Sunday, June 16, 2013

ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ:: 1 ቆሮ 6፡12



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
<<ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ>> (1 ቆሮ 6፡12)
(Click to in PDF)ብኣርብዓን ብሰማንያን ውሉድነት ሥላሴ ዝተቀበልኩም ደቂ ቅድስትን ጽንዕትን ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ እምነት፡ ናይ ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ቃል ኪዳን ደቃ ዝኾንኩም፡ ሰላም እግዚኣብሔር ንዓኹም ይኹን። ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ሓይለ ቃል መሰረት ብምግባር፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብአ ቆሮንጦስ ኣብ 1ይ መልእኽቱ ዝጸሓፎ ሓይለ ቃል ወሲድና፡ ካብኡ በረኸት ካብኡ ድማ ዘልአለማዊ ህይወት ንኽንረክብ ቅዱስ ፍቃድ ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ይኹነልና።
ከተማ ቆሮንጦስ ኣብ ግሪኽ እትርከብ ኮይና ካብ ከተማ ኣቴንስ 78 ኪ.ሜ. ርሒቃ ትርከብ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ኣብ ቅድስት ቅዱሳን ኣዴና ድንግል ማርያም ሓዲሩ ንድሕነት ደቂ ሰባት፡ ሰብ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ከተማ ቆሮንጦስ 6,000 ተቀማጦ ህዝቢ ነበራ።
ኣብ ገምገም ባሕሪ ስለእትድኮን ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ነጋዶ መርከበኛታት ከም መዕረፊ ማእከል ይጥቀሙላ ነበሩ። በዚ መሰረት ድማ እቶም ነጋዶ ከካብ ሃገሮም፡ ባህልን ሃይማኖትን ሒዞምላ ምስ መጹ፡ ሕማቕ ዘበለ ንህዝባ ክምህርዎ ጀመሩ። ኣቀድም ኣቢሎም ነበርቲ እታ ከተማ “ኣፍሮዲት” ዝተባህለ ባዕድ ኣምልኾ ነበሮም። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ንሓደ ሰብ ቆሮንጦሳዊ ተባሂሉ ክጽዋዕ እንከሎ ከም ጸርፊ ይቁጸር ነበረ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ” ዝበለ። ብዛዕባ ከተማ ቆሮንጦስ ኣስፊሕና ንምግላጽ ዘይኮነ፡ እቲ ቀንዲ ንዓና ዘድልየና ዘሎ፡ ደቂ ቅድስትን ንጽህትን ተዋህዶ እምነት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ፋሕ ኢልና ዘለና፡ ንኣሽቱን ዓበይትን፡ ብዙሕ ሪእና ብዙሕ’ውን ሕማቕን ጽቡቕን ተማሂርና ኢና። ስለዚ ኣምላከ ቅዱሳን ካብ ንፍጠር ኣትሒዙ ዝዓደለና ዓቢ ጸጋ፡ <<ነጸጋ ፍቓድ>> ኣብ ህይወትና ከመይ ኮን ንጥቀመሉ ንህሉ፤ ብምባል ንዳህስሶ ንውሽጥና። ምስጢሩን ጥበቡን ንቅዱሳኑ ዝገለጸ እግዚኣብሔር ንዓና’ውን ምስጢሩን ጥበቡን ምስትውዓሉን ንኽገልጸልና ቅዱስ ፍቃዱ ይኹነልና።
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኹሉ ክፈጥር ከሎ፡ ብሰለስተ መገዲ ማለት፡ ብኣርምሞ(ብስቕታ)፦ ኣርባዕተ ባህርያት ሥጋ (ሓዊ፡ ንፋስ፡ ማይ፡ ሓመድ ወይ መሬት)፡ ጸልማት፡ መላእክት፡ ሰማያት። ብነቢብ(ብምዝራብ)፡- ብርሃን፡ ጠፈር፡ እንስሳታት፡ እጽዋት። ብገቢር (ብምስራሕ)፦ ብዕለተ ዓርቢ ወጋሕታ፡ ሻዱሸይቲ መዓልቲ ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ንሰብ ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር፡ ሰለስተ ባህርያት ነፍሲ ምስ ኣርባዕተ ባህርያት ሥጋ ኣወሃሂዶም ንኣዳም ወዲ 30 ዓመት ጌሮም ፈጠርዎ። ኣዳም ኩሉ ምስ ተዳለወሉ እዩ ተፈጢሩ። ነጻ ፍቓድ ድማ ተዋሂቡ። እዚ ማይ እዩ፡ እቲ ድማ ሓዊ እዩ፡ ብነጻ ፍቓድካ ካብዚኣተን ምረጽ ተባህለ። <<እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኩሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ ኣዘዞ>> (ዘፍ 2፡16-17) ። ኣዳም ግን ነዚ ትእዛዝ ብምጥሓሱ፡ ማለት በቲ ናቱ ፍቓድ ብምኻዱ ናይ ሞት ሞት መቅጻዕቲ ተቀበለ። ናብ ውሉድ ወለዶ’ውን እቲ ሓጢኣት ናይ ደቂ ኣዳም ውርሲ ኮይኑ ተመሓላለፈ። ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ!
ኣብ ዘመነ ኖህ፡ 120 ዓመት ናይ ንስሓ ዘመን ተዋሂቡ ነይሩ እዩ። ማለት ብነጻ ፍቓዶም ናብ ኣምላኾም ዝምለሱሉ፡ ንእግዚኣብሔር ከመስግኑሉ ምስኡ ንኽነብሩ፡ መንግስቱ’ውን ንኽወርሱ ዕድል ነይሩዎም እዩ። ግና ደቂ ሰባት ካብ ንሓስቦ ነገራት፡ ጥበብናስ ካብ ጥበብ እግዚኣብሔር ይበልጽ እናበልና ንኸዶ ይበዝሕ። <<ጠቢብ ኣብ ርእሱ ኣዒንቲ ኣለዋኦ>> (መክብብ 2፡14) ከም ዝተባህለ፡ ጥበብ ዝዕድልሲ እግዚኣብሔር እዩ፡ <<ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንኹሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪዉሀቦውን እዩ>> (ያዕ 1፡5) ። እዞም ሰባት፡ ነቲ ፍርቂ ዕድሚኦም ኣብ ድልየቶም ንሥጋዊ ነገራት፡ እቲ ዝተረፈ ዕድሚኦም ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ዝብል ውጥን ገበሩ። እታ መዓልቲ ግና፡ ከምቲ ሰራቂ ይመጽእ ኣለኹ ከይበለ ዝመጽእ፡ ነፍስና እትውሰደላ መዓልቲ’ውን ስለዘይንፈልጣ፡ ነታ ዝመረጽዋ መንገዲ መቕዘፍቲ ኣስዓበትሎም እምበር ኣየድሓነቶምን። እቲ ምንታይሲ፡ ከይተዳለው ስለዝጸንሑ። ንሕና’ውን ካብ’ዚ ክንማሃር ስለዝግባእ፡ እቲ ወርቃዊ ዝኾነ ግዜና ኣብ ኣዝዩ ብሉጽ ህይወት ነሕልፎ። ንእግዚኣብሔር ነስምሮ። እቲ ቀንድን ኣገዳስን ዕላማ ምፍጣርና ምልላይ፡ ንስም እቲ ልዑልን ቅዱስን ቅኑዕን ፍቕሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽና፡ ምምስጋንን ምቅዳስን፡ ክብሩ ንምውራስን ኢና ተፈጢርና። ስለዚ፡ ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ!
ሎጥ ኣብ መንጎ ሰዶማውያን ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ ጊዜ፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትሳቀ ነበረት (2 ጴጥ 2፡8) ። ሎጥ ብነጻ ፍቓዱ ንኣምላኽ መረጸ፡ ሰብ ሰዶም ግና ሕሰም ንነፍሶም ዓደጕ። ሎጥ ንእግዚኣብሔር ኣብ ዝጽበየሉ ዝነበረ፡ ሰብአ ሰዶም ንዝፈጠሮም ኣምላኽ ረሰዑ። ብሓውን ዲንን ድማ ጠፍኡ። ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ ነገሩ እሞ ካብ ርኽሰት ንፈለ።
ነጻ ፍቓድ ንእስራኤላውያን ዝሃበ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ <<ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ።>> (ዘዳ 30፡19-21) ፡ ይብል ኣሎ። ብህይወት ምንባር ማዕረ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ፡ ኣብ ዓለም ብህይወት ምንባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዘልኣለም ምንባር ዘኽእለና ሥራሕ ምስራሕ እዩ። ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ።
እያሱ ወዲ ነዌ እውን እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኣብ ዘውጸኣሉ ዝነበረ ግዜ፡ <<ንመን ከም ተምልኹ ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሔር ኢና እነገልግል።>> (ኢያ 24፡15)፡ ብምባል፡ ካብቶም ካብ ግብጺ ዝተበገሱ 600,000 ህዝቢ፡ ክልተ ጥራይ ምድሪ ርስቲ ኣቦታቶም ረገጹ፡ እያሱን ካሌብን።
ኣብ መክብብ ምዕ 11፡9 ምስ እንርኢ <<ኣታ ወዲ፡ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ በዘን መዓልታት ንእስነትካ ተሐጎስ እትደልዮ ግበር። ልብኻ ዝብህጎ ኸኣ ስዓብ ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ኩሉ ከም ዝፈርደካ ዘክር>> ይብለና ኣሎ ብቅዱስ ቃሉ።
ንበረኸት ክኾነና ድማ ካብ ስንክሳር 9 የካቲት ናይ ሰማእት ቅዱስ ጳውሎስ ሶርያዊ ታሪኽ ምስ እንወስድ ድማ፡ ወለዱ ሶርያውያን ነጋዶ ኮይኖም ኣብ ሃገረ እስክንድርያ ዝነብሩ ዝነበሩ እዮም። ነዚ ቅዱስ፣ ኣብኡ ስለዝወለድዎ ካብኡ ንንየየው ኣብ ሃገረ እስሙናይን ተቐመጡ። እዚ ቅዱስ ምስ ጐበዘ ወለዱ ብዙኅ ገንዘብ ኃዲጎሙሉ ዓረፉ። እንተኾነ ግናዓላውያን ነገሥታት ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ንዕኡ ይኹን ንዚኣምኑ ቅዱሳን ምእመናን ከምዚዅንንዎምን ከምዚቐትልዎምንስለዝሰምዐ ብኡ ንብኡ ኵሉ ገንዘቡ ንነዳያንን ምስኪናንን መጽዊቱ፣ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ዚሠምረሉ መገዲ ኪመርሖ ለመኖ እሞ ጐይታ ድማ ሱርያል ዝበሃል መልኣኹ ሰዲዱ ኵሉ ኣብ ልዕሊኡ ብስም ክርስቶስ ዚበጽሕ ኵነኔ ነጊሩ ድማእንሆ እግዚኣብሔር ምሳኻ ኮይነ ከይትፈርህ ኬጽነዓካ ኣዚዙኒ ኣሎበሎ። ብኡ ንብኡ ተንሥአ እሞ ናብ ሃገረ እንዴናው ከይዱ፣ ኣብ ቅድሚ መኰንን ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ንዕኡ ይኹን ተኣመነ። እቲ መኰንን ድማ ዕራቑ ኣውጺኦም ብሓለንጊ ኪወቕዕዎ ኣዘዘ እሞ ከምኡ ገይሮም ዘበጥዎ። ሽዑኡ ድማ ናይ ሓዊ ሽግ ኣብ ገቦኡ እኳ እንተገበርሉ ወለሓንቲ ኣይለኸፎን። ደጊሙውን ብዙኅ ገንዘብ ኣምጺኡ እኳ ንክርስቶስ ኪኽሕዶ ኪሓባብሎ እንተፈተነ፣ ብፁዕ ጳውሎስወለደይ ኪሞቱ ከለዉ 17 መኽሊት ወርቂ ኃዲጎሙለይ፣ ግና ብፍቕሪ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ንዕኡ ይኹን ነዓቕክዎ እምበሪ ናብኡ ገጸይ እኳ ቝሊሕ ኣይበልኹን፣ ስለዚ ከመይ ገይረኸ ናብ ገንዘብካ ክምለስ ይከኣለኒበሎ። ሽዑኡ እቲ መኰንን ኣባትር ሓፂን ኣርሲኖም ኣብ ኣእዛኑን ኣፉን ኬእትዉሉ ኣዘዘ እሞ ከምኡ ምስ ገበሩ፣ ብኡ ንብኡ ሱርያል መልኣኽ መጺኡ ኣካሉ ዳህሰሶ እሞ ኣሕወዮ። መሊሶምውን ኣትማንን ዕንቕርቢታትን እኳ እንተሰደድሉ ወለሓንቲ ኣይለኽፍዎን። ሽዑኡ ልሳኑ መተሩ እሞ፣ ግና ጐይታ ኣሕወየሉ።
እቲ መኰንን ናብ ሃገረ እስክንድርያ ኪኸይድ ተበገሰ እሞ፣ ነዚ ቅዱስ ምስኡ ተማለኦ። ጐይታና ኣብታ ጃልባ ተራእዮ እሞ ናዚዙ ኣጸናንዖ። ንቅዱስ ጳውሎስ ኣባ ኤሲ ዚበሃል፣ ቴክላ እትበሃል ሓፍቲ ዝነበረቶ፣ ዓርኪ ነበሮ እሞ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋኡ ምስናይ እዞም ቅዱሳን ሥጋ፣ ነፍሱ ድማ ምስነፍሶም ከምዚኸውን ቃል ኣተወሉ።
እዞም ቅዱሳን ኣብ ቤት ሞቕሕ ናይ ሃገረ እስክንድርያ ስለዝነበሩ፣ ምስኦም ተራኸበ እሞ ነንሕድሕዶም ተሰዓዓሙ። ነፍሶም ከኣ ብምርኻቦም ባህ ኢልዎም ተሓጎሱ።
እቲ መኰንን ናብ ሃገረ ኣንዴናው ኪምለስ ኣብ ዝተበገሰሉ ጊዜ ንቅዱስ ጳውሎስ ርእሱ መቲሮም ናብ ገምገም ባሕሪ ደርበይዎ እሞ ናይ ምስክርነት ኣኽሊል ኣብ መንግሥተ ሰማያት ተቐበለ። ምእመናን ድማ ሥጋኡ ወሲዶም ብጽቡቓት ኣልባስ ገኒዞም ምስኦም ኃብእዎ። ካብ ሥጋኡ ድማ ተኣምርን ብዙኅ መንክርን ፈውሲ ንድውያንን ኮነ። በረኸቱ ምስኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።
ኣምላከ ቅዱሳን ብምሕረቱ፡ ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ፡ ቅዱሳን እግዚኣብሔር ብጸሎቶም ኣይፈለዩና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር። አሜን!!! 

1 comment:

  1. Hey There. I found your blog the use of msn. That is a very smartly written article.

    I'll make sure to bookmark it and come back to learn more of your helpful information. Thank you for the post. I'll
    certainly comeback.

    My homepage; pilates exercises

    ReplyDelete