ድማ ብብርቱዕ ቊስሊ ስጋ ወቕዖ። ኣብዚ ካልኣይ ምዕራፍ እዩ ሰበይቲ እዮብ፡ <<ንኣምላኽ ግዳ ኽሐዶ እሞ ሙት>> (እዮ 2፡9) ዝበለቶ። ሰይጣን፡ ብሥግኡ ምዃን ስለዝኣበዮ  ብሰበይቱ መጾ። ከም ቀዳማይ ኣቦና ኣዳም ዘይኮነ እዮብ፡ <<ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣሎኺ። ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ>> (እዮ 2፡10) ክብላ ከሎ ንሰምዖ። ብሓቂ ዓቢ ትምህርቲ እዩ። ንምፍጻሙ ከኣ ብቅዱስ መንፈሱ ይደግፈና።
ብድሕሪ’ዚ ሰለስተ ኣዕሩኽ እዮብ ከጸናንዕዎ ይመጹ። ካብ ሳልሳይ ምዕራፍ ኣትሒዞም ድማ ክንዲ ዘጸናንዕዎ <<ንስኻ ጌገኛ ኢኻ>> እናበሉ ክወቕስዎ ንርኢ። እዚ ከኣ ካብቲ ጸይሩዎ ዝነበረ ፈተና ክቑጣዕን ክሓርቕን ይጅምር። ተስፋ ዘይቆረጸ ሰይጣን በዞም ኣዕሩኽ ዝበሃሉ ንእዮብ ክፍትኖ ንርኢ። ቅዲ ኣጸሓሕፋ ናይ ዝርርቦም፡ ፍልይ ዝበለ ብመልክዕ ግጥሚ እዩ። ክሳብ ሕጂ’ውን ብቋንቋ እብራይስጥ ብሉጽ ቅዲ ናይ ኣጸሓሕፋ ከም ዝኾነ ይፍለጥ።
ሰይጣን ነታ ኣብ ውሽጢ ልቢ እዮብ ተዶኲና ዝነበረት፡ “ጻድቕ ምዃን” ከገንፍል፡ በቶም ሰለስተ ኣዕሩኽ ንልዕሊ ዒስራ ምዕራፋት ክርክር ወሰደሉ። <<እዮብ ንርእሱ ጻድቕ ኰይኑ ስለ እተራእዮ፡ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ምሃቡ ሐደጉ።>> (እዮብ 32፡1) ይብል እቲ ቅዱስ ቃል። ኣብ መንጐ ዓበይቲ ከመይ ገይረ ርኢቶ ክህብ ብምባል ሱቕ ኢሉ ዝዕዘብ ዝነበረ ኤሊሁ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ምሃብ ምስ ኣበዩ ተናደደ ይብለና እቲ ቅዱስ ቃል። (እዮብ 32፡2) ። ምኽንያቱ እዮብ ንርእሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ጻድቕ ገይሩ ስለዘቕረባ። ኣብ ሓሙሽተ ምዕራፋት ድማ ለባማት ክብልዎ ዘይከኣሉ ተዛረበ። ብሕጽር ዝበለ ኤሊሁ ንእዮብ፡ ዝወረደካ መከራ ሰብ ክጻወሮ ኣይክእልን እዩ። እዚ’ውን ዓቓል ስለዝኾንካ እምበር መን ምተጻወሮ! ግና ንነፍስኻ፡ <<ኣነ ብዘይ በደል ጽሩይ እየ፡ ንጹህ እየ፡ ሓጢኣት ከኣ የብለይን። እንሆ፡ ንሱ ምኽንያት ኣባይ ረኺቡ፡ ከም ጸላኢ ይርእየኒ ኣሎ፡ ንእጋረይ ኣብ ጒንዲ ኣሲሩወን፡ ንኹለን መገደይ ይቋመተን ኣሎ። እንሆ፡ ኣምላኽ ካብ ሰብ ይበልጽ እዩ እሞ፡ በዝስ ተጋጊኻ ኢለ እመልሰልካ ኣሎኹ>> (እዮብ 33፡9-12) ይብሎ። ኣምላኽ ጌጋ ገይሩ ኣነ ግና ቅኑዕ ኣለኹ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ንኣምላኽ ኣይተረዳእናካን’ሞ ዓይነ ልቦናና ክፈተልና ንበሎ። ወይ ድማ ዓቕሊ ሃበና ንበሎ። ተስፋና ነዚ ሕጂ ወሪዱና ዘሎ ዘይኮነስ ነቲ ብድሕሪኡ ዝርከብ በረኸት ይኹን። እናበለ ንእዮብ ከህድኦ ይፍትን ነበረ። ነቶም ሰለስተ ኣዕሩኽ ግና፡ ንስኹም ንእዮብ ኣድኪምኩሞ እምበር ኣይየጸናናዕኩሞን ኢሉ ገሰጾም። ኤሊሁ ንእዮብ መንፈሱ ምስ ኣህደአ፡ እግዚኣብሔር ክዛረብ ንርእዮ። ኣብ ምዕራፍ 38 እግዚኣብሔር ንእዮብ፡ <<ብዘይ ፍልጠት ብምዝራቡ ንምኽረይ ዜጸልምቶ መን እዩ፡ ከም ሰብኣይ ኴንካ ሕቜኻ ተዐጠቕ፡ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፡ ንስኻውን ምለሰለይ።>> (እዮብ 38፡1-3) ። እናበለ ድማ ንእዮብ ክግስጾ ይጅምር። እዮብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር፡ <<እንሆ ኣነ ምናምን እየ፡ እንታይ ኢለኸ ኽመልሰልካ፡ ንኣፈይ ብኢደይ ሒዘያ እየ።>> (40፡3-4) ። ኢሉ ኣብ ሞንጐ ምስ ተዛረበ፡ እግዚኣብሔር ንእዮብ ገና ኣይወዳእኩን ብምባል፡ ቐጺሉ ጥበቡ ማንም ክግምቶን ክፈልጦን ዝኽእል ከም ዘይየለ ኣረደኦ። ስለዚ ኸኣ፡ እግዚኣብሔር፡ ዝገብሮ ዝፈልጥ ኩሉ ድማ ብናቱ ፍቓድ ከም ዝነብርን ኣፍለጦ። እዮብ ድማ፡ ኩሉ ነገሩን ጌግኡን ተረዲኡ ኣብ መወዳእታ ርእሱ ፈንፊኑ ክነሳሕ ንርእዮ። ብምሕረት ምሉእ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ንእዮብ ምሕረት ይህቦ። ነቶም ሰለስተ ኣዕሩኽ ምኽንያት ሓጢኣቱ ስለዝነበሩ ድማ፡ ምሕረት ብመንገዲ እዮብ በቲ ሕሩዩ ክዋሃቦም ከም ዝኽእል ተነግሮም። እዚ ኸኣ እዮብ ነዕሩኹ ከማልደሎም ከሎ ንምልከት። እቲ ፈተና በዚ የብቅዕ ጻድቕ እዮብ፡ ህይወቱ ብጸጋ እግዚኣብሔር እንደገና ትመልእ። ካብቲ ዝነበሮ ዕጽፊ ገይሩ ይውሰኾ። ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ድማ ይወልድ። ድሕሪ እዚ እዮብ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ይጸንሕ፡ ደቁን ደቂ ደቁን ከኣ ክሳዕ ኣርባዕተ ወለዶ ይርኢ። ዕድመ ጸጊቡ ድማ ሞተ ይብለና እቲ ቅዱስ ቃል። (እዮብ መፈጸምታ ምዕራፍ 42) ።
<<ኣባኻ ተዋሐሰኒ፡ እንተ ዘይኰነስ መን እዩ ኣገና ዚጠቕዓለይ>> (እዮብ 17፡3) እዚ ቃል ናይ እዮብ እዩ።  ካብ ቀደም ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ኣባኻ እዩ ትውክልተይ፡ ግና ሕጅስ ተሓዋዊሱኒ፡ ክርደኣካ ኣይከኣልኩን ንምባል ዝተዛረቦ ቅዱስ ቃል እዩ።
<ኣባኻ ተዋሐሰኒ> ዝብል ቃል፡ ብጄካኻ ብዛዕባይ ዝፈልጥ የለን። ክዋሓሰኒ ዝኽእል ከኣ የለን። ስለዚ ኣብ ቅድሜኻ ክጣበቐለይ ዝኽእል ብጄካኻ የብለይን ማለት እዩ። ንኣብነት ካብ ሓደ ሰብ ገንዘብ ክትልቃሕ እንተ ደኣ ደሊኻ፡ ዝሓፍሮ ወይ ዘኽብሮ፡ ቓሉ ከዕብር ዘይደሊ ረኺብካ፡ በጃኻ ኣብ እገለ ንዓ ተዋሐሰኒ ትብሎ። ንሕና ድማ ብሓጢኣት ጨቂና ከሎና፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ጽቡቕናን ሕማቕናን ዝፈልጥ፡ ክዋሐሰና ዝኽእል፡ ብጄኻ እግዚኣብሔር የብልናን።
<መን እዩ ኣገና ዚጠቕዓለይ> ምባሉ ድማ፡ ምስ ካልእ ሰብ ተማኺረ ኢደይ ኣብ ኢዱ ገይረ ኣይከድኩን ወይ ተስፋ ዝገበርኩሉ የብለይን፡ ናብ ሰባት ኣይተጸጋዕኩን ማለት እዩ። ናብ ዝነበርናዮ ምትእምማን ንመለስ እዩ ዝብል ዘሎ። ንኣብነት ኣብዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ዘመን፡ ሰባት ናይ ህይወት መድሕን ወይ ናይ መኪና መድሕን ዝኣትዉዎ፡ ነታ ህይወቶም ብገንዘብ ኣብ ትካላት ናይ መድሕን የዕቑቡዋ። በዚ መጠን ከኣ ዕረፍቲ ዝረኽቡ ይመስሎም። ግና ኣይኮነን። ህይወትና ብገንዘብ ኣይትትመንን፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት’ውን ኣይዳረጋን። ስለዚ ንህይወትና ምስ ልዑለ ባህሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኸና ደኣ ነማዕቑባ። ኣብዛ ምድሪ ከሎና እግዚኣብሔር እዩ ዋሕስና። ኣብ ዳሕራይ ዘመን’ውን እግዚኣብሔር እዩ ረዳኢና።
ዘማራይ ዳዊት፡ <<ጾርካ ናብ እግዚኣብሔር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን>> (መዝ 45፡22) ይብል። እዚ ከኣ፡  
<<ጾርካ ናብ እግዚኣብሔር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ።>> ናይ ሎሚ ጾርካ ንእግዚኣብሔር ሃቦ ወይ ኣረክቦ ማለት እዩ። ንኣብነት ኣብዛ ዓለም ከሎና ገንዘብ ክህልወና ይኽእል፡ ውላድ ክህልዉና ይኽእሉ፡ ዘመድ ቤተሰብ ክህልዉና ይኽእሉ፡ በዓል ስልጣን ንፈልጥ ንኸውን፡ ግና እዚ ኩሉ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ዓለማዊ ጸጋ ደኣ እምበር፡ ዘልኣለማውነት ከውሕሰልና ዝኽእል ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፤ ነገርና ኩሉ ንእግዚኣብሔር ነረክቦ። ነማዕቕቦ! በረኸት ኣብ ልዕሊ በረኸት ድማ ክንረክብ ኢና።
ቀጺሉ’ውን፡ <<ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን>> ጻድቕ ክብል ከሎ፡ ነቲ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ዝንቀሳቐስ፡ እቲ ብፍታው እግዚኣብሔር ዘስተንፍስ ጻድቕ ማለት እዩ። ህይወቱ ንእግዚኣብሔር ዘወፈየ፡ ከይሰልከየ ናብ ኣምላኹ ዝቐረበ። ኣብ ዳግማይ ትንሳኤ’ውን ኣይክድርብዮን ወይ ሰንከልከል ክብል ኣይክሓድጐን እዩ።
ዘልኣለማዊ ህይወት ክንወርስ፡ ዋሕስ ዝኾነና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እዚ ከኣ ኩልና ንፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዚ ኣብ ምድሪ ከሎና ንእግዚኣብሔር ከነስምሮ እንተ ደኣ ኮይና፡ ኩሉ ነገርና ንዕኡ ንሃቦ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣኽሊል ሰማያዊ ክብሪ ክንለብስ ኢና።
ነዋየ ኅሩይ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ካብቲ ብዙሕ ተመኩሮታቱ ኣብ ባሕሪ ዘጓነፎ ንዓሰርተ ኣርባተ መዓልቲ ዝኣክል ጸልማት ዝመልኦ ጉዕዞ፡ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ብዓቢ መምህርና ቅዱስ ሉቃስ ዝተጸሕፈ ክንውከስ ከሎና፡ ብባሕሪ ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ እዋን፡ <<ኣቱም ሰብ፡ ንነፍስና ድማ እምበር፡ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ እኳ ዘይኰነስ፡ መገድና ብጭንቅን ብብዙሕ ጉድኣትን ከም ዚኸውን እርኢ ኣሎኹ ኢሉ መዐዶም። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ካብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዘረባ ነቲ መራሕ መርከብን ነቲ ዋናኣን ኣዝዩ ይአምን ነበረ።>> (ግሓ. 27፡10-11) ። ኣብዚ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ንሰባት ክኣምን ከሎ ንርኢ። እዚ ከኣ ኣበይ ከምዘብጽሕ ክንዕዘብ ኢና። <<ሽዑ ኸኣ ብዙሕ ከይዶንጐየ፡ ኤውሮክሊዶን ዚብሀል ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብታ ደሴት ተላዕለ። ነታ መርከብ መንዚዑ ምስ ወሰዳ ኸኣ፡ ንሳ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት፡ ስዲ ትኺድ ሐደግናያ>> (ግሓ. 27፡14-15) ። <ሐደግናያ> ትብል ቓል ከነስተውዕለላ ይግባእ። ንመን፤ ንእግዚኣብሔር ሐደግናያ ማለት እዩ። እምበር፡ ንመራሒ መርከብ ኣይኮነ ንዋና መርከብ ኣይኮነ፡ ነቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር እዮም ሓዲጎማ። <መን እዩ ኣገና ዚጠቕዓለይ> ክብሉ ጀመሩ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ፡ ሰብ ዋሕስ ክኸውን ኣይክእልን ማለት እዩ። ወይ ኣይትፍራሕ ዝብለኒ ሰብ መን እዩ፤ ማለት እዩ። ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ብማየ ማይ ምስ ከደ፡ ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና ፈርሄ። ክጥሕል ድማ ጀመረ። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ <ጐይታይ ኣድሕነኒ> ክብል ከሎ ንርኢ። (ማቴ 15፡22-33) ። በቃ! ብኢደይ ሓዘኒ ኣድሕነኒ ማለት እዩ። ካልእ ሰብ ኢደይ ሒዙ ከድሕነካ እየ ኢሉ ዝመጽእ ኣየድልየንን ምባል ንምርዳእ ዝኣክል እዩ። ንስኻ ኢኻ ዋሕሰይ ካልእ ኣይየድልየንን። ሓኪም (ዶክቶር) ኣይድልየኒ፡ ጠበቓ ኣይድልየኒ፡ ባንክ ኣይድልየኒ፡ ቤተሰብ ኣይድልየኒ፡ ዝኾነ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ኣይድልየንን እዩ። ንስኻ ንበይንኻ ኢኻ ዋሕሰይ። እንታዋይ’ዩ ኢደይ ዝሕዘኒ፤ ማንም የለን ምባል ማለት እዩ።
እዮብ ገና ከይተነቓነቐ ከሎ፡ ሰበይቱ ንኣምላኽ ክሐዶ ክትብሎ ከላ፡ እዮብ ብኸናፍሩ ኣይሐጥአን ይብለና እቲ ቅዱስ ቃል። (እዮብ 2፡9-10) ። ቓላት ክዘንቦ ምስ ጀመረ ግና ክጻወር ኣይከኣለን ተነቓኒቑ። ናብ እግዚኣብሔር ክጠርዕ ከኣ ንርእዮ። ኢድካ ክሕዝ ፍቐደለይ፡ ከምቲ ቀደም እምነተይ ምለሰለይ፡ ኣባኻ ተዋሐሰኒ። ሕማቕ ዘረባ ሰባት ምስ ሰማዕኩ ኣባኻ ከጠራጥሩኒ ጀሚሮም። እሙን ምዃንካ እፈለጥ እየ። ከም ሰባት ከምዘይትሓስብ ይርደኣኒ እዩ። ንኹሎም ደቀይ እንተወሰድካዮም’ውን ኣይክትሐድገንን ኢኻ እዩ ዝብል ዝነበረ።
ነገርና ንእግዚኣብሔር ምሃብ ዝዕንቅጹና ነገራት፡
1.    ኣብ ገዛእ ርእስና ክንምርኮስ ከሎና።
ኣብ ገዛእ ርእስና ክንምርኮስ ከሎና፡ ዓይቢ ጸገም እዩ። ኣብ ገዛእ ርእስና ክንምርኮስ፡ ኣብ ብልሕና፡ ትምህርትና፡ ፍልጠትና፡ ሃብትና፡ ሓልዮት ሰባት ኣባና ኩሉ ናብ ዝኾነ ከብጽሓና ኣይክእልን እዩ። ጻድቕ እዮብ ክንርእዮ ከሎና፡ ብኹሉ ሸነኽ ህይወቱ ምሉእ ጸጋ ነበሮ። ሃብቲ፡ ክብረት፡ ጠሌ-በጊዕ፡ ሕፉር፡ ዓቢ ኣቦ ምዃን፡ ውላድ፡ ኮታ ኩሉ  ምሉእ ጸጋ ነበሮ። እዚ ግና እኹል ኣይነበረን። ዘለኣለማውነት ዘውርስ  ህይወት ኣይነበረን። ስለዚ ክዕረ ስለዝነበሮ ንኻልኦት ድማ ዓቢ ኣብነት ክኸውን ስለዝተመደበ ጥርሑ ተሪፉ። ብሓጺሩ ብጄካ ኣብ ኣምላኽ  ኣብ ካልእ ኣይትወከል ዝብል ዕላማ ዝነበሮ ዛንታ እዩ። እዮብ፡ ብብዙሕ ነገራት እዩ ተኸቢቡ ነይሩ። ንኣብነት ሓደ ጉዳይ ዘለዎ ሰብ ጽቡቕ ዝምድና ምስ ሓለፍቲ ምስዝህልዎ፡ መጀመርያ ተሌፎን ክገብር’ሞ ብድሕሪኡ ድማ ክጽሊ ይብል። ሓደ ሰብ ገንዘብ ኣብ ባንክ እንተሃሊዎ ክጽሊ እንተደልዩ፡ መጀመርያ ክንደይ ተሪፉኒ ክቖጸርን’ሞ ደሓር ክጽሊ እየ ይብል። እዚ ኸኣ ፍርቂ ፍርቂ ይገብሮ ኣሎ ማለት እዩ።  እዮብ ምስሓመመ፡ ኩሉ ምስ ሰኣነ፡ ነቲ ከቢቡዎ ዝነበረ ነገራት ክዝርዝር፡ <<መብራህቱ ኣብ ርእሰይ ኪደምቕ ከሎ፡ ብብርሃኑውን ንጸልማት ክሐልፎ ኸሎኹ፡ ከምቲ ብዘመን ጒብዝናይ ዝነበርክዎ፡ ምስጢር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ድንኳነይ ኪዐርፍ ከሎ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ምሳይ ኪነብር ከሎ፡ ደቀይውን ኣብ ዙርያይ ኪቘሙ ኸለው፡ ስጒምተይ ኣብ ጠስሚ ኽሐጽብ ከሎኹ፡ ርባታት ዘይቲ ኻብቲ ኸውሒ ኺውሕዘለይ ከሎ፡ ከምተን መዓልትታት እቲኤን እሞ መን ምሀበኒ። ኣብ ደገ ኸተማ ኽወጽእ፡ ኣብ ኣደባባይውን መንበረይ ክተክል ከሎኹ፡ መንእሰያት ርእዮምኒ ይሕብኡ፡ ሽማግሌታትውን ተንሲኦም ይቘሙ ነበሩ፡ መኳንንቲ ኸኣ ምዝራብ ይሐድጉ፡ ኣፎም ከኣ ብኢዶም ይኸድኑ ነበሩ። ድምጺ መሳፍንቲ ተሐብኤ፡ መልሓሶምውን ኣብ ትንሓጎም ተጣበቐ። . . . >> (እዮብ 29) እናበለ ክዛረብ ከሎ ንዕዘብ። እዚ ከም ዝዕንቅጾ ዝነበረ ንርኢ። <ኣነ> ክብል ከሎ። ኣብ ገዛእ ርእሱ ይምርኮስ ኣሎ ማለት እዩ። ዝኾነ ከጋጥም ከሎ፡ በቲ ከቢቡዎ ዝነበረ ነገራት፡ ኣምላኽ ዘይኮነ ንሱ እንድዩ ክቡር ናይ ግድን ነቲ ሽግር ባዕሉ ይፈትሖ። <<ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝፈራህክዎ፡ ኣብ ዓሌት ኣዝማድ ከይንውር ከኣ ስለ ዝሐፈርኩ፡ ስቕ ኢለ ንደገ ኸይወጻእኩ፡ ንበደለይ ኣብ ትሽትሸይ ሐቢኤዮ፡ ንኣበሳይ ከም ግእዚ ሰብ ገይረ ሰዊረዮ እንተ ዀይነስ፡ ኣየ ዚሰምዓኒ እንተ ዝረክብ። እንሆ፡ ጽሕፈት ኢደይ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ይምለሰለይ፡ እቲ ወደረኛይ ድማ ክሱ ይጽሐፍ።>> (እዮብ 31፡33) እናበለ ዝዕንቅጽ ነገር የርእየና። ሕማቕ ነገረይ ኣይሓብእን እየ። ምኽንያቱ ዝሕባእ ኣበሳ የብለይን ክብል ከሎ እዩ። ካብ ሰባት ፍሉይ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ንነፍሱ ቅኑዕ ገይሩ ይወስዳ። ሰባት ሓጢኣቶም እናሐበኡ ንሱ ግና ሓጢኣቱ ኣይሐብእን በለ። እዚ ከኣ ንነፍሱ ጻድቕ ይቖጽራ ስለዝነበረ እዩ።     

2.   ኣብ ሰባት ክትምርኮስ ከሎኻ።

እግዚኣብሔር፡ ቀናእ ኣምላኽ ስለዝኾነ: ኣብ ነፍስኻ፡ ኣብ ሰባት፡ ወይ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክትምርኮስ ከሎኻ ክሕጐሰልካ ኣይክእልን። ኣብዚ እዋን’ዚ ነቶም ንስኻ ምርኩሰይ እዮም ኢልካ ዝኣመንካዮም ምስ ሰወሮም ወይ ዓቕሞም ብግቡእ ምስ በረሃልካ፡ ተስፋኻ እግዚኣብሔር ይኸውን። ዋሕስካን ምርኩስካን ምዃኑ ይርደኣካ። <<ኣባኻ ተዋሐሰኒ፡ እንተ ዘይኰነስ መን እዩ ኣገና ዚጠቕዓለይ>> ክትብል ትጅምር። <<መንእሰያት ርእዮምኒ ይሕብኡ፡ ሽማግሌታትውን ተንሲኦም ይቘሙ ነበሩ። መኳንንቲ ኸኣ ምዝራብ ይሐድጉ ኣፎም ከኣ ብኢዶም ይኸድኑ ነበሩ።>> (እዮብ 29፡8-9) ክብል ከሎ ንዕዘብ። ኩሉ ሰብ ከኽብረካ ከሎ ኣብ ግዜ ሽግርካ ምሳኻ ጠጠው ዝብል ይመስለካ፡ ግና ከምኡ ኣይኮነን ዝጸንሖ ንእዮብ። ጻድቕ እዮብ በዚ ሓሊፉ ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት፡ ሎሚ ክቕንዞ ከሎ፡ ሸለል ኢሎሞ። ሕማቕ ነገር እንተዘይነብሮ’ዶ እዚ ኩሉ ምወረዶ፤ ዓቢ ኾነ ንእሽቶ ዝብሎ ዝነበረ ባጫ እዩ። እቶም ንስኻ ትኣምኖም ዝነበርካ ሰባት ኣበይ ኣለው፤ ዝብል ሕቶ ምምላስ ኣድላዪ እዩ።

3.   ሓይሊ ገንዘብ ወይ ንዋታዊ ዓቕሚ።

 “እገለስ እኹል ገንዘብ ኣለዎ” ክብሃል ከሎ፡ ኩሉ ነገር ዝሓዘ ኮይኑ እዩ ዝስመዓና። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ኣይኮነን። ገንዘብ ሰላም ክህበና ኣይክእልን፡ ገንዘብ ጥዕና ከውህበና ኣይክእልን፡ ገንዘብ ቅሱን ናብራ ክንመርሕ ኣይገብረናን። እዚ ንዋታዊ ዓቕሚ ናብ ዘብጽሓና የብሉን። ምናልባት ሒደት መግቢ ከውሕሰልና ይኽእል። እዚ ከኣ ንቕሳነትን ሰላምን ዘለኣለማዊ ህይወትን ኣየውሕስን እዩ። እዚ ዓቕሚ’ዚ ንብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ዋሕስና ኢኻ ንኸይብሉ ዝዕንቅጾም ዘሎ እዩ። <<ነቲ ዚጠርዕ ጥቑዕ፡ ነቲ ረዳኢ ዜብሉ ዘኽታምውን ኤናግፎ ነበርኩ እሞ፡ ዝሰምዓትኒ እዝኒ ትምርቐኒ፡ ዝረኣየትኒ ዓይኒ ኸኣ ትምስክረለይ ነበረት>> (እዮብ 29፡12) ። እወ! ጻድቕ እዮብ ርህሩህ፡ ከይመርመረ ሰናይ ነገር ክገብር እዩ ዝደሊ ዝነበረ። ክህብ ከሎ ሃብቱ ዘይነጽፍ (ወይ ዘይውዳእ) ኮይኑ ስለዝስምዖ ምሉእ ብምሉእ ኣባኻ ተዋሐሰኒ ክብል ዘይየኽእሎ ባእታ ነበሮ። እዚ ሓይሊ ንዋታዊ ዓቕሚ እዩ።

ስለዚ እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ናብ ኣምላኽ ክንውከል ዝዕንቅጻና ነገራት እየን። ንኣብነት ሓደ ህጻን ኣብ ሑቕፊ ኣብኡ ተደርቢዩ ይድቅስ። እዚ ኸኣ ኣብ ጐኒ ኣብኡ ስለዘሎ እዩ። ብዛዕባ ገንዘብ ኣይሽገር፡ ብዛዕባ ዝብላዕ ዝስተ ኣይሽገር፡ ኩሉ ወላዲኡ ከማልኣሉ እዩ። ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣይምርኮስን፡ ኣብ ካልኦት’ውን ከምኡ። መን ደኣ ወላዲኡ፡ <<ኣባኻ ተዋሐሰኒ፡ እንተ ዘይኰነስ መን እዩ ኣገና ዚጠቕዓለይ>> ። ኣምላኽ ከኣ ከምዚ ክንከውን እዩ ዝደልየና። ንመን ክንኣምን፤ ነቲ ወሃቢ ኩሉ፡ ፈጣሪ ኩሉ፡ ብኹሉ ምሉእ ዝኾነ ኣምላኽ እኳ ደኣ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ከመይ ገይርና ናብ <<ኣባኻ ተዋሐሰኒ፡ እንተ ዘይኰነስ መን እዩ ኣገና ዚጠቕዓለይ>> ። ክንበጽሕ ንኽእል፤

 መጀመርያ መጀመርያ፡ ካብ ነፍስኻ ብዙሕ ኣይትጸበ

ንኣብነት፡ ናይ ዓመት ውጥን ትሕንጽጽ። እዚ ከኣ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትካ ለውጢ ከርኢ እየ ትብል። ማለት፡ እዛ ዓመት እዚኣ ኩሉ ሕማቕ ገዲፈ፡ ስሩዕ ዝኾነ ኣካይዳ ክኸይድ እየ ትብል። ብሉይ ኪዳንን ሓዲሽ ኪዳንን ክውድእ እየ፡ ቁርባን ክወስድ እየ፡ ናይ ዘውትር ጸሎት ክጽሊ እየ፡ ከገልግል እየ ኮታ ዘይተሰርዐ የለን ኩሉ ኣብ መደባትካ ተእትዎ። ሓደ ወርሒ ከይመላእካ፡ ካብቲ ዝወጠንካዮ ዋላሓንቲ ከምዘይገበርካ፡ ትዕዘብ። እቲ ምኽንያት ድማ ካብ ነፍስኻ ብዙሕ ትጽበ ስለዝነበርካ እዩ። ኩሉ እቲ ዝተባህለ ተባሂሉ ይተርፍ። ናይ ኣፍ ዘረባ ጥራይ ስለዝኾነ። “ኣነ ከምዚ ክገብር እየ” ክትብል ግዜኻ ኣብ ከንቱ ተጥፍእ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጋገኹዎ ጌጋ እዛ ዓመት እዚኣ ኣይደግሞን እየ ኢልካ ነይርካ። እንተራእኻ ግና፡ ኩሉ ዘረባ ጥራይ። እዚ ኩሉ ካብ ትዕቢት ጥራይ ዝነቐለ እዩ። እቲ ጌጋ ድማ ንዓመታት ክሳብ ትሕለል ክትደጋግሞ ኢኻ። ኣብ መወዳእታ ናብ ኣምላኽ ተምበርኪኽካ፡ “ዋላሓንቲ ኣይክመባጽዕን እየ” ክሳዕ ትብል ትኸውን። ሽዑ ትሕት ምስ በልካ፡ ኦ ኣምላኸይ ለውጠኒ፡ ንነፍሰይ ባዕለይ ክልውጣ ኣይክእልን እየ። ንነፍሰይ ዋላሓንቲ ካልኢት’ኳ ክኣምና ኣይከኣልኩን። ሓንቲ መዓልቲ ብዘይሓጢኣት መብጽዓ ክኣትወልካ ኣይክእልን እየ። ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ በጻሕና ኢና  ንእግዚኣብሔር ኩሉ ነገርና ንህቦ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ዝኾነ ነገር ኣይከለኣናን። ንሕና ግና ብመብጽዓ ተሸፊና ክንስከሞ ዘይንኽእል ነገራት ብኣፍና ነውጽእ። ኣብ መወዳእትኡ ክትገብር እንተ መጻእካ ወይከ! የለን። ነዋየ ኅሩይ እንታይ ኢሉ ይምህረና፤ <<ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ>> (2 ቆሮ 12፡10) ድኹማት ምዃና ክርደኣና ምስ ጀመረ ኢና ውሕስነት ኣብ ሰማያት ክንተክል ንኽእል። እምበር ካብ ነፍስና ምጽባይ ድኻም ጥራይ እዩ። ቐጺሉ’ውን <<ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባ፡ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ክንሐብኣልኩም ኣይንፈቱን ኢና። ኣብቲ ንምውታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ፡ ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ።>> (2 ቆሮ 1፡9) ። ኣብ’ዚ ክንዕዘቦ ንኽእል፡ ሕሙም ናብ ኣምላኽ ቀሪቡ ንኽሓዊ ይልምን። ድኅነት ዝህብ እግዚኣብሔር ድማ የሕውዮ። ካብዚ ፍልይ ዝበለ ግና፡ <<ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ!>> ዝብል ቓል፡ ዑምቀት ዘለዎ ቃል እዩ። ምውት እንታይ ክጽበ ይኽእል፤ ዋላሓንቲ! ክልምን ኣይክእል፡ ክጓዓዝ ኣይኽእል። ኣብ ነፍሱ ዝተረፎ ነገር የለን በቃ። በዚ ኣገባብ ምስ ተጸረብና ኢና ነፍስና ንኣምላኽ ንድርቢ። ምሉእ ብምሉእ ጐደሎ ዘይብሉ ኣብኡ ንምርኮስ። <<ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ>> ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ንዕኡ ንበይኑ ምስ ደለኹ እዩ ክመጻኒ ዝኽእል፡ <<ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከል>> እትብል ቃል ወሳኒት ስለዝኾነት። ስርሑ፡ ዓቕሙ፡ ኩሉ ክህብ ዝኽእል ኣምላኽ ስለዝኾነ፡ ብዝኾነ ይኹን ንኣምላኽ ክንግምቶ ንኽእል ኣይኮናን። ነቲ ዝሞተ’ኳ ከተንስእ ዝኽእል። ፋሕ ዝበለ ሬሳ ከም ብሓድሽ ኣኪቡ ምሉእ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ኣምላኽ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ምሉእ ምርኩስ ይሓትት። ብመዝሙር ደስ ዘብል ትምህርቲ ዝምህረና፡ ከም ልበይ ዝተባህለ፡ ነቢይ ዳዊት፡  <<ነፍሰይ፡ ስለምንታይ ትጒህዪ፡ ስለምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፡ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፡ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።>> (መዝ 43፡5) ። ካብ ነፍሱ ኣይተጸበየን። <ነፍሰይ ሰለምንታይ ትጒህዪ> ዝህብ ኣምላኽ ካብ ኮነ ክህበና እዩ። ምስ ሃበና ድማ ከነመስግኖ ኢና። ስለዚ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ ይብላ ኣሎ። ምሉእ ተስፋ ዘይውዳእ ተስፋ ኣብ ኣምላኽ ምግባር ማለት እዩ።

ካልኣይ ድማ፡ ሓንጐልካ ጠጠው ምባል። ከመይ!

ምሉእ ብምሉእ ናብ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክንውከል፡ ሓንጐል ዝበሃል ጠጠው ክብል ክኽእል ኣለዎ። ብዙሕ ዘሸግረና ነገራት ኣሎ። እዚ ከኣ ንእሙን ኣምላኽና ክነግሮ ይግባእ። ጽቡቕ! ፍቓድካ ደአ እምበር ፍቓድና ኣይኹን ኢልና ጸሎትና ንዓጹ። ተመሊስና ናብቲ ዝነበርናዮ ንሓስብ ንምንታይ፤ ፍቓድካ ይኹን ኢልና ከነብቅዕ መሊስና ኣብ ምጥርጣር ንኣቱ። ምኽንያቱ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ንውከል ኣይንመስልን ኣሎና። ስለዚ ፍቓድካ ይኹን ምስ ተባህለ፡ ተወዲኡ። ዳግማይ ግምት ኣይትገብረሉን። ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ፡ ንዓኻ፡ እሞ ኸኣ ነዚ ንእሽቶ ፍጥረት ክኣልየካን ሽግርካ ክፈትሓልካን ዘጸግሞ ኣይኮነን። እዚ ድማ ኣብ ፈተና ክንኣቱ ከሎና ሓንጐልና ጠጠው ነብሎ። ካብቲ ዘገርም ግን ኣብዚ እዋን’ዚ ኢና ብብዝሒ ንሓስብ። እቲ ትርጉም ተስፋ ንምቑራጽ ኣይኮነን። ክትሓስብ የብልካን። ኣይትሕሰብ ክትብል ከሎኻ ቀላል ትመስል ግና ኣብ ተግባር ቀላል ኣይኮነትን። ብርቱዕ ኲናት እዩ። ተስፋኻ ኣብ እግዚኣብሔር ኣትኪልካ ምስ ጠመትካ ምሕሳብ ትገድፎ። ሓንጐልካ ክትቕስን፡ ልብኻ ናብ እግዚኣብሔር ግበር። <<ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ>> (ፊሊጲ 4፡5) ። <ኣይትጨነቑ> ማለት ንሓንጐልኩም ሰላም ሃብዎ ማለት እዩ። ልቢ ናብ እግዚኣብሔር ከንቃዕዱ ከሎ ሓንጐልካ ጠጠው ይብል። በዚ ድማ ሰላም ይህልወካ፡ ርጉእ መንፈስ ይዓስለካ፡ እምነትካ ይድልድል፡ ኩሉ ከኣ ትርከብ። <ድሌትኩም ዘበለስ . . . ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ> ኣብ ኣምላኽ ምስ ተፈልጠ እንታይ ክትውስኽ ትደሊ፤ ኣብ ኣምላኽ ምስ ተፈልጠ፡ ከመይ፤ መዓስ፤ ኣበይ፤ ናትካ ጉዳይ ኣይኮነን። ይኣክል ማለት እዩ። <<ንምንታይ ብልብኹም ክፉእ ትሐስቡ ኣሎኹም>> (ማቴ 9፡4)  ይብል እቲ ቅዱስ። ብዛዕባ ጥዕናኻ ንምንታይ ትሻቐል፤ ምሉእ ጥዕና ንኽህልወካ ኣይሐለኹኻን ድየ፤ ወይ ጽባሕ እንታይ ከም ዘጓንፈካ ንምንታይ ሎሚ ትርበሸሉ ኣሎኻ፤ ብዛዕባ ደቕኻ ንምንታይ ኣመና ትጭነቕ ኣሎኻ፤ እዞም ውሉድካ ውሉደይ’ዶ ኣይኮኑን፤ ከይሓተትካኒ’ዶ ኣይኮንኩን ዝሃብኩኻ ይብለና እግዚኣብሔር።   

ሳልሳይ፡ ጭንቀትን ጸገምን ናብ ጸሎት ለውጦ።

ኣብ ግዜ ሽግርናን ጭንቅናን ብዙሕ እንተሓሲብናን ናብቶም ኣብ ጐንና ንዘለው ባእታታት ኣብ ላዕሊ ከም ዝጠቐስናዮም እንተተሞርኲስና ኩሉ ሕፍረት እምበር ፍታሕ ከምዘይንረክብ ፈሊጥና ኢና። እቲ ቀንዲ ክንሰማምዓሉ ዝግባእ ኩሉ ዘሸግረና ዘበለ ናብ ጸሎት ንለውጦ። ንኣብነት ኣብታ ኣቐድም ኣቢልና ዝተዘራረብናላ ናይ ሓንጐል ጠጠው ምባል፡ ምሕሳብ ከተቋርጽ እንተኾንካ እቲ ትሓስቦ ዝነበርካ ናብ ጸሎት ክትቅይሮ ምስ ጀመርካ እዩ። ቀጻልነት ናይ ጸሎት፡ ይዕበ ይንኣስ ዘሕስበካ ንኣምላኽ ኣፍልጦ። እዚ እዮ እቲ ህይወት። <<እምበኣርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኩም ኣይትጨነቑ።>> (ማቴ 6፡31) ይብል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ። ኣይትጨነቑ ውዱእ ቓል። <<ነዚ ዂሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ኹሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ>> (ማቴ 6፡32) ። መን፤ <እቲ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ>። ስለዚ ብዘይምግናን፡ ክንጭነቕን ሸበድበድ ክንብልን ከሎና፡ ንነፍስና ክም ዘኽታማት ብዘይ ኣቦ ንቖጽራ ኣሎና። ክንደይ ግዜ ንኣምላኽ በዚ ጭንቐት ንብድሎ ከም ዘለና ይርደኣና ኣሎ’ዶ፤ ማለት ኣምላኽ ኣብ ዝፋን ክብሩ እንከሎ፡ “ዝወደይ ህሉው’ዶ ኣይኮንኩን’የ፤ ክትጭነቕ ከሎኻ እንታይ’ሞ ክትውስኽ ኢኻ፤ ክብልና እዩ።

<<ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሔር ኤእዊ፡ ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሔር እምህለል ኣሎኹ። ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፡ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር። መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ማህመነ፡ መገደይ ፈለጥካ>> (መዝ. 142፡1-3) ። ከም ዝበለ ንብከ(ንንባዕ) ኣብ ቅድሚኡ ሽግርና ንኽዖ፡ እታ ንሕና ንኸዳ መንገዲ ድማ ንሱ ይፈልጣ እዩ እሞ ኣይንሸገር።

ራብዓይ፡ ብዛዕባ ጭንቅኻ ምስ ነፍስኻ ኣይትዛረብ ንሰብ’ውን ኣይትንገር። ንምንታይ፤

ብዛዕባ ሽግርካ ምስ ነፍስኻን ካልኦትን ክትነግር ከሎኻ፡ ነቲ ንእግዚኣብሔር ሂበዮ ኣረኪበዮ ኢልካ ዝረኸብካዮ ዕድል ተጥፍኦ። ክንዲ ትፈትሖ መሊሱ ይብእስ። እዚ ከኣ ብዙሕ ክትዛረበሉ ከሎኻ፡ ትቑጣዕ፡ ደምካ ይፈልሕ፡ ተስፋ ትቖርጽ እምበር ካልእ ተምጽኦ ልውጢ የለን። ገለና እንታይ ንገብር ይመስለኩም! ምስ ነፍሰይ ቁሩብ ኮፍ ክብል ደልየ ንብል፡ ንስኻ ገለ ትብል ነፍስኻ ከኣ ብካልእ ትምልሰልካ። ኣብ መወዳእትኡ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ጭንቒ ትበጽሕ እምበር ኣይትፈትሕን። እቲ እንኮ ኣማራጺ ምስ እግዚኣብሔር ኢኻ ኮፍ ክትብል ዝግባእ። ምስቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ምስ ትዘራረብ ዘሸግረካ ወሲዱ የናግፈካ፡ ዕረፍቲ ይእውጀልካ። ንበይንኻ ኮፍ ኢልካ ግና ወላሓንቲ ኣይትገብርን ብጄካ ጭንቒ። ስለዚ ብዙሕ ክንልፍልፍ እንተጀሚርና ፍቑራት ኣሕዋተይ ከምቲ ጻድቕ እዮብ ዝበሎ ይኸውን፡ <<ንስኻትኩም ኩልኹም ዘይትጠቕሙ መጸናናዕቲ ኢኹም>> (እዮብ 16፡2) ። ንኣብነት ንሓደ ደሓን ዝበልካዮ ሽግር ክትዛረበሉ ምስ ጀመርካ፡ ይስምብድ፡ ገጹ ይልወጥ፡ በዚ ድማ ንስኻ ኣቕሊልካ ዝራእካዮ ዓቢ ኮይኑ ይጸንሓካ። ዓቢ ሽግር እንዲዩ ኢልካ መሊስካ ትጭነቕ። ከይተዛረብካ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ናይ ምጽዋር ነበርካ። ድሕሪ ምዝራብካ ግና ሐላሊኽካዮ፡ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ይኸውን። እቲ ዘዛረብካዮ ሰብ’ውን ካብ ገጹ ጥራይ ኢኻ ኣንቢብካዮ፡ እንተዝዛረብ ደኣ እንታይ ክትከውን ኢኻ፤ ተመሊሱ ንዓኻ ከጸናንዕ ይጅምር፡ ግና ብውሽጥኻ ኩሉ ተረዲኡካ ኣሎ፡ በቓ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣባይ ንምንታይ ይወድቕ፡ እናበልካ ሓሳረ መከራኻ ተሰኪምካ ትኸይድ እምበር ዘምጻእካዮ ፍሉይ ፍታሕ ኣይነበረን። ስለዚ ሽግርካ ንዝኾነ ከይትነግር ብጄካ ንእግዚኣብሔር፡ እንተሓርበተካ “ንኣበነፍስኻ”። ምኽንያቱ ኣበነፍስኻ ጸሊ ክብለካ እዩ ኣብ ጸሎት’ውን ክሕግዘካ እዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ምስ እግዚኣብሔር ምጽናሕ እዩ።  

<<ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ለባም በዚ ኸምዚ ዘመስለ ዘመን ስቕ ይበል>> (ኣሞጽ 5፡13) ። ይብል ቅዱስ ቃሉ። ገሌና እንታይ ክንብል ንኽእል፡ ንምንታይ ሱቕ ዝብል ክትኮስ እንድዩ። ከምኡ ኣይኮነን ምስ ዝዛረብ እዩ ዝትኮስ ዘሎ። ጸገም ከጓንፍ ከሎ ሱቕ በል፡ ጸሎት ድማ ጸሊ። ክትዛረብ ከሎኻ ብዙሕ ክትጕሂ ኢኻ። ንእግዚኣብሔር ነገርካ ምርካብ ምእንቲ ክትክእል ከምቲ እዮብ ዝበሎ በል፡ <<ኣባኻ ተዋሐሰኒ፡ እንተ ዘይኰነስ መን እዩ ኣገና ዚጠቕዓለይ>> ። መን እዩ ኣብ ሽግረይ ክሕግዘካ ዝብለኒ፤ ዋላ ሓደ። ስለዚ ብጄካ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እምበር ካልእስ ኣይክሕግዘንን እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ካብቲ ዘሻቕለካ ዘሎ ወጻኢ ጠቓሚ ዝኾነ ስራሕ ስራሕ

ኣገልግል፡ ስራሕ፡ ብዛዕባ ኣሕዋትካ መእመናንን ጸገማቶምን ሕተት፡ ጾሮም ተሰከም። እሞ ጾርካ’ኸ፤ ንሱስ ኣብ እሙናት ኣእዳው ኣሎ። ክትሰርሕ እንተዘይክኢልካ ብዛዕባ ሽግርካ ምሕሳብ ኣይከተቋርጽን ኢኻ። ዘረባ ኣይከተቋርጽን ኢኻ ሰብ እንተዘይረኸብካ’ውን ምስ ነፍስኻ ክትዛረብ ኢኻ። <<ብሓንቲ እኳ ኸይጐደለኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።>> (1፡4) ።

ኣምላከ ቅዱሳን ምስ ኩላትና ይኹን፡ ወላዲት ኣምላክ ቅዱስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ተሓልወና።



ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!

            


No comments:

Post a Comment