Thursday, July 18, 2013

ንስሓ 7ይን መወዳእታን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
አሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 7ይን መወዳእታን
ናይ ንስሓ ህይወት
ሀ. ትግሃት
ቅዱስ ማር. ይስሓቕ፡
+ ጸጋታት ጾም ጸሎት ዘለዎ ሰብ፡ ግና ልሳኑ ዘይገትእ፡ ሓሳባቱ ዘይቆጻጸር ጻዕሩ ንኸንቱ እዩ። ምኽንያቱ ቅድመ ንስሓን ድሕረ ንስሓን ንዘሎ ህይወት እንተ ዝምዘን፡ ድሕሪ ንስሓ ዘሎ ናይ ንጽህና ምዕቃብ ይረዝን። 
+ ትእዛዝ ምሕላው ሓጢኣት ምፍጻም ይገትእ። ልባዊ ሓሳብ ምቁጽጻር ግና ነቲ ምንጪ ቃንዛ ሓጢኣት የወግድ።
+ ብዙሕ ዝዛረብ ሰብ ናይ ኣእምሮ ቅሳነት የብሉን። ቅሳነት ዘይብሉ ድማ ሓጎስ ኣይርከቦን። ንጽቡቕን ሕማቕን ናይ ሰባት ብልሳኑ ከልዕል ዚውዕል ሰብ ካብ ጸጋታት ኣምላኽ ተኻፋሊ በረኸት ኣይከውንን።  


+ ልሳንካ ኣድብ፡ ፈሪሀ እግዚአብሔር ክሓድረካ።

+ ናይ ዓለም ቃል ምስ ትጸልእ፡ ልብኻ ንኣምላኽ ክርኢ እዩ።

ቅ. ኣንጦንዮስ፡
+ ኣብታ ሓጢኣት ዝፈጸምካላ ዓዲ ኣይትቀመጥ።
+ ንሓደ ካብ ቅዱሳን ኣቦታት እኩይ ሓሳብ ማለት፡ “ጽባሕ ተነሳሕ” ዝብል ምስ መጾ። “ፍጹም ኣይኮውንን’ዩ፡ ሎሚ ክናሳሕ እየ፡ ጽባሕ ድማ ኣምላኽ ይፈልጥ።” እናበለ ነቲ እኩይ ሓሳብ ይዋጋእ ነበረ።
+ ቅ. ባስልዮስ፡ ፈሪሀ እግዚኣብሔር ማለት፡ ንነኣሽቱ ነገራት ተጠንቂቅካ ኣብ ዓበይቲ ሓጢኣት ከይወደቕካ ዝግበር ቃልሲ እዩ።
+ ቅዱስ ኣቦ ከምዚ ክብል ተዛረበ፡ “ካብ ዓለም ዝወጻሉ ዕለት፡ ትንሳኤ ህይወተይ ዝጅምረሉ፡ ንኣምላኸይ ዘምልኸሉ ዕለት እዩ። ቀጻሊ ድማ ኣብ ዓለም ከም ጋሻ ናብ ቤቱ ንምምላስ ዝህንጠ ኮይነ እነብር።”
+ ቅዱስ በርሰፎንዮስ፡ “ኣብ’ታ ቀዳመይቲ ፈተና ንኣምላኽ ደስ ዘብል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢ ከሰንፎ ኣይክእልን። ኣብ ቀዳመይቲ ፈተና ንኣምላኽ ዝርስዕ ጸላኢ ሠናይ ናብ ኣምልኾ ጣኦት ክእትዎ ይኽእል።”
+ ብዛዕባ ቅዱስ ኣባ አዎር፡ ክፉእ ቃል ካብ ኣፎም ኣይወጽን፡ ሓሶት ኣይዛረቡን፡ ክትዕ ኣይፈትዉን፡ ምትላል ዝጸልኡ ቅዱስ ኣቦ እዮም ነይሮም። ኮታ ኣብ ኣድላዪ እንተ ዘይኮይኑ ኣይዛረብን ነበረ። ንረድኡ(ተመሃራዩ) ድማ፡ “ወደየ ኣብዛ በዓቲ ሕማቕ ቃል ከይትዛረብ” በሎ።
ሓደ እዋን ረድኡ ንኣባ አዎር ላኻ መስርሒ ዘንቢል ክገዝእ ናብ ከተማ ወረደ። ላኻ ምስ ረኸበ ንዋንኡ ዋጋ ሓተቶ። እቲ ዋና ድማ፡ “እዚ ላኻ’ዚ ናይ ሓደ ሰብ እዩ። ዕርቡን ከፊሉኒ ይጽነሓለይ ኢሉ ክሳብ ሕጂ ኣይተመልሰን። ንስኻ ግን፡ ዋግኡ ትኸፍል እንተኾንካ ውሰዶ” በሎ። በዚ ድማ ነቲ ዋጋ ከፊሉ ነቲ ላኻ ናብ ኣባ ኣዎር ሒዙዎ ከደ። ነቲ ዘጋጠሞ ኩሉ ንኣባ ኣዎር ነገሮ። እዚ ዝሰምዐ ኣባ አዎር ብዙሕ ጐሃየ። ናብ በዓቱ ንኸይኣቱ ድማ ኣዘዞ። ረድኢ ኣባ ኣዎር ጌግኡ ተረዲኡ ነቲ ላኻ መለሶ።
ለ. ንስሓን ውህበት ጸጋታትን
+ ብዙሕ ሕማቕ ነገራት ዝሰረሐ፡ ኣጸያፊ ዝኾነ ህይወት ዝነበሮ ሰብ፡ ተጣዒሱ ናብ ምሕረት ኣምላኹ ተመሊሱ፡ ንዓለም ጸሊኡ ንኣምላኹ ከስምር ተበገሰ። ኣብ በረኻ ድማ ንዕኡ እትኸውን ንእሽቶ ጠጠው ጥራይ እተብሎ መዕቆቢት ሰረሐ። ኣብኡ ድማ ለይትን መዓልትን ብጾምን ጸሎትን ንኣምላኹ ኣስመረ። ገለ ካብ ቤተ-ሰቡ ዝርከቦ ቦታ ምስ ፈለጡ፡ መብልዕን መስተን ከምጽእሉ ጀመሩ። ዘድልዮ ነገራት ተቀረበሉ፡ ንተድላ ሥግኡ ይነብር ከም ዘሎ ምስ ተረድኦ ብዙሕ ጐሃየ። ከምዚ እናለ ንነፍሱ ክወቕሳ ጀመረ፡ “ሞት ኣብ ኣፍ ደገ እናተጸበየት ንነፍሰይ ዕረፍቲ ዝእዝዘላስ ከመይ ገይረ እየ፤ ነቲ ዝነበሮ ቦታ ሓዲጉ፡ “ግብረይ ግብሪ እንስሳታት ካብ ኮነስ ከም እንስሳታት ኣብ በረኻ ሳዕሪ ክምገብ ይግበኣኒ ብምባል።” ኣብ በረኻ ክነብር ወሰነ። ናብርኡ ድማ ናብራ በረኻ ኮነ።
+ ብስቡር ልቢ ካብ’ቲ ዝነበረቶ ናይ ሓጢኣት ህይወት ናብ ኣምላኽ ዝተመልሰት ሓንቲ ኣደ ነበረት። ብድሕሪኡ’ውን ብዙሕ ትሩፋት ክትሰርሕ ጸጋ ተዋህባ። ሕሉፍ ሓሊፉ’ውን ናይ ደናግል ገዳም እመመኔት ተሾመት። ኣብ’ቲ ዝነበረቶ ገዳም’ውን ከይተረፈ፡ ብብርቱዕ ገድሊ ንሥግኣ ትቐጽዕ ነበረት። ገለ ካብተን ደናግል፡ “አዴና ቅሩብ ዘይትበልዒ፡ ሓይሊ ክትረኽቢ።” ኢለን ይዛረብኣ ነበራ። ንሳ ኸኣ፡ “ደቀይ፡ ብዛዕባ መግቢ ኣይትዛረባኒ፡ ምኽንያቱ ናብ’ቲ ዝነበርኩዎ ህይወት ከይምለስ እየ ካብ መግቢ ዝርሕቕ ዘለኹ” ።
ሐ. ትሕትናን ንብዓትን
ቅዱስ ኣንጦንዮስ፡
+ በቲ ዝገብርካዮ ሓጢኣት ክትነብዕ ከሎኻ፡ ብዙሕ ለምን።
+ ከም ሰብ ዝሞተካ፡ ብዝገበርካዮ ሓጢኣት ብኸ።
+ ዘይቲ ፋኑስካ ንብዓት ዓይንኻ ይኹንካ።
+ ብኽያት ልመድ፡ ምሕረት ኣምላኽ ምእንቲ ክትረክብ። ካብ ትሑትነት ተጠንቀቅ። ምኽንያቱ ናብ ጭንቀት ስለዝመርሕ።
+ ዝጽረፍ ዘበለ፡ ምኽንያት መጽረፊኡ፡ ባዕሉ ካብ ዝፈጸሞ ሕማቕ ነገር ከም ዝኾነ ክሓስብ ይግባእ። ክዝለፍ ከሎ፡ ብደገ ይዋረድ ኣሎ። ከምኡ’ውን ብውሽጡ ትሕትና የጥሪ። ሺምዒ ንዳዊት ምስ ረገሞ ዳዊት እንታይ ኢሉ መለሰሉ፤ <<ንጉስ ግና ኣቱም ደቂ ጽሩያ ምሳኻትኩም ዚራኽብ እንታይ ኣሎኒ፤ እቲ ዚረግመኒ ዘሎስ፡ እግዚኣብሔር ‘ንዳዊት ርገሞ’ ኢሉ ኣዚዝዎ እዩ እሞ ስለምንታይ ከምዚ ትገብር ዝብሎ መን እዩ፤ በሎ።>> 2 ሳሙ 16፡10 ። ብካልእ ወገን’ውን ንጐይታናን ኣርኣያናን ፈጣሪናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ የመሳስሎ። ምኽንያቱ ምስ ተጸርፈ ኣይጸረፈን። (1 ጴጥ 2፡23) ። እቲ ዝዝልፈካ ዘሎ ካብ ኰንቱ ውዳሴ የናግፈካ፡ ብልሳኑ ገይሩ ጠቓሚ ዝኾነ መድሓኒት  እዩ ዝሰደልካ። ነፍስኻ ምውራድ ምስ ፈለጥካ ብዘይዝኾነ ይኹን ጓሂ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ህይወትካ ክትመርሕ ክትክእል ኢኻ። ንኹሉ ሠናይ ግበር፡ እንተ ዘይተኻእለ ድማ ንኹሉ ኣፍቅር። እዚ ኩሉ እንተ ዘይተኻእለካ፡ ንዝኾነ ሰብ ኣይተቖጥዕ። ዓለም ተፍቅር እንተኾንካ ካብ ዝተጠቕሰ ሓንቲ ክትተግብር ኣይክትክእልን ኢኻ።
+ ኣብ’ዛ ዓለም ንዝተርፍ ነገራት፡ ከሻቕለካ የብሉን። ክትሻቐለሉ’ውን ኣየድልን። ኩሎም ሰባት እንተ ዘለፉኻ ኣይትሸበር፡ ምኽንያቱ ንሶም ከምቲ ንፋስ ዝብትኖ ቡቕቡቕ እዮም። ከሕዝነካ ዘለዎ ነገራት፡ ነቲ ዘለፋ ዝግብኦ ምስ ዝኾውን ጥራይ እዩ።
+ ክብረት እንታይ ይጠቅም፤ ኣብ ንፋስ ዚጠፍእ፡ ዋጋ ዘይተኸፍለሉ ዘለፋ እንታይ ክሳራ ኣለዎ። ሰባት ናብ መቓብሮም ይኸዱ፡ ክብሮም ውን ምስኡ ይጠፍእ።
+ ክልተ ኣሐው ኣባ ዘይኑን ኣብ ዝርከበሉ ገዳም፡ ኣብ ሓደ መንፈሳዊ ጉባኤ ምስ ተራኸቡ ነፍሲ ወከፎም እቲ ኣብ ልቡ ንዘሎ ነገራት ንኣባ ዘይኑን ክናዘዝ ምዃኑ ቃል ኣተወ። እቲ ሓደ፡ ብምሉእ ትሕትና ኣብ እግሪ እቲ ካህን ተንበርኪኹ ብስቡር ልቢ እናነብዐ ሓጢኣቱ ክሕደገሉ ኣብ ጸሎቱ ምእንቲ ክድግፎ ተማሕጸኖ። ኣባ ዘይኑን ድማ፡ ኪድ ዝወደይ ነፍስኻ ንክፉእ ኣይትሃብ ኣብ ጸሎትካ ድማ ሸለል ኣይትበል እናበሎ መዓዶ። እቲ ካልኣይ ድማ፡ ሓጢኣቱ ምእንቲ ክሕደገሉ ነቶም ቅዱስ ኣቦ ብጸሎት ክድግፍዎም ተማሕጸኖ። ግና፡ ኑዛዜኡ ብትሕትናን መሪር ሓዘንን ኣይነበረን። ድሕሪ ግዜ ምስ ተራኸቡ፡ ካብቲ ዝተዋህቦም ምኽርን ቆኖናን ጥቕሚ ረኺቦም’ዶ ንዝብል ሕቶ፡ እቲ ብስቡር ልቢ ዝተነሰሐ፡ ብፍቓድ ኣምላኽን ጸሎት እቶም ቅዱስ ኣቦን ፈውሲ ከም ዝረኸበ ገለጸ። እቲ ካልኣይ ግና፡ ብስቡር ልቢ ስለዘይተነሰሐ፡ እቲ ዝተዋህቦ መድሓኒት ከም ዘይጠቐሞ፡ ሥርየት ሓጢኣት ዝረኸበ ኣይተሰመዖን። ስለዚ ድማ ካብ’ዚ እንታይ ንማሃር እንተኾይኑ እቲ ሕቶ፡ ኣብ ህይወትና ክንገብሮም ካብ ዝግብኡና ነገራት፡ ንንስሐ ዝንቀደት ልቢ ኣብ እግሪ ቅዱሳን ኣቦታት፡ ምሉእ ትሕትና ተቐኒታ፡ ካብ ውሽጢ ልቢ ዝነቐለ ጣዕሳ ኑዛዜኣ ብንብዓት ተቕርብ። እዚ ምስ ዘይኮውን ማለት፡ ብዘይ ጣዕሳ ዝቐርብ ኑዛዜ፡ ሥረየት ሓጢኣት ኣይረክብን፡ ኣብ ናይ ዘልኣለም ብሓውን ዲንን ክጥሕል እዩ።
+ ቅዱስ ማር. ይስሓቕ፡ ፍረ ንስሓን፡ ብንብዓት ዝተሰነየ ጸሎትን፡ ትሑት መንፈስን፡ ስቡር ልብን፡ ካብ ጓሂ ነፍሲ ጥራይ ኣይኮነን ዘናግፍ፡ ካብ ምውታት’ውን ዘተንስእ እዩ።
+ እኹል ጊዜ ዘለዎ፡ ብተድላ ሥግኡ ዝነብር፡ ንኽንሳሕ ሸለል ዝብል ሰብ ወይልኡ። ምኽንያቱ ኣብ ዝልምነሉ ምልሲ ኣይረክብን፡ ኣብ ፈተናኡን ሽግራቱን ኣብ ዝውከሎ ይስእን። ንኽንሳሕ ዘበግሳና፡ ሽግር፡ ጸበባ፡ ዘለፋን ፈተናን እየን። ናብ ጥፍኣት ዝመልሳና ድማ፡ ፍቕሪ ዓለም፡ ዕረፍቲ ካብ ፈተና፡ ክብረትን መዓርግን እየን። ምኽንያቱ ካብ ፈተና ውሽጣዊ ሰላም ይምንጩ። ምእንቲ ልዕልና እግዚኣብሔር ኢልካ ትጽመሞ ሽግርን ጸበባን፡ ውሽጣዊ ሓጎስን ናይ መንፈስ ምጽንናዕን ይርከብ። ብጄካ በዘን ዝተጠቕሳ ዝርከብ ሰላም ሰላም ዘይኮነ ናይ ሓሶት ሰላም እዩ።
-     ፈሪሀ እግዚኣብሔር
ዱስ ሙሴ ጸሊም፡
+ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብንስሓ ክትምለስ ምስ ወሰንካ ብዝገበርካዮ ንስሓ ዕግበት ኣይሰመዓካ። ምኽንያቱ ምስ ዓገብካ ትዛነ ነቲ ዝስመዓካ ዝንበረ ጓሂ ይዝሕል፡ ፈሪሀ እግዚኣብሔር ድማ ካብ ልብኻ ይቕንጠጥ።
+ ብዅሉ ዓቕምኻ ፈሪሀ እግዚኣብሔር ንኽወሃበካ ለምን።
-     ሓጢኣተይ ኣብ ቅድመይ እዩ።
ሓደ መንእሰይ ንኣባ ቢመን፡ ኣነ ሓጢኣተኛ እየ ምስ በሎ፡ ሓጢኣተይ ኩሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። ጽሑፍ እዩ። ብዝበደልካዮን ዝኣበስካዮን ተነሳሕ፡ ሽግርካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘርዝር። ካብ ኩሉ መከራኻ ከናግፈካን ካብ በረድ ክትጽዕዱ ከም ዝሓጽበካን እመን።
-     ሂ/ ልባዊ ሓዘን
ጓሂ ንሓጢኣት ይሓጽብ። ሓደ ሰብ ናብ ልባዊ ሓዘን ክበጽሕ ብዙሕ ጻዕሪ የጓንፎ። ካብ ውርደት፡ ንሞት ምዝካር፡ ዘልኣለማዊ ኩነኔ፡ ምረትን እሳተ ገሃነምን ምስ ዘይርስዕ ንብዓት ይመጾ። እዚ ኸኣ ድሕነት ነፍስና ምስ ነቐድም፡ ድልየታት ሥጋና ዓጊትና፡ መስቀል ክርስቶስ ንምስካም ብቁዓት ምስ ንኸውን እዩ።
መ. ቀዳመይቲ ፍቕርኻ ምዝካር።
ቅዱስ ማር. ይስሓቕ
ምስ ወደቕካ፡ ጽዕነት ኣብ ዝኸበደካ፡ ጸላኢኻ ብመቑሕ ምስ ኣሰረካ፡ ነታ ቀዳመይቲ ፍቕርኻ ዘክር። ትጉህ፡ ኣብ መንፈሳዊ ዕዮኻ ንጡፍ፡ ኣብ ንኣሽቱ ነገራት ከይተረፈ ጥንቁቕ፡ ነቶም መንገድኻ ዕንቅፋት ዝኾኑኻ ብትዕግስቲ ከም ዝሰዓርካዮም፡ ትሩፋትካ ንምኽዕባት ምኽንያት ዘይነበረካ፡ ከመይ’ውን ኣኽሊል ዓወት ኣብ ልዕሊ ጸላእትኻ ከም ዝሓፈስካ ዘክር።
ነዚ ምስ ዘከርካ ካብ ከቢድ ድቃስ ንዝመስል ናይ ትንሳኤ ብርሃን ክትርኢ ኢኻ። ተምሳሉ ካብ ሞት ምትንሳእ ስለዝኾነ ናብ’ታ ቀዳመይቲ ፍቕሪ ክትምለስ ኢኻ።
ኸ. ሞትን ኩነኔ እሳተ ገሃነምን ምዝካር
ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡
+ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ምቕል ድልው ኩን። ኵሉ ትገብሮ ከም ፍቓዱ ክኸውን እዩ። ኣብ’ዚ እንከሎኻ ነፍስኻ መርምር፡ ስንቅኻ ቋጽር፡ ሞት መሪር ምዃኑ ፈሊጥካ ተጋደል። ብርሃንካ ዝረኣዩ ኣሕዋትካ ቅዱስ ቅንኢ ኣሕዲሮም ክኽተሉኻ እዮም።
+ ኩነኔ እሳተ ገሃነም ዘክር፡ ተግባር ዓለም ክትሕሰሞ ኢኻ።   

ኣጀሚሩ ብሰላም ንዝፈጸመና ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኽበር ይመስገን። እመ ብርሃን ብጸሎታን በረኸታን ኣይትፈለየና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!!!
             
 



No comments:

Post a Comment