Monday, March 25, 2013

ቲ'ዚጉዳእ መን እዩ።



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።

'ዚጉዳእ መን እዩ።

(Click For PDF)ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ እምባ ስብከቱ ካብ ዘምኃሮም ትምህርቲ ሓደ << ንጸላእትኹም ፍተዉ ዝረግምኹም መርቑ ……  ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ ስለቶም ዚጸፍርኹም ዚሰጉኹምን ጸልዩ። >> ዝብል ይረከቦ። ማቴ.543-44፣ ብዙኃት ነዚ ቃል ዋላ እንተፈለጥናዮ ጸላእትና ክንፈቱን፣ ክንምርቖምን ብዛዕብኦም ንጽልየሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ብዘይምስትውዓልና ነዚ ነገር እዚ ክንገብሮ ንጽገም። << ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ክንገብር ስለዘምኃረና እዩ። >> ብምባል ከም ትእዛዝን ግዴታን ጥራሕ ጌርና ንምልከቶምውን ኣይንጠፍእን ኢና።

እዚ ቃል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ቃል  ከምዚ ክብል ከሎ ዓሚቕ ትሕዝቶን መልእኽትን ኣለዎ። ናይ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ቅዱስ ኣቦ ዮሓንስ ኣፈወርቒ ብሕቶኣዊ ዝዀነ ኣመኽንዩ ከምዚ ብምባል የብርኃልና።
<< ደቀይ ካልእ ሰብ ጌሩኒ ትብልዎ ጉድኣት እንታይ እዩ?  ሓሪቑ ጸሪፉኒ ደይስመይ ኂቡ ኣኽፊኡኒ ዝብል ድዩ ? እዚ ጉድኣቱ እንታይ እዩ? ብፍጹም ጉድኣት የብሉን። ምኽንያቱ እዚኦም ነገራት ጉድኣት ዘይኰኑ ትዕግስቲ እንተኃልዩካ ጥቅሙ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።
ኣብ ልዕሌኹም ጉድኣት ንምብጻሕ ዝደሊ ሰብ ገና ክጅምሮ ከሎ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ። ዝገብሮ ኹሉ ፈትዩን ፈቒዱን ኣይኮነን። ዋላ እኳ ንዓኹም ዝጎድአ እንተመሰሎ ንገዛእርእሱ እንዳጎድአ እዩ። ናይ ብዙኃት ጸገም ጎዳእን ተጎዳእን መን ምዃኑ ፈሊኻ ዘይምፍላጥ እዩ። ምኽንያቱ   ነዚ ፈሊና ንፈልጥ እንተእንኸውን ንገዛእ ርእስና ንምጉዳእ ኣይምተበገስናን ኔርና፣ ካልኦት ጸገም ምእንቲ ከጓንፎም ኣይምጸለናን ኔርና። ንማንም ምጉዳእ ከምዘይንኽእል ምስ ፈለጥና ምስ ተረደኣናን ኔሩ። እቲ ዝዓበየ በድል ድማ ክፍኣት ምቅባል ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክፍኣት ምፍጻም እዩ። ስለዚ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንኻልእ ሰብ በዲልኩም እንተኰንኩም ንገዛእ ርእስኹም ውቐሱ። ካልእ ክፋእ ጌርኩም እንተኾይኑ ግና ንዓኹም ዝገበርኩም ጽቡቕ ነገር እዩ እሞ ጸልዮሉ። ዋላ እኳ እቲ ሰብ ንዓኹም ክጠቅም ኢሉ ዚገብሮ እንተዘይኰነ ብምዕጋስኩም ግና ዓቢ መንፈሳዊ ረብሓ ትረኽቡ። ክፋእ ጌሩኒ ትብልዎ ሰብ ብተግባሩ ክፉኣት ከምዝዀነ ሰባት ቃለ እግዚአብሔር ክፋረዶም እዩ። ንሳኻትኩም ግና ምስትዕገሱ ንግዚኡ ዋላ እንተተጎዳእኩም እንተመሰለኩም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተዛረቦ ዓስብኹም ኣብ ሰማይ ብዙሕ እዩ።>> ይብል
/Homily on the Gospel of St. Matthew, Hom.18/፡፡

ካብዚ እንታይ ክንርዳእ ንኽእል፣ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሌና ክፋእ እንተገበረ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቒ ከምዝተዛረቦ ትዕግስተኛቲ እንተሰኒቕናያ ናብ ክብርን፣ ናብ ሽልማት ልዕል እንዳበና ኢና ንኸይድ ማለት እዩ። ኮይኑ ግና እሱ ዝርእዮ ንዓና ንምጉዳእ ጥራሕ ስለዝኽዕነ እቲ እንረኽቦ ሽልማት ኣይረኣዮን እዩ።  እንተዝረኣዮ ኔሩ (እዚ ናይ ኣኽሊል ሽልማት ስለንረክብ ስለዝርዳእ።) እቲ ኹሉ ዝገብሮ ኣይምገበሮን ኔሩ። ስለዚዩ  ነቲ ኣብ ልዕሌና ከምዚ ዝገብር ሰብ ንጽልየሉ፣ ሓደ ምረረ ገሃነም ጣዕመ መንግሥተ ሰማያት ካብ ዘይምፍላ  ዝተላዕለ እሱ ንገዛእ ርእሱ እንዳጎድአ ስለዝኾነ። ካልኣይ ድማ ንዓና ናብ ሹመትን ሽልማትን እንዳደፍኣና ስለዝኾነ  ማለት እዩ።

ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ሓደ ዝንገር ታሪኽ ኣሎ።  ሓደ ዓላዊ ሰብ ንሓደ ክርስቲያን መከራ የጽንዓሉ። እቲ ክርስቲያንውን << ጐይታን ምረረ ገሃነም ጣዕመ መንግሥተ ሰማያት ስለዘይፈልጥ እዩ በጃኻ ነዚ ክፈልጥ ግበሮ።>> እንዳበለ ይጽልይ። ኣብ ዳኅራይ ዘመን ዓላውያን ሓሊፉ ዘመን ክርስቲያን ይኸውን። እቲ ዓላዊውን ( ነቲ መከራ ዘጽንዓሉ ዝነበርኩ ክርስቲያን ) ሎሚ እንተዝረኽበኒ ብተራኡ (ብግዲ) ከመይ ምስ ገበረኒ? ይብል። ነዚ ዝሰምዑ ሰባት << እሱ እንተኾነ ዋላ ቀደምንውን << ጐይታን ምረረ ገሃነም ጣዕመ መንግሥተ ሰማያት ስለዘይፈልጥ እዩ በጃኻ ነዚ ክፈልጥ ግበሮ።>>  ከምዚ እንዳበለ እዩ ዝጽልየልካ ዝነበረ።>> በልዎ። እቲ ዓላዊውን << እዚኦም ክርስቲያን ምግባሮም ዝቐንዐ ሃይማኖቶም ቅኑዕ ስለዝዀነ ኣይኮነን?>> ብምባል ተመሊሱ  ኣሚኑ፣ ተጠሚቑ። (ወንጌል ኣንደምታ)

ስለዚ ንዓና ከምዚ ዝገብሩና ሰባት ክንወቕሶምን ክንከሶምን ኣይግበኣናን እዩ ማለት እዩ። ኮይኑ ግና ክንዕገሶምን ክንጽልይሎምን ከለና ኣብ ላዕሊ ከምዝተገልጸ ንሕና ክርስቲያን ንድኅነቶም ምኽንያት ንኸውን።
እግዚአብሔር ኣምላኽና ነዚ ክንገብር ክርእ ከሎ ኣዝዩ እዩ ደስ ዘብሎ። ምኽንያቱ ናይ ብባህርይኡ ፈቓር ዝኾነ ኣምላኽና ከሙኡ ከኣ ንኻልኦት ከንፍቅር ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ንዝተፈጠርና ደቁ ስለዝምልከት እግዚአብሔር ካብ ባህርዩ ዝተላዕለ ርኅርኁን ለዋኅን ኣምላኽ ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ ሓጥኣንን ጻድቃንን ዝናብ የዝንብ። ንሕና'ውን ካቡኡ ዝተወልድና ደቑ ንዕዑ መሲልና ንኹሉ ከነፍቅር ይግበኣና እግዚአብሔር ኣምላኽና ከኣ እዚ እዩ ዝደሊ።  እዚ ከኣ ከም ሕግን ትእዛዝን ጥራሕ ዘይኮነ ኣቐዲሙ ከምዝተገልጸ ብዙሕ ረብሓ ንረኽበሉ ስለዝዀነ እዩ።

ሳኦል ኣቐዲሙ ንቤተክርስቲያን ኣብዚሑ ዘሳጒጋ ፈሪሳዊ ኔሩ። ቅዱስ እስቲፋኖስ ብዳርባ እምኒ ክውገር ከሎ ምስኦም ሓቢሩ ናይ ኣይሁድ ክዳን ይሕሉ ኔሩ። ክርስቲያን ግና ብዛዕቡኡ ኣጸቢቖም ይጽልዩ ኔሮም። ናይ ጻድቅ ሰብ ጸሎት ብስርሓ ኣዝያ ኃይሊ ትገብር ስለዝኾነት ሳውል ንክርስቲና ምስጓግ ገደፎ። ምግዳፍ ጥራሕ ኣይኮነን። ነታ ዘሳጒጋ ዝነብረ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ጳውሎስ ተባኂሉ ከገልግላ ጀሚሩ። ባዕሉዉን ከምዝተዛረቦ ካብ ካልኦት ሓዋርያት ንላዕሊ ኣዝዩ ደኸመ። ንዘሳጎግዎ ኣብዚሑ ይጽሊ ነበረ። ሮሜ.93

ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን ምውቓስ ምኽሳስ ምስ እንደሊ ንዝጸርፉና ፣ንዝረጒሙና ፣ዘሳጒግናን፣ ዘይኮነ ንገዛእ ርእስና ምውቓስ እዩ ዝግበኣና። ስለ ዝሰራሕናዮ ሓጢኣት ንገዛእ ርእስና ምኽሳስ ጥቕሚ እምበር ጉድኣት የብሉን። ክንጽልይ ከለና ስለዝገብረናዮ ሓጢያት እምበር ብዛዕባ ክፍኣት ካልኦት ብምሕሳብ ክኸውን የብሉን። ብቅጥነተ ኅሊና (ብምስትውዓል) ምስ እንርእዮ፣ ንሕና ንገዛእ ርእስና እንተዘይጎዲእናያ ንዓና ክጎድእ ዝኽእል ማንም የለን።
ነዚ ክንገብር ንሰብ ብምፍታው ሰብ ዝኾነ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይሓግዘና። ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ጾምና ይባርኸልና።  ይትባረክ አምላከ አበዊነ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment